- Details
- Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ካብ 13-28 / መስከረም 2024 ኣብ ዝነበረ መዓልታት ምስ ካልኦት ውድባዊ ስራሓት ብምዝማድ፡ 8ተ መዓልታት ዝወሰደ መበል 4 ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ። ኣብ ህልዊ ዓለማዊ፣ ዞባዊ፣ ከባብያዊ፣ ሃገራዊ፣ ውድባዊ፣ ኩነታት ደምበ ተቓውሞን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት መሰረት ገይሩ ድማ ተመያይጡን ገምጊሙን።
ማእከላይ መሪሕነት ደግሓኤ፡ ኣብ ዓለማዊ ኩነታት ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ መልክዕ ዝሑል ኲናት ዳግም ዝበራበረሉን ጽልዋታቱ ብዓለምን ከባቢታትን ዝራኣየሉን ከቢድ ዓለማዊ ወጥርን ስኽፍታን ይዓቢ ምህላዉ፤ ሓያላትን ዝማዕበላን ሃገራት ብስም ነጻ ዕዳጋን ካልእ ቴማታትን ንዘይማዕበላ ሃገራት መን በሓተን ዝያዳ ተጠቒመን ዝመበገሲኡ ዝረአ ዘሎ ልዑል ውድድርን ተጽዕኖን ኣብ ልዕሊ ዘይማዕበላ ሃገራት ኣብ ቁጠባዊ ፖሊሲአንን መጻኢ ናይ ምዕባይ ዕድለንን ከቢድ ተጽዕኖ ይፈጥር ከም ዘሎ ተመልኪቱ።
- Details
- Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ኣፍሪቃ ብርግጽ ሓንቲ ካብ’ተን ሸውዓተ ክፍለ ዓለማት ኮይና፡ ልዕሊ 300 ሚሊዮን ሰባት ዝነብሩላ፡ ኣብ ልዕልን ትሕትን መሬታ ንዓይኒ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝስሕብን ከዐንግል ዝኽእልን ገና ዘይተመዝመዘ በብዓይንቱ ጸጋታት ዘለዋ ኣህጉር’ያ። ኣፍሪቃ ብምዕራባውያን ባርነታዊ ንግዲ ዝተኻየደላ፡ ባዕዳውያን ገዛእቲ ብከፋፊልካ ግዛእ ፖሊሲ፡ ንዕኦም ብዝጥዕሞም ከም ስጋ ጉዚ ተመቒሎም ብቐጥታ፡ ብሕሱም ድሕረትን ድኽነትን ዝገዝኣዋ ዝነበሩ ኣህጉር ምዃና ይፍለጥ።
- Details
- Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)
“ሎሚ ዓመት 2,296 ተመሃሮ ካብ ኮለጃት ተመሪቖም”። እዚ ብረቡዕ 7 ነሓሰ 2024 ካብ ዝወጸ፡ መበል 33 ዓመት ቁ 293 ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝተወስደ ኣርእስተ ዜና እዩ። ኤርትራ ሃገር‘ምበር ወረዳ ኣይኮነትን። እቲ ህዝቢ ድማ ልዕሊ 9 ብሄራት ዘለውዎ ብሚሊዮናት ዝቑጸር ህዝብታት‘ምበር ናይ ሓደ ወረዳ ህዝቢ ኣይኮነን። እተን ኣመሪቐን ዝበሃላ ዘለዋ ኮለጃት ከኣ በቲ ንገዛእ ርእሱ መንግስቲ’የ ኢሉ ዝገልጽ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ዝውነና ትካላት‘ምበር፡ ናይ ብሕቲ ኮለጃት ኣይኮናን።
በዚ መሰረት ሽዱሽተ ኮለጃት 2,296 ተመሃሮ ኣመሪቐን ክበሃል እንከሎ እንታይ የመልክት? ምዕባሌ ስርዓተ ትምህርቲ’ዶ ወይስ ውድቀት? ኣብ’ተን ዝማዕበላ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ከይከድና፡ ኣብ ቀረባ ጎሬባብትና ብፍላይ ከኣ እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ኤርትራ ብድሕረትን ድኽነትን ክወራዘየለን ዝስማዕ ሃገራት፡ ብመንግስቲ ካብ ዝውነና ኮለጃትን ዩኒቨሪሲቲታት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካብ ሓንቲ ናይ ብሕቲ ኮለጅ ዓመታዊ ብውሕዱ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ሽሕ ተመሃሮ ኣብ ዝምረቕሉ ወቕቲ፡ 6 ኮለጃት ኤርትራ 2,296 ተመሃሮ ኣመሪቐን ዝብል ዜና ምስማዕ የሰንብድ። ብመደብ ንህዝብታት ኤርትራ ንምድንቋር ይስራሕ ከም ዘሎ የረጋግጽ።
- Details
- Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)
ሎሚ መበል 63 ዓመት ታሪኻዊት ዕለት ባሕቲ መስከረም ንዝክረሉን ነኽብረሉን ሃገራዊ በዓልና’ዩ። ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ብዘቤታዊ ጸላኢ ዝተኾልፉ ገና ዘይተመለሱ መሰረታዊ ዕላማታት ባሕቲ መስከረም ‘ኳ እንተሃለው፡ በቲ ክቡር ባህልና ተገዚኡ እንቋዕ ናብ’ዚ ዕለት ኣብጸሓኩም ይብል። መበል 63 ዓመት ባሕቲ መስከረም 1961 ብጅግና ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተን ብጾቱን እምቢታ ንመግዛእቲ፡ ሃገራዊ ነጻነትናን ህዝባዊ ሓርነትናን ብቕልጽምና ዝብል ዘይምብርከኽ ግብረ መልሲ ዝተጀመረላ፡ ኣብ ተዘክሮ ህዝብታት ኤርትራ ፍሉይ ቦታ ዘለዋ ታሪኻዊት ዕለት’ያ።
- Details
- Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)
ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ወጽዓ ስለ ዘለና ዓቕሚታትና ኣላፊና ንስራሕ ዝብል ሓሳብ ዝድገፍ ‘ምበር ዝኾነን የብሉን። እቲ ሓሳብ ኣብ ምንታይ ዝተሰረተ’ዩ ዝብል ግን ክንጸር ይግባእ። ዓቕሚታትና ኣላፊና ንስራሕ ዝብል ዘረባ ኣብ ውሽጡ እንታ’ዩ ሓቚፉ ዘሎ። ብሓቂ ፍትሓዊ ድዩ? ብሓቂ ደሞክራስያዊ ድዩ? ብሓቂ ኣብ ማዕርነታዊ ሓድነት ዝኣምን ድዩ? ብሓቂ ግሉጽነት ዘለዎ ድዩ? ዝብሉ መሰረታዊ ሕቶታት ክለዓሉን መልሲ ክረኽቡን ኣለዎም። ተላፊንካ ንምስራሕ ህላወ ክልተን ካብኡ ንላዕልን ፖለቲካዊ ውድባት ከም ዝጠልብ ኣየተሓትትን። ነዚ ተግባራዊ ክኸውን ዘይክኸውን ዝውስኖ ከኣ፡ ኣብ መንጎቶም ክልተን ካብኡ ንላዕልን ዝኾኑ ፖለቲካዊ ውድባት ዘሎ ናይ ስነ-ሓሳብ፡ ስትራተጂን ፖሊስን ፍልልያት ዘሎ ሕድሕድ ኣፍልጦ፡ ማዕርነታዊ ኣጠማምታን ከመይነት ደሞክራስያዊ ምሕደራን እዩ።
- Details
- Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ንሕና ኤርትራውያን ክሳብ 1993 ብተነጻጻሪ ደሓን ዝበሃል ውሽጣዊ ስኒት ነይሩና። ብፍላይ ካብ ድሕሪ 1993 ንነጀው ግን ዘይንጹር ፖለቲካዊ ኣረኣእያናን ብቕዓት ዘይብሉ ምሕደራናን ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ። ድሕሪ ነጻነት ኣብ ዘሎ 33 ዓመታት፡ ውሽጣዊ ሓድነትና ኣንቆልቊሉ፡ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ኣትዩ ይርከብ። ብፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ስለ ዝወደቕና ብቑጠባ’ውን ደኺና። ስሩት ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ሃይማኖታዊ ክብርታትና ሒዝዎ ዝነበረ እምነት ተበሪዙ ናብ ነበረ ይሰጋገር ኣሎ።
ቅድሚ ዝኾነ ነገር ድማ ስለምንታይ ኣብ’ዚ ወዲቕና መን ጠንቂ ክንሓትት መልሲ ድማ ክንረክብ ኣለና። ነፍስ ወከፍ በዚ ከም ህዝቢ ኣጋጢሙና ዘሎ ፖለቲካዊ ውድቀት ዝቑንዞ ሓላፍነት ዝስመዖ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ዘቤታዊ ጸላእን ኣምለኽቱን ብዝነዝሕዎ ዘለው ፕሮጋንዳ ከይተደናገረ፡ ኣነ መን’የ? እንታይ ዓይነት ባህሪ’ዩ ዘለኒ? ናይ መን ወገን’የ? ወገን ዝተገፍዐ ህዝቢ? ወገን ጸላኢ? ወይስ ኣብ ማእከል ዝንሳፈፍ መርገጽ ኣልቦ? እወ ኣነ እንታዩ ዕላማ፡ ፕሮግራመይ? ብተግባር ከ እንታይ ይሰርሕ ኣለኹ? ምስ መን’የ ዝኸይድ ዘለኹ? ብስምዒት ዘይኮነ ብርድኢት ገዛእ ርእሱ ክፍትሽ’ሞ፡ ኣረኣእያኡን ኣካይዳኡን ከመዓራሪ ይግባእ። ስለምንታይ’ሲ ብውሽጥኻ ከይነጻህካ ከይዓረኻ፡ ንኻልኦት ክትኣሊ ክትገርሕ፡ ስለዚ ከኣ ኣብ ምፍታሕ ህልዊ ህዝባዊ ጸገምና ኣወንታዊ ተራ ክትጻወት ስለዘይትኽእል።
- Details
- Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ብእምቤታ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ኣብ ኣለሻ ግዝኣታዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ብጽንዓትን ሓቦን ኣላሽ ከይበለ ተጓዒዙ፡ ነቲ ብመግዛእቲ ጥልያን ዝፈለመ ፖለቲካዊ ካርታ ሃገርነት፡ ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ውድባትን መጀመርያ ብሓይሊ ቀጺሉ ብሕጊ ብህዝበ ውሳኔ፡ ሕቶ መሬታዊ ልኡላውነቱ ዘሐደሰን ዝመለሰን ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናብ ዘቤታዊ መግዛእቲ ተሰጋግሩ፡ ኣብ ዳግማይ ፈታኒ ናይ ህልውና ቃልሲ ይርከብ ኣሎ። ካብ ዘመናዊ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ መጀመርያ 40ታት ክሳብ 1991 ከይረብረበ ብክቡር ኩለ-መዳያዊ መስዋእቱ ልኡላዊ መሬቱ ኣውሒሱ፡ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ፈራሕ ጨካን እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ መግዛእቲ ካብ ዝኣቱ እነሆ 33 ዓመት ኣቑጺሩ።
- Details
- Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ኣብ ህልውናን መስርሕ ቃልሲ ናይ ሕብረተ-ሰባት፡ ሓድነት ምሕዝነት ወዘተ ዝብሉ ቃላዊ አምራት ተዘውቲሮም ዝላዓሉ ቃላት እዮም ጥራሕ ዘይኮኑስ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መዓላ ንክውዕሉ‘ውን ዘየቋርጽ ቃልሲ ዝካየደሎም እዮም፡፡
ሓድነትን ምሕዝነትን ናይ ገዛእ ርእሶም መትከላትን ዕማማትን ስለ ዘለዎም ነዚኦም ኣብ ግምት ብምእታው ብአኦም ተመሪሕካ ክትጥቀመሎም ግድን ስለ ዝኾነ ድማ፡ ብጥንቃቐ ክንሰርሓሎምን ክንምራሓሎምን ኣገዳሲ እዩ ዝኸውን፡፡ ካብዚ ኣገባብ‘ዚ ወጻኢ ብድሌት፡ ባህግን ስምዒትን ክንጥቀመሎም እንተተፈቲኑ ግን ካብ ኣሳላጣይነቶምን ዓወቶምን፡ ክሳረኦም ዝበዝሕን ዝዓብን እዩ ዝኸውን፡፡
- Details
- Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
ኣብ መስርሕ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልስና፡ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ እምነታትን ውደባታትን ካብ ቅድሚ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነትና ዝነበረ መድረኽ ቃልሲ ጀሚሮም ዋላ እኳ«ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጸውር ኣይክእልን እዩ» ዝብል ዘይወድዓውን ጸረ ደሞክራስን ዝኾነ ናይ ዕብለላ ፖለቲካዊ እምነት እንተነበረን፡ ነዚ ዘይቅኑዕን ኣብራስን እምነት‘ዚ ንምርግጋጽ ክበሃል ኣብ ልዕሊ ካልኣዊ ፖለቲካዊ ፍልልይ ዘለዎም ተቓለስቲ ውድባት ክሳብ ወታሃደራዊ ጎነጽ ምጥቃም ዝበጽሕ ተርእዮ/ውግእ ሕድሕድ/ እንተነበረ ነቲ ወድዓዊ ህልውና ናይ ውድባትን ዝተፈልየ እምነታትን ክልውጦ/ከጥፈኦ ኣይከኣለን፡፡