selamndemocrasn
ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን፡ ወግዓዊ ፈነዊ ደምክራሲያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ). Voice of Peace & Democrasy. Official sender of the Democratc Front Erirean Unity (DFEU)
  • ሰላምን ደሞክራስን
  • እዋናዊ ዜና News
  • ቃለ መጠይቕ Interviw
  • ፈነወ Sendung
  • ዓንቀጽ ሰማዕቲ
  • ግጥምታት
  • ተረክቦታት
  • ምልክታታት
  • ኣገባባት

እዋናዊ ዜና

  • ግሉጽን ደሞክራስያውን ፖለቲካዊ ገምጋም፡ ፍቱን መድሓኒት ንፖለቲካዊ ሕማም፡
  • ብኣምዑት ዝብኢ ዝተቓነየት መሰንቆን፡ ባህሪ ስርዓት ህግደፍን ሓደ እዩ፡
  • መምዘኒ ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት  ተካኢ ዓቕሚ ሰብ ኣፍሪዩ’ዶ ኣየፍረየን ክኸውን ይግባእ።
  • “ዝኣዘዝናዮ ዝሰርሕ ህዝቢ ኣይንፈጥርን”
  • ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
  • ኣፍሪቃ፡ ሓንቲ ሃገር ወይስ ሓንቲ ኣህጉር?
  • ንእንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዓወት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሕፍር መርድእ ሞት ስርዓተ ትምህርቲ፡-
  • ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ።
  • ህግደፍ ክሳብ ዝውገድ ብፍሉይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብኩም ኣይትዛረቡ፡ ብዝተሓተ ሓባራዊ መቖሚያታት ጥራሕ ተቐየዱ፡ ማለት ብተግባር ዘስርሕ ሜላ ኣይኮነን።
  • ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ብንቅሓት ዝውነን ፖለቲካዊ ሓሳብ ‘ምበር፡ ብልግሲ ዝወሃብ ወይ ድማ ብምጽወታ ትቕበሎ  ግኡዝ ነገር ኣይኮነን።
  • ኣብ ህልዊ ኩነታት ኣመልኪቱ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ፡
  • ፖለቲካዊ ጽላላት ብምቐያር ጥራሕ፡ ልፍንታዊ ግንባራት ክዕወቱ ኣይክእሉን‘ዮም፤
  • ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢ ዝተነጸረ መርገጺ ከይሓዝካ ምቅላስ፡ ነጻነት፡ ሰላምን ደሞክራስን ልምዓትን ምርግጋጽ ኣይካኣልን፡
  • ብምኽንያት መበል 33 ዓመት ዕለተ ነጻነት ኤርትራ 24 ግንቦት ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ
  • ናይ ደምበ ተቓውሞና ጸገም፡ ኣብ ዝተሰማማዕካሎም ልፍንታዊ ዕላማታት፡ ሰጢምካ ክትቃለስ ዘይምብቃዕ እዩ፤
  • ሓድነት ክረጋገጽ፡ ናይ እምነትን ተግባርን ውህደት ክህሉ የድሊ፤
  • ብርጌድ ንሓመዱ ከም ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓረካ)፡ ፈተውቲ ብዝመስሉ ወገናት ጉዕዘኡ ከይቑጸ ክጥንቀቕ ይግባእ
  • ደድሕሪ ህዝቢ ዝኸይድ ውድብ፡ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን።
  • ውሳኔ ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ 19 መጋቢት 2024፡ ውጽኢት ውሁድ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን ወፍሪ’ዩ።
  1. Aktuelle Seite:  
  2. Startseite
  3. እዋናዊ ዜና News

ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ብንቅሓት ዝውነን ፖለቲካዊ ሓሳብ ‘ምበር፡ ብልግሲ ዝወሃብ ወይ ድማ ብምጽወታ ትቕበሎ  ግኡዝ ነገር ኣይኮነን።

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Zuletzt aktualisiert: 10. Juli 2024

ንሕና ኤርትራውያን ክሳብ 1993 ብተነጻጻሪ ደሓን ዝበሃል ውሽጣዊ ስኒት ነይሩና። ብፍላይ ካብ ድሕሪ 1993 ንነጀው ግን ዘይንጹር ፖለቲካዊ ኣረኣእያናን ብቕዓት ዘይብሉ ምሕደራናን ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ። ድሕሪ ነጻነት ኣብ ዘሎ 33 ዓመታት፡ ውሽጣዊ ሓድነትና ኣንቆልቊሉ፡ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ኣትዩ ይርከብ። ብፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ስለ ዝወደቕና ብቑጠባ’ውን ደኺና። ስሩት ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ሃይማኖታዊ ክብርታትና ሒዝዎ ዝነበረ እምነት ተበሪዙ ናብ ነበረ ይሰጋገር ኣሎ።

ቅድሚ ዝኾነ ነገር ድማ ስለምንታይ ኣብ’ዚ ወዲቕና መን ጠንቂ ክንሓትት መልሲ ድማ ክንረክብ ኣለና። ነፍስ ወከፍ በዚ ከም ህዝቢ ኣጋጢሙና ዘሎ ፖለቲካዊ ውድቀት ዝቑንዞ ሓላፍነት ዝስመዖ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ዘቤታዊ ጸላእን ኣምለኽቱን ብዝነዝሕዎ ዘለው ፕሮጋንዳ ከይተደናገረ፡ ኣነ መን’የ? እንታይ ዓይነት ባህሪ’ዩ ዘለኒ? ናይ መን ወገን’የ? ወገን ዝተገፍዐ ህዝቢ? ወገን ጸላኢ? ወይስ ኣብ ማእከል ዝንሳፈፍ መርገጽ ኣልቦ? እወ ኣነ እንታዩ ዕላማ፡ ፕሮግራመይ? ብተግባር ከ እንታይ ይሰርሕ ኣለኹ? ምስ መን’የ ዝኸይድ ዘለኹ? ብስምዒት ዘይኮነ ብርድኢት ገዛእ ርእሱ ክፍትሽ’ሞ፡ ኣረኣእያኡን ኣካይዳኡን ከመዓራሪ ይግባእ። ስለምንታይ’ሲ ብውሽጥኻ ከይነጻህካ ከይዓረኻ፡ ንኻልኦት ክትኣሊ ክትገርሕ፡ ስለዚ ከኣ ኣብ ምፍታሕ ህልዊ ህዝባዊ ጸገምና ኣወንታዊ ተራ ክትጻወት ስለዘይትኽእል።

Read more: ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ብንቅሓት ዝውነን ፖለቲካዊ...

ኣብ ህልዊ ኩነታት ኣመልኪቱ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ፡

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Zuletzt aktualisiert: 05. Juni 2024

ብእምቤታ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ኣብ ኣለሻ ግዝኣታዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ብጽንዓትን ሓቦን ኣላሽ ከይበለ ተጓዒዙ፡ ነቲ ብመግዛእቲ ጥልያን ዝፈለመ ፖለቲካዊ ካርታ ሃገርነት፡ ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ውድባትን መጀመርያ ብሓይሊ ቀጺሉ ብሕጊ ብህዝበ ውሳኔ፡ ሕቶ መሬታዊ ልኡላውነቱ ዘሐደሰን ዝመለሰን ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናብ ዘቤታዊ መግዛእቲ ተሰጋግሩ፡ ኣብ ዳግማይ ፈታኒ ናይ ህልውና ቃልሲ ይርከብ ኣሎ። ካብ ዘመናዊ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ መጀመርያ 40ታት ክሳብ 1991 ከይረብረበ ብክቡር ኩለ-መዳያዊ መስዋእቱ ልኡላዊ መሬቱ ኣውሒሱ፡ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ፈራሕ ጨካን እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ መግዛእቲ ካብ ዝኣቱ እነሆ 33 ዓመት ኣቑጺሩ።

Read more: ኣብ ህልዊ ኩነታት ኣመልኪቱ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት...

ፖለቲካዊ ጽላላት ብምቐያር ጥራሕ፡ ልፍንታዊ ግንባራት ክዕወቱ ኣይክእሉን‘ዮም፤

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Zuletzt aktualisiert: 04. Juni 2024

ኣብ ህልውናን መስርሕ ቃልሲ ናይ ሕብረተ-ሰባት፡ ሓድነት ምሕዝነት ወዘተ ዝብሉ ቃላዊ አምራት ተዘውቲሮም ዝላዓሉ ቃላት እዮም ጥራሕ ዘይኮኑስ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መዓላ ንክውዕሉ‘ውን ዘየቋርጽ ቃልሲ ዝካየደሎም እዮም፡፡

ሓድነትን ምሕዝነትን ናይ ገዛእ ርእሶም መትከላትን ዕማማትን ስለ ዘለዎም ነዚኦም ኣብ ግምት ብምእታው ብአኦም ተመሪሕካ ክትጥቀመሎም ግድን ስለ ዝኾነ ድማ፡ ብጥንቃቐ ክንሰርሓሎምን ክንምራሓሎምን ኣገዳሲ እዩ ዝኸውን፡፡ ካብዚ ኣገባብ‘ዚ ወጻኢ ብድሌት፡ ባህግን ስምዒትን ክንጥቀመሎም እንተተፈቲኑ ግን ካብ ኣሳላጣይነቶምን ዓወቶምን፡ ክሳረኦም ዝበዝሕን ዝዓብን እዩ ዝኸውን፡፡

Read more: ፖለቲካዊ ጽላላት ብምቐያር ጥራሕ፡ ልፍንታዊ ግንባራት ክዕወቱ...

ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢ ዝተነጸረ መርገጺ ከይሓዝካ ምቅላስ፡ ነጻነት፡ ሰላምን ደሞክራስን ልምዓትን ምርግጋጽ ኣይካኣልን፡

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Zuletzt aktualisiert: 02. Juni 2024

ኣብ መስርሕ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልስና፡ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ እምነታትን ውደባታትን ካብ ቅድሚ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነትና ዝነበረ መድረኽ ቃልሲ ጀሚሮም ዋላ እኳ«ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክጸውር ኣይክእልን እዩ» ዝብል ዘይወድዓውን ጸረ ደሞክራስን ዝኾነ ናይ ዕብለላ ፖለቲካዊ እምነት እንተነበረን፡ ነዚ ዘይቅኑዕን ኣብራስን እምነት‘ዚ ንምርግጋጽ ክበሃል ኣብ ልዕሊ ካልኣዊ ፖለቲካዊ ፍልልይ ዘለዎም ተቓለስቲ ውድባት ክሳብ ወታሃደራዊ ጎነጽ ምጥቃም ዝበጽሕ ተርእዮ/ውግእ ሕድሕድ/ እንተነበረ ነቲ ወድዓዊ ህልውና ናይ ውድባትን ዝተፈልየ እምነታትን ክልውጦ/ከጥፈኦ ኣይከኣለን፡፡

Read more: ኣብ ልዕሊ ሓባራዊ ጸላኢ ዝተነጸረ መርገጺ ከይሓዝካ ምቅላስ፡...

ብምኽንያት መበል 33 ዓመት ዕለተ ነጻነት ኤርትራ 24 ግንቦት ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Zuletzt aktualisiert: 31. Mai 2024

24 ግንቦት ኣብ ኣእምሮን ተዘክሮን ኤርትራውያን ፍሉይ ቦታ ዘለዋ ዕለት’ያ። ፍሉይ ዝገብራ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ዝወሰደ፡ ሰብኣውን ነዋታውን ኩሉ-ሸነኻዊ መስዋእቲ ዝሓተተ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ሰንሰለታዊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብሓይልን ብሕግን ሓንሳእን ንሓዋሩን ዝተደብየላ፣ ዋንነታ ናይ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት ክብርቲ ሃገራዊት ፖለቲካዊ በዓል ብምዃና’ዩ። ኤርትራ ካብ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ዝምንጩ ዘተኣማምን ህዝባዊ ሃገራዊ ሰላም፡ ምኽባር መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት፡ ማሕበረ ቁጠባዊ ሕውየት፡ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፡ ዜጋታት ብዘይ ሸለብ ገለብ ብርእሰ ምትእምማን ዝነብሩላ፡ ልኡላውነት ህዝቢ ምሉእ ንምሉእ ዝተረጋገጸላ ሃገር ክትከውን ፍሉይ ተስፋ ዝተነብረላ ዕለተ ‘ውን እያ 24 ግንቦት።ስለዝኾነ 24 ግንቦት 2024 ንመበል 33 ዓመት ከነኽብር እንከለና ከም’ቶም ዝሓለፉ ዓመታት ብኸበሮ ሳዕሳዒት ወደሳ ዝተዓብለለ ክኸውን የብሉን። ምኽንያቱ ብተግባር ንኸበሮ ሳዕሳዒትን ወደሳን ኣብ ዝዕድም ኩነታት የለናን። ከም ሰባት ክብርና ተዋሪዱ፡ ከም ህዝቢ መእሰሪ ዘይብሉ መኣዶ ኮይና ብዘግምታ ንበታተንን ንጠፍእን ስለ ዘለና፡ በቲ በዓል ምኽንያት ንገብሮ ምትእኽኻብ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ንካየድ ዘተ፣ ዝቐርብ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፣ ብመልክዕ ስነ-ጥበብ ነመሓላልፎ መልእኽቲ፣ ነስመዖ ጭርሖ ….ወዘተ፡ ንሕሉፍ ሕልውን መጻእን ፖለቲካዊ ታሪኽናን ምስልናን ጭቡጥ ኣተሃላልውናን ዘንጸባርቕ ክኸውን ኣለዎ። ስለምንታይ’ሲ፡ ታሪኻዊ ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታና ብግቡእ ከይፈለጥና፡ ዘለናዮ ኩነታት ከይገምገምና፡ መጻኢና ከይሰኣልና፡ ናይ ባህርን ኣሰራርሓን ለውጢ ከይገበርናን ካብ ኣጋጢሙና ዘሎ ናይ ህልውና ሓደጋ ክንወጽእ ስለ ዘይንኽእል።

Read more: ብምኽንያት መበል 33 ዓመት ዕለተ ነጻነት ኤርትራ 24...

ናይ ደምበ ተቓውሞና ጸገም፡ ኣብ ዝተሰማማዕካሎም ልፍንታዊ ዕላማታት፡ ሰጢምካ ክትቃለስ ዘይምብቃዕ እዩ፤

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Zuletzt aktualisiert: 28. Mai 2024

ኣብ መስርሕ ፖለቲካዊ ሂወት ናይ ዝተፈላለዩ ሕብረተ-ሰብ፡ ወድዓዊ ማሕበረ-ኤኮኖምያውን ፖለቲካውን ኩነታቶም ዝፈጥሮም ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት ክህልዉ ባህርያውን ውሁብን እዩ፡፡ እዞም ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት/ሰልፍታት ድማ ዝተፈላለየ ናይ እምነት/ዕላማ ፍልልይ ክህልዎም ትጽቢት ዝግበረሉ ወድዓዊ ሓቂ ስለዝኾነ፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢኦም/ጨቋኒኦም/ በበይኖም ተቓሊሶም ብግዜ ኣንጻር ከድምዑን ክዕወቱን ስለ ዘይክእሉ፡ ናይ ርሑቕ ፍሉይ እምነቶም ዓቂቦም ብሓላፍነታዊ ናጻነት እናገለጹ፡ ኣብቲ ምስ ካለኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘራኽቦም ዕላማታት ተመስሪቶም ግንባር ፈጢሮም፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸለኢኦም ክቃለሱ ግድን እዩ ዝኸውን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናይቲ ህዝባዊ ዓወት ኣብ ምቅልጣፍ‘ውን ዘይትካእ ተራ ዘለዎ እዩ ፡፡

Read more: ናይ ደምበ ተቓውሞና ጸገም፡ ኣብ ዝተሰማማዕካሎም ልፍንታዊ...

ሓድነት ክረጋገጽ፡ ናይ እምነትን ተግባርን ውህደት ክህሉ የድሊ፤

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Zuletzt aktualisiert: 26. Mai 2024

ሓድነት ዝብል ቃል ንዝተፈላለዩ መዓላታት ክለዓል ዝኽእል ዝውቱር ኣምር እዩ፡፡ ኣብ ፖለቲካን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኣተኲርና እንተርኢናዮ ድማ፡ ሓድነት ናይ እምነት/ዕላማ/ን ተግባርን ውህደት ዘድልዮ ምዃኑ ኢና እንርዳእ፡፡ እዚ ማለት ካኣ ፖለቲካዊ እምነት/ዕላማ ምውናን ሓደ ነገር ኮይኑ፡ እቲ ወሳኒ ግን ንዝሓዝካዮ ዕላማ ተኣማኒ ብምዃን ግብራዊ ንምግባሩ ቃልሲ ዝሓትት ጉዳይ ምዃኑ ምርዳእ‘ውን ኣገዳሲ እዩ፡፡

ካብዚ ወጻኢ እምነትካ ንምትግባር መትከላዊ እምነትካ መበገሲ ብምግባር ግብራዊ ስራሓት ምስ ዘይትገብር ወይ እምነት ጥራሕ ብምሓዝ፡ ናብ ሓድነት ንምብጻሕ ምስ እትደልን እትነጥፍን፡ እቲ ምስ ዝዀነ ሓይሊ ሓድነት ንምግባር ዝብገስ ውራይ/መደብ/ ተግባራዊ ክኸውን ኣይክእልን፡፡ ስለዚ ዝኾኑ ፖለቲካዊ ሓይልታት/ሰልፍታት/ ናብ ሓድነት ክበጽሑ እንተዳኣ ኮይኖም፡ ናይ ግድን ሓደ ዓይነት እምነት ክህልዎምን እዚ እምነት እዚ መሰረት ገይሮም ኣብ ሓድነት ንምብጻሕ ተግባራዊ ስራሕ ከካይዱ ኣገዳሲ እዩ ዝኸውን፡፡ ምኽንያቱ ናይ ዝኾነ እምነት መረጋገጺ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ስለ ዝኾነ፡፡

Read more: ሓድነት ክረጋገጽ፡ ናይ እምነትን ተግባርን ውህደት ክህሉ የድሊ፤

ብርጌድ ንሓመዱ ከም ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓረካ)፡ ፈተውቲ ብዝመስሉ ወገናት ጉዕዘኡ ከይቑጸ ክጥንቀቕ ይግባእ

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Zuletzt aktualisiert: 27. April 2024

 

ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኮነ እኩባት ሰባት፡ ጸረ-ግፍዕን ገፋዕትን ደው ምባል፡ ወገን ግፉዓት ምዃን ኣወንታዊ እዩ።  መግለጺ ሓርበኝነትን ዘይተንበርካኽነትን’ዩ። ክብርን ደገፍን ድማ ዝግበኦ እዩ።  ኣብ ብዙሓት ነጻነታዊ ድዩ ሓርነታዊ ሕቶ ንምምላስ፡ ሰላማውን ዕጥቃውን ቃልሲ ዝተኻየደለን ሃገራት ከም ዝተራእየ ግን፡  ጸረ-ገፋዕቲ ዝካየድ ቃልሲ፡ ግብራዊ ተወፋይነትን ድልውነት ንመስዋእትን ንበይኑ እኹል ኣይኮነን። ዕሙቕ ዝበለ መጽናዕትን ቅድመ ምድላውን ኣጻፊፍካ ምብጋስ ይሓትት። ግቡእ መጽናዕትን ቅድመ ምድላውን ምግባር ፖለቲካዊ ተፈጥሮ፡ ሰብኣውን ቁጠባውን ዓቕሚ ጸላኢኻ፣ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ቁጠባዊ ዓቕምን መስዋእቲ ከፊልካ ሓራ ከተውጸኦ ዝተሰለፍካሉ ህዝቢ፣ ከባብያውን ዓለማውን ኩነታት ኣብ’ቲ ተካየዶ ዘለኻ ቃልሲ ዝህልዎ ኣወንታውን ኣሉታውን ተጽዕኖ፣ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኩለንተናዊ ዓቕምን ክትፈልጥ ይሕግዘካ። መጽናዕትን ቅድመ ምድላውን ከይገበርካ ብቑጠዐ ጸረ ግፍዕን ገፋዕትን ምብጋስ ግን፡ ነገራት ዝደዋውስ ብዙሕ ዋጋ ዘኽፍል፡  ግጉይ ኣገባብ’ዩ። ክሳብ’ውን ሸቶኻ ከይሃረምካ ናይ ሓጺር ግዜ ክስተት ኮይንካ ታሪኽ ትኾነሉ ኣጋጣሚ ዘስዕብ ሓደጋ ዘለዎ እዩ።

Read more: ብርጌድ ንሓመዱ ከም ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓረካ)፡...

ደድሕሪ ህዝቢ ዝኸይድ ውድብ፡ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን።

Details
Geschrieben von ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)
Zuletzt aktualisiert: 18. April 2024

  ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ’ዚ መድረኽ፡ ህዝቢ ብብልሓትን ብዘገምታን ተበታቲኑ ክጠፍእ ዓቕሙ ጸንቂቁ ዝሰርሕ ዘቤታዊ ጸላኢ ብሓደ መዳይ፡ ነቲ ጠንቂ ኣሊኻ ናብ ንቡር ፖለቲካዊ ምሕደራ ንምምላስ ኣብ ዝጠልብ ወሳኒ  ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ከኣ በቲ ካልእ መዳይ ይርከብ ኣሎ። ኣብ’ዚ ወሳኒ መድረኽ’ዚ ሓደ ንነብሱ ከም ኣካል ደምበ ተቓውሞ ዝፈልጥ ፖለቲካዊ ውድብ እንታይ ኣማሊኡ’ዩ ክዋሳእ ዘለዎ? “ካብ ሳዕሳዕካስ ተቖጻጸ” ከም ዝበሃል፡ ኣብ ፖለቲካ ካብ ተኣትወ፡ ናተይ ዝብሎ ኣማራጺ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ኣረኣእያ ክህልዎ ይግባእ። ሕጋዊ ትካላዊ ተሓታትነት ዘለዎ መሪሕነት ፈጢሩ ብደረጃ ርሑቕ ርሕቀትን ቀረባ ርሕቀትን ከዐውቶም ዘለዎ መደባት ሓንጺጹ ክነጥፍ ኣለዎ። ብኣረኣእያ፡ ብሕግን ብተግባርን ነዚ ዘየማለአ ክንሱ፡ ንነብሱ ከም ምሉእ ፖለቲካዊ ውድብ ዝርኢ እንተኾይኑ ጌጋ እዩ። ተራ ማሕበራዊ  ምትእኽኻብ ‘ምበር ንጹር ዕላማ ናይ ዘለዎ ፖለቲካ ውድብ ምዃኑ ኣየመልክትን።

Read more: ደድሕሪ ህዝቢ ዝኸይድ ውድብ፡ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን።

  1. ውሳኔ ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ 19 መጋቢት 2024፡ ውጽኢት ውሁድ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን ወፍሪ’ዩ።
  2. ዕላምኡ ብምንጻር ዘይተወደበ ሓይሊ ተቓሊሱ ክዕወት ኣይክእልን እዩ፤
  3. ናይ መንግስቲ ህግደፍ ዝነደየ ፖለቲካዊ ዕላማ፡ ህዝብን ሃገርን የዕኑን ይብትንን‘ምበር ኣየድሕንን፡
  4. ሃገራውን ህዝባውን ልዑላውነትና ዝግህስ ዘሎ፡ ዘቤታዊ ጨቋኒ መንግስቲ ህግደፍ እዩ፡

Seite 2 von 5

  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5

ኣርካይቭ Archived

  • Dezember, 2018
  • November, 2018
  • Oktober, 2018
  • August, 2018
  • Juli, 2018
  • Juni, 2018
  • Mai, 2018
  • April, 2018
  • Februar, 2018
  • Januar, 2018

ተወሳኺ ሓበሬታ

  • Mestyat Betna | ንዕብዳን ሓሙሽተ ዓመታት እተንጸባርቕ ሰነድ ህግደፋውያን
  • ቃለ-መጠይቕ ምስ ገዲም ተጋዳላይ ሰመረ በያን(ወድ-በያን)
  • እዚ ኲናት፡ ዘብጽሖ ጉድኣትን ዝገድፎ ሳዕቤናትን፤ ናይ ሓዋሩ መዋጽኦ’ኸ? The impact of the war (Snitna 20-Nov-2021) P1/3
  • ቃለ መጠይቕ መስፍን ተድላን መኮነን ተኽለ
  • ቃለ-መጠይቕ ምስ ግዲም ተጋዳላይ ሃብተገርግስ ኣብርሃ
  • ቃለመጠይቕ ምስ ገዲም ተጋዳላይ ሙሴ ዳኘው
  • ቃለ-መጠይቕ ምስ ግዲም ተጋዳላይ ሃብተገርግስ ኣብርሃ
  • መልሲ ካብ ኣባላት ደግሓኤ
  • ዘተ ኣብ ህዝባውን ሃገራውን ጉዳይ ምስ ደቂ ኣንስትዮ
  • መልሲ ንኣቶ ኣልኣሚን ብኣባላት ደግሓኤ፡

ኣብ መርበብ መን ኣሎ

Aktuell sind 24 Gäste und keine Mitglieder online