selamndemocrasn
ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን፡ ወግዓዊ ፈነዊ ደምክራሲያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ). Voice of Peace & Democrasy. Official sender of the Democratc Front Erirean Unity (DFEU)
  • ሰላምን ደሞክራስን
  • እዋናዊ ዜና News
  • ቃለ መጠይቕ Interviw
  • ፈነወ Sendung
  • ዓንቀጽ ሰማዕቲ
  • ግጥምታት
  • ተረክቦታት
  • ምልክታታት
  • ኣገባባት

እዋናዊ ዜና

  • ግሉጽን ደሞክራስያውን ፖለቲካዊ ገምጋም፡ ፍቱን መድሓኒት ንፖለቲካዊ ሕማም፡
  • ብኣምዑት ዝብኢ ዝተቓነየት መሰንቆን፡ ባህሪ ስርዓት ህግደፍን ሓደ እዩ፡
  • መምዘኒ ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት  ተካኢ ዓቕሚ ሰብ ኣፍሪዩ’ዶ ኣየፍረየን ክኸውን ይግባእ።
  • “ዝኣዘዝናዮ ዝሰርሕ ህዝቢ ኣይንፈጥርን”
  • ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
  • ኣፍሪቃ፡ ሓንቲ ሃገር ወይስ ሓንቲ ኣህጉር?
  • ንእንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዓወት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሕፍር መርድእ ሞት ስርዓተ ትምህርቲ፡-
  • ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ።
  • ህግደፍ ክሳብ ዝውገድ ብፍሉይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብኩም ኣይትዛረቡ፡ ብዝተሓተ ሓባራዊ መቖሚያታት ጥራሕ ተቐየዱ፡ ማለት ብተግባር ዘስርሕ ሜላ ኣይኮነን።
  • ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ብንቅሓት ዝውነን ፖለቲካዊ ሓሳብ ‘ምበር፡ ብልግሲ ዝወሃብ ወይ ድማ ብምጽወታ ትቕበሎ  ግኡዝ ነገር ኣይኮነን።
  • ኣብ ህልዊ ኩነታት ኣመልኪቱ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ፡
  • ፖለቲካዊ ጽላላት ብምቐያር ጥራሕ፡ ልፍንታዊ ግንባራት ክዕወቱ ኣይክእሉን‘ዮም፤
  • ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢ ዝተነጸረ መርገጺ ከይሓዝካ ምቅላስ፡ ነጻነት፡ ሰላምን ደሞክራስን ልምዓትን ምርግጋጽ ኣይካኣልን፡
  • ብምኽንያት መበል 33 ዓመት ዕለተ ነጻነት ኤርትራ 24 ግንቦት ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ
  • ናይ ደምበ ተቓውሞና ጸገም፡ ኣብ ዝተሰማማዕካሎም ልፍንታዊ ዕላማታት፡ ሰጢምካ ክትቃለስ ዘይምብቃዕ እዩ፤
  • ሓድነት ክረጋገጽ፡ ናይ እምነትን ተግባርን ውህደት ክህሉ የድሊ፤
  • ብርጌድ ንሓመዱ ከም ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓረካ)፡ ፈተውቲ ብዝመስሉ ወገናት ጉዕዘኡ ከይቑጸ ክጥንቀቕ ይግባእ
  • ደድሕሪ ህዝቢ ዝኸይድ ውድብ፡ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን።
  • ውሳኔ ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ 19 መጋቢት 2024፡ ውጽኢት ውሁድ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን ወፍሪ’ዩ።
  1. Aktuelle Seite:  
  2. Startseite
  3. እዋናዊ ዜና News

ብሽፋን ነጻ ሓሳብ ነጻ ሜድያ ንክልተ ደምበ ከተገልግል ምፍታን ብህዝቢ ምልጋጽ’ዩ።

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Zuletzt aktualisiert: 23. Januar 2024

ህዝቢ ኤርትራ ዕረፍቲ ኣብ ዘይብሉ እህህታ ይነብር ኣሎ። ኣብ’ዚ መዛረቢ ማሕበረ ሰብ ዓለም ዝኾነ ቃንዛን እህህታን ክወድቕ ዝገብሮ ከኣ፡ ካብ ግዳም ዝተበገሰ ወራሪ ሓይሊ ኣይኮነን። ባህሪያዊ ሓደጋ’ውን ኣይኮነን። ውሽጣዊ ሓድነት ህዝቢ ከፋፊሉ፡ ኣርዒዱ፣ ማሕበራዊ ባህላዊ ሃይማኖታዊ ክብርታት ኣናጊዑ፡ ኢደ ወነናዊ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ከቐጽል ዝደሊ ፋሽሽታዊ ጉጅለ ብውሳኔ ዝኽተሎ ዘሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ’ዩ። እዚ ህዝቢ ከም ጥሙር ህዝቢ፡ ሃገር ከም ልኡላዊት ሃገር ከይቕጽል ብዝተናወሐ ግዜ እቲ ህዝቢ ክጸንት፡ እታ ሃገር ክትፈርስ ዝዓለመ ጸረ-ህዝቢ ኣረኣእያን ተግባርን’ዩ። እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ካልኣይ ሳልሳይ ደረጃ ዘይኮነ ቀዳማይ ጸላኢ’ዩ።  ቀዳማይ ጸላኢ ድማ ናይ ግድን ብንቑሕ ህዝባዊ ቃልሲ ክምከት፡ ክሰዓር፡ ናብ ነበረ ክቕየር ደኣዩ ዘለዎ ‘ምበር ብጉልባብ “ድሕነት ሃገር” ክንክን ክግበረሉ  ኣይግባእን።

Read more: ብሽፋን ነጻ ሓሳብ ነጻ ሜድያ ንክልተ ደምበ ከተገልግል...

ኣብ ህላወ ኢሳያስ ዝህሉ ምስ ምውጋድ ኢሳያስ ዝቕህም  ኣምልኾ

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Zuletzt aktualisiert: 21. Januar 2024

ኣምልኾ ምስ መለኮታዊ እምነት ዝተኣሳሰረ’ዩ። ሚሊዮናት ዘይኮነ ቢሊዮናት ሰባት ዘምልኽዎ ከኣ ሓደ ፈጣሪ ጥራሕ’ዩ። ኣምልኾ ኣብ ሓደ ፈጣሪ ካብ ጥንቲ ዝነበረ፡ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ’ውን ዝህሉ፡ ተገዲድካ ዘይኮነ ብኣስተምህሮን ዕግበትን ትኽተሎ፡ መትከላውነቱ ካብ ውልቀ ረብሓ፡ ነፍሰ ፍትወት፡ ኣድልዎ፡ ጭካኔ፡ ሓሶት፡ ስርቂ፡ ነጻ ሕልና ክህልወካ፡ ርህሩህ ሓቀኛ ተኻፊልካ ትበልዕ ሓቢርካን ተኸባቢርካን ክትነብር ዝምህር’ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ’ዩ ብዘይምስገዳድ ብዘይ ምፍርራሕ ፖሊስን ጸጥታን ሰባት ብሰናይ ድሌቶም ኣበየ እምነቶም ከይዶም ክጽልዩን ክሰግዱን ዝረኣዩ። 

Read more: ኣብ ህላወ ኢሳያስ ዝህሉ ምስ ምውጋድ ኢሳያስ ዝቕህም  ኣምልኾ

ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2024 ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Zuletzt aktualisiert: 31. Dezember 2023

ዓመተ 2023 ተዛዚሙ ዓመተ 2024 ሓደ ኢሉ ይጅመር ኣሎ። ዓመት ናይ ግዜን ስራሕን መልክዒ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት እንታይ ክንሰርሕ ውጥን ነይሩና፡ እንታይ ኣዐዊትና፡ እንታይ ተሪፉና፡ መገምገሚ ውጽኢት ስራሕ ድማ’ዩ። ኤርትራውያን ከም ውልቀ-ሰብ ዘይኮነ ከም ህዝቢ ን50 ዓመት ብእምቢታ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ጸኒዕና ተቓሊስና። ኣብ ወርሒ ጉንበት 1991 ብሓይሊ፡ ብ1993 ብሕጊ ወነንቲ ሃገርና ብምዃን ሓደ ክፋል ካብ መሰረታዊ ሕቶና ስለ ዝመለስና ከም ነጥበ መቐይሮ ዝውሰድ’ዩ። ካብ ባዕዳዊ መግዘእቲ፡ ናብ ወነንቲ ሃገር ስለ ዝተሰጋገርና፡ ኣብ መድረኹ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እንቋዕ ኣብጸሓና ምብህሃል ግቡእ ነይሩ። ምኽንያቱ ጭቡጥ ናይ ምስግጋር ለውጢ ስለ ዝገበርና።

Read more: ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2024 ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት...

ንዘይ ሕጋዊ ስርዓት ዝተሰከመ፡ ዘይሕጋዊ ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ይቃላዕ፡ ይቋረጽ!

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Zuletzt aktualisiert: 29. Dezember 2023

ብሕጋዊ ድዩ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝተቖጻጸረ መንግስቲ፡ ባህሪኡ፣ ዕላማኡ ኮነ ተግባሩ፡ ደሞክራስያዊ ድዩ ጸረ-ደሞክራስያዊ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ከም መንግስቲ ስልጣኑ ዓቂቡ ክቕጽልን ዘይክቕጽልን ካብ ዝውስኑ መሰረታዊ ረቓሒታት ሓደን ቀንድን ቀዋሚ ምንጪ ቁጠባዊ ኣታዊ ምህላው’ዩ። ምኽንያቱ ቀዋሚ ምንጪ ኣታዊ እንተዘይብሉ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ መንግስታዊ መሓውር ከጣይስ ኣይክእልን። ሓይልታት ምክልኻል፡ ሃገራዊ ጸጥታ፡ ሃገራዊ ፖሊስ፡ ምምሕዳራት፡ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈታት መስሪቱ ኣብኡ ንዘገልግሉ ሰራሕተኛታት ወርሓዊ ደሞዝ ከፊሉ ከስርሕ ኣይኽእልን። ከምዚኦም ዝበሉ ወሰንቲ ትካላት ዘይብሉ መንግስቲ ድማ መንግስቲ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለዚ ንቀጻልነትን ውድቀትን ሓደ መንግስቲ ዝውስን ቀንዲ ረቛሒ፡ ሓያልታት ምክልኻል፡ ሃገራዊ ጸጥታ፡ ሃገራዊ ፖሊስን መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮን ዘይኮነ፡ ነዚኦም ዘንቀሳቕስ ዘተኣማምን ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ምህላው’ዩ።

Read more: ንዘይ ሕጋዊ ስርዓት ዝተሰከመ፡ ዘይሕጋዊ ምንጪ ገንዘባዊ...

ኤርትራ መሬታ፡ ባሕራን ሰማያን ልኡላውነት ናይ ህዝብታት ኤርትራ’ምበር፡ ናይ በሓቲ መንግስቲ ህግደፍ ኣይኮነን፤

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Zuletzt aktualisiert: 26. Dezember 2023

ህዝብታት ኤርትራ ወነንቲ ልኡውነት ናይ መሬት፡ ባሕርን ሰማይን ዳኣ ይኹኑ’ምበር ነዞም ጸጋታት እዚኦም ብከምቲ ዝድለ ገና ክጥቀምሎም ኣይከኣሉን፡፡ ብጭቡጥ ንምዝራብ ንፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን..ወዘተ ከም ልኡላዊ መሰሎም መጠን’ውን ክሳብ ሕጂ ይጥቀሙሎም የለዉን፡፡ ምኽንያቱ ጸረ ህዝብን ጸረ ደሞክራስን ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ንህዝብታትና ፖለቲካዊ ነጻነቶም ጨቢጦም ነብሶምን ሃገሮምን ዝመርሑሉ፡ ዘማዕብልሉን ዘውሕስሉን ቅዋም ተመያይጦም ከጽድቑን ኣብ ሂወቶም ክጥቀምሉን ዘኽእል ዕድል ብመሰረቱ ስለ ዘይረኸቡ፡፡

Read more: ኤርትራ መሬታ፡ ባሕራን ሰማያን ልኡላውነት ናይ ህዝብታት...

ህዝባዊ ቃልስና ብስሉጥን ዘተኣማምንን ዝዕወት፡ ህዝብናን ሃገርናን ማእከል ብምግባር ክንቃለስ ምስ እንበቅዕ እዩ:

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ
Zuletzt aktualisiert: 20. Dezember 2023

ህዝባዊ ቃልስና ካብ ኣርባዓታት ጀሚሩ ዘካየዶ ሕጋውን ሰላማውን ፖለቲካዊ ቃልሲ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትየጵያን ውዲት ናይ ተሓባበርቶምን ብሓይሊ ምስ ተኣገደ፡ መልክዕ ህዝባዊ ቃልስና ናብ ዕጥቃዊ /ዓመጻዊ/ ኣገባብ ክቕየር ግድን እዩ ዝኾነ፡፡ ይኹን ዳኣምበር ኣብቲ ግዜ እቲ ዓመጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ክመርሕ ዝኽእል ዝተዳለወ ብቑዕ ፖለቲካዊ ውድብ ስለ ዘይነበረ፡ ዕጥቃዊ ቃልስና ኣብ ውሽጢ ሃገር ቀልጢፉ ክብገስ /ክጅምር/ ኣይተኻእለን፡፡

Read more: ህዝባዊ ቃልስና ብስሉጥን ዘተኣማምንን ዝዕወት፡ ህዝብናን...

ውጽኢት ተኣኪብካ ደጀንካ ምህራም፡ ተማህሊልካ በላዒኻ ምጽዋዕ፡ ፖለቲካዊ ድንቁርና እዚ’ዩ።

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ
Zuletzt aktualisiert: 09. Dezember 2023

ኣብ ፖለቲካ ስትራተጂካዊ ፈታውን ጸላእን ብግቡእ ዘይምልላይ እንተሃልዩ መግለጺ መርሆ ምጥፋእ’ዩ። ዝተነጸረ ፖለቲካዊ መርሆ ዘይብሉ ጉዕዞ ከኣ ጣሕመሽመሽ’ዩ። ሳዕቤን ፖለቲካዊ ደንበርበር ድማ መዘዙ ከቢድ’ዩ። ብእንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ኣረኣእያ፡ ንሕና ብሰላም ክነብር ህዝቢ ትግራይ ክጠፍእ ኣለዎ ዝብል መርሆ ኣልቦ ፖለቲካ’ዩ። ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ፡ ዘተኣማምን ፈታዊ ደኣምበር ተጻባእን ጸላእን ኤርትራዊ ረብሓታት ዝኾነሉ ታሪኽ የለን። ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ትግራይ ዝወጽአ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ’ውን ከምኡ፡ ከም ፖለቲካዊ ውድብ ካብ ዝተመሰረተሉ ክሳብ ሎሚ ኣብ ነጻነትን ልኡላውነትን ሃገረ ኤርትራ ካብ ዝሓዞ ፍትሓዊ መትከላዊ እምነት ሸታሕታሕ ዝበለሉ ታሪኽ ኣይተራእየን። ንመሰረታዊ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ተጻሪሩ ደው ዝበለሉ መድረኽ’ውን ኣይፍለጥን።

Read more: ውጽኢት ተኣኪብካ ደጀንካ ምህራም፡ ተማህሊልካ በላዒኻ...

ብጸጋታቱ ከይጥቀም ብፖለቲካዊ ውሳኔ ብድኽነት ማሲኑ ክጠፍእ ዝተፍረደ ህዝቢ

Details
Geschrieben von ክብሮም ከሰተ
Zuletzt aktualisiert: 30. November 2023

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ብስነ-ፍልጠታዊ መምዘኒታት ከም ሰብ ብህይወት ንኽነብር ዝውስኑ መሰረታዊ ነገራት ብፖለቲካዊ ውሳኔ ዝሰኣነ ህዝቢ’ዩ። ንኣብነት ውሕስነት መግቢ የብሉን። መጽለሊ ወይ ገዛ የብሉን። ጥዕናዊ ኣገልግሎት ኣይርከብን። ጽሬቱ ዝሓለወ ማይ የብሉን። መብራህቲ የብሉን። መጎዓዝያ ዳርጋ የብሉን። ካብ ማያዊ ባሕርን ወደባትን ክረኽቦ ዝነበሮ ረብሓ ይረክብ የለን። እዚኦም ኩሎም ክህልው ዝነበሮም ብቐሊል ድማ ክርከቡ ዝኽእሉ ክንሶም፡ ቀጻልነት ስልጣን ሓደ ሰብ ንምርግጋጽ ብዘይ እውጅ ግን ከኣ ብመደብ ብፖለቲካዊ ውሳኔ ከይህልው ዝተኸልከሉ’ዮም። ዝያዳ ብሩህ ንምግባር ሓደ ብሓደ ንርኣዮም፡-

Read more: ብጸጋታቱ ከይጥቀም ብፖለቲካዊ ውሳኔ ብድኽነት ማሲኑ ክጠፍእ...

ህዝባዊ ኒሕ ዘለዎ ኤርትራዊ ምሁር  ኣብ መድረኽ ወጺኡ ኣለኹ ይበል፡-

Details
Geschrieben von ክብሮም ከሰተ
Zuletzt aktualisiert: 23. November 2023

ናይ ኤርትራውያን ጉዳይ እንዳወዓለ እናሓደረ ኣብ ክንዲ ዝመሓየሽ መሊሱ ይገድድ ኣሎ። ብቐዳምነት ውሽጡ ኣብ ክንዲ ዝርኢ ዘይምኽንያታዊ ጽልኢ ተማሂዙ ቀልቡ ናብ ግዳም ከተኩር ይስራሕ ኣሎ። ካብ ሕሉፍ ጉድለቱ ክመሃር ክእርነብ ኣብ ክንዲ ዝስራሕ መሊሱ መላሊሱ ንዕኡ ከኮማስዕ ብመደብ ክስራሕ ጸኒሑን ይቕጽል ኣሎን። እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ንተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ብከፋፊልካ ግዛእ ፖሊሲ ውሽጣዊ ሓድነቱ ዘሪጉ፡ ብቑጣባ ኣዳኺሙ፡ ማሕበራዊ ክብርታት ኣራኺሱን በታቲኹን፡ ዶብ ኤርትራ ሰጊሩ፡ ንመጻኢ ወለዶ መዓስ ‘ምበር ክኽፈል ምዃኑ ዘየጠራጥር ናይ ደም፣ ህይወት፣ ጥሪት፣ ንብረት፣ ከቢድ ዕዳ ዘሰክም ተግባር ይፍጽም ኣሎ። እዚ ህዝቢ ቅድም ክብል ከም ህዝቢ ካብ ዝፍለጠሉ ናይ ክብሪ ሚዛን ክወርድ፡ ህይወቱ ካብ ኲናት ናብ ኲናት እናተሰጋገረ ከም ዓውደ መኼዳ ኣብ ዕንክሊል ክነብር ብኣደንቋሪ ፕሮፖጋንዳ ኣብ ምርብራብ ይርከብ።

Read more: ህዝባዊ ኒሕ ዘለዎ ኤርትራዊ ምሁር  ኣብ መድረኽ ወጺኡ ኣለኹ...

  1. ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ካብ ደምበ ፈትሒ ናብ ደምበ ጸላኢ ዝውግን ናይ ፖለቲካ ዘላን ጥራሕ’ዩ።
  2. ዝተረደኦን ዝተወደኦን’ዩ
  3. ደሞራሲያዊ ኣረኣእያ ምዕራባውያን፡ ሎምስ መትሓዚ ዝበሃል’ዃ ተሳኢኑዎ። ኣዝዩ ዘሕጉስ ውጽኢት ወፍሪ ‘መንሰያት ኤርትራውያን ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ጊሰን’

Seite 4 von 5

  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5

ኣርካይቭ Archived

  • Dezember, 2018
  • November, 2018
  • Oktober, 2018
  • August, 2018
  • Juli, 2018
  • Juni, 2018
  • Mai, 2018
  • April, 2018
  • Februar, 2018
  • Januar, 2018

ተወሳኺ ሓበሬታ

  • Mestyat Betna | ንዕብዳን ሓሙሽተ ዓመታት እተንጸባርቕ ሰነድ ህግደፋውያን
  • ቃለ-መጠይቕ ምስ ገዲም ተጋዳላይ ሰመረ በያን(ወድ-በያን)
  • እዚ ኲናት፡ ዘብጽሖ ጉድኣትን ዝገድፎ ሳዕቤናትን፤ ናይ ሓዋሩ መዋጽኦ’ኸ? The impact of the war (Snitna 20-Nov-2021) P1/3
  • ቃለ መጠይቕ መስፍን ተድላን መኮነን ተኽለ
  • ቃለ-መጠይቕ ምስ ግዲም ተጋዳላይ ሃብተገርግስ ኣብርሃ
  • ቃለመጠይቕ ምስ ገዲም ተጋዳላይ ሙሴ ዳኘው
  • ቃለ-መጠይቕ ምስ ግዲም ተጋዳላይ ሃብተገርግስ ኣብርሃ
  • መልሲ ካብ ኣባላት ደግሓኤ
  • ዘተ ኣብ ህዝባውን ሃገራውን ጉዳይ ምስ ደቂ ኣንስትዮ
  • መልሲ ንኣቶ ኣልኣሚን ብኣባላት ደግሓኤ፡

ኣብ መርበብ መን ኣሎ

Aktuell sind 24 Gäste und keine Mitglieder online