- Details
- Geschrieben von ክብሮም ከሰተ
ናይ ኤርትራውያን ጉዳይ እንዳወዓለ እናሓደረ ኣብ ክንዲ ዝመሓየሽ መሊሱ ይገድድ ኣሎ። ብቐዳምነት ውሽጡ ኣብ ክንዲ ዝርኢ ዘይምኽንያታዊ ጽልኢ ተማሂዙ ቀልቡ ናብ ግዳም ከተኩር ይስራሕ ኣሎ። ካብ ሕሉፍ ጉድለቱ ክመሃር ክእርነብ ኣብ ክንዲ ዝስራሕ መሊሱ መላሊሱ ንዕኡ ከኮማስዕ ብመደብ ክስራሕ ጸኒሑን ይቕጽል ኣሎን። እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ንተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ብከፋፊልካ ግዛእ ፖሊሲ ውሽጣዊ ሓድነቱ ዘሪጉ፡ ብቑጣባ ኣዳኺሙ፡ ማሕበራዊ ክብርታት ኣራኺሱን በታቲኹን፡ ዶብ ኤርትራ ሰጊሩ፡ ንመጻኢ ወለዶ መዓስ ‘ምበር ክኽፈል ምዃኑ ዘየጠራጥር ናይ ደም፣ ህይወት፣ ጥሪት፣ ንብረት፣ ከቢድ ዕዳ ዘሰክም ተግባር ይፍጽም ኣሎ። እዚ ህዝቢ ቅድም ክብል ከም ህዝቢ ካብ ዝፍለጠሉ ናይ ክብሪ ሚዛን ክወርድ፡ ህይወቱ ካብ ኲናት ናብ ኲናት እናተሰጋገረ ከም ዓውደ መኼዳ ኣብ ዕንክሊል ክነብር ብኣደንቋሪ ፕሮፖጋንዳ ኣብ ምርብራብ ይርከብ።
- Details
- Geschrieben von ክብሮም ከሰተ
መጀመሪያ ኣርእስቲ ጽሑፈይ፡ ናብ’ቶም ንጹር መርገጽ ዘይብሎም ተንሳፈፍቲ ፖለቲከኛታትን መሰልቶምን ጥራሕ ዘነጻጸረ ምዃኑ፣ ምስ’ቶም ደረጃ ማሕበረ ቁጠባዊ ምዕባሌና ዝፈጠሮ ሰበኽ-ሳግማዊ (ዘላን) መነባብሮ ዘሕልፉ ወገናትና ዘተኣሳስር ከም ዘይብሉ ኣንበብቲ ብቕንዕና ክትርዱኡለይ ኣዘኻኽር። ቀጺለ ናብቲ ቀንዲ መልእኽተይ ክኣቱ፡-
ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ብመንጽር ፖለቲካዊ ተፈጥሮኡን ተግባሩን ንህዝቢ ኤርትራ ፈታዊ ድዩ ጸላኢ? ብኸመይ ከ ክግጠም ኣለዎ? ብኩለመዳያዊ ቃልስ’ዶ ብሰላማዊ ኣገባብ ጥራሕ? ክመጽእ ዝድለ ለውጢ ኸ መሰረታዊ ለውጥዶ ዶ ጽገናዊ ለውጢ? ጠንቂ ናይ’ቲ ንህዝቢ ኤርትራ ሰለሎ ዘእተዎ ብዶብን ባድመን ተመኽንዩ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ኲናት ከ መን’ዩ? ብእንኮ-ሰባዊ ስርዓት ተገፊዕና ተዋሲና መሰልና ተነፊግና ኢሎም፡ ናቶም ውደባ ፈጢሮም ምስ ዝቃለሱ ዘለው ዝተፈላለዩ ውድባትን ምንቅስቓሳት ክህሉ ዝግባእ ናይ ቃልሲ ዝምድና ‘ኸ ከመይ ይኹን ዝብል ዛዕባ ሓደ ካብ’ቲ መን እንታይ ባህሪኡ ንመንከ ውግንናኡ ዝግለጸሉ መፍትሒ ከይተገብረሉ ዝቐጸለ ኣዛራቢ ጉዳይ ምንባሩ ይፍለጥ’ዩ።
- Details
- Geschrieben von ክብሮም ከሰተ (ደግሓኤ)
መጀመሪያ ‘ዚ “ዝተረደኦን ዝተወደኦን’ዩ” ዝብል ብዙሕ ከዛርብ ዝኽእል ክልተ ቃላት፡ ኣምለኽቲ ኢሳያስ ኣብ ጊሰን ሃገረ ጀርመን ንዝወደብዎ ናይ ፕሮፖጋንዳ ፈስቲቫል ንምብርዓን ኣብ ዝተገብረ ተቓውሞ፡ ካብ ገለ ኣባላት “ብርጌድ ንሓመዱ” ዝሰማዕክዎ ምኳነይ ክገልጽ እፈቱ። ከምእ’ውን ብርጌድ ንሓመዱ ነቲ ብተግባር ዝዛረብ ዝኸፍልዎ ዘለው ክቡር ዋጋ ዘለኒ ኣኽብሮት ከረጋግጽ እደሊ። ንፖለቲካዊ መንነት እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኢሳያስ ከቃልዑ፡ መደባቱ ከፍሽሉ፡ ገንዘባዊ እቶት ከይረክብ ክዓጽው፡ ንኣሽበርቲ ኣምለኽቱ በቲ ዝርደኦም ቋንቋ ገጢሞም ብተግባር ከርዕዱ፡ ብዙሕ ገንዘባዊ ወጻኢታት ገይሮም ካብ ርሑቕን ቀረባን ተኣኻኺቦም ዝኸፈልዎን ገና ዝኸፍልዎ ዘለውን ናይ ማህረምቲ፣ መስበርቲ፣ ማእሰርቲ ከቢድ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ዋጋ ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ናይ ክብሪ ቦታ ክሰፍሩ ዘለዎም ፍሩያት ተግባራት ብምዃኑ ሓበን ይሰማዕኩም ክብሎም እደሊ።
- Details
- Geschrieben von Editor-in-chief
እቶም ኣብ ትሕቲ ጭቆና ህግደፍ ዘለኹምን ካብኡ ዘምለጥኩምን ኤርትራውያን ደስ ይበልኩም። እቲ ንፈስቲቫል ህግደፍ ኣብ ጊዘን ምስልሳሉ ንከብቕዕን ከም ዝእገድ ንምግባሩን ዝዓለመ፡ ንነዊሕ ዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ሰላማዊ ሰልፊታት፡ እነሆ ሎሚ በቲ ንቃልሲ ሳዳታቱን ኣያታቱን ዘቐጸለ መንእሰይ፡ እቲ ዝተሓለነ ሸቶኡ ክወቅዕ ገቢሩዎ ኣሎ። መቓልሕን መሓዙታ ኤርትራውያን ሲቪላውያን ማሕበራትን ፖለቲካውያን ውድባትን ድማ እቲ ዳርጋ ካብ 2011 ዝጸዓርናሉ ግን ዘይተዓወትናሉ፡ እንቛዕ ኣብ’ዚ ደረጃ’ዚ በጺሑ ክንርኢ ገበርኩም። ኣብ ዝቕጽል መደባት እውን ኣብ ምትሕብባርኩም ምህላዋ መቓልሕ ተረጋግጽ።