ናይ ኤርትራውያን ጉዳይ እንዳወዓለ እናሓደረ ኣብ ክንዲ ዝመሓየሽ መሊሱ ይገድድ ኣሎ። ብቐዳምነት ውሽጡ ኣብ ክንዲ ዝርኢ ዘይምኽንያታዊ ጽልኢ ተማሂዙ ቀልቡ ናብ ግዳም ከተኩር ይስራሕ ኣሎ። ካብ ሕሉፍ ጉድለቱ ክመሃር ክእርነብ ኣብ ክንዲ ዝስራሕ መሊሱ መላሊሱ ንዕኡ ከኮማስዕ ብመደብ ክስራሕ ጸኒሑን ይቕጽል ኣሎን። እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ንተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ብከፋፊልካ ግዛእ ፖሊሲ ውሽጣዊ ሓድነቱ ዘሪጉ፡ ብቑጣባ ኣዳኺሙ፡ ማሕበራዊ ክብርታት ኣራኺሱን በታቲኹን፡ ዶብ ኤርትራ ሰጊሩ፡ ንመጻኢ ወለዶ መዓስ ‘ምበር ክኽፈል ምዃኑ ዘየጠራጥር ናይ ደም፣ ህይወት፣ ጥሪት፣ ንብረት፣ ከቢድ ዕዳ ዘሰክም ተግባር ይፍጽም ኣሎ። እዚ ህዝቢ ቅድም ክብል ከም ህዝቢ ካብ ዝፍለጠሉ ናይ ክብሪ ሚዛን ክወርድ፡ ህይወቱ ካብ ኲናት ናብ ኲናት እናተሰጋገረ ከም ዓውደ መኼዳ ኣብ ዕንክሊል ክነብር ብኣደንቋሪ ፕሮፖጋንዳ ኣብ ምርብራብ ይርከብ።

ስማዊ ስርዓት ከም ተርእዮ ኣብ ኤርትራውያን ክኸውን ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ዘይግመት ናይ ድንቁርና ፖለቲካ ኣንጊሱ ብዘይ ስኽፍታ ይገዝእ ኣሎ። ፖለቲካ ሃገር፡ ብማህጸን ኣዴታት ኣላጊጾም፡ ብተመልከተለይ ጃምላዊ ህዝባዊ ህልቂት ፈጺሞም፡ ጥሪት ዘሚቶም፡ ሓድግታት ኣብሪሶም፡ ብዘይ ዝኾነ ሕንከት ንሕና ንድክር ንስዕር እናበሉ ብዓውታ ዝፍክሩ ህልዋት ዝመስሉ ዘይህልዋት ክብከል ብምግባሩ መን ከማይ ይብል ኣሎ። ከም ውጽኢቱ ድማ ብክንደይ ሰሪቕካ፡ ዘሚትካ፡ ክንደይ ደቂ-ኣንስትዮ ዓሚጽካ፡ ክንደይ ህጻናትን ሽማግለታትን ቀቲልካ ብጃህራ ዝወራረዱ ኣራዊት ዝብል ቃል ዘይገልጾም ትሕቲ ሰብኣዊ ፍጡር ዝኾኑ እኩባት ሰብ ብረትን ብኣምልኾ ኢሳያስ ኣእምሮኦም ዝተደፍነ ወገናትን ብስም ህዝብን ሃገርን ገበናዊ ተግባር ይስንዱ ኣለው። ኣብ’ዚ ከም’ዚ ዝበለ ተኣፋፍን ተኣናፍን ፈታኒ መድረኽ ዓገብ ዝብል ትርጉም ዘለዎ ተጽዕኖ ፈጣሪ ድምጺ ምጥፍኡ ከም ህዝቢ የሕፍር የተሓሳስብ።

ስለ ምንታይ ኣብ ከም’ዚ ወዲቕና፡ ካብ መጀመሪያ ፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ናይ ኣነባብራ ብልሓት፡ ሕድሕድ ሓልዮትን ምክብባርን ስለ ዘይነበረና ድዩ ወይስ እቲ ዝነበረና ናትና ብዝመስል ግን ዘይናትና ፖለቲካዊ ሓይሊ ደረጃ ብደረጃ ተሃሪሙ ስለ ዝላሕለሐ? እንታይን ኣበይን’ዩ እቲ ምስጢር ናይ ውድቀትና? ሓባራዊ መረዳእታ ክንሕዝ ኣይከኣልናን። ነዚ ኣጽኒዑ ተንቲኑ ጸግምና እዚ፡ መፍትሒኡ እዚ ኢሉ ኣንፈት ዘርኢ ዝተወደበ ተጽዕኖ ፈጣሪ ሓይሊ ዛጊት ክውለድ ኣይተኻእለን። ክሳብ ሎሚ ብብስለቱ ህዝባዊ ውግንናኡ ቀላሲ ተጽዕኖ ፈጣሪ መሪሕነት ክንፈጥር ዘይምኽኣልና ሓፈሻዊ ከም ህዝቢ ክንስከሞ ዘለና ድኽመት’ዩ። ከም ህዝቢ ንኽንድ’ዚ ዓመታት ብሓደ ሰብ እናተሳቐና፡ ትርጉም ዘለዎ ሓባራዊ ናይ እምቢታ ቃልሲ ከነካይድ ዘይምኽኣልና ብፍላይ እቶም ሓድሽ ሓሳብ ናይ ምምንጫው ዓቕሚ ዘለዎም ወገናት ናይ ሕልና ወቐሳ ክስምዖም ይግባእ።

ዘቤታዊ ጸላኢ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ልዕሊ ካልእ ሕሉፍ ሓላዪ ምኽባር ነጻነትን ልኡላውነት ብምምሳል፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ይኹን ካብ ሃገርና ወጻኢ፡ ንሱ ንዘይደልዮም ሰባትን ህዝብታትን ንምጥፋእ፡ ክነዝሖ ብዝጸንሐን ዘሎን ዘይምኽንያታዊ ጽልኢ ዝተቐበሉ ገለ ወገናት፡ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ፍሉይ ጭካኔ ኣማዕቢሎም’ዮም። እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ንለባማት ዘሰንብድ’ዩ ጥራሕ ዘይኮነ ዘፍርሕ’ዩ። ጻምእ ስልጣን እንኮ-ሰብ ንምርዋይ ህይወት ሰብ ክንዲ ዝጠፍአ ይጥፋእ ቀዳምነት ክብረት ሃገር ማለት ካብ መስመር ሰብኣውነት ዝወጸ ድኻን ጨካንን ኣተሓሳስባ’ዩ። ድኻን ጨካንን ኣተሓሳስባ ድማ ኣይኮነን ብዛዕባ ካልእ ክግደስ፡ ድሕነት ገዛእ ርእሱ’ውን ክከላኸል ኣይኽእልን። ኣገንዝቦኡ ናይ ሰብ ዘይኮነ እንስሳዊ ደመ ነብሳዊ’ዩ። ተግባሩ ኩሉ ምስ ነብሰ ቕትለት ዝነጻጸር’ዩ። ብሰንኪ’ዚ ንመጋበሪያነት ብጽልኢ ዝተዘርአ ኣብ ውሽጥና ዝርከብ ዝንቡዕ ኣረኣእያ፡ ምትእምማንና ላሕሊሑ፡ ምጥርጣር ላዕለዋይ ቦታ ሒዙ ከም ዝርከብ ንኹላትና ብሩህ ይመስለኒ። ከም’ቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣንጻር ግዳማዊ መግዛእቲ፡ እምቢ ንዘቤታዊ መግዛእቲ፡ ኣነ ንመሰለይ ንሕና ንመሰልና ኢልና ብዝተነጸረ ፖለቲካዊ ኣንፈት ብሕብረትን ጽንዓትን ሓቢርና ክንቃለስ ኣይከኣልናን። ኣብ’ዚ ነዊሕ ናይ ቃልሲ ዓመታት ካብ ተመክሮና ግቡእ ትምህርቲ ክንወስድ ዘይምኽኣልና ከም ህዝቢ ኣብ ምልክት ሕቶ የእትወና። ቀዳምነት ድሕነት ሃገር እናበልካ ምስ ንእንኮ-ሰባዊ ስርዓት ተጣቢቕኻ ምኻድ፡ ሳዕቤኑ “ንጥንቅልዒት ኮይንካ ዝሸንካዮ ተመሊሱ ናብ ነብስኻ” ከም ዝበሃል ምስላ’ዩ ኮይኑ ዘሎ። “ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ” ከም ዝበሃል ድማ፡ ድሌትን ቃልስን ኣብ ዘሓ ህዝቢ ዛጊት ኣይተዓወተን።

እንተኾነ ግን፡ ከም’ቲ “ህዝቢ ከም መራሒኡ” ዝበሃል ምስላ ህዝቢ ብዘይ ቅኑዕ፡ ብቑዕ ፖለቲካዊ ውድብን መሪሕነትን ብዝኾነ ኣጋጣሚ ብሓደ ግዜ ሆ ኢሉ ብሓባር ክብገስ፡ ብሓባር ዘቃልስ ፖለቲካዊ መስመር ክውንን ስለ ዘይክእል፡ እቲ ህዝብስ ናቱ እጃም የልዕል፡ እቶም መሰረታውን ዘይመሰረታውን፡ ጸላእን ፈታውን፣ መንገዲ ህዝባዊ ዓወትን ውድቀትን ከርእዩ፡ ከተሓባብሩ ዝግበኦም ወገናት ከ ኣበይ ኣለው? እንታይ ከ ይገብሩን ይጽበዩን ኣለው? ምሕታት እዋኑ’ዩ። ምኽንያቱ ካብ’ዚ ዘለናዮ ሕሱም ህይወትን ዝርገተ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ወጺእና ወነንቲ ገዛእ ርእስና ክንከውን ሓድሽ ሓሳባት ከመንጭው ብሓላፍነት ከተሓባብሩ ፍሉይ ሞራላዊ ግዴታ ዘለዎም ምሁራት፡ ብሃናጺ ኣገባብ ክውቀሱ፡ ንሳቶም ድማ ጉድለቶም ኣልዒሎም ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝቕርብ ዝነበረ ኣሉታዊ ክሲ ብምልዕዓል ናይ ብርጌድ ንሓመዱ ዝተመለሰን ዝተደበሰን፡ ብሓድሽ ናይ ቃልሲ መንፈስ ኣለና ክብሉ ይግባእ።

እዚ ህዝቢ ብዘመናዊ ትምህርቲ ቅድሚት ዝሰጎሙ ማለት ቀዳማይ፡ ካልኣይ ዲግሪ ከምኡ’ውን ዶክተር ፕሮፌሰር መዓርግ ዝወነኑ ዜጋታት ድኻ ኣይኮነን። ዘመናዊ ትምህርቲ ንዘይትፈልጦ ክትፈልጥ፡ ዘይከኣል ንዝመስል ክትክእል ኣወንታዊ ድርኺት ዝገብር፡ ቀያሪ ማሕበራዊ መነባብሮን ቅኑዕ መንገዲ ሓባራዊ ዕቤት’ዩ። ዘመናዊ ትምህርቲ፡ ባህርን ተግባርን ወዲ-ሰብ፣ ኣቋውማን ምሕደራን ሕብረተ-ሰብ፣ ኣድላይነትን እንታይነትን ልዕለ ቅርጻን ትሕተ ቅርጻን፣ ኣድላይነት ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም፣ ምጥያስን ምቁጽጻርን ህዝባዊ መንግስቲ፣ ምሕላው ሚዛን ሓይልታት ማእቶትን ዝምድና ማእቶትን ዕሙቕ ዝበለ ኣፍልጦ ዘጨብጥ’ዩ። ከመይ ዋናኒ ገዛእ ርእስኻ ትኸውን፣ ኣብ ጉዳይ ከባቢኻን ሃገርካን ብርእሰ ተኣማንነት ብንቕሓት ትዋሳእ፣ ብዓለም ደረጃ ድማ ተሳትፎኻ ተረጋግጽ ...ወዘተ ሓይሊ ሓሳብ ትድልበሉን ዝያዳ ሓላፍነታዊ ትኾነሉን’ዩ። ናይ ተፈጥሮ ሰብ ብምዃንካ ካብ ካልኦት ሰባት ከምዘይትበልጽን ከምዘይትንእስን ግቡእ ኣገንዝቦ ትሕዘሉ፡ ኣወንታዊ ናይ ባህሪ ለውጢ ንምምጻእ ደገፍ ትረኽበሉ፡ ልዕለ ትሕትነት ትጽየነሉ፡ ህይወትካ ብፍልጠት ተወዳዳሪ ክትከውን ተዳልወሉን ሓድሽ ሓሳብ ተመንጭወሉን ዓውደ ፍልጠት’ዩ።

ብዓይኒ ፖለቲካ፡ ንነገራት ብናይ ቀረባን ርሑቕን ረብሓን መሰልን ህዝቢ ክትመዝን ብቅኑዕ መትከል ክትምራሕ፡ ብቑጠባ ካብ ኩሉ ዓይነት ስርቅን ግዕዝይናን ብዝደሓነ ብረሃጽካን ብዓቕምኻን ትነብረሉ ባይታ ኣብ ምፍጣር ልሉይ ተራ’ዩ ዝጻወት። እዚ ብኸምዚ ዝርከብ ትምህርቲ እምበኣር ቀንዲ ተልእኾኡ፡ ብፍላይ ኣብ ከማና ዝበላ ዝበዝሕ ዘይተማህረን ኣብ ትሕቲ ፍጹም ውልቀ ምልክነት ብድኽነትን ራዕድን ዝነብር ህዝቢ ዘለወን ሃገራት፡ ውልቃዊ ጸገም ምፍታሕ ጥራሕ መሰረት ዝገበረ ኣይኮነን። ኣድላይነቱን ተልእኾኡን ሰፊሕን ረዚንን’ዩ። ጸገም ትነብረሉ ሕብረተ-ሰብ ከም ኣካል ኣምሳል ውልቃዊ ዋኒንካ ወሲድካ ኣብ ምፍታሕ፡ ብንቕሓትን ብመደብን ክትረባረብ ሞራላዊ ግዴታ ከም ዘላካ ሓላፍነት ዘስክም’ዩ። ብሓጺሩ ካብ’ቲ ዝረኸብካዮ ትምህርቲ ኣብ ገዛእ ርእስኻን ኣብ’ቲ ሕብረተ-ሰብን ክሳብ ክንዳይ ናይ ባህርን ኣነባብራን ለውጢ ኣምጺእካ’ዩ ሓቀኛ መለክዒኡ።

ህዝቢ ኤርትራ “ጭሩ ብዓቕማ ትሕጎም” ከም ዝበሃል ብመንጽር ዝመጻእናዮን ገና ንሓልፎ ዘለናን ዕረፍቲ ዘይብሉ ዘይርጉእ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ጸጥታውን ማሕበራውን ዝሩግ ኩነታት ክምዘን እንከሎ፡ ብናይ ቀለምን ሞያን ምሁራት ድኻ ኣይኮነን። ምሁራት ማለት ግን ኣብ ኩሉ ጉድለት ዘይብሎም ፈላጣት ማለት ከምዘይኮነ ምርዳእ የድሊ። ብመንጽር ካብኣቶም ዝግበር ትጽቢት ወነንቲ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባን ኣመንጨውቲ ሓድሽ ዝማዕበለ ኣረኣእያን ድዮም ኣይኮኑን ብዝብል ድማ ፈላሊኻ ክምዘኑ ይግባእ።

ምኽንያቱ ገለ ካብ’ዞም ብዘመናዊ ትምህርቲ ኣብ ደረጃታት ዝደየቡ ወገናት፡ ብነብሰ ፍትወት ሞራላዊ ሓላፍነቶም ንጎኒ ገዲፎም፡ ርእሶም ኣድኒኖም ኣብ ምእካብ ዶላር ጥራሕ ዝተጸምዱ፤ ገለ ድማ ብቕሉዕን ብስውሩን ኣብ ምክልኻልን ምቅንጃውን ፈራሕ ጨካን እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ይነጥፉ ብምህላዎም፤ ደሞክራስያውን ዘይ ደሞራስያውን ምሁር፡ ህዝባውን ዘይ ህዝባውን ምሁር፡ ፈላሊኻ ምርኣይ የድሊ። ነቶም ብባህርን ብተግባርን ወገን ግፉዕ ህዝቢ ዝኾኑ ሰብኣዊ፡ ሞራላዊ፡ ምሁራዊ፡ ዜግነታዊ ግቡኦም ኣብ ምፍጻም ዝርከቡ ወገናት ቅድሚት ክመጽኡ ምትብባዕ። ነቶም ብኣንጻሩ ዝኸዱ ከኣ ብክንዲ ዝተኻኣለ፡ ብሓላፍነታዊ ኣገባብ፡ ባህሪኦም ኣካይዳኦም ከስተኻኽሉ ምምካር። ብጉልባብ ልኡላውነት ሃገር መሳርሒ ውልቀ-ሰብ ኣይትኹኑ። ዝሓሸ ሓሳብ ሒዝኩም ቅድሚት ተሰለፉ። ሰባት ስለ ዝኾንኩም እንተነፊዕኩም ካብ ድኽነት ‘ምበር፡ ካብ ባህሪያዊ ሞት ክትሃድሙ ስለ ዘይትኽእሉ፡ ኣብ ህይወትኩም ትሕጎስሉ ደቅኹም ዝሕበንሉ ኣወንታዊ ህዝባዊ ታሪኽ ስርሑ። ህዝባዊ ባህሪ ህዝባዊ ራእይ ወንኑ። ብኡ ድማ ንህዝቢ ምሃሩ ኣተሓባብሩ።

ንስለቲ ብዝርገተ ሓሳብ ብኩለንተንኡ ዝሕመስ ዝርመስ ዘሎ ህዝቢ ናይ ምቾት ኣነባብራ ባህሪኹም ግርሑ ቀንሱ። ነፍሰ ምፍትወት ተጸየፉ። ኣብ ልዕሊ መቓብር ህዝቢ ዝንባለ ክብረ ዝና ከይህልወኩም ገዛእ ርእስኹም ፈትሹ። ሰብ ቅኑዕ ራእይ ሰብ ቅኑዕ መትከል ንምዃን ተቐዳደሙ። ንስለ ድሕነትን ቀጻልነትን ዝተወለድክምሉን ዘምሃረኩምን ህዝቢ ሽምዓ ንምዃን ወስኑ። ክሳብ ዘለኹም መሪሕ ግደ ትጻወቱ። ምስ ሓላፍኩም ብስነ-ሓሳብኩም ትመርሑ። ኣብ ታሪኽ ብጽቡቕ ትዝከሩ ዝብል ምኽሪ ክልገሰሎም ይግባእ። ኣይፋልናን ኣብ ቃልሲ ገጽና ኣይንጥምትን ወይ ምስ ኢሳያስ ካብ ዘለና ምትእስሳር ኣይንበትኽን እንተኢሎም ከኣ፡ ብኡ መጠን ምግጣሞም ምቅላዖም።

እቶም ምሁራዊ ሞራላዊ ዜግነታዊ ሓላፍነት ዝስመዖም ኤርትራውያን፡ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ ካልእ ግዜ ኣጋጢምዎ ዘሎ ከቢድ ናይ ህልውና ሓደጋ ብግቡእ ተገንዚቦም ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ፡ ነዚ ሓደጋ ዓጺፉ ናብ ንቡር ዝመልስ፡ ህዝባዊ ልኡላውነት ዘረጋግጽ ሓሳብ ከመንጭውን ብተግባር ኣብ መድረኽ ወጺኦም ክዋስኡን ይግባእ። ብፍላይ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ዓመተ 2023 እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ጸላኢ ብቐጥታን ብዘይቀጥታዊ መልክዕን ዝዓደሞ፡ ኣብ’ቲ ዝጸንሐ ውሽጣዊ ጸገም ካልእ ግዳማዊ ናይ ጎቦጣ ወስታ ኣብ ልዕሌና የወጣውጥ ብምህላው፡ ካብ ጽባሕ ነርክበሉ ዝብል ወጀሃላ ኣካይዳ ወጺኦም፡ ሕጂ እንታይ ንሕሰብ ነጽንዕ፡ ናበይ ንውፈር፡ እንታይ ንግበር፡ ህዝብና ካባና ንዝጽበዮ መፍትሒ ጸገም ዝኾነ ሓሳባት ከመይ ነቕርበሉ ...ወዘተ ኣብ ዝኣመሰሉ ዝመረጽዎ ነጥብታት ንምዝታይ ተኣኻኺቦም ተስፋን መብራህትን ህዝቢ ኮይኖም ክርከቡ ይግባእ።

ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኣብ ዘይምልከተና ኲናት ኣእትዩ ሰብኣውን ነዋታውን ዓቕሚታትና ንከንቱ ክህሞኽ ብምግባር ጎቲቱ ዘምጸኦም፡ ህዝቢ ኤርትራ ትማሊ ብሓይልን ብሕግን ናይ ጎበጣ ሕልሞም ብምምካን ከይፈተው ንኤርትራ ብማዕዶ ብጎቦ ዓይኖም እናጠመትዋ ክነብሩ ገይርዎም ዝነበረ ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት፡ ንሕና ንበዝሕ ንሕና ንዓቢ ዝብል ብዝኾነ መዕቀኒ ናብ ሓቅን ሕግን ዘይቐርብ ስጊንጥር ኣረኣእያ ተኸቲሎም ነጋሪት ኲናት ይሃርሙ ኣለው። ንልኡላዊ ግዝኣትና፡ ማያዊ ባሕርና፡ ወደባትና ናትኩም ኣይኮነን ናትናዩ ይብሉና ኣለው። እንተተኻኢሉ ብስምምዕ እንተዘይኮነ ብሓይሊ ዝብል ጉልባቡ ዝቐልዐ ታህዲድን ፈኸራን የስምዑ ኣለው።

ነዚ ናይ ጎበጣን ምስፍሕፋሕን ሕልሞም ናብ ተግባር ንምትርጓም፡ ፖለቲከኛታትን ምሁራትን ኢና በሃልቲ፡ ብጉጅለታት ተወዳዲቦም ይማኸሩ፡ ይዛተዩ መጽናዕታዊ ጽሑፋት የዳልው ኣብ ህዝቢ ጎስጓሳት የካይዱ ኣለው። ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንተስፋሕፋሒ ሕልሞም ክቕበል ዲፕሎማስያዊ ጎስጓሳት የካይዱ ኣለው። ማዕከናት ዜንኦም ዕለታዊ ኣጀንዳእን ገይረን ይሰርሓሉ ኣለዋ። ሕራይ እንተኢልኩም ብሰላም፡ እምቢ እንተኢልኩም ብሓይሊ ናትና ክንገብሮ ኢና ይበሃል ኣሎ።

ብሰንኪ እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዝኽተሎ ዘሎ ኣድኪኻን ኣርዒድካን ግዛእ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ፡ ክንሪኦን ደም ክንከፍለሉ’ምበር፡ ብነጻነት ክንዛናገዓሉ፡ ምርምራዊ መጽናዕቲ ከነካይደሉ፡ ስፖርታዊ ውድድራት ክንውድበሉ፡ ከም ቀዋሚ ሃገራዊ ቁጠባዊ ምንጪ እቶት ከነማዕብሎን እንጀራ ክንበልዓሉን ዘይከኣልና፡ ኣብ ኣዝዩ ስትራተጂካዊ መስመር ዝርከብ ማያዊ ባሕርናን ወደባትናን ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ወሳኒ ወቕቲ’ምበኣር ህዝባዊ ኒሕ ዘለዎም፡ ካብ ሽግር ዘውጽእ ሓድሽ ሓሳብ ከምንጩ ዝኽእሉ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ብተናጸል ዘይኮነ ብዝተወደበ መልክዕ፡ ብትሕተ ባይታ ዘይኮነ ኣብ ቅሉዕ መድረኽ ወጺኦም ካባና ዝጥለብ ክገብር ተዳሊና ኣለና ክብሉ ይግባእ። ነቶም ብንሕና ንበዝሕ ግልቡጥ ስነ-መጎት ሓንሳብ ተፈጥሮኣዊ ዋንነትና’ዩ፡ ካልእ ግዜ ብዓለማዊ ማያዊ ሕጊ ብነጻነት ክንጥቀም የፍቅደልና’ዩ እናበሉ ንህዝቦምን ንማሕበረ-ሰብ ዓለምን ከደናገሩ ላዕሊ ታሕቲ ዝብሉ ዘለው ተስፋሕፋሕቲ፡ ኣብ ቅሉዕ ደም ምፍሳስ ቅድሚ ምእታዎም ልክዖም ፈሊጥም ኣደብ ክገብሩ ዘኽእል ናይ ሕግን ዲፕሎማስን ናይ ሓሳብ ልዕልና ሒዞም ኣለና ክብሉ፡ ግብራዊ ተበግሶ ክወስዱ ትጽቢት ይግበር ካብ ምሁራትና።

ከም’ቲ ናይ ሓምሳታት ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብሓፈሻ እቶም ዘወርቲ ናይ ዓለም ፖለቲካ ዝኾኑ መንግስታት ከኣ ብፍላይ ብሕጋዊ ልኡላዊ ዋንነት ዘይኮነ ብብዝሒ ህዝብን ሕልሚ ምስፍሕፋሕን ዝሕመረቱ ኣተሓሳስባ ዳግም ከይደናገሩን ከየደናግሩን ኣብ ዓለማዊ ዲፕሎማስያዊ መድረኻት ብጭብጢ ብሰነዳዊ ሕጋዊ መርተዖ ንምፍሻሎም፡ ግዜ ዝህብ ዘደቅስ ኣይኮነን’ሞ ኣለና በሉ። ህዝቢ ኤርትራ ብቑጽሩ ኣበይ ከይበጽሕ ተባሂሉ ተናዒቑ ሃገሩ ከም ማዕጾን ዋርድያን ዘይብሉ ገዛ ሰተት ኢሎም ክጎብጥዎ ይመጽኡ ከም ዘለው ተረዲኡ፡ ብሓደ እምኒ ክልተ ዑፍ ከም ዝበሃል ንዘቤታዊ ጸላእን ግዳማዊ ጎበጣን ብንቕሓትን ብጽንዓትን መኪቱ ብዓወት ክወጽእ ዘኽእል፡ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ፡ ሕጋዊ ሞራላዊ ኣንፈትን ስንቅን ሃብዎ። ብውሽጥን ብደገን ተቐርቂሩ ኣብ ጸልማት ስለ ዝርከብ ብርሃን ኩንዎ ኣለና በልዎ።

ብፍርሒ፡ በለጽን ድቃስን ዝሕመዩ ዝነበሩ መናእሰያት ደቅና፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ብተግባር ብዘረጋግጽዎ ዘለው ዝድነቕ ንጥፈታት ኣብ ልዕሊኦም ዝነበረ ኣሉታዊ ትዕዝብን ምስልን ብምቕያር ተስፋ ህዝቢ፡ ደቂ ህዝቢ ይበሃሉ ከም ዘለው ትሪእዎን ትሰምዕዎን ዘለኹም’ዩ። ስለዚ ከኣ ንሳትኩም ብደረጃኹም ኣብ ልዕለኹም ዘሎ ኣሉታዊ ህዝባዊ ትዕዝብቲ ብምዕጻፍ ብኣወንታ ክትግለጹ ብህዝብኹም ክትከብሩን ክትዝከሩን ናይ ሕማቕ ግዜ ወገን ህዝቢ ኩኑ። መዓስ ሎሚ። ካብ ተራ ምሁር ህዝባዊ ምሁር ኮይንካ ክትርከብ ይዓቢ’ሞ፡ ህዝባዊ ኣረኣእያን ወገንነትን ዘለዎም ምሁራት ኮይንኩም ተረኸቡ።

                                                     ካብ ክብሮም ከሰተ

                                   ኣባል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)

                                                         22 ሕዳር 2023