ንሕና ኤርትራውያን ብውሽጣዊ ምዕባለና ሃገርነት ኣይፈጠርናን። ቅድሚ መግዛእቲ ጥልያን ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ መሬት ኤርትራ ብምሉእ ዘይኮነ ብከፊል ቱርካውያን፣ ግብጻውያን፣ ማህዳውያን፣ መሳፍንቲ ትግራይ ነዊሕ ዓመታት ሰፊሮም የመሓድሩ ከም ዝነበሩ መዛግብቲ ታሪኽ የረጋግጹ። መግዛእቲ ጥልያን ብ1890 ብዘይ ፍቃድ፡ ተሳትፎን ውሳኔን ኤርትራውያን ንዕኡ ብዝጥዕሞ ኣገባብ ገይሩ ነዛ ናይ ሎሚ ኤርትራዊ ሃገርነት ቀሪጹ። ብናቱ ሕግታት ድማ ልዕሊ 50 ዓመት ገዚኡ። ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ጣልያን ብውሳኔ ሓያላን ሃገራት ናብ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ካብ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ንሓጺር ግዜ ኣብ ትሕቲ ዘይርጉእ ምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ውዑል ፈደረሽን ብምፍራስ ናብ መስፋናዊ ንጉሳዊ መግዛእቲ ሃ/ስላሴ፡ ካብ ሃ/ስላሴ ናብ ፋሽሽታዊ ወተሃደራዊ መግዛእቲ ደርግ እናተሰጋገርና መጺእና።

ድሕሪ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ባዕዳውያን ሓይልታት፡ ብሳላ ምሉእ ተሳትፎ ዘይሕለል ህዝብን ክቡር ኩለ መዳያዊ መስዋእቲ ደቂ ህዝብን ብ1993 ወነንቲ ልኡላዊት ሃገር ኮይና። ወነንቲ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም፡ ወነንቲ ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምዃን ግን ኣይከኣልናን። ታሪኽና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ መወዳእታ ከኣ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናብ ዝኸፍአ ዘቤታዊ መግዛእቲ ኮይኑ። ኣብ’ዚ ነዊሕ ጉዕዞ፡ ብዘይካ ኣብ በበይኑ ከባቢታት ዝነበረ ብሕጊ እንዳባ (ያታዊ ስርዓት) ዝፍለጥ ሃገር ለኸ ዘይኮነ ኣገባብ ምሕደራ፡ ከም ህዝቢ ብደረጃ ሃገር ናትና ኢልና ብንኣምነሉ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ተመሓዲርና ኣይንፈልጥን። ሕጂ ኣብ ትሕቲ ኤርትራዊ ገዛኢ እናሃለና’ውን ቅዋም የብልናን። ካብ ድሕረትን ድኽነትን ወጺእና እፎይ ዝበልናሉ መድረኽ’ውን የለን።

   እቶም ቅድሚ ምምስራት ኤርትራዊ ሃገርነት ኮነ ድሕሪኡ ዝነበሩ ግዳማውያን ሓይልታት ይውሓድ ይብዛሕ ነናቶም ኣሰር ማለት፡ ባህሊ፣ ቋንቋ፣ ክሳብ’ውን ዘርኢ ገዲፎም’ዮም ሓሊፎም። ስለዚ ከኣ ከም’ቲ እንኮ-ሰባዊ ስርዓትን በሃማት ኣምለኽቱን ብቋንቋና ባህልና ዘርእና ጀግንነትና ብልሕና ካብ ጎረባብትና ካብ ኣፍሪቃን ዓለምን፡ ዝተፈለና፡ ብሉጻትን ምሩጻትን ኢና እናበሉ ዝነዝሕዎ ኣዝዩ ሕሱር ፕሮፖጋዳዊ ነፍሒ ከም ዘይኮና ምግንዛብ የድሊ። ንሕና ከም ህዝቢ ናትና ኣወንታዊ ክብርታትን ድኽመታትን ዘለና ኣካል ኣምሳል ማሕበረሰብ ዓለም ኢና። ብዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ሓይልታት ምግዛእና ዘሕብን’ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ዓለም ኣባና ጥራሕ ከም ዘጋጠመ ርእስና ነድንነሉ ክኸውን የብሉን። ኣሉታውን ኣወንታውን ሚዛኑ ዝሓለወ ርድኢት ክህልወና ኣለዎ። ምኽንያቱ ነዛ ናይ ሎሚ ርእሰ ሓያል ሃገረ ኣመሪካ ሓዊስካ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ከም’ዚ ከማና ብመግዛእቲ ዝተሰርሓ’የን። ካብ ሰንሰለታዊ ምቕብባል ግዳማውያን ገዛእቲ ሓይልታት ኣድልዎ ዓፈና ግፍዕን ‘ምበር፡ ምሉእ ነጻነት ምዕቡል ፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ ኣስተምህሮ ዘይረኽብና ኢልና ንኸሰሉ ንቑዝመሉ ምኽንያት የለን። ንሳቶም ክረግጹና ከጋፍዑና ከድክዩና ‘ምበር መሰልና ከኽብሩ ካብ ድኽነትን ድንቁርናን ከውጽኡና ኢሎም ስለ ዘይመጽኡ።

ካብ’ቲ ዘመናዊ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ዝተጀመረሉ 40ታት ብሓፈሻ፡ ድሕሪ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ 1961 ብዝተፈጥራ ፖለቲካዊ ውድባት ከኣ ብፍላይ ፖለቲካዊ ኣካይዳና ከመይ ነይሩ? ምግምጋም፡ ንዝምጎስ ምምጓስ ንዝንቀፍ ምንቃፍ ካብኡ ክርከብ ዝኽእል ትምህርቲ ምውሳድ ግን ጽቡቕ’ዩ። ብዙሓት ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበሩ ህዝብታት፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጥራሕ ዘይኮነ እንኮላይ ካብ ዘቤታዊ ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን መለኽቲ ሓራ ኮይኖም፡ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ተኺሎም፡ ናይ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ልምዓት ኣብነት ኮይኖም’ዮም። ንሕና ኸ ታሪኽ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ካብ ዝቕበር ልዕሊ 30 ዓመት ኮይኑ ክንሱ ኣበይ ደረጃ ኣለና? ነብስና ክንፍትሽ’ሞ ልክዕንካ ክንፈልጥ ይግባእ። ከም ህዝቢ ብብስለት ዝጠቕመናን ዘይጠቕመናን ጠንቅን ሳዕቤንን ፈታውን ጸላእን ፈላሊና ንመዝነሉ ንቕሓት፡ ንዘይንድግፎ ብርእሰ ተኣማንነት ንቃወመሉ ትብዓት፡ ካብ ድሑር ትምክሕታውን ጸቢብን ኣረኣእያታት ሓራ ዝኾነ ኣብ ሓይሊ ሓሳብ ዝተሰረተ ደሞክራስያዊ ኣስተምህሮ ‘ዶ ንረክብ ነይርና? ድሕሪት ተመሊስካ ምግምጋም ንናይ ሎሚ ጸገማት ኣብ ምልላይን ምፍታሕን ዝሕግዝ ፖለቲካዊ ልቦና’ዩ።

ዋኒን ፖለቲካዊ ውድብ ጸገም ህዝቢ ምልላይ፡ መፍትሒ ሓሳባት ምቕራጽ፡ ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ምዝርጋሕ ህዝቢ ምንቃሕ ምውዳብ ሓባራዊ ጸገሙ ብሓባር ናብ ዝፈትሓሉ ኣንፈት ክምርሽ ምግባር’ዩ። ሕጋዊ ኣሰራርሓ ተኸቲሉ ንመሰሉ ተማጓቲ፡ መራሕቱ ብሕርያኡ ዘደይብን ዘውርድን ተጽዕኖ ፈጣሪ ክኸውን ምብቃዕ’ዩ። ተመክሮ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ካብ 40ታት ክሳብ ናይ ሎሚ ደምበ ተቓውሞ ከምኡ’ዶ ነይሩን ኣሎን እንተተባሂሉ ግን መልሱ ኣይፋሉን’ዩ። ኣብ 40ታት ዝነበሩ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ካብ ተጽዕኖ ሃይማኖትን ከባብያዊ ስምዒታትን ሓራ ስለ ዘይነበሩ፡ ኣብ ዙርያ ሃገራዊ ነጻነት፡ መራሕቲ ሰልፊ ነጻነት ከም’ዚ በሉ፡ ማሕበር ኣንድነት ከም’ዚ ገበሩ ካብ ዝብል ዝሓለፈ ዕሙቕ ዝበለ ንርሑቕ ርሕቀት (ስትራተጂ) ዘርኢ ብሕጋውን ትካላውን ኣሰራርሓ ተማእዚዙ ዝሰርሕ ፖለቲካዊ ፕሮግራምን መሪሕነትን ንምንባሩ ዘረጋግጽ መረዳእታ የለን። ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ፍልልይ ንምፍታሕ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ኣገባብ’ውን ብሽምግልና ‘ምበር ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ዝተኸተለ ኣይነበረን።

መድረኽ ሰለማዊ ፖለቲካዊ ቃልስን ግዱድ ውዕል ፈደረሽንን ኣብቂዑ ናብ ሓድሽ መድረኽ ምስተሰጋገረ’ውን ኣብ ፖለቲካዊ ንቕሓት ዕምቆት ዘለዎ መሰረታዊ ለውጢ ኣይመጽአን። ህዝቢ ካብ ፖለቲካዊ ውድባት ቀጻልነት ዘለዎ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣስተምህሮ ይረክብ ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። ብርግጽ ጸጋማዊ ዝንባሌን ጭርሖታትን ኣብ በበይኑ መድረኻት፡ ብዝተፈላለዩ ውድባት ይስማዕ ነይሩ’ዩ። ኣብ ተሓኤ ኮነ ህግሓኤ ብሕቡእን ብወግዕን ዝፍለጡ ቀንዲ ዋኒኖም ፖለቲካዊ መንቕቓሕ ምምእዛን ምዃኑ ዝዛረብሉ ኣብ ውሽጢ’ቲ ግንባራት ብፍሉይ ዝተወደቡ ሰልፍታት ነይሮም’ዮም። “ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ሰውራ እንታይ ጠቕሙ ተረዲእኩሞ’ዶ ኮላይ ትርጉሙ” ዝድረፈሉ ዝነበረ እዋን ኣይርሳዕን። እንተኾነ እቶም ሰልፍታት ኮነ ግንባራት ካብ ወተሃደራዊ ሓርበኛዊ ስምዒት፡ ባህሊ ግብራዊ ስራሕ፡ ጽንዓትን ተወፋይነትን ዝዘለለ ኣብ ህዝቢ ዘስረጽዎ ፖለቲካዊ ንቕሓት ክሳብ ክንድቲ ኣይኮነን። ኣብ’ቲ ይኹን ኣብ’ቲ፡ ድሑር ስምዒታት ብምዝማዝ፡ ደሞክራስያዊ ሕቶታት ብምጭፍላቕ ክብረ ዝና ውልቀ ሰባት ካብ ምሕላውን ምቅንጃውን ዝሓለፈ ኣብ ህዝቢ ዘሪኦም ዘፍረይዎ ዘነይት ዓሚቕ ፖለቲካዊ ንቕሓት ኣይነበረን። ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ ዘይነበሮ ደማዊ ኲናት ሕድሕድ፡ ብፖለቲካዊ ድሕረት ዝሰኸረ ወተሃደርን ወተሃደራውነትን ኣተሓሳስባ፡ ኣብ ልዕሊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ፡ ተጽዕኖ ከም ዝነበሮ’ዩ ዝሕብር። ሕጂ ‘ውን ፖለቲካዊ ንቕሓትን ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያን ገዛኢ ኣይኮነን ኣሎ።

ታሪኻዊ ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታና ወተሃደር ወተሃደራዊ ጀግንነትን ግብራዊ ስራሕን ዘቐድም ብምንባሩ፡ ብዛዕባ ከመይነት ህዝባዊ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ፡ ፖለቲካዊ ምሕደራን ኣፈታትሓ ካልኣዊ ግርጭትን ዘለና ተረድኦ ዝምስገን ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ባህሪና ብሰብኣዊ ክብረት፡ ፍትሓውነትን ደሞክራስያዊ ኣረኣእያን ዝተገርሐ ኣይኮነን። ብዙሓት ውድባት ዝኽተልዎ ፖለቲካዊ ዕላማ እንታይ ዓይነትን ኣብ መን መሰረት ክገብር ከም ዘለዎን ኣይብሩህን። ከመይ ክመስልን ክመሓደር ከም ዘለዎን ናይ ምትንታን ዓቕምናን ተጻዋርነትናን ስለ ዘይማዕበለ ወትሩ ኣብ ዘይፈላሊ ክንፈላለ ንረአ። ፖለቲካዊ ውድባት ንሓደ ክልተ ግዜ ዘይኮነ ንዓመታት ገለ መሰረታውን ዘይመሰረታውን ፍልልያት ብምድውዋስ፡ ገለ ከኣ ኣብ ዘይመሰረታዊ ንኡስ ንገራት ክተሃላለኹ ወርቃዊ ናይ ለውጢ ዕድላት የምልጥ ኣሎ። ህርኩትን ሃያብን ህዝቢ ኤርትራ ዛጊት ንዕኡ ዝምጥን መሪሕ ፖለቲካዊ ውድብ ዘይረኸበ ብደቁ ዝተበደለ ህዝቢ’ዩ ከም ህዝቢ።

ንዕኡ ዝምጥን ንበደሉ ብሰላም ብደሞክራሲ ብቅዋማዊ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ዝኽሕስ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ንምምጻእ ‘ምበኣር፡ ፖለቲካዊ ንቕሓትና ክጉልብት ኣለዎ። ካብ ረብሓ ህዝቢ ዘየረጋግጽ ግጉይ ፖለቲካዊ ኣገንዝቦ ክንወጽእ ይግባእ። ኣብ ህዝብን ህዝባዊ ኡላውነትን ምስ ኩነታት ዘይገላበጥ ንጹርን ማዕባልን ፖለቲካዊ መርገጽ ክንውንን ኣለና። ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ቁጠዐ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ዘቤታዊ ጸላኢ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሑ ኣሎ። ደምበ ተቓውሞ’ውን ብዓቐን ወሲኹ ኣሎ። ፍርሒ ተሰቢሩ፡ “ኣይትኸውንንያ” እናበለ ዳሳት ጸላኢ የፍርስ ኣሎ። ገንዘብ፣ ግዜ፣ ማእሰርቲ፣ ኣካል፣ ናይ ህትወት መስዋእቲ ይኸፍል ኣሎ። እዚ ንነዊሕ ዓመታት ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ምዕባለ ብምዃኑ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት’ዩ። ብዓይኒ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ ክምዘን እንከሎ ግን ዓይነታዊ ኣይኮነን። ብህዝባዊ ኣረኣእያኡ፡ ደሞክራስያዊ ጥርናፈኡ፡ ሕጋዊ ትካላዊ ተሓታትነቱ፡ ግልጽነቱን ተጻዋርነቱን ቅልጡፍ ለዊጢ ገይሩ እቲ ድፍረትን ዓቐናዊ ለውጥን ብዓይነትን ብስለትን እንተዘይተመሪሑ መጻኢ ዕድሉ ብተፋን ስኽፍታን ዝተዓጀበ’ዩ።

ኣብ ፖለቲካ ድፍረትን ዓቐናዊ ግዝፍን ብቑዕ ቀላሲ እንተዘይረኺቡ መርሆ ስኢኑ ባዕሉ ንባዕሉ ዕንቅፋት ዝኾነሉ ኣጋጣሚታት ክህሉ ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ምእታው ጽቡቕ’ዩ። ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ብተናጻል ውድባት ሰልፍታት ምንቅስቓሳት ዝግበር ንጥፈታት ኣድማዒ ስራሕ ክስራሕ ከም ዘይከኣል’ውን ክዝንጋዕ የብሉን። ስለዚ ንናይ ዕላማ ንጹርነት ፍትሓውነት ደሞክራስያውነት ፍሉይ ትኹረት ክወሃቦ ኣለዎ። ብሓባር ከስርሑ ኣብ ዝኽእሉ ህዝቢ ዝፈልጦምን ዝሕልዎምን ናይ ርሑቕ ርሕቀት (ስትራተጂካውን) ናይ ቀረባ ርሕቀት (ስልታውን) ዕላማታት ተሰሪትና ዝተበታተነ ዓቕሚታትና ንጠርንፍ። ሓቢርና ንምስራሕ ድዩ ናብ ፍጹም ሓድነት ዘምጸኣና፡ ሓሳብ፣ ፖለቲካዊ ፕሮግራም፣ ስትራተጂን ስልትን ደኣምበር ኣካላዊ ምትእኽኻብ ከምዘይኮነ ንረዳእ። እንተዘየተሰማሚዕና’ውን ዝፈላለየና ንሱ እቲ ሒዝናዮ ዘለና ፖለቲካዊ ፕሮግራም፡ ስትራተጂን ስልትን ስለ ዘይተቓደወ ምዃኑ ህዝቢ ብዝርደኦን ዝመሃረሉን ኣገባብ ክኸውን ይግባእ።

ብሰንኪ ዘይብቕዓትናን ንቑሕ ሓታቲ ተጽዕኖ ፈጣሪ ህዝቢ ዘይምህናጽናን ‘ምበር፡ ፖለቲካዊ ርእይቶን ዝምድናን ኣይሓባእን። ንፈታውን ጸላእን ግሉጽ ብዝኾነ ኣገባብ’ዩ ክስረሓሉ ዝግባእ። ብፍላይ ከኣ ካብ ህዝቢ ተኸዊልካ ዝምስረት ሓባራዊ ግንባር፡ ዘይመትከላዊ ቅንዕና ዝጎደሎን ናይ ሽርሕን ጉርሕን ውጥን ምዃኑ፡ እቶም ከምኡ ዝገብሩ ወገናት ኣብ ነብሶም ዘለዎም ዝንቡዕ ኣረዳድኣን ኣብ ህዝቢ ዘለዎም ንዕቀትን’ዩ የመልክት። ስለዚ ዝግበር ዝምድና መበገሲኡን መፈጸምታኡ ሃናጺ ሓሳብ ይኹን። ንጹር ፖለቲካዊ መትከል ይኹን። ህዝባዊ መሰል ህዝባዊ ረብሓን ዘረጋግጽ ምዃኑ ተኣሚንሉ ይተግበር። ብስም ህዝቢ ውልቃውን ጉጅላውን ህልኽካ ወይ ነገራዊ ጻምእካ ንምርዋይ ውድብ ሰልፊ ምንቅስቓስ ከተፍርስ ምህቃን፣ ናይ ዕላማ ፍልልይ ዘይብሉ ግንባር ኣፍሪስካ ግንባር ናይ ምምስራት ሕዱር ሕማም ብተጽዕኖ ህዝቢ ይገራሕ። ህዝቢ ሓሳብ ይስማዕ፡ ሓሳብ የንብብ። ኣብ ቅኑዕ ዝበሎ ሓሳብ ይዕሰል። ግዳይ ብዝተፈላለዩ ኣስማት ናይ ዝጽውዑ ህዝባዊ ዕላማ ናይ ዘይብሎም ምትእኽኻባት ኣይኹን። ቅኑዕን ዘይቅኑዕን ፖለቲካዊ ውድብ/ግንባር ብኣካል ዘይኮነ ብሓሳብ ብትሕዝቶ የለሊ ይምዘን’ሞ ኣወንታዊ ተጽዕኖኡ የዕርፍ። ብተመሳሳሊ ነቲ ቃልሲ ንኽብሪ ንዝና ንዝጥቀምሉ ዘይሰርሑ መራሕቲ ውድባትን ግንባራትን እንታይ ትገብሩ ኣለኹም ወይ ብተግባር ስርሑ እንተዘይኮነ ብስምና፡ ብገንዘብና፡ ብሽግርና ኣይትሸቅጡ ክብሎም ይግባእ።

ካልእ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ዓቢ ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ፡ ሃናጺ ሓሳብ ዘይብሉ ኣዝዩ ድሑር ምቅድዳም ናብ ስልጣን’ዩ። ሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣን መዓስ ይጥለብ ብኸመይ ከ ክምለስ ኣለዎ ግቡእ ተረድኦ ዘሎ ኣይመስልን። ፖለቲካዊ ስልጣን ብሃናጺ ሓሳብ ‘ምበር ብኣካል ክረአ የብሉን። ብሓሳብ፡ ብመትከል ብእምነት ዓይኒ እንተተ ወሲዱ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ናይ ብዙሓት’ዩ። ብኣካል ግን ንውሑዳት ‘ምበር ንኹሉ ዝኣክል ኣይኮነን። ስልጣን ንምርካብን ዘይምርካብን ዝውስን ቅኑዕ ሓሳብ’ዩ። ቅኑዕ ዕላማ’ዩ። ምዕቡል ኣተሓሳስባ ኣብ ዘለዎ ሕብረተሰብ ንስልጣን ዝወዳደር ሰብ ዘይኮነ እቲ ሰብ ዝሓዞ ሓሳብ ወይ ዕላማ’ዩ። እቲ ዝወዳደር ፖለቲካዊ ፕሮግራም ህዝባዊ ረብሓ የረጋግጽ ኣየረጋግጽን፡ ህዝባዊ መሰል የኽብር’ዶ ኣየኽብርን ብዝብል’ዩ ዝስፈር። ስልጣን ምሓዝ ማለት ሓሳብካ ወይ ፕሮግራምካ ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ረኺቡ ልዕልና ምስ ዝሕዝ’ዩ።

ቀዳማይ ጸላኢ ከይተወገደ ኣብ ሃገር ከይኣተኻ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ ኮይንካ ኣብ በረኻን ስደትን እናነበርካ ብስልጣን ምምንጫት መግለጺ መኣዝንካ ምጥፋእ’ዩ፡፡ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ’ዩ። በቲ ስለኻ ትብሎ ዘለኻ ህዝቢ ምልጋጽ’ዩ። ሎሚ እምነተይ ኢልካ ንዝሓዝካዮ ፖለቲካዊ መርገጽ ንምዕዋት ትደኽመሉን ንመስዋእቲ ትዳለወሉን ደኣምበር፡ ብውልቀን ብጉጅለን ብቕሉዕን ብስውሩን ላዕለዋይ ቦታ መን ሓዘ ናብ ስልጣን ትቐዳደመሉ መድረኽ ኣይኮነን።

ኣብ ፖለቲካ ብሓፈሻ፡ ኣብ’ዚ ንሕና ንርከበሉ ተኣፋፊ ኩነታት ከኣ ብፍላይ፡ ብብስለት ብውጥን ብትካላዊ ኣሰራርሓ ብዘይ ምስልካይ ክድከመሉ ዘለዎ ድምጺ ግፉዓት ምስማዕን ምፍታሕን’ዩ። ካብ ህዝቢ ንዝለዓሉ መሰረታውያን ይኹኑ ዘይመሰረታውያን ናይ ተበዲልና ተገፊዕና፡ ስለዚ ከኣ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰልና ይከበር ሕቶታት፡ ከም ሕቶ ብዘይ ዝኾነ ዓንቃፊ ምኽንያት ተቐቢልካ፡ ምስ’ቶም ግፉዓት ተረዳዲእካ ወሲንካ ብሓባር ወፊርካ ከተዐውቶ ዘኽእለካ ብሓቂ ህዝባዊ ዝኾነ ደሞክራስያዊ ፕሮግራም ብምውናን ትገብሮ ቃልሲ’ዩ ክኸውን ዘለዎ። ውልቀ ሰባት ይኹኑ ፖለቲካዊ ውድባት ብጉልባብ ወዲ ዓድና፣ መሓዙትና፣ ደቂ ወረዳና፣ ኣውራጃና፣ ሃይማኖትና፣ ብሄራትና፣ መጋድልትና፣ ምሁራት ዘይምሁራት፣ ኣረግቶት መንእሰያት እናበልካ ዘራጊ ተራ ትጻወትሉ ክኸውን የብሉን። ናይ መን ሓሳብ ቅኑዕ፡ ናይ መን ፍትሓዊ ደሞክራስያዊ፣ ናይ መን ብሓባር የስርሕ፣ ናይ መን ፖለቲካዊ ፕሮግራም ወይ ስትራተጂካዊ ውጥን ካብ’ዚ ዘለናዮ ውርደት የውጸኣና፡ ኣብ ትሕቲ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቅዋም ብመስተርሆት ናብ እንመሓደረሉ ንቡር መድረኽ የሰጋግረና፡ ብንቕሓትን ብሓላፍነታዊ ስምዒትን ዝምዘንሉን ብኡ መንጽር ብህዝባዊ መንፊት ዝሓልፍሉን ዝወድቅሉን’ዩ ክኸውን ዘለዎ።

ናብ ዓወት ዘብጽሕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ከይወነንካ ሓሳብ ኣብ ህዝቢ ዘሪእካ ፍረ ክትሓፍስ ከይጀመርካ፡ ተሓታትነት ዘለዎ ትካላዊ ኣሰራርሓ ከይዘርጋሕካ ካብ’ቲ ስልጣን ክትሕዘሉ ዘለካ ሃገር ርሑቕ ስደት ሰፊርካ፡ ብሕቶ ስልጣን ክትሰሓሓብ፡ ክንድዚ ንዓና ክንድዚ ንበዓል እከለ እናበልካ ክትማቐልን ከተማቕልን ግዜ ምብኻን ብቐጥታ ነቶም ተግበርቱ ጥራሕ ዘይኮነ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ውርደት’ዩ። ህይወት ሰብ ንምድሓን ቀጻልነት ህዝቢ ንምውሓስ ኣብ ዝጠልብ ናይ መስዋእቲ መድረኽ፡ ነዚ ውድብ’ዚ ነዚ፡ ግንባር’ዚ፡ ነዚ ምንቅስቓስ’ዚ፡ ኣነ እንተዘይመራሕክዎ ንሕና እንተዘይመራሕናዮ እናበልካ ካብ መሰረታዊ ተልእኾኡ ከተዕንቅፎ ዝመስሉኻ ወዳዲብካ ላዕሊ ታዕቲ ምባል ተራ ጌጋ ኣይኮነን፡ ከቢድ ፖለቲካዊ ገበን’ዩ። ንኽብርኻ ንዝናኻ ንውልቃውን ጉጅላውን ነገራዊ ረብሓ ደኣምበር፡ ንህዝባዊ ሰላም፣ ንህዝባዊ ደሞክራሲ፣ ንልዕልና ማሕበራዊ ፍትሒ ትቃለስ ከምዘየለኻ ሓባሪ’ዩ። ስለዚ’ዩ ድማ ድፍረትን ዓቐናዊ ለውጥን ጽቡቕ ይምዕብል ኣሎ፡ ፖለቲካዊ ብስለትን ዓይነታዊ ለውጢ ግን ኣይግድን ዝበሃል ዘሎ።

                                         ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                           27 ለካቲት 2024