selamndemocrasn
ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን፡ ወግዓዊ ፈነዊ ደምክራሲያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ). Voice of Peace & Democrasy. Official sender of the Democratc Front Erirean Unity (DFEU)
  • ሰላምን ደሞክራስን
  • እዋናዊ ዜና News
  • ቃለ መጠይቕ Interviw
  • ፈነወ Sendung
  • ዓንቀጽ ሰማዕቲ
  • ግጥምታት
  • ተረክቦታት
  • ምልክታታት
  • ኣገባባት

እዋናዊ ዜና

  • ግሉጽን ደሞክራስያውን ፖለቲካዊ ገምጋም፡ ፍቱን መድሓኒት ንፖለቲካዊ ሕማም፡
  • ብኣምዑት ዝብኢ ዝተቓነየት መሰንቆን፡ ባህሪ ስርዓት ህግደፍን ሓደ እዩ፡
  • መምዘኒ ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት  ተካኢ ዓቕሚ ሰብ ኣፍሪዩ’ዶ ኣየፍረየን ክኸውን ይግባእ።
  • “ዝኣዘዝናዮ ዝሰርሕ ህዝቢ ኣይንፈጥርን”
  • ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
  • ኣፍሪቃ፡ ሓንቲ ሃገር ወይስ ሓንቲ ኣህጉር?
  • ንእንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዓወት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሕፍር መርድእ ሞት ስርዓተ ትምህርቲ፡-
  • ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ።
  • ህግደፍ ክሳብ ዝውገድ ብፍሉይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብኩም ኣይትዛረቡ፡ ብዝተሓተ ሓባራዊ መቖሚያታት ጥራሕ ተቐየዱ፡ ማለት ብተግባር ዘስርሕ ሜላ ኣይኮነን።
  • ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ብንቅሓት ዝውነን ፖለቲካዊ ሓሳብ ‘ምበር፡ ብልግሲ ዝወሃብ ወይ ድማ ብምጽወታ ትቕበሎ  ግኡዝ ነገር ኣይኮነን።
  • ኣብ ህልዊ ኩነታት ኣመልኪቱ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ፡
  • ፖለቲካዊ ጽላላት ብምቐያር ጥራሕ፡ ልፍንታዊ ግንባራት ክዕወቱ ኣይክእሉን‘ዮም፤
  • ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢ ዝተነጸረ መርገጺ ከይሓዝካ ምቅላስ፡ ነጻነት፡ ሰላምን ደሞክራስን ልምዓትን ምርግጋጽ ኣይካኣልን፡
  • ብምኽንያት መበል 33 ዓመት ዕለተ ነጻነት ኤርትራ 24 ግንቦት ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ
  • ናይ ደምበ ተቓውሞና ጸገም፡ ኣብ ዝተሰማማዕካሎም ልፍንታዊ ዕላማታት፡ ሰጢምካ ክትቃለስ ዘይምብቃዕ እዩ፤
  • ሓድነት ክረጋገጽ፡ ናይ እምነትን ተግባርን ውህደት ክህሉ የድሊ፤
  • ብርጌድ ንሓመዱ ከም ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓረካ)፡ ፈተውቲ ብዝመስሉ ወገናት ጉዕዘኡ ከይቑጸ ክጥንቀቕ ይግባእ
  • ደድሕሪ ህዝቢ ዝኸይድ ውድብ፡ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን።
  • ውሳኔ ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ 19 መጋቢት 2024፡ ውጽኢት ውሁድ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን ወፍሪ’ዩ።
  1. Aktuelle Seite:  
  2. Startseite
  3. እዋናዊ ዜና News

ግሉጽን ደሞክራስያውን ፖለቲካዊ ገምጋም፡ ፍቱን መድሓኒት ንፖለቲካዊ ሕማም፡

Details
Geschrieben von Super User
Zuletzt aktualisiert: 14. Dezember 2024

 

 ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ መንግስታዊ ትካላት፣ ማሕበራት፣ ናይ ብሕቲ ትካላት ገምጋም ስራሕ ምግባር  ብኣረኣእያ ቅቡል፡ ብተግባር ድማ ዝስረሓሉ ምሩጽ ሜላ’ዩ።  ምኽንያቱ ሓያልን ድኹምን ጎኒኻ ዘርኢ፡ ዓቕሚ ሰብ ዘጎልብት፡ ባህሊ ግልጽነትን ተሓታትነትን ዘስርጽ፡ ሚዛን ሓድነትን ማዕርነት ዝሕሉ ደሞክራያዊ መድረኽ ብምዃኑ ኣድላይነቱ ዕዙዝ’ዩ። ኣብ ሓባራዊ ስራሓት ነጻን ደሞክራስያውን መድረኽ ከፊትካ፡ መበገሲኻን ሸቶኻን መሰረት ብምግባር፡ እንታይ ወጢንና፡ እንታይ ኣዐዊትና፡ እንታይ ተሪፉና፡ እንታይ ዕንቅፋት ገጢሙና፡ ከመይ ከ ክንሰግሮ ወይ ክንፈትሖ ኣለና ኢልካ ምግምጋም ፍቱን ኣገባብ ንኣድማዒ ስራሕ እዩ። ከም ተመክሮ  ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት፡ ማሕበራት፡ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዝርከቡ ኣባላት፡ ሰራሕተኛታት፡ ዘሳተፈ ነጻ ገምጋም ስራሕ ስለ ንገብር፡ ኣብ ስራሕና ምትእምማን፡ ግልጽነት፡ ተሓታትነት፡ ተወፋይነት ጠጢዑ፡ ስለዚ ከኣ ውጽኢታውያን ኮይና ኢሎም ክዛረቡ ይስምዑ።

Read more: ግሉጽን ደሞክራስያውን ፖለቲካዊ ገምጋም፡ ፍቱን መድሓኒት...

ብኣምዑት ዝብኢ ዝተቓነየት መሰንቆን፡ ባህሪ ስርዓት ህግደፍን ሓደ እዩ፡

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Zuletzt aktualisiert: 29. November 2024

ናይ ሎሚ መራሕቲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ መስርሕ ህዝባዊ ዕጥቃዊ ቃልስና ሓርበኛዊ ተረኦም እናተጻወቱ ከም ዝመጹ ዘይካሓድ እዩ፡፡ ይኹኑ ዳኣምበር ኣብ ወድብ ህግሓኤ ደሞክራስያዊ ኣፍልጦን መሰላትን ናይ ንጹሃት ተጋደልቲ እናዓፈኑን እናጨፍለቑን፡ ናይ ምልኪ ኣተሓሳስባታት እናኣስፈኑ፡ ናይ ዓፈና ትካላት እናወደቡን ዝመጹ ጸረ ደሞክራስን ፍትሕን መለኽቲ ባእታታት'ውን ነይሮሞም እዮም፡፡

Read more: ብኣምዑት ዝብኢ ዝተቓነየት መሰንቆን፡ ባህሪ ስርዓት ህግደፍን...

መምዘኒ ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት  ተካኢ ዓቕሚ ሰብ ኣፍሪዩ’ዶ ኣየፍረየን ክኸውን ይግባእ።

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)
Zuletzt aktualisiert: 28. November 2024

ፖለቲካ ከመይነት ምሕደራን ኣነባብራን ህዝቢ ዝቕልስ ስነ-ፍልጠታዊ ዓውዲ’ዩ። እዚ ዓውዲ’ዚ መሰልን ረብሓን ህዝቢ ማእከሉ ብዝገበረ ንጹር ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ፣ ትካላዊ ኣሰራርሓ፣ ሕጋዊ ተሓታትነት፣ ስጡም ውደባን ጽፉፍ ባህሊ ስራሕን እንተተመሪሑ መንገዲ ሰላምን ምዕባሌን ዘምጽእ ፍቱን ዓውዲ’ዩ። ፖለቲካዊ ምሕደራ እንተተዘሪጉ ከኣ ሽዑ ንሽዑ ዕለታዊ ህይወት ህዝቢ ተዛቢዑ ኣሎ ማለት’ዩ። ንኣብነት ኣብ ዝተዘርገ ፖለቲካዊ ሃዋህው፡ ብቕዓት ዘለዎም ዜጋታት ዘፍሪ ስርዓተ ትምህርቲ ኣይህሉን። ውጽኢታዊ ምርምራዊ መጽናዕትን ምህዞን ንምክያድ ኣይከኣልን። ሓሪስካ ድዩ ነጊድካ ርእስኻ ክኢልካ ናይ ምንባር ትስፉው ራእይ ኣይህሉን። ውሽጣዊ ሓድነቱን ኣወንታዊ ማሕበራዊ ክብርታቱን ዓቂቡ ብምትሕልላይን ምድምማጽን ዝነብር ርጉእ ህዝቢ ክህሉ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ ሓንቲ ሃገር ፖለቲካዊ መኣዝን እንተተዘሪጉ፡ ናይ ፖለቲካዊ መሪሕነት ውድቀት ኣጋጢሙ ኣሎ ማለት’ዩ። ውድቀት ፖለቲካዊ መሪሕነት ከኣ ውድቀት ሕብረተ-ሰብ የስዕብ። ብተግባር ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ድማ፡ ውድቀት ፖለቲካዊ መሪሕነት ዝጠንቁ፡ ውድቀት ሕብረተ-ሰብ እዩ። 

Read more: መምዘኒ ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት  ተካኢ ዓቕሚ ሰብ...

“ዝኣዘዝናዮ ዝሰርሕ ህዝቢ ኣይንፈጥርን”

Details
Geschrieben von ክብሮም ከሰተ
Zuletzt aktualisiert: 28. November 2024

እዚ ኣርእስትን ጽሑፍን ተጋ/ስብሓት ነጋ (ኣቦይ ስብሓት) ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ትኽተሎ ፖሊሲ  ብዝምልከት ኣብ 2017 ብጋዜጣዊ ወይን ንዝቐረበሎም ሕቶ ካብ ዝሃብዎ መልሲ ኣገዳስነት ናይ’ቲ መልእኽቲ ኣብ ግምት ብምእታው ዝቐርብ ዘሎ ምዃኑ ኣቐዲመ እሕብር።

ወይን፡- ከም ሃገር ኣብ መንግስቲ ሻዕብያ ክንክተሎ ዝጸናሕና ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ዝድለ ውጽኢት ኣየምጸአን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ምስ’ቲ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ይገብሮ ኣሎ ዝበሃል ምትእስሳር ቀጻሊ ዕዳ ህዝቢ ትግራዩ ይበሃል፡ ኣብ’ዚ እንታይ ርእይቶ ኣለካ?

Read more: “ዝኣዘዝናዮ ዝሰርሕ ህዝቢ ኣይንፈጥርን”

ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Zuletzt aktualisiert: 05. Oktober 2024

ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ካብ 13-28 / መስከረም 2024 ኣብ ዝነበረ መዓልታት ምስ ካልኦት ውድባዊ ስራሓት ብምዝማድ፡ 8ተ መዓልታት ዝወሰደ መበል 4 ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ። ኣብ ህልዊ ዓለማዊ፣ ዞባዊ፣ ከባብያዊ፣ ሃገራዊ፣ ውድባዊ፣ ኩነታት ደምበ ተቓውሞን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት መሰረት ገይሩ ድማ ተመያይጡን ገምጊሙን።

 

ማእከላይ መሪሕነት ደግሓኤ፡ ኣብ ዓለማዊ ኩነታት ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ መልክዕ ዝሑል ኲናት ዳግም ዝበራበረሉን ጽልዋታቱ ብዓለምን ከባቢታትን ዝራኣየሉን ከቢድ ዓለማዊ ወጥርን ስኽፍታን ይዓቢ ምህላዉ፤ ሓያላትን ዝማዕበላን ሃገራት ብስም ነጻ ዕዳጋን ካልእ ቴማታትን ንዘይማዕበላ ሃገራት መን በሓተን ዝያዳ ተጠቒመን ዝመበገሲኡ ዝረአ ዘሎ ልዑል ውድድርን ተጽዕኖን ኣብ ልዕሊ ዘይማዕበላ ሃገራት ኣብ ቁጠባዊ ፖሊሲአንን መጻኢ ናይ ምዕባይ ዕድለንን ከቢድ ተጽዕኖ ይፈጥር ከም ዘሎ ተመልኪቱ።

Read more: ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት...

ኣፍሪቃ፡ ሓንቲ ሃገር ወይስ ሓንቲ ኣህጉር?

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Zuletzt aktualisiert: 14. September 2024

ኣፍሪቃ ብርግጽ ሓንቲ ካብ’ተን ሸውዓተ ክፍለ ዓለማት ኮይና፡ ልዕሊ 300 ሚሊዮን ሰባት ዝነብሩላ፡ ኣብ ልዕልን ትሕትን መሬታ ንዓይኒ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝስሕብን ከዐንግል ዝኽእልን ገና ዘይተመዝመዘ በብዓይንቱ ጸጋታት ዘለዋ ኣህጉር’ያ። ኣፍሪቃ ብምዕራባውያን  ባርነታዊ ንግዲ ዝተኻየደላ፡ ባዕዳውያን ገዛእቲ ብከፋፊልካ ግዛእ ፖሊሲ፡ ንዕኦም ብዝጥዕሞም ከም ስጋ ጉዚ ተመቒሎም ብቐጥታ፡ ብሕሱም ድሕረትን ድኽነትን ዝገዝኣዋ ዝነበሩ ኣህጉር ምዃና ይፍለጥ።

Read more: ኣፍሪቃ፡ ሓንቲ ሃገር ወይስ ሓንቲ ኣህጉር?

ንእንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዓወት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሕፍር መርድእ ሞት ስርዓተ ትምህርቲ፡-

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)
Zuletzt aktualisiert: 04. September 2024

 “ሎሚ ዓመት 2,296 ተመሃሮ ካብ ኮለጃት ተመሪቖም”። እዚ ብረቡዕ 7 ነሓሰ 2024 ካብ ዝወጸ፡ መበል 33 ዓመት ቁ 293 ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝተወስደ ኣርእስተ ዜና እዩ። ኤርትራ ሃገር‘ምበር ወረዳ ኣይኮነትን። እቲ ህዝቢ ድማ ልዕሊ 9 ብሄራት ዘለውዎ ብሚሊዮናት ዝቑጸር ህዝብታት‘ምበር ናይ ሓደ ወረዳ ህዝቢ ኣይኮነን። እተን ኣመሪቐን ዝበሃላ ዘለዋ ኮለጃት ከኣ በቲ ንገዛእ ርእሱ መንግስቲ’የ ኢሉ ዝገልጽ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ዝውነና ትካላት‘ምበር፡ ናይ ብሕቲ ኮለጃት ኣይኮናን።

በዚ መሰረት ሽዱሽተ ኮለጃት 2,296 ተመሃሮ ኣመሪቐን ክበሃል እንከሎ እንታይ የመልክት? ምዕባሌ ስርዓተ ትምህርቲ’ዶ ወይስ  ውድቀት? ኣብ’ተን ዝማዕበላ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ከይከድና፡ ኣብ ቀረባ ጎሬባብትና ብፍላይ ከኣ እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ኤርትራ ብድሕረትን ድኽነትን ክወራዘየለን ዝስማዕ ሃገራት፡ ብመንግስቲ ካብ ዝውነና ኮለጃትን ዩኒቨሪሲቲታት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካብ ሓንቲ ናይ ብሕቲ ኮለጅ ዓመታዊ ብውሕዱ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ሽሕ ተመሃሮ ኣብ ዝምረቕሉ ወቕቲ፡ 6 ኮለጃት ኤርትራ 2,296 ተመሃሮ ኣመሪቐን ዝብል ዜና ምስማዕ የሰንብድ። ብመደብ ንህዝብታት ኤርትራ ንምድንቋር ይስራሕ ከም ዘሎ የረጋግጽ።

Read more: ንእንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዓወት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሕፍር መርድእ...

ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ።

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)
Zuletzt aktualisiert: 03. September 2024

ሎሚ መበል 63 ዓመት ታሪኻዊት ዕለት ባሕቲ መስከረም ንዝክረሉን ነኽብረሉን ሃገራዊ በዓልና’ዩ። ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ብዘቤታዊ ጸላኢ ዝተኾልፉ ገና ዘይተመለሱ መሰረታዊ ዕላማታት ባሕቲ መስከረም ‘ኳ እንተሃለው፡ በቲ ክቡር ባህልና ተገዚኡ እንቋዕ ናብ’ዚ ዕለት ኣብጸሓኩም ይብል። መበል 63 ዓመት ባሕቲ መስከረም 1961 ብጅግና ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተን ብጾቱን እምቢታ ንመግዛእቲ፡ ሃገራዊ ነጻነትናን ህዝባዊ ሓርነትናን ብቕልጽምና ዝብል ዘይምብርከኽ ግብረ መልሲ ዝተጀመረላ፡ ኣብ ተዘክሮ ህዝብታት ኤርትራ ፍሉይ ቦታ ዘለዋ ታሪኻዊት ዕለት’ያ።

Read more: ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ...

ህግደፍ ክሳብ ዝውገድ ብፍሉይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብኩም ኣይትዛረቡ፡ ብዝተሓተ ሓባራዊ መቖሚያታት ጥራሕ ተቐየዱ፡ ማለት ብተግባር ዘስርሕ ሜላ ኣይኮነን።

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)
Zuletzt aktualisiert: 30. Juli 2024

ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ወጽዓ ስለ ዘለና ዓቕሚታትና ኣላፊና ንስራሕ ዝብል ሓሳብ ዝድገፍ ‘ምበር ዝኾነን የብሉን። እቲ ሓሳብ ኣብ ምንታይ ዝተሰረተ’ዩ ዝብል ግን ክንጸር ይግባእ። ዓቕሚታትና ኣላፊና ንስራሕ ዝብል ዘረባ ኣብ ውሽጡ እንታ’ዩ ሓቚፉ ዘሎ። ብሓቂ ፍትሓዊ ድዩ? ብሓቂ ደሞክራስያዊ ድዩ? ብሓቂ ኣብ ማዕርነታዊ ሓድነት ዝኣምን ድዩ? ብሓቂ ግሉጽነት ዘለዎ ድዩ? ዝብሉ መሰረታዊ ሕቶታት ክለዓሉን መልሲ ክረኽቡን ኣለዎም። ተላፊንካ ንምስራሕ ህላወ ክልተን ካብኡ ንላዕልን ፖለቲካዊ ውድባት ከም ዝጠልብ ኣየተሓትትን። ነዚ ተግባራዊ ክኸውን ዘይክኸውን ዝውስኖ ከኣ፡ ኣብ መንጎቶም ክልተን ካብኡ ንላዕልን ዝኾኑ ፖለቲካዊ ውድባት ዘሎ ናይ ስነ-ሓሳብ፡ ስትራተጂን ፖሊስን ፍልልያት ዘሎ ሕድሕድ ኣፍልጦ፡ ማዕርነታዊ ኣጠማምታን ከመይነት ደሞክራስያዊ ምሕደራን እዩ።

Read more: ህግደፍ ክሳብ ዝውገድ ብፍሉይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብኩም...

  1. ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ብንቅሓት ዝውነን ፖለቲካዊ ሓሳብ ‘ምበር፡ ብልግሲ ዝወሃብ ወይ ድማ ብምጽወታ ትቕበሎ  ግኡዝ ነገር ኣይኮነን።
  2. ኣብ ህልዊ ኩነታት ኣመልኪቱ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ፡
  3. ፖለቲካዊ ጽላላት ብምቐያር ጥራሕ፡ ልፍንታዊ ግንባራት ክዕወቱ ኣይክእሉን‘ዮም፤
  4. ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢ ዝተነጸረ መርገጺ ከይሓዝካ ምቅላስ፡ ነጻነት፡ ሰላምን ደሞክራስን ልምዓትን ምርግጋጽ ኣይካኣልን፡

Seite 1 von 5

  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5

ኣርካይቭ Archived

  • Dezember, 2018
  • November, 2018
  • Oktober, 2018
  • August, 2018
  • Juli, 2018
  • Juni, 2018
  • Mai, 2018
  • April, 2018
  • Februar, 2018
  • Januar, 2018

ተወሳኺ ሓበሬታ

  • Mestyat Betna | ንዕብዳን ሓሙሽተ ዓመታት እተንጸባርቕ ሰነድ ህግደፋውያን
  • ቃለ-መጠይቕ ምስ ገዲም ተጋዳላይ ሰመረ በያን(ወድ-በያን)
  • እዚ ኲናት፡ ዘብጽሖ ጉድኣትን ዝገድፎ ሳዕቤናትን፤ ናይ ሓዋሩ መዋጽኦ’ኸ? The impact of the war (Snitna 20-Nov-2021) P1/3
  • ቃለ መጠይቕ መስፍን ተድላን መኮነን ተኽለ
  • ቃለ-መጠይቕ ምስ ግዲም ተጋዳላይ ሃብተገርግስ ኣብርሃ
  • ቃለመጠይቕ ምስ ገዲም ተጋዳላይ ሙሴ ዳኘው
  • ቃለ-መጠይቕ ምስ ግዲም ተጋዳላይ ሃብተገርግስ ኣብርሃ
  • መልሲ ካብ ኣባላት ደግሓኤ
  • ዘተ ኣብ ህዝባውን ሃገራውን ጉዳይ ምስ ደቂ ኣንስትዮ
  • መልሲ ንኣቶ ኣልኣሚን ብኣባላት ደግሓኤ፡

ኣብ መርበብ መን ኣሎ

Aktuell sind 35 Gäste und keine Mitglieder online