- Details
- Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ኣምልኾ ምስ መለኮታዊ እምነት ዝተኣሳሰረ’ዩ። ሚሊዮናት ዘይኮነ ቢሊዮናት ሰባት ዘምልኽዎ ከኣ ሓደ ፈጣሪ ጥራሕ’ዩ። ኣምልኾ ኣብ ሓደ ፈጣሪ ካብ ጥንቲ ዝነበረ፡ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ’ውን ዝህሉ፡ ተገዲድካ ዘይኮነ ብኣስተምህሮን ዕግበትን ትኽተሎ፡ መትከላውነቱ ካብ ውልቀ ረብሓ፡ ነፍሰ ፍትወት፡ ኣድልዎ፡ ጭካኔ፡ ሓሶት፡ ስርቂ፡ ነጻ ሕልና ክህልወካ፡ ርህሩህ ሓቀኛ ተኻፊልካ ትበልዕ ሓቢርካን ተኸባቢርካን ክትነብር ዝምህር’ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ’ዩ ብዘይምስገዳድ ብዘይ ምፍርራሕ ፖሊስን ጸጥታን ሰባት ብሰናይ ድሌቶም ኣበየ እምነቶም ከይዶም ክጽልዩን ክሰግዱን ዝረኣዩ።
- Details
- Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ዓመተ 2023 ተዛዚሙ ዓመተ 2024 ሓደ ኢሉ ይጅመር ኣሎ። ዓመት ናይ ግዜን ስራሕን መልክዒ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት እንታይ ክንሰርሕ ውጥን ነይሩና፡ እንታይ ኣዐዊትና፡ እንታይ ተሪፉና፡ መገምገሚ ውጽኢት ስራሕ ድማ’ዩ። ኤርትራውያን ከም ውልቀ-ሰብ ዘይኮነ ከም ህዝቢ ን50 ዓመት ብእምቢታ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ጸኒዕና ተቓሊስና። ኣብ ወርሒ ጉንበት 1991 ብሓይሊ፡ ብ1993 ብሕጊ ወነንቲ ሃገርና ብምዃን ሓደ ክፋል ካብ መሰረታዊ ሕቶና ስለ ዝመለስና ከም ነጥበ መቐይሮ ዝውሰድ’ዩ። ካብ ባዕዳዊ መግዘእቲ፡ ናብ ወነንቲ ሃገር ስለ ዝተሰጋገርና፡ ኣብ መድረኹ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እንቋዕ ኣብጸሓና ምብህሃል ግቡእ ነይሩ። ምኽንያቱ ጭቡጥ ናይ ምስግጋር ለውጢ ስለ ዝገበርና።
- Details
- Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ብሕጋዊ ድዩ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝተቖጻጸረ መንግስቲ፡ ባህሪኡ፣ ዕላማኡ ኮነ ተግባሩ፡ ደሞክራስያዊ ድዩ ጸረ-ደሞክራስያዊ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ከም መንግስቲ ስልጣኑ ዓቂቡ ክቕጽልን ዘይክቕጽልን ካብ ዝውስኑ መሰረታዊ ረቓሒታት ሓደን ቀንድን ቀዋሚ ምንጪ ቁጠባዊ ኣታዊ ምህላው’ዩ። ምኽንያቱ ቀዋሚ ምንጪ ኣታዊ እንተዘይብሉ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ መንግስታዊ መሓውር ከጣይስ ኣይክእልን። ሓይልታት ምክልኻል፡ ሃገራዊ ጸጥታ፡ ሃገራዊ ፖሊስ፡ ምምሕዳራት፡ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈታት መስሪቱ ኣብኡ ንዘገልግሉ ሰራሕተኛታት ወርሓዊ ደሞዝ ከፊሉ ከስርሕ ኣይኽእልን። ከምዚኦም ዝበሉ ወሰንቲ ትካላት ዘይብሉ መንግስቲ ድማ መንግስቲ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለዚ ንቀጻልነትን ውድቀትን ሓደ መንግስቲ ዝውስን ቀንዲ ረቛሒ፡ ሓያልታት ምክልኻል፡ ሃገራዊ ጸጥታ፡ ሃገራዊ ፖሊስን መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮን ዘይኮነ፡ ነዚኦም ዘንቀሳቕስ ዘተኣማምን ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ምህላው’ዩ።
- Details
- Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ህዝብታት ኤርትራ ወነንቲ ልኡውነት ናይ መሬት፡ ባሕርን ሰማይን ዳኣ ይኹኑ’ምበር ነዞም ጸጋታት እዚኦም ብከምቲ ዝድለ ገና ክጥቀምሎም ኣይከኣሉን፡፡ ብጭቡጥ ንምዝራብ ንፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን..ወዘተ ከም ልኡላዊ መሰሎም መጠን’ውን ክሳብ ሕጂ ይጥቀሙሎም የለዉን፡፡ ምኽንያቱ ጸረ ህዝብን ጸረ ደሞክራስን ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ንህዝብታትና ፖለቲካዊ ነጻነቶም ጨቢጦም ነብሶምን ሃገሮምን ዝመርሑሉ፡ ዘማዕብልሉን ዘውሕስሉን ቅዋም ተመያይጦም ከጽድቑን ኣብ ሂወቶም ክጥቀምሉን ዘኽእል ዕድል ብመሰረቱ ስለ ዘይረኸቡ፡፡
- Details
- Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ
ህዝባዊ ቃልስና ካብ ኣርባዓታት ጀሚሩ ዘካየዶ ሕጋውን ሰላማውን ፖለቲካዊ ቃልሲ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትየጵያን ውዲት ናይ ተሓባበርቶምን ብሓይሊ ምስ ተኣገደ፡ መልክዕ ህዝባዊ ቃልስና ናብ ዕጥቃዊ /ዓመጻዊ/ ኣገባብ ክቕየር ግድን እዩ ዝኾነ፡፡ ይኹን ዳኣምበር ኣብቲ ግዜ እቲ ዓመጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ክመርሕ ዝኽእል ዝተዳለወ ብቑዕ ፖለቲካዊ ውድብ ስለ ዘይነበረ፡ ዕጥቃዊ ቃልስና ኣብ ውሽጢ ሃገር ቀልጢፉ ክብገስ /ክጅምር/ ኣይተኻእለን፡፡
- Details
- Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ
ኣብ ፖለቲካ ስትራተጂካዊ ፈታውን ጸላእን ብግቡእ ዘይምልላይ እንተሃልዩ መግለጺ መርሆ ምጥፋእ’ዩ። ዝተነጸረ ፖለቲካዊ መርሆ ዘይብሉ ጉዕዞ ከኣ ጣሕመሽመሽ’ዩ። ሳዕቤን ፖለቲካዊ ደንበርበር ድማ መዘዙ ከቢድ’ዩ። ብእንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ኣረኣእያ፡ ንሕና ብሰላም ክነብር ህዝቢ ትግራይ ክጠፍእ ኣለዎ ዝብል መርሆ ኣልቦ ፖለቲካ’ዩ። ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ፡ ዘተኣማምን ፈታዊ ደኣምበር ተጻባእን ጸላእን ኤርትራዊ ረብሓታት ዝኾነሉ ታሪኽ የለን። ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ትግራይ ዝወጽአ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ’ውን ከምኡ፡ ከም ፖለቲካዊ ውድብ ካብ ዝተመሰረተሉ ክሳብ ሎሚ ኣብ ነጻነትን ልኡላውነትን ሃገረ ኤርትራ ካብ ዝሓዞ ፍትሓዊ መትከላዊ እምነት ሸታሕታሕ ዝበለሉ ታሪኽ ኣይተራእየን። ንመሰረታዊ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ተጻሪሩ ደው ዝበለሉ መድረኽ’ውን ኣይፍለጥን።
- Details
- Geschrieben von ክብሮም ከሰተ
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ብስነ-ፍልጠታዊ መምዘኒታት ከም ሰብ ብህይወት ንኽነብር ዝውስኑ መሰረታዊ ነገራት ብፖለቲካዊ ውሳኔ ዝሰኣነ ህዝቢ’ዩ። ንኣብነት ውሕስነት መግቢ የብሉን። መጽለሊ ወይ ገዛ የብሉን። ጥዕናዊ ኣገልግሎት ኣይርከብን። ጽሬቱ ዝሓለወ ማይ የብሉን። መብራህቲ የብሉን። መጎዓዝያ ዳርጋ የብሉን። ካብ ማያዊ ባሕርን ወደባትን ክረኽቦ ዝነበሮ ረብሓ ይረክብ የለን። እዚኦም ኩሎም ክህልው ዝነበሮም ብቐሊል ድማ ክርከቡ ዝኽእሉ ክንሶም፡ ቀጻልነት ስልጣን ሓደ ሰብ ንምርግጋጽ ብዘይ እውጅ ግን ከኣ ብመደብ ብፖለቲካዊ ውሳኔ ከይህልው ዝተኸልከሉ’ዮም። ዝያዳ ብሩህ ንምግባር ሓደ ብሓደ ንርኣዮም፡-
- Details
- Geschrieben von ክብሮም ከሰተ
ናይ ኤርትራውያን ጉዳይ እንዳወዓለ እናሓደረ ኣብ ክንዲ ዝመሓየሽ መሊሱ ይገድድ ኣሎ። ብቐዳምነት ውሽጡ ኣብ ክንዲ ዝርኢ ዘይምኽንያታዊ ጽልኢ ተማሂዙ ቀልቡ ናብ ግዳም ከተኩር ይስራሕ ኣሎ። ካብ ሕሉፍ ጉድለቱ ክመሃር ክእርነብ ኣብ ክንዲ ዝስራሕ መሊሱ መላሊሱ ንዕኡ ከኮማስዕ ብመደብ ክስራሕ ጸኒሑን ይቕጽል ኣሎን። እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ንተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ብከፋፊልካ ግዛእ ፖሊሲ ውሽጣዊ ሓድነቱ ዘሪጉ፡ ብቑጣባ ኣዳኺሙ፡ ማሕበራዊ ክብርታት ኣራኺሱን በታቲኹን፡ ዶብ ኤርትራ ሰጊሩ፡ ንመጻኢ ወለዶ መዓስ ‘ምበር ክኽፈል ምዃኑ ዘየጠራጥር ናይ ደም፣ ህይወት፣ ጥሪት፣ ንብረት፣ ከቢድ ዕዳ ዘሰክም ተግባር ይፍጽም ኣሎ። እዚ ህዝቢ ቅድም ክብል ከም ህዝቢ ካብ ዝፍለጠሉ ናይ ክብሪ ሚዛን ክወርድ፡ ህይወቱ ካብ ኲናት ናብ ኲናት እናተሰጋገረ ከም ዓውደ መኼዳ ኣብ ዕንክሊል ክነብር ብኣደንቋሪ ፕሮፖጋንዳ ኣብ ምርብራብ ይርከብ።
- Details
- Geschrieben von ክብሮም ከሰተ
መጀመሪያ ኣርእስቲ ጽሑፈይ፡ ናብ’ቶም ንጹር መርገጽ ዘይብሎም ተንሳፈፍቲ ፖለቲከኛታትን መሰልቶምን ጥራሕ ዘነጻጸረ ምዃኑ፣ ምስ’ቶም ደረጃ ማሕበረ ቁጠባዊ ምዕባሌና ዝፈጠሮ ሰበኽ-ሳግማዊ (ዘላን) መነባብሮ ዘሕልፉ ወገናትና ዘተኣሳስር ከም ዘይብሉ ኣንበብቲ ብቕንዕና ክትርዱኡለይ ኣዘኻኽር። ቀጺለ ናብቲ ቀንዲ መልእኽተይ ክኣቱ፡-
ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ብመንጽር ፖለቲካዊ ተፈጥሮኡን ተግባሩን ንህዝቢ ኤርትራ ፈታዊ ድዩ ጸላኢ? ብኸመይ ከ ክግጠም ኣለዎ? ብኩለመዳያዊ ቃልስ’ዶ ብሰላማዊ ኣገባብ ጥራሕ? ክመጽእ ዝድለ ለውጢ ኸ መሰረታዊ ለውጥዶ ዶ ጽገናዊ ለውጢ? ጠንቂ ናይ’ቲ ንህዝቢ ኤርትራ ሰለሎ ዘእተዎ ብዶብን ባድመን ተመኽንዩ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ኲናት ከ መን’ዩ? ብእንኮ-ሰባዊ ስርዓት ተገፊዕና ተዋሲና መሰልና ተነፊግና ኢሎም፡ ናቶም ውደባ ፈጢሮም ምስ ዝቃለሱ ዘለው ዝተፈላለዩ ውድባትን ምንቅስቓሳት ክህሉ ዝግባእ ናይ ቃልሲ ዝምድና ‘ኸ ከመይ ይኹን ዝብል ዛዕባ ሓደ ካብ’ቲ መን እንታይ ባህሪኡ ንመንከ ውግንናኡ ዝግለጸሉ መፍትሒ ከይተገብረሉ ዝቐጸለ ኣዛራቢ ጉዳይ ምንባሩ ይፍለጥ’ዩ።