Veröffentlicht: Samstag, 22. Juli 2023 Geschrieben von Editor-in-chief

እቶም ኣብ ትሕቲ ጭቆና ህግደፍ ዘለኹምን ካብኡ ዘምለጥኩምን ኤርትራውያን ደስ ይበልኩም። እቲ ንፈስቲቫል ህግደፍ ኣብ ጊዘን ምስልሳሉ ንከብቕዕን ከም ዝእገድ ንምግባሩን ዝዓለመ፡ ንነዊሕ ዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ሰላማዊ ሰልፊታት፡ እነሆ ሎሚ በቲ ንቃልሲ ሳዳታቱን ኣያታቱን ዘቐጸለ መንእሰይ፡ እቲ ዝተሓለነ ሸቶኡ ክወቅዕ ገቢሩዎ ኣሎ። መቓልሕን መሓዙታ ኤርትራውያን ሲቪላውያን ማሕበራትን ፖለቲካውያን ውድባትን ድማ እቲ ዳርጋ ካብ 2011 ዝጸዓርናሉ ግን ዘይተዓወትናሉ፡ እንቛዕ ኣብ’ዚ ደረጃ’ዚ በጺሑ ክንርኢ ገበርኩም። ኣብ ዝቕጽል መደባት እውን ኣብ ምትሕብባርኩም ምህላዋ መቓልሕ ተረጋግጽ።

 ብዘይካ እተን ‘ኣብ ጎድኒ ሰራዊትና’ ብዝብል ምስ ህግደፍ ዝወገና ገለ ከም ተቓዋሚት’የ እትብል ኣኣኤን መድያ ነትዎርክ (AAN MEDIA NETWORK)ን ባዕላ እታ እንኮ ኤሪ ቲቪ (ERI TV)ን ዝመሰላ ኤርትራያን ማዕከናት እንተዘይ ኰይነን ካልኦት ንኣሽቱ ይኹና ዓበይቲ መራኸቢ ብዙሓንን ጋዜጣታትን ራድዮ-ማዕከናትን መጽሔታትን ዓለም እውን ሳላ ምዑት ቃልሲ መንሰያት “ብርጌድ ንሓመዱ” ንሓቀኛ መንነት ጉጅለ ህግደፍ እናቃልዓ ዜና ምሃበን ቀጺሉ እዩ። ኣብ መንጎቲ ንመሰል “ምክያድ ሕፍረት-ፈስቲቫል ሓራዲ ህግደፍ” ንምርግጋጽ ዝተኸላኸለ ሰራዊት ፖሊስ ጀርመንን ብምሒር ሕርቃን ዝተጻዕኑ መንስያትን ዝተራእየ ጐንጺ ዝተሓወሶ ኣገባብ ክኹነን ዝግብኦ ኢዩ። ይኹን’ምበር ንሓደ “ናይ ኣፍሪቃ ስሜን ኮረያ” እናበሉ ባዕላቶም’ውን ከይተረፈ ዝገልጽዎ ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ሃገር ጀርመን “ሰላማዊ ሰልፊ ኪገብር መሰል ኣለዎ” ብማለት ዝፈቐዱ ኣብያተ ፍርድታት ጀርመን’ውን ሓላፍነት ኣለዎም እብል።

እቲ ተቓዋማይ ዝመስል፡ ዘማዕርገሉን ብብዝሓት ሰባት ደገፍ ዝረኽበሉን መሲልዎ፡ ብማቴዎስ ዘልኣለም ዝብል ናይ ብርዒ ስም ተኸዊሉ፡ ብኣኣኤን መድያ ነትዎርክ ኣቢሉ፡ ንከምኡ ተቓወምቲ ሰባትን ጉጅለታትን ማሕበራትን ውድባትን፡ ኣብ ክንዲ ህግደፍ ኰይኑ ብምንሻው ክሳብ ሎሚ ክነዝሖ ዝጸንሐ፡ እንተዘይ ተደምሲሱ ኣብ ኢንተርነት ፖርታል ናይ ኣኣኤን መድያ ነትዎርክ ክርአ ዝከኣል፡ ክሳብ ሎሚ ኣሉታዊ ፕሮፓጋንዳ ኪህብ ጸኒሑ። ሎሚ’ውን ከም ቀደም ጉጅለ “ኣብ ጎድኒ ሰራዊትና በሃልቲ” ብንጹር ጸግዒ ህግደፍ ከብሎም ብዝኸኣለ ናይ ዕለት 09.07.2023 ኣበሃህላ ቃል ንቓሉ እነሆ እጠቕስ።

ኣቕራቢ ኣኣኤን መድያ ነትዎርክ ሰይድ መሓመድ፡ ከም ቀደሙ ምስትንዓቕ ብዝመልኦ ኣገባብ፡ ንጸረ ህግደፍ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ጊሰን ብዝምልከት ኣብ መእተዊ ዘረብኡ “እዚ ፍጻሜ’ዚ ንጀርመናውያን ጥራሕ ዘይኰነ ንብዙሓት ኣብ ጀርመን ዝነብሩ ኣፍሪቃውያንን ካልኦት ስደተኛታትን ብጣዕሚ ዘቆጥዐን ከም ህዝቢ ብደረጃ ንቕሓት ብለጠቕታ ዘምዝንን ዘዋርድን . . . ብጣዕሚ ነውራም ዘሕፍር ፍጻመ ነይሩ ክበሃል ይከኣል” እናበለ የቕርብ። ጸኒሑ ኣብ ዝተነበበ ጽሑፍ’ውን ከምኡ ማቴዎስ ዘልኣለም “መላእ ጀርመናውያን ዘቆጥዐ ዘሕፍር ዘዋርድ ድሑርን ናይ ዓጋፎክራስ ባህርያት ብወረበላ ብርጌድ ንኸብዱ ኪፍጸም ተራእየ”[1] እናበለ ገሊጹ።

ንኣገባብ (ነቲ ጐንጺ) ምቅዋም ካልእ’ዩ፡ መሰሎም እዩ’ውን ተቓውሞኦም ከስምዑ። እንተ’ቲ ንክብረ-ሞግስ ውልቀ-ሰብ ይኹን ጉጅለ ወይ ውድብ ምግሃስ ንዝምልከት ከም ቃላቶም “ብደረጃ ንቕሓት ብለጠቕታ ዘምዝንን ዘዋርድን” እዩ። ከምኡውን “ብሕጊ ዘኽስስ” ምዃኑ ን ኣኣኤን መድያ ነትዎርክ ሰይድ መሓመድ ይኹን ንጽሑፍ ኣቕራቢ ማቴዎስ ዘልኣለምን ከም ወትሩ ሎሚ እውን ዝተረድእዎ ኣይመስልን። “ዓር እብለኪ ክር እብለኪ፡ እንተ ኣበኺ ግን ንገደል እህበኪ” ከይኰነ እንከሎ ምስ ተተኰሰ ድማ ሳዕቢኑ ንዓታቶም ጥራሕ ዘይኰነ ክሳራ ኤርትራ’ውን ከቢድ ስለ ዝኸውን፡ ካብ ንውሕ ዝበለ እዋን ዝለመድዎን ዘዘውተርዎን፡ ንመቃልስቶም ምቁንጻብን ምግሃስ ክብረ-ሞግስ ውልቀስብን ጉጅለታትን፡ ገደቡ ከይሰገረ እንከሎ እንተ ዝእርምዎን ዘቋረጽዎን እምዕድ።

ንኣዘራርባኦም ብዝምልከት “ልዕሊ ጳጳስ ዝዀነ ካቶሊኽ የለን” ከም ዝበሃል፡ ኣቕራቢ ሰይድ መሓመድ “ብደረጃ ንቕሓት ብለጠቕታ ዘምዝንን ዘዋርድን . . . ነውራም ዘሕፍር ፍጻመ” ዝበሎን፡ ብማቴዎስ ዘልኣለም ዝተዋህበ “መላእ ጀርመናውያን ዘቆጥዐ ዘሕፍር ዘዋርድ” ዝብል ርእይቶ ጉጅለ “ኣብ ጎድኒ ሰራዊትና” በሃልቲ ብዙሕ ሰብ ተዓዚብዎ ኣሎ። እቲ ንመዀሓሓሊ ኣዘራርባኦም ክብሉ፡ እስታቲስቲካዊ ሚዛን ዘይብሎም ክነሳቶም፡ ዝተጠቕምሉ “ኣብ ጀርመን ዝነብሩ ኣፍሪቃውያንን ካልኦት ስደተኛታትን” ዝበልዎ ባዶ ሓረግ ንግዜኡ ንጐድኒ ጸኒሑ እስከ እቲ መራሕቲ ሃገር ጀርመንን ማዕከናቶምን ከ እንታይ ከም ዝበሉ ብጭቡጥ ንርአ።

ኣብ ዲ ዛይት፡ ተ ኣ ዜት፡ ራድዮ ዶችላንድ (Die Zeit, TAZ, Deutschlandfunk) ብዕለት 08.07.2023 ዝወጸ መርገጻት መራሕቲ ይፈተሽ። መብዛሕትኦም ንማህሰይቲ ወተሃደራት ፖሊስ ጀርመን ዘይግቡእን ክኹነን ዘከዎ እዩ ይበሉ’ምበር ክሳዕ’ቲ ኤርትራዊ መድያ ዝበሎስ ኣይወረዱን። ማዕረ ማዕሪኡ ከዓ ንምሳሌ ኣቶ ፐተር በኡስ (ኣባል ሰደኡ)፡ ሚኒስተር ውሽጢ-ጉዳይ ሀሰን (Hessens Innenminister Peter Beuth - CDU) ወተሃደራትና መዝሓል ሕርቃን (Prellbock) ናይ ካልኦት ሃገራት ኪኾኑ ስለ ዘይግባእ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ተጸዊዑ፡ ኤርትራዊ ረጽምታት ኣብ መሬት ጀርመን ክዋጻእ ከም ዘይብሉ ብግልጺ ኪንገሮ ዝግባእ እዩ በሉ ("Der eritreischen Regierung muss deutlich gemacht werden, dass eritreische Konflikte nicht auf deutschem Boden ausgetragen werden dürfen")።

ልዕለ-ከንቲባ ጊሰን ኣቶ ፍራንክ-ቲሎ በኸር (ኣባል አስፐደ SPD) እውን በቲ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ዝተፈጸመ ናዕቢ እቲ ዘባእስ ዘሎ ፈስቲቫል-ኤርትራ ብዘለዎ መልክዕ ንኸድገም ዝከኣል ኣይክኸውንን‘ዩ፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ንዓለም ዝተራእየ ኣሳእል ኪጽወር ዚከኣል ኣይኰነን’ውን በሉ። ኣብ ጋዜጣ ሀ አን ኣ (HNA) ሀሲሸ ኒደርሰክሲሸ ኣልገማይን ብዕለት 11.07.2023 ኣብ ዝወጸ ዜና “ኣብ መወዳእታ መዓልታት‘ቲ ሰሙን ዝተራእየ ብፍላይ እቲ ክጽወር ዘይከኣል፡ ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ዝወሃብ ‘ዓሚቝ ዓሌታውነታዊ ኣገላልጻ’ (ንዝርድኦ ናይ ኣኣኤን መድያ ነትዎርክ እውን ከይተረፈ ማለት እዩ) “ነቲ ድሮ ኣጥሪናዮ ዝነበርና ኣወንታዊ ሕብረተሰባዊ ምትእስሳር ከየላሕልሖ የስግእ” ይብሉ ኣቶ በኸር (ኣባል አስፐደ)።

ብዕለት 10.07.2023 ተ. ኣ. ዜት (TAZ) ዝተባህለ ውሩይ ጋዜጣ፡ ትሕቲ “ድሕሪ ፈስቲቫል-ኤርትራ ካብ ባይቶ ሀሰን ናብ ቤት ፍርዲ ዘቕንዐ ነቐፈታ ተሰንዚሩ” ዝብል ኣርእስቲ ዝስዕብ ዜና[2] ኣውጺኡ። “እቲ ናይ ውሽጣዊ-ጉዳይ-ሽማግለ ባይቶ ሀሰን (Innenausschuss des Landtags) ንናይ ምምሕዳር ቤት ፍርዲ እቲ በዓል ንኽካየድ ፍቓድ ምሃቡ ነቒፉ”። ቃል ንቓሉ፡ “እቲ ኣቐዲሙ ክርአ ዝከኣል ዝነበረ ጐንጺ ኣብ ግምት ምእታው ዘይምኽኣሉ ክርድኣኒ ኣይክእልን” ከዓ ይብሉ ኣቶ ኣለክሳንደር ባወር (ኣባል ሰደኡ CDU)። Im Innenausschuss des Landtags kam Kritik am Verwaltungsgerichtshof auf, der die Veranstaltung zugelassen hatte. Dessen Entscheidungen seien angesichts der absehbaren Gewalt nicht nachvollziehbar, sagte Alexander Bauer (CDU).

ስዒቡ „ክርድኣኒ ኣይክእልን ዘሎ“ ይብላ ወይዘሮ ኤቫ ጎልድባኽ (ኣባል ሓምላይ ሰልፊ) Eva Goldbach (Die Grünen) “ሓደ ወተሃደራዊ ዲክታቶር ኣብ ሃገር ጀርመን ሰላማዊ ሰልፊ ኪገብር መሰል ኣለዎ ድዩ፧” ኢለን እውን ይሓታ። ኣቶ ዮርግ-ኡቨ ሃን ኣባል ኤፍ ደ ፐ (Jörg-Uwe Hahn - FDP) ድማ “መሰል የብሉን ግን ኣብ መንጎ ሓደ በዓል ክገብርየ በሃሊ ብሕታዊ ኣካል (ein privater Veranstalter) ስለ ዘሎ፡ እቲ መስርሕ ንጹር ኣይኰነን”። ስለ’ዚ ድማ “እቲ ውሳኔ ኪምርመር ዘለዎ እዩ፡ ጉዳዩ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብምምራሕ ህላወ ሕጋውነት ናይ’ቲ ጉዳይ ምህላዉን ዘይምህላዉን ኪረጋገጽ ዝከኣል’ዩ” እናበሉ ርእይትኦም ይህቡ። ካልኦት ከም ቢልድ ዝመሰላ ጋዜጣታት የማን ንሕና ኤርትራውያን ክነድህዮ ብዘይተባዕናሉ ኣበሃህላ ቅጽል ኣስማት እናተጠቕማ፡ እቲ ኣንጻር ፖሊስ ዝተኻየደ ናዕቢ ዘይቅቡል ምዃኑ ይገለጻ። ይኹንምበር “እዚ ሓራዲ ሰብ ኣብ ሃገርና ጽንብል የካይድ ኣሎ”፡ እቲ ዝተኻየደ “ናይ ሕፍረት ፈስቲቫል” እዩ “ኪፍቀደሉ ኣይምተገብአን” እናበላ እውን እየን ዝኸሳ ዝነበራ’ምበር ምስ ናይ ኣኣኤን መድያ ነትዎርክ ሰይድ መሓመድን ማቴዎስ ዘልኣለምን ዝመሳሰል ሚዛን ኣይሃባን።

ኣብ ቃለ መጠይቕ ምስ ዶቸ ቨለ፡ ወይዘሮ ኒኮል ሂርት ዝበሃላ ስነ-ፍልጠታዊት፡ ኣብ ጂጋ ኢንስቲትዩት ንኣፍሪቃዊ መጽናዕቲ (GIGA Institut für Afrika-Studien) ዝሰርሓ፡ ብሓጺሩ “ድሕሪ’ቲ ነውጺ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ኤርትራውያን ይኹኑ ጀርመናውያን፡ ብሞራል ኣብ ክልተ ተገሚዖም[3]፡ ብሓደ ሸነኽ እቲ በዓል ናይ ፕሮፓንዳ መሳርሒ እቲ ስርዓት ኤርትራ ዀይኑ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ኣብ ጀርመን ኣኼባ ናይ ምክያድ መሰል ስለ ዘሎ” ይብላ። ስለ’ዚ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ህግድፍ ኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ምንጎ ደገፍቲ ህግድፍ ጀርመንውያን እውን ምግምማዕ ተራእዩ እዩ።

ኣብ ናይ ተ ኣ ዜት (TAZ) 10. 7. 2023 ኣብ ትሕቲ “ናዕቢ ኣብ ኤርትራ-ፈስቲቫል፡ መላኺ ኣብ ሓጹሩ ምድራት” Ausschreitungen bei Eritrea-Festival: Diktatur in die Schranken weisen ዝብል ኣርእስቲ ዝጸሓፎ፡ “ንጹር መግለጺ ኣንጻር መላኺ ኪበሃል ዝከኣል፡ ጀርመን ከም’ቲ ኒደርላንድ (ሆላንድ) ብዛዕባ ምእካብ ቀረጽ መላኺ ዝወሰነቶ እንተ ትፍጽም እዩ እቲ ልክዕ ዝነበረ። ኣብያተ ፍርዲ፡ ክሳብ ሎሚ መንግስቲ ፈደራላዊ ረፑብሊክ ጀርመን እዚ እዩ’ቲ ልክዕ ዝበሎም እዮም ዝገበሩ” ይብል። ቀጺሉ’ውን ንጹር መምርሒ ኪህሉ ምእንቲ “ሚኒስተር ውሽጣዊ-ጉዳያት ፈደራል ወይዘሮ ናንሲ ፈዘር (Bundesinnenministerin Nancy Faeser) ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ጸረ’ቲ ወተሃደራዊ ዲክታቶር ክሲ ክምስርታ ይኽእላ። ኣብ’ቲ ሃገር ሰብኣዊ-መሰል ብምጥሓስ ገበን ከም ዝተፈጸመ ዝሕብር መረጋገጺ ጸብጻብ ብሕቡራት መንግስታት ተውሂቡ ዘሎ እዩ። ስለ’ዚ ድማ እቲ ጸብጻብ ሓቂ ምዃኑ ምስ ዝረጋገጽ ህግደፍን ናቱ ጥብቆን ተኸታሊ ጉጅለን ኣብ ሃገር ጀርመን ኪኽልከል ይግባእ” እናበለ ይገልጽ። እምበኣርከስ ኣብ ውሽጢ ጀርመን ክካየድ እንርእዮ ዘሎና ፖለቲካዊ ክትዕ፡ ዘይከም ናይ ኣኣኤን መድያ ነትዎርክ ኣቕራቢ ሰይድ መሓመድን ናይ ጽሑፍ ደራሲ ማቴዎስ ዘልኣለምን ይኹን ኵላቶም ደገፍቲ ሰራዊት ወራር ኢና ዝብሉ ጉጅለን ብሓጺሩ እዚ ይመስል። ብሸነኽ መላኺ ጉጅለኸ እንታይ ከም ዝበሃል ዘሎ ንርኤ።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ርእሰ ዓንቀጽ  ሓዳስ ኤርትራ፡ ብቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ ዝተኸተመ መግለጺኡ ከም ዝብሎ፡ እቶም ተቓወምቲ ካብ “ምስ ኤርትራውያን ዝዓበየ ወይ ላህጃ ኤርትራውያን ይመልኽ’ዩ’ ዝተባህለ ድላዪ ትኳቦ ሃሰው እናበልካ” ይብል ኤርትራውነቶም እናከሓደ። ቀጺሉ ድማ እቲ ጉጅለ መራሒኡ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ነቲ ልቡ እናሃረመ “ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ኤርትራን ክልተ ህዝቢ እዩ ኢሉ ዝዛረብ ድሕሪ ሕጂ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ ኢዩ” [4] ከም ዘይበለ “ያኢ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ናብ ፈደረሽን እንተ ተመልሰ ብምሕላም ባንዴራ ቐደም ኣሐንጊጥካ፣ ንኸም ፈስቲቫል ዝኣመሰለ ቅንያት ባህታን ፍስሃን ናይ ምዝራግ ምህሙን ሃቐነ” ይብሎ ነቲ ዕዉት ፍጻሜ ‘ወፍሪ መንሰያት ኤርትራውያን’። ነቲ ዘየሎ ምዕብልናን ብሰንኩ ዝወደቐ ቁጠባ ኤርትራ ብምሽፋን ድማ “ብድኽነትን ቁጠባዊ ሕሰምን ተሸጊሩ ‘ስዩም’ ንኽብል ካብ ዓበይቲ ልምዓታዊ ወፍርታት ምዕንቃጽ ጀሚርካ ክሳብ ኣብ ወጻኢ ሃገር ርሂጹ ዝነብር ዜጋ ዝሕውሎ ገንዘብ ንምሕናቕ፣ ብዝተወደነ መርበብ ፍልሰት፡ ሃገር ሰባ ንምብዳም፣ ዲፕሎማሲያዊ ተነጽሎ ንምስግዳድ፣ ምስሊ ናይዚ ምእንቲ ሰብኣዊ መሰሉ ረዚን መስዋእቲ ዝኸፈለ ሕፉር ህዝቢ ንምስይጣን፡ ዝከኣሎም ጽዒሮም”[5] ይብል።

እቲ ጉጅለ፡ ንባዕሉ ዘለዎ ቅልውላው መንነት ንምሽፋን “ሓባል በልያ ከይትቅድመኪ ከም ዝበሃል“ ዝሓለፈ ቀዳም እቶም ዋህዮ ወያነ ዝኾኑ ‘ብርጌድ ንሓመዱ’ ዝተባህሉ ጎነጻውያን ጉጅለታት ኣብ ኢንተርነት ክፍክሩ ቀንዮም፡ ናብ ቦታ ፈስቲቫል መጺኦም ዝወልዕዎ ግጭት ሓድሕድ ዝመስል ብዙሓት ሰላማውያን ሰባትን መኮንናት ፖሊስን ዝቘሰሉሉ ፍጻመ ኣጋጢሙ። ማሕበረ-ሰብ ኤርትራውያን ጀርመናውያን፡ ነዚ ካብ ዓቐን ዝሓለፈ ጎነጽ ኣትሪሩ ይዂንን” ክዓ በለ።

እቲ ኣብ ጀርመን ዝመደበሩ መለቀብታ ህግደፍ ዝዀነ “ቦርድ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ጀርመናውያን” ዝበሃል እውን እንተዀነ ብወገኑ “ብሰብ መዚ ከተማ ጊሰን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን (ደገፍቲ ህግደፍ ማለቱ እዩ) ዝወርድ ቀጻሊ ዘለፋ፡ ብፍላይ ብ‘ባይቶኣዊ ጉጅለ ቀጠልያ’ን ገለ ክፋል መድያን፡ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓቂ ምትእስሳር ዘይብሉ ኮይኑ፡ ኤርትራ ንናጽነት ንዘካየደቶ ቃልሲ ኣብ ምንእኣስ ዝተጸምደ እዩ። ነቲ ኩነታት ዘጓሃህርን ስምዒታዊነት ዝቕስቅስን እውን’ዩ” እናበለ ነቶም ናይ ቀደም ደገፍቱ-ነበርን ንሰበ ስልጣን መንግስትን ይወቅስ። ከምኡ’ውን እቲ ግርጭት ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዘይኰነስ እቲ “ኣብ ኢትዮጵያ ን27 ዓመታት ኣብ ኮረሻ ስልጣን ዝጸንሐን ኣብ ናይ መወዳእታ ዕምሩ ዝርከብን ወያነ፡ ኣቓልቦ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንምርካብ ኢሉ ነቲ ግጭት ናብ ኤውሮጳ ከብጽሖ’ዩ ዝፍትን ዘሎ" እናበለ ነቲ ጠንቂ ከም ኣመሉ ንካልእ ከሰክም’ውን ይፍትን። ኣብ መደምደምታ ድማ “ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን፡ ኵሎም ኣብ መንግስታዊ፡ ምምሕዳራዊ፡ መድያን ካልእን ዝሰርሑ፡ ንኤርትራን ህዝባን ዝጥቅን ፖሊሲታቶም ዳግመ ግምት ክገብሩሉ፤ ኣብ ክንዳኡ ኣብ ዝርርብ፡ ኣህጉራዊ ምርድዳእን ምልውዋጥ ሓሳባትን ዝኣምን መንፈስን ኣካዪዳን ክኽተሉ ይጽውዕ” [6] እናበለ እቲ ቦርድ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ጀርመናውያን ዝበሃል መለቀብታ ህግደፍ፡ ኣብቲ ብዕለት 10፡ ሓምለ 2023 ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣንጻር ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ሃገር ጀርመን፡ ምስኡ ሓቢሮም ስጉምቲ ኪወስዱ ይዕድም። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ከዓ እቲ ጸረ ፈስቲቫል-ሕፍረት ኣብ ጊሰን ዝተፈጸመ ዕዉት ውዕሎ መንሰያት፡ ንህግደፍ ክሳዕ ክንደይ ኣጃጅዩዎ ከም ዘሎ የርኢ።

እስከ ዓለለኻዊ ርእይቶትታከ ብሕጽር ዝበለ ከመይ ከምዘሎ ንመልከት። ብሓፈሻ እንክርአ ኣብ ካናዳ ይኹን ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ከም ሲ ኤን ኤን (CNN) ዝበላ ማዕከናት ዜና ይኹን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም በዓል ኣል ጀዚራ (Al Jazeera)፡ ኣብ ኤውርጳ’ውን ከም ቢ ቢ ሲ (BBC)ን ካልኦትን ብሓፈሻ “ዲክታቶርያዊ ጭፍራ ህግደፍ ብመንሰያት ኤርትራውያን ኣብ ጊሰን ከቢድ ፖለቲካዊ ጽፍዒት ከም ዝበጽሖ” እየን ገሊጸን። ሕሉፍ ሓሊፎም’ውን “ሓደ መላኺ ጉጅለ ኣብ ካልእ ደምክራሲያዊ እየ ዝብል ሃገር ፈስቲቫል ከካይድ ከመይሉ ይፍቀድ፧” ዝብል ሕቶ ኣያቶም ዘልዓሉ።

ብዛዕባቶም ኤርትራውያን መንሰያት ንዝምልከት’ውን ማርቲን ፕላውት ኣብ ናይ ኢንተርነት ሓተታኡ፡ ኣብ ትሕቲ “ርእይቶታት ብዛዕባ ጐንጺ ጊሰን 7 – 9 ሰነ 2023 (Commentary on the Eritrean riots in Giessen from 7 – 9 July 2023) ዝብል ኣርስቲ ዝጸሓፎ እንተ ተመልኪትና፡ እዚ ዝስዕብ ንረክብ። ወይዘሮ ኣነሌስ ሙለር (Annelies Müller) ዝበሃላ “ኣነ ምስ ‘ኢድካ (ሓገዝካ) ሃበኒ . ሲ ኤች (Give a Hand.ch Association ) ዝበሃል ንስደተኛታት ዘማኽር ማሕበር’የ ዝሰርሕ። . . . ካብ ዝረኸብኩዎም ኤርትራውያን መንሰያት፡ 95% ዝዀኑ ነቲ ኣብ ርእሲኣቶም ዝወረደ ጎነጽ ዝተሓወሶ ጸቕትታትን ሞራላዊ ማህሰይትታን ንድሕሪት ገዲፎም፡ ብሳላምን ጸጥታን ኣብ ስዊጸርላንድ ክነብሩ ዝደልዩ እያቶም” ይብላ።

ቀጺለን እውን “ኣብ ጊሰን ዝተኻየደ ናይ’ቲ ዝገዝእ ዘሎ ሰልፊ፡ ንምድልዳል እቲ ጉጅለ ዝካየድ ፈስቲቫል፡ ንኵላቶም ኣብ ኤውሮጳ ሓዲስ ሂወት ክመርሑ ዝደልዩ መንሰያት ጽፍዒት ዝህብ እዩ። ናብ ዝሰገሩዎ ሞራላዊ ማህሰይቲ ዝመልስ እዩ’ውን ዝኸውን። እቲ ዝገዝእ ዘሎ ሰልፊ ነቲ ዘካይዶ በዓላት ንምሕላውን ንዝዀነ ተቓዋሚ ኣብ ምጥቃዕ’ውን ዝውዕሉ ‘አሪ-ብለድ’ ዝበሃል ሓውሲ-ወተሃደራዊ ሓይልታት ይጥቀም እዩ (The Eritrean ruling party uses paramilitary forces, sometimes called ‘Eriblood’ to patrol its events and attack any protesters)”። ፖለቲካውያን ጀርመን “ኤርትራዊ ረጽምታት ኣብ መሬት ጀርመን ክዋጻእ ከም ዘይብሉ” ብማለት ክዓግትዎ ምፍታኖም እኹል ኣይኰነን። እዚ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ጉጅለ ህግደፍን እቶም ኣብ ሃገሮም ዝካየድ ዘሎ ግፍዕታት ጠጠው ንክብል ዝቃልለሱ ዘለዉ ደሞክራስያውያን ተቓወምትን ዘሎ ፍልልይ ብማዕረ ዝርኢ ብምዃኑ ፈጺሙ እኹል ኣገባብ ፍታሕ ኣይኰነን (This is a completely inadequate response since it tries to suggest that the fault lies equally between the regime supporters and the democrats who are protesting against the abuses in their country!)” [7]

ብሓጺሩ ምስ ዝረአ፡ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ተቓላሳይ ጥራሕ ዘይኰነ ዓለም ብዓለሙ’ውን ዘቃልሖ ዘሎ ርእይቶ “ጉጅለ ህግደፍ ዶብ ሰጊሩ እሞ ከዓ ኣብ ደምክራሲያውያን ኢና ዝበሃላ ሃገራት ፈስቲቫላት ከካይድ ኣይግባእን” ዝብል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገር ጀርመን ብዓንቀጽ 8 ዝተደንገገ መሰል ሰላማዊ ምትእኽኻብ ክጥቀም ዝግባኦ ዝዀነ ይኹን “ጥብቆ ወይ መለቀብታ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ዘይኰነ” ምዃኑ ንዓይ ንጹር እዩ። እቲ ንመጻኢ ኪካየድ ዝሕሰብ ፈስቲቫል-ሕስረት ይኹን እቲ ንከካይድ ፍቓድ ዝሓትት “ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ጀርመናውያን” ጥብቆ ወይ መለቀብታ ህግደፍ ብምዃኑ ጉዳዩ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብምቕራብ ዝተዋህቦ ፍቃድ ንክስረዝ ምግባር ኣብ ዝካየድ መስርሕ መቓልሕ እትኽእሎ ከም እተወፊ ቃል እኣቱ።

 

ወፍሪ መንሰያት ኤርትራውያን እንቋዕ ተዓወተ

ቃልስና ይቕጽል

 

ኢንጅኔር ኢዮብ መዓሾ

18.07.2023

 

[1] https://www.zeit.de/gesellschaft/2023-07/eritrea-festival-giessen-ausschreitungen-polizei

[2] https://www.faz.net/aktuell/rhein-main/nach-eritrea-festival-wird-gericht-aus-dem-landtag-kritisiert-19019901.html

[3] https://www.dw.com/de/krawall-bei-eritrea-festival-mit-konsequenzen/a-66182478

[4] ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅ በብሄራዊ ቤት መንግስት ያደረጉት ንግግር 14 ሓምለ 2018    https://www.youtube.com/watch?v=j2r7N9exw8E

[5] ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ 12 ሓምለ 2023፡ መበል 32 ዓመት ቁ.270

[6] ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡  13 ሓምለ 2023፡ መበል 32 ዓመት ቁ.271

[7] https://martinplaut.com/2023/07/16/commentary-on-the-eritrean-riots-in-giessen-from-7-9-july-2023/