selamndemocrasn
ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን፡ ወግዓዊ ፈነዊ ደምክራሲያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ). Voice of Peace & Democrasy. Official sender of the Democratc Front Erirean Unity (DFEU)
  • ሰላምን ደሞክራስን
  • እዋናዊ ዜና News
  • ቃለ መጠይቕ Interviw
  • ፈነወ Sendung
  • ዓንቀጽ ሰማዕቲ
  • ግጥምታት
  • ተረክቦታት
  • ምልክታታት
  • ኣገባባት

እዋናዊ ዜና

  • ግሉጽን ደሞክራስያውን ፖለቲካዊ ገምጋም፡ ፍቱን መድሓኒት ንፖለቲካዊ ሕማም፡
  • ብኣምዑት ዝብኢ ዝተቓነየት መሰንቆን፡ ባህሪ ስርዓት ህግደፍን ሓደ እዩ፡
  • መምዘኒ ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት  ተካኢ ዓቕሚ ሰብ ኣፍሪዩ’ዶ ኣየፍረየን ክኸውን ይግባእ።
  • “ዝኣዘዝናዮ ዝሰርሕ ህዝቢ ኣይንፈጥርን”
  • ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
  • ኣፍሪቃ፡ ሓንቲ ሃገር ወይስ ሓንቲ ኣህጉር?
  • ንእንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዓወት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሕፍር መርድእ ሞት ስርዓተ ትምህርቲ፡-
  • ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ።
  • ህግደፍ ክሳብ ዝውገድ ብፍሉይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብኩም ኣይትዛረቡ፡ ብዝተሓተ ሓባራዊ መቖሚያታት ጥራሕ ተቐየዱ፡ ማለት ብተግባር ዘስርሕ ሜላ ኣይኮነን።
  • ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ብንቅሓት ዝውነን ፖለቲካዊ ሓሳብ ‘ምበር፡ ብልግሲ ዝወሃብ ወይ ድማ ብምጽወታ ትቕበሎ  ግኡዝ ነገር ኣይኮነን።
  • ኣብ ህልዊ ኩነታት ኣመልኪቱ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ፡
  • ፖለቲካዊ ጽላላት ብምቐያር ጥራሕ፡ ልፍንታዊ ግንባራት ክዕወቱ ኣይክእሉን‘ዮም፤
  • ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢ ዝተነጸረ መርገጺ ከይሓዝካ ምቅላስ፡ ነጻነት፡ ሰላምን ደሞክራስን ልምዓትን ምርግጋጽ ኣይካኣልን፡
  • ብምኽንያት መበል 33 ዓመት ዕለተ ነጻነት ኤርትራ 24 ግንቦት ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ
  • ናይ ደምበ ተቓውሞና ጸገም፡ ኣብ ዝተሰማማዕካሎም ልፍንታዊ ዕላማታት፡ ሰጢምካ ክትቃለስ ዘይምብቃዕ እዩ፤
  • ሓድነት ክረጋገጽ፡ ናይ እምነትን ተግባርን ውህደት ክህሉ የድሊ፤
  • ብርጌድ ንሓመዱ ከም ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓረካ)፡ ፈተውቲ ብዝመስሉ ወገናት ጉዕዘኡ ከይቑጸ ክጥንቀቕ ይግባእ
  • ደድሕሪ ህዝቢ ዝኸይድ ውድብ፡ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን።
  • ውሳኔ ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ 19 መጋቢት 2024፡ ውጽኢት ውሁድ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን ወፍሪ’ዩ።
  1. Aktuelle Seite:  
  2. Startseite
  3. እዋናዊ ዜና News

ውሳኔ ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ 19 መጋቢት 2024፡ ውጽኢት ውሁድ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን ወፍሪ’ዩ።

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)
Zuletzt aktualisiert: 29. März 2024

ኣበይ ሃገር ኣሎ ብዘየገድስ፡ ህዝቢ ከም ህዝቢ ኲናት፣ ዓፈና፣ ድኽነት፣ ኣድልዎ፣ ኣነ ይፈልጠልካ ዝተበሃልካዮ ግበር ዝብል ውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ መግዛእቲ ይጸልእ። ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ልምዓት፡ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፡ ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ዝተጓደለሉ ወይ ጠቕሊሉ ኣብ ዝጠፍኣሉ ህዝቢ ከም ህዝቢ ይጉዳእ። ብንቡር ዘይኮነ ብዘይንቡር ምሕደራ ክነባበር ይግደድ። ስለዚ ከኣ ኩሉ ህዝቢ ከም ህዝቢ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ልምዓት፣ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ኣብ ጉዳዩን ጉዳይ ሃገሩን ወሳኒ ኣወንታዊ ተጽዕኖ ዘሕድረሉ ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ክህልዎ ይደሊ። ካብ’ዚ ዘይንቡር ግዱድ ምሕደራ ሓራ ወጺኡ ናብ ንቡር ክምለስ ይምነ።

Read more: ውሳኔ ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ 19 መጋቢት 2024፡ ውጽኢት...

ዕላምኡ ብምንጻር ዘይተወደበ ሓይሊ ተቓሊሱ ክዕወት ኣይክእልን እዩ፤

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/
Zuletzt aktualisiert: 26. März 2024

ጭቁናትን ግፉዓትን ሕብረተ-ሰባት ካብ ዝተፈላለዩ መልክዓት ናይ ጭቆናን ሓሳረ-መከራ ነጻ ንምውጻእ ኣብ ዝገብርዎ መስርሕ ቃልሲ፡ ብቐዳምነት ካብ ዝህቡዎ ጉዳይ፡ ዕላመኦም ኣነጺሮም ምቕማጥ፡ ፈተውቶምን ጸላቶምን ፈላልዮም ምርዳእን ምቕማጥን እዩ፡፡ ስዒቡ ዝመጽእ ድማ ፍልጠቶምን ሓይሎምን ኣወሃሂዶም ውድብ /መሳርሒ ናይ ቃልሲ/ብምፍጣር ተወዲቦም ምቅላስ እዩ፡፡ ንጹር ዕላማን ዝጭበጥ እስትራተጅን ፖሊሲን ናይ ቃልሲ ከይጨበጡን ከይሰኣሉን ካብ ጭቆና ዝፈጠሮ ምረትን ስምዒትን.. ወዘተ ተበጊሶም ጸላእቶምን ፈተውቶምን ብግቡእ ብምልላይ ቃልሲ ምክያድ እንተመሪጾም ግን ጸላእቶም ብቓልሲ ስዒሮም ናብ ዛዛሚ ዓወት ክበጽሑ ኣይክእሉን እዮም፡፡ ብኣንጻሩ ዘበገስዎ ቃልሲ እናወደቐን እናተንሰአን ብዙሕ ክሳራታትን ዕንቅፋታትን እናኣጋጠሞ ኣብ መስርሕ ናይ ምፍሻልን ምብትታንን ዕድሉ ዓቢ እዩ ዝኸውን፡፡

Read more: ዕላምኡ ብምንጻር ዘይተወደበ ሓይሊ ተቓሊሱ ክዕወት ኣይክእልን...

ናይ መንግስቲ ህግደፍ ዝነደየ ፖለቲካዊ ዕላማ፡ ህዝብን ሃገርን የዕኑን ይብትንን‘ምበር ኣየድሕንን፡

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ/ ደ.ግ.ሓ.ኤ/
Zuletzt aktualisiert: 26. März 2024

መሪሕነት ህግሓኤ /ህግደፍ/ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ኣብ ዘሎ ሓያሎይ ዓመታት፡ ኣወንታዊ ፖለቲካዊ ተራ ዝተጻወቶ እንተነበረ፡ ሃገራዊ ነጻነትናን ልዑላውነትናን ኣብ ሕብረተ ሰብ ዓለም ተፈላጥነት ክረክብ ኣብ ምግባር ዝተጻወቶ ኣወንታዊ ተራ ጥራሕ እዩ፡፡ ድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ከባቢ 31 ዓመታት ግን ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን መሓውራት /ትካላት/ ብምጥያስ ናብ ገዛኢ ጨቛኒ ደርቢ ነብሱ ብምስግጋር ኩሉ ድሌቱ እምነቱን ስጉምቲታቱን ኣንጻር ድሌት፡ መሰልን ጠቕምን ናይ ህዝብታትና ብምቕናዕ፡ ነቲ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዝበጽሖም ዝነበረ ጭቆናን ምዝመዛን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ኣጠናኺሩ ብምቕጻል፡ ህዝብታትና ሓሳረ መከረኦም ክርእዩ እናገበረ እዩ መጺኡን ዝቕጽል ዘሎን፡፡

Read more: ናይ መንግስቲ ህግደፍ ዝነደየ ፖለቲካዊ ዕላማ፡ ህዝብን...

ሃገራውን ህዝባውን ልዑላውነትና ዝግህስ ዘሎ፡ ዘቤታዊ ጨቋኒ መንግስቲ ህግደፍ እዩ፡

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡/ደ.ግ.ሓ.ኤ/
Zuletzt aktualisiert: 17. März 2024

ህዝብታት ኤርትራ ንሓምሳ ዓመታት ዝኣክል ሰላማውን ዓመጻውን ቃልሲ ብምክያድ፡ መጠነ-ከቢድ ኩሉ-መዳያዊ መስዋእትን ክሳራን ከፊሎም፡ ዝተፈላለየ ሓሳረ-መከራን ርእዮም ሃገራዊ ነጻነቶምን ልዕላውነቶምን ከም ዘረጋገጹ ሓቂ እዩ፡፡ ይኹን ዳኣምበር እዛ ብከቢድን ክቡርን ዋጋ መስዋእቲ ዝተረጋገጸ ነጻነትን ልዑላውነትን‘ዚ ህዝብታትና ናብ ክብ ዝበለን ዝዓሞቐን ኩነታት ብምጥንኻር ተጠቀምቲ ክኾኑ ኣከኣሉን፡፡ ሃገራዊ ናጽነትና ስማዊት ተርእዮ ጥራሕ ብምዃን፡ ናይ ገዛእቲ ደርብታት ቦታን ስልጣንን ጠቕምን ምቅይያር ጥራሕ ኮይኑ እዩ ተሪፉ፡፡ እዚ ማላት ካኣ ባዕዳዊ መግዛእታዊ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ተወጊዱ፡ ብምልካዊ ጨካን ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ተቐይሩን ቀጺሉን፡፡

Read more: ሃገራውን ህዝባውን ልዑላውነትና ዝግህስ ዘሎ፡ ዘቤታዊ ጨቋኒ...

ድፍረትን ዓቐናዊ ለውጥን ጽቡቕ ይምዕብል ኣሎ፡ ፖለቲካዊ ብስለትን ዓይነታዊ ለውጥን ግን ኣይግድን።

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Zuletzt aktualisiert: 13. März 2024

ንሕና ኤርትራውያን ብውሽጣዊ ምዕባለና ሃገርነት ኣይፈጠርናን። ቅድሚ መግዛእቲ ጥልያን ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ መሬት ኤርትራ ብምሉእ ዘይኮነ ብከፊል ቱርካውያን፣ ግብጻውያን፣ ማህዳውያን፣ መሳፍንቲ ትግራይ ነዊሕ ዓመታት ሰፊሮም የመሓድሩ ከም ዝነበሩ መዛግብቲ ታሪኽ የረጋግጹ። መግዛእቲ ጥልያን ብ1890 ብዘይ ፍቃድ፡ ተሳትፎን ውሳኔን ኤርትራውያን ንዕኡ ብዝጥዕሞ ኣገባብ ገይሩ ነዛ ናይ ሎሚ ኤርትራዊ ሃገርነት ቀሪጹ። ብናቱ ሕግታት ድማ ልዕሊ 50 ዓመት ገዚኡ። ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ጣልያን ብውሳኔ ሓያላን ሃገራት ናብ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ካብ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ንሓጺር ግዜ ኣብ ትሕቲ ዘይርጉእ ምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ውዑል ፈደረሽን ብምፍራስ ናብ መስፋናዊ ንጉሳዊ መግዛእቲ ሃ/ስላሴ፡ ካብ ሃ/ስላሴ ናብ ፋሽሽታዊ ወተሃደራዊ መግዛእቲ ደርግ እናተሰጋገርና መጺእና።

Read more: ድፍረትን ዓቐናዊ ለውጥን ጽቡቕ ይምዕብል ኣሎ፡ ፖለቲካዊ...

ብምኽንያት 8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ፡-

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Zuletzt aktualisiert: 17. März 2024

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ንኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ብፍላይ፡ ንደቂ-ኣንስትዮ ዓለም ከኣ ብሓፈሻ፡ እንቋዕ ናብ’ዚ ታሪኻዊ ዓለም ለኻዊ ዕለት 8 መጋቢት ኣብ ጸሓክንን ኣብ ጸሓናን ይብል። ቀጺሉ፡ ናይ ሎሚ ዓለም ለኻዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት፡ ብደረጃ ሃገርና፣ ዞባና፣ ኣህጉርናን ዓለምን ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝነበረ፡ ዝተሓላለኸን ዝኸፍአን ዓይነተ ብዙሕ ሰብ ዝሰርሖን ተፈጥሮን ጸገማት፡ ብዙሓትን ግፉዓትን ህዝብታት ብህይወት ናይ ምንባር ውሕስነት ስኢኖም ንሓደጋ ኣብ ዝተሳጥሕሉ፣ ዝተራቐቑ ኣዕነውቲ ኣጽዋራት ኲናት ንምውናን ዞባውን ዓለማውን ሓያልነት ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ዘሎ ውድድር፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ብቕሉዕ ኣብ ዝተጣሕሰሉ፣ ህላወን ቀጻልነትን ዘርኢ ወዲ ሰብ ብዘገምታ ክቕህም ዝገብር፡ ኣንጻር ሕጊ ተፈጥሮ ዝኾነ መርዓ ተመሳሳሊ ጾታ ብጉልባብ መሰል’ዩ፡ ሓላፍነት ዝጎደሎ ኣተሓሳስባ፡ ሕጋውን ወግዓውን ኣፍልጦ ረኺቡ፡ በተሓሳስባን ብተግባርን ኣብ ዘስፋሕፍሓሉ ዘሎ ወቕቲ፣ ማሕበራዊ ሃይማኖታውን ባህላውን ስሩት ኣወንታዊ ክብርታት፡ ብግዝያዊ ረብሓ ዓገብ ዝብል ስኢኑ ናብ ነበረ ኣብ ዘንቆቁለሉ ዘሎ ኣሰካፊ መድረኽ፣ ሚዛን ፍትሒ ክሕልው ዝተመሰረቱ ዞባዊ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ውድባት፡ ብተግባር ብውሑዳት ሓያላን ኣብ ዝተዓብለለሉ፣ ውጽኢት ስነ-ፍልጠታዊ ምርምር ዝኾነ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ብሓደ መዳይ ብዋጋ፡ ብኣጠቓቅማ፡ ብግዜ ጾር ደቂ-ሰባት ኣብ ዘቃልለሉ፡ በቲ ካልእ መዳይ ከኣ፡ያዕ ዝብል ስኢኑ ብፍንጡሕ ኣገባብ ንማሕበራዊ ባህላውን ሃይማኖታውን ኣወንታዊ ክብርታት ብኣሉታ ኣብ ዝጸልወሉ ኩነታት ይኽበር ብምህላው ቅድም ክብ ካብ ዝነበረ ፍሉይነት ከም ዘለዎ ይግንዘብ።

Read more: ብምኽንያት 8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ...

ተላፊንካ ንምስራሕ ክቐርብ ዘለዎ መዐቀኒ ኣብ ሃገራዊ ልኡላውነት ዝኣምን ዘይኮነ፡  ኣብ ህዝባዊ ልኡላውነት ዝኣምን ክኸውን ይግባእ።

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Zuletzt aktualisiert: 19. Februar 2024

ፖለቲካ ኤርትራ ሎሚ ንለባማት ኣብ ዘየደቅስ ቅልጡፍ ፍታሕ ኣብ ዝጠልብ ከም ጥሙር ህዝቢ ናይ ምቕጻልን ዘይምቕጻል ኣብ ዝውስን ኣሰካፊ መድረኽ ከም  ዝርከብ ኣየከራኸርን። ነዚ ዘንጸላሉ ዘሎ ሰብ ዝሰርሖ ሓደጋ ዓጺፍካ ናብ ንቡርን ውሑስን ፖለቲካዊ ስርዓት ንምምላስ እንኮ መፍትሒ፡ ንቑሕን ዝተወደበን ቃልሲ ምክያድ ምዃኑ’ውን ኣየካትዕን። ካብ ሕሰምና ዘናውሕ ትምክሕታዊ፡ ጸቢብ፡ ስምዒታዊ ሃላልነት፡ ነፍሰ ፍትወት፡ ዝናን ግዝያዊ ነገራዊ ጠቅምን ዝደሓነ፡ ብሓባራዊ ረብሓን መሰል ህዝብን ዝተቓነየ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ድማ ካብ’ቶም ምሩጻት ሜላታት ቅድሚት ዝስራዕ’ዩ። ስለዚ ከኣ ብሓቂ ንጹር ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መስመር ወኒና፡ ሕድሕድ ኣፍልጦ ተወሃሂብናን ተኸባቢርናን እንተተቓሊስና እዚ ዘንጸላልወና ዘሎ ሓደጋ ንስዕሮ’ምበር ኣይስዕረናን። ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ፡ ብምርጫና ድዩ ተለኪምና ብኸምዚ ንኸዶ ዘለና “ቆልዓ ውለድ ብዕድሉ ይዓቢ” ዓይነት ብጣሕመሽመሽ  እንተቐጺልና ግን፡ ናይ ውድቀትና ተሓተቲ ባዕልና ደኣምበር ካልእ ክኸውን ኣይክእልን። እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዘይናትና ምዃኑ ብኣረኣእያኡ፡ ፖሊሲኡ ተግባሩ ኣረጋጊጹልና’ዩ። ንሱ ኣቐዲሙ ኣብዘሓ ህዝቢ ከይቀበጾ፡ ባዕሉ ኣይናትኩምን ቅበጹኒ ዝብል መልእኽቲ ብተግባሩ ኣሕሊፍሉና እዩ።

Read more: ተላፊንካ ንምስራሕ ክቐርብ ዘለዎ መዐቀኒ ኣብ ሃገራዊ...

ደረጃ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዓቕሚ ዘማላኽቱ ሰለስተ እዋናዊ ኣሉታዊ ተርእዮታት፡

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Zuletzt aktualisiert: 12. Februar 2024

ዝሰርሕ ሰብ ይጋገ’ዩ። ሰብኣውን ደሞክራስያውን ሓርነታዊ መሰላት ንምርግጋጽ ድዩ፡ ካብ ድሕረትን ድንቁርናን ንምውጻእ ዝቃለስ ሕብረተሰብ’ውን ኣብ ጉዕዞ ብኣረኣእያ ድዩ ብተግባር ጉድለታት የርኢ’ዩ። ከም ተርእዮ ኣብ ዝተወሰነ ኣጋጣሚታት ናይ ኣረኣእያ ዘይፍትሓውነት፡ ናይ ፖሊሲ ዘይንጹርነት፣ ናይ ተግባር ዓንቀፍቀፍ ምስ ዘጋጥም ብሓውሲ ቅቡል ዝውሰድ ደኣምበር ዘሰንብድ ኣይከውንን። እዚ ሓፈሻዊ ንኹሉ ሰብን ህዝብታትን ዝምልከት ገዛኢ ስነ-ፍልጠታዊ ሓሳብ’ዩ። ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ጉድለት፡ ካብ ናይ ካልኦት ዕውት መንገዲ ዘይመሃር፡ ብዓይኒ ህልኽን ጽልእን ነቲ ጌጋ ብጌጋ ክእርም ዝፍትን ውልቀ ሰብ ይኹን ህዝቢ ግን፡ ካብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ማዕበያ ዝብገስ፡ ሱር ዝሰደደ መሰረታዊ ባዕላዊ ጸገም ከም ዘለዎ የመልክት። ባዕላዊ ድኽመቱ ከይገምገመ፡ ከይፈትሐ ብሰንኪ እከለ እናበለ ብትምክሕቲ ድዩ ጽበት ዓዊሩ፡ ጸላእቲ ዘብዝሕ ውልቀ ሰብን ህዝብን ብርግጽ፡ ዓሚቕ መጽናዕታዊ ምርምር ኣካይድካ ቅልጡፍ ስነ ልቦናዊ ፍወሳ ዘድልዮ ኣዝዩ ዘሰክፍ ናይ ኣተሓሳስባ ጸገም ከም ዘለዎ ንምግማት ኣየጸግምን። 

Read more: ደረጃ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዓቕሚ ዘማላኽቱ ሰለስተ እዋናዊ...

The difference between federation and confederation  

Details
Geschrieben von Fesseha Nair
Zuletzt aktualisiert: 12. Februar 2024

Unity in Diversity

 

“ The concept of federalism is not a new concept as some Ethiopian or Eritrean political elites define. It is a unity without uniformity and diversity without fragmentation.”

Diversity is used as an expression of harmony and unity between dissimilar individuals or groups. It is a concept of "unity without uniformity and diversity without fragmentation"[1] that shifts focus from unity based on a mere tolerance of physical, cultural, linguistic, social, religious, political, ideological and/or psychological differences towards a more complex unity based on an understanding that difference enriches human interactions. The idea and related phrase is very old and dates back to ancient times in both Western and Eastern Old World cultures. 

Read more: The difference between federation and...

  1. ብሽፋን ነጻ ሓሳብ ነጻ ሜድያ ንክልተ ደምበ ከተገልግል ምፍታን ብህዝቢ ምልጋጽ’ዩ።
  2. ኣብ ህላወ ኢሳያስ ዝህሉ ምስ ምውጋድ ኢሳያስ ዝቕህም  ኣምልኾ
  3. ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2024 ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ
  4. ንዘይ ሕጋዊ ስርዓት ዝተሰከመ፡ ዘይሕጋዊ ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ይቃላዕ፡ ይቋረጽ!

Seite 3 von 5

  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5

ኣርካይቭ Archived

  • Dezember, 2018
  • November, 2018
  • Oktober, 2018
  • August, 2018
  • Juli, 2018
  • Juni, 2018
  • Mai, 2018
  • April, 2018
  • Februar, 2018
  • Januar, 2018

ተወሳኺ ሓበሬታ

  • Mestyat Betna | ንዕብዳን ሓሙሽተ ዓመታት እተንጸባርቕ ሰነድ ህግደፋውያን
  • ቃለ-መጠይቕ ምስ ገዲም ተጋዳላይ ሰመረ በያን(ወድ-በያን)
  • እዚ ኲናት፡ ዘብጽሖ ጉድኣትን ዝገድፎ ሳዕቤናትን፤ ናይ ሓዋሩ መዋጽኦ’ኸ? The impact of the war (Snitna 20-Nov-2021) P1/3
  • ቃለ መጠይቕ መስፍን ተድላን መኮነን ተኽለ
  • ቃለ-መጠይቕ ምስ ግዲም ተጋዳላይ ሃብተገርግስ ኣብርሃ
  • ቃለመጠይቕ ምስ ገዲም ተጋዳላይ ሙሴ ዳኘው
  • ቃለ-መጠይቕ ምስ ግዲም ተጋዳላይ ሃብተገርግስ ኣብርሃ
  • መልሲ ካብ ኣባላት ደግሓኤ
  • ዘተ ኣብ ህዝባውን ሃገራውን ጉዳይ ምስ ደቂ ኣንስትዮ
  • መልሲ ንኣቶ ኣልኣሚን ብኣባላት ደግሓኤ፡

ኣብ መርበብ መን ኣሎ

Aktuell sind 24 Gäste und keine Mitglieder online