ፖለቲካ ኤርትራ ሎሚ ንለባማት ኣብ ዘየደቅስ ቅልጡፍ ፍታሕ ኣብ ዝጠልብ ከም ጥሙር ህዝቢ ናይ ምቕጻልን ዘይምቕጻል ኣብ ዝውስን ኣሰካፊ መድረኽ ከም  ዝርከብ ኣየከራኸርን። ነዚ ዘንጸላሉ ዘሎ ሰብ ዝሰርሖ ሓደጋ ዓጺፍካ ናብ ንቡርን ውሑስን ፖለቲካዊ ስርዓት ንምምላስ እንኮ መፍትሒ፡ ንቑሕን ዝተወደበን ቃልሲ ምክያድ ምዃኑ’ውን ኣየካትዕን። ካብ ሕሰምና ዘናውሕ ትምክሕታዊ፡ ጸቢብ፡ ስምዒታዊ ሃላልነት፡ ነፍሰ ፍትወት፡ ዝናን ግዝያዊ ነገራዊ ጠቅምን ዝደሓነ፡ ብሓባራዊ ረብሓን መሰል ህዝብን ዝተቓነየ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ድማ ካብ’ቶም ምሩጻት ሜላታት ቅድሚት ዝስራዕ’ዩ። ስለዚ ከኣ ብሓቂ ንጹር ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መስመር ወኒና፡ ሕድሕድ ኣፍልጦ ተወሃሂብናን ተኸባቢርናን እንተተቓሊስና እዚ ዘንጸላልወና ዘሎ ሓደጋ ንስዕሮ’ምበር ኣይስዕረናን። ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ፡ ብምርጫና ድዩ ተለኪምና ብኸምዚ ንኸዶ ዘለና “ቆልዓ ውለድ ብዕድሉ ይዓቢ” ዓይነት ብጣሕመሽመሽ  እንተቐጺልና ግን፡ ናይ ውድቀትና ተሓተቲ ባዕልና ደኣምበር ካልእ ክኸውን ኣይክእልን። እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ዘይናትና ምዃኑ ብኣረኣእያኡ፡ ፖሊሲኡ ተግባሩ ኣረጋጊጹልና’ዩ። ንሱ ኣቐዲሙ ኣብዘሓ ህዝቢ ከይቀበጾ፡ ባዕሉ ኣይናትኩምን ቅበጹኒ ዝብል መልእኽቲ ብተግባሩ ኣሕሊፍሉና እዩ።

ሃገረ ኤርትራ ንኹልና ኤርትራውያን ማዕረ’ያ ትብጸሓና። እቲ ሓደ ብትውልድን ዜግነትን ምሉእ ኤርትራዊ፡ እቲ ካልእ ብሰብኣዊ ልግሲ ዝተዋህቦ ናይ ዜግነት ወረቐት ሒዙ ብጎደሎ መሰልን ረብሓን ምዩቕ እናበለ  ዝነብረላ ሃገር ኣይኮነትን። ውሑስ ሰላም፣ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ምሕደራ፣  ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ቀጻልነት ዘለዎ ህዝባዊ ቁጠባዊ ምዕባለ ክህልዋ፡ ፍልጠትና ጉልበትና ገንዘብና ኣወሃሂድናን ተናቢብናን ብናይ ሓባር ውጥን ክንሰርሓላ፡ ተጠቀምቲ ውጽኢት ስራሕና ክንከውን ይግባእ ነይሩ። ብተግባር ኮይኑ ዘሎ ግን ብኣንጻሩ’ዩ። ኤርትራ ናተይ ናይ ብሕተይ’ያ ዝብል ብናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ብሓይሊ ዝተቖጻጸረ ዘቤታዊ ገዛኢ ብሓደ መዳይ፡  ኣይፋል ናይ ሓባርና ስለ ዝኾነት፡ ብናይ ሓባር ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም፡ ብናይ ሓባር ውሳኔ፡ ብናይ ሓባር ስራሕ፡ ብርትዓዊ ሚዛናዊ ተጠቃምነት፡ ሓቢርናን ተኸባቢርናን ክነብረላ ኣለና ዝብሉ ብዙሓትን ግፉዓትን ከኣ በቲ ካልእ መዳይ፡ በላዕን ረኣይን፣ ኣሳርን ተኣሳርን፣  ሃዳንን ተሃዳንን ብምዃን ዝነብሩላ ዘለው ናብ ምድራዊት ሲኦል ትሰጋገር ዘላ ሃገር እያ።

ኣተሓሳስባን ተግባርን ናይ’ዚ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ኣካል ብዝኾነ ይኹን መዕቀኒ ተቐባልነት ዘይብሉ ጸረ-ህዝቢ ስለ ዝኾነ ብኹለ መዳያዊ ህዝባዊ ቃልሲ ክውገድ ኣለዎ። እቶም ገፋዕቲ ብመጠን ዝፈጸምዎ በደል ኣብ ቅድሚ ህዝብን ሕግን ቀሪቦም፡ ዘይከም ናቶም ርትዓዊ ፍርዲ ክረኽቡ ኣለዎም። ርእይቶ ብዙሓትን ግፉዓትን ከኣ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ልዕልና ክሕዝ ክነግስ ይግባእ። እዚ ብሰናይ ድሌት፣ ብትምኒት ኣይመጽእን። ብጾምን ጸሎትን ጥራሕ’ውን ኣይረጋገጽን።  ብዘይንጹር ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማ ናይ ሓሳብን ተግባርን ውሁድ ስራሕን ብዝተበታተነን ዝተበታተኸን በበይንኻ ጉያን ፈጺሙ ኣይፍታሕን። ናይ ሓባር ጸገም ተሓታትነት ብዘለዎ ተናቢብካ ብምስራሕ ‘ምበር፡ ብተናጸል ፖለቲካዊ ውድባት ዝግበር ንጥፈታት ኣድማዒ ከም ዘይኮነ ተመክሮ 32 ዓመት ጭቡጥ ኣብነት’ዩ። ኣብ’ዚ ዘለናዮ መድረኽ ድማ ተደላይነት ዓቕሚታትካ ኣላፊንካ ኣንጻር ዘቤታዊ ገዛኢ ምቅላስ ዝብል ፖለቲካዊ ኣገንዝቦ  ብዙሓት እናኾነ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብ ዓውደ ፖለቲካ፡ ዓቕሚታትካ ኣላፊንካ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ብሓባር ምቅላስ ውጽኢታዊ ምዃኑ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ ብኸም’ቲ ዝድለ ኣይተዓወት ደኣምበር፡  ኣብ ካልኦት ሃገራትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ተፈቲኑ ብተግባር ዘዐወተ ስነ-ፍልጠታዊ ሜላ’ዩ። ኩሉ ጸጋታት ሃገር ማለት ቁጠባ፣ ጸጥታ፣ መራኸቢ ብዙሓን፣ ሽሾ ዕጡቕ ክፍልታት ዝተቖጻጸረ ጉጅለ ልዕልነት ኣብ ዝሓዘሉ፡ ሕብረ ውድባዊ ኩነታት ድማ ኣብ ዝሃለወሉ ሓርነታዊ ቃልሲ፡  ኣድላይነት ስትራተጂካውን ስልታውን ግንባራት መተካእታ  ዘለዎ ኣይኮነን። ተነጻል ፖለቲካዊ ውድባት ኣበየናይ ግንባር ይኣትው ኣብ ስትራተጂካዊ ወይስ ኣብ ስልታዊ፡ ብሰናይ ድሌት ብንግበር ንግባር ግዝያዊ ስምዒታዊ ረስኒ ዘይኮነ ንጹር መምዘኒ ኣለዎ። ንሱ ኸኣ፡ ናይ’ቶም ተናጽል ፖለቲካዊ ውድባት መሰረታዊ ደርባዊ ባህሪ፡ ኣብ ሕጋውን ወግዓውን መድረኽ ዝጸደቐ ዝምርሕሉ ፖለቲካዊ ፕሮግራምን’ዩ። ብባህሪኦም ህዝባውያን ደሞክራስያውያን ዝኾኑ ሓይልታት ዝምርሕሉ ፕሮግራም፡ ጸላእን ፈታውን ዘነጸረ፡ መሰልን ረብሓን ህዝቢ መሰረቱ ዝገበረ ምስ ዝኸውን ስትራተጂካዊ ደሞክራስያዊ ግንባር መስሪቶም ክቃለሱ ይኽእሉ። ካብ ምውጋድ ቀዳማይ ጸላኢ ዝሰግር ራእይ ዘይብሎም  ብባህሪኦም ዘይደሞክራስያውያን ፖለቲካዊ ውድባት ድማ፡ ተመሳሳሊ ዕላማ ምስ ዘለዎምን ስትራተጂካዊ ዕላማ ምስ ዘለዎም ደሞክራስያውያን  ውድባትን ኣብ ዝተሓተ ነጥብታት ዝተሰረተ ስልታዊ ግንባር ፈጢሮም ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ  ክቃለሱ ይኽእሉ’ዮም።  እዚ ክልተ ግንባራት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተፈቲኑ ርኡይ ኣወንታዊ ውጽኢት ዘምጸአ ሜላ እዩ።

እዚ ግንባራት’ዚ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ ብዙሕ ግዜ ተፈቲኑ፡ ብዙሕ ተዘሪብሉን ተጻሒፍሉን፡ ገለ ጀሚሩ ከይሰጎመ ገለ ከኣ ካብ ወረቐት ናብ መሬት ከይወረደ ዝቖለዐ’ዩ። ስለ ዘየስርሕ ዘየዐውት ዘይኮነስ ናይ’ቶም ተላፈንቲ ውድባት ባህሪ፡  ግልጽነት፡ ህዝባውነት፡ ፖለቲካዊ ትብዓት ስለ ዘይተቓደወ፡ እቲ ዝተደልየ ዕላማ ሸቶኡ ኣይሃረመን። ኣብ’ዚ ዛዕባ’ዚ ንተካኢ ወለዶ መምርሃሪ ዝኸውን ኣወንታዊ ታሪኻዊ ሰነደ የለን። ኣድላይነቱ ግን ሎሚ’ውን ህያው’ዩ። ተበታቲና ኣይነድምዕን፡ ዓቕሚታትና ነላፍን ነወሃህድ፡ ብሓባር ዘስረሐና ግንባር ንፍጠር ዝብል ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝስማዕ ዘሎ ርእይቶ’ዩ። ብሓቂ ድማ ቅቡል’ዩ፡ ኣድላዪ እውን’ዩ።  ኣብ መንጎ መነ መን? ኣብ ምንታይ ዝተሰረተ ሓባራዊ ግንባር ዝብል ግን ክንጸር ኣለዎ። ብጉልባብ ምኽባር ልኡላውነት ሃገር ብባህሪ ምስ ጸላኢ ዝደናገጹ ጸገንትን ብኣረኣእያን ብተግባርን መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ዝጠልቡ ሓይልታትን ኣበይን ብኸመይ ኣገባብን ሓቢሮም ይሰርሑ፡ ኣበይ ከ ይፈላለዩ ብብሩህ ክቕመጥ ይግባእ። ዝኽተልዎ መስመርን ማሕበራዊ መሰረትን ከይተነጸረ፡ ብወድዓዊ ድዩ ባዕላዊ ተጽዕኖ ብንሕበር ጥራሕ ንኺድ ጥራሕ ክላፈኑ እንተተበገሱ’ውን ህዝቢ ዝጽበዮ ለውጢ ከምጽኡ ኣይክእሉን።  ስለምንታይ ከም’ዚ ዓይነት ናይ ሃታ ሃታ ዝምድና ኣካላዊ ‘ምበር  ናይ ኣረኣእያ ምሕዝነት ስለዘይኮነ።

ንኣብነት ካብ’ቲ ሓባራዊ ግንባር ንምምስራት ዝቐርብ ዘሎ መዕቀኒታት፡ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዝኣምን ዝብል ዛዕባ ንርአ፡- ሎሚ ኣብ 40ታት የለናን። ኣብ 50ታት 60ታት’ውን ኣይኮናን ዘለና። ኣብ 70ታት 80ታት የለናን። ኣብ 2024 ኢና ዘለና። ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራ ምስ’ቲ ኩሉ ባዕላውን ወድዓውን ጎርብታቱ፡ ሀ. ብወሳኒ መልክዑ ብዘይሕለል ኩሉ ሸነኻዊ ክቡር መስዋእቲ ደቂ ህዝቢ፣ ለ. ህወሓት ኢህወደግ ካብ ፖለቲካዊ ውልደቱ ጀሚሩ ኣብ ሕቶ ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ምስ ኩነታት ዘይቀያየር ጽኑዕ ፍትሓዊ መትከላዊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡ ዝብገስ፡ ኤርትራ ተነጺላ ማለት ክሳድና ተቖሪጽና ማለት’ዩ ዝብል እምነት ዝነበሮ ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርግ ተሳዒሩ ብሃገር ደረጃ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ኢትዮጵያ ምስተቖጻጸረ፡ ጉዳይ ኤርትራ  ብህዝበ ውሳኔ (ረፈረንዱም)  ብድሌት ህዝቢ ኤርትራ  ናይ መወዳእታ መዕለቢ ክረክብ ኣለዎ ዝብል ናብ  ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ወግዓዊ ደብዳቤ ብምጽሓፉ፣ ሐ.  ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ እንኮላይ’ቶም ኣብዘይደሞክራስያዊ ኣካይዳ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናይ ሎሚ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ዝተፈልየ ርእይቶ ዝነበሮም ፖለቲካዊ ውድባት ብዝተሳተፍዎ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ብደሙ  መሊስዎ ዝነበረ ጻምእ ነጻነት ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ማለት ኣብ ዕለተ ህዝበ ውሳኔ (ረፈረንዱም) ኣህጉራውያን ተዓዘብቲ ኣብ ዝተረኽብሉ ሕርያኡ ምሉእ ነጻነት ምዃኑ ብናይ መረጻ ካርዱ ምርግጋጹ፡  መ. ኢትዮጵያ ከም ሃገር ንውጽኢት ረፈረንዱም ተቐቢላ ንነጻን ልኡላዊትን ሃገረ ኤርትራ ብወግዒ ኣፍልጦ ምሃባ፡ ብኣህጉራውያን ውድባትን ተነጻል ሃገራትን ምሉእ ኣፍልጦ ረኺባ፡ ልኡላዊት ሃገር ካብ እትኸውን እነሆ ልዕሊ 30 ዓመት ኮይኑ።

 ኣብ’ዚ ክንጸር ዘለዎ ጉዳይ፡ ዋላ ካብ ፍትሓዊ ፖለቲካዊ መትከላዊ ኣረኣእያኦም ዝብገስ ይኹን እዞም ሎሚ ብከሓድን ሓሳድን ኢሳያስን ዕሙታት ኣምለኽቱን ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ደመኛታት ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ብዝብል ፖለቲካዊ ጥቕራን ብኣንጻር እምነቶምን ተግባሮምን ክዳኸሙ ዘይኮነ ክጸንቱ ብምሉእ ዓቕሞም ዝረባረብሎም ዘለው ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ፡  ውድብ ህወሓት ከኣ ብፍላይ፡ ኣብ ጉዳይና ንዝኸፈልዎ ዋጋ ግቡእ ኣፍልጦን ክብርን ክንህቦ ይግባእ። ምኽንያቱ ክንዲ ዝኾነ መስዋእቲ ንኽፈል፡  ዘነይት ኣንጸባራቂ ዓወታት ንሕፈስ፡ ንስርዓት ደርግ ምሉእ ንምሉእ ካብ መሬት ኤርትራ ነውጸኣዮ፡ ኢትዮጵያ ረፈረንዱም ክግበር እንተዘይትቕበልን ንውጽኢት ረፈረንዱም መሰረት ብምግባር ንነጻን ልኡላዊት ሃገረ ኤርትራ ኣፍልጦ እንተዘይትህዝብ፡ ነቲ ኣብ ኣህጉራውያን ቻርተራት ዝሰፈረ ናይ ሃገርነት መቐበሊ ዓንቀጻት መሰረት ብምግባር፡ ኣህጉራውያን ውድባት ኮነ ተናጸል ሃገራት ኣፍልጦ ክህቡና ኣይምኸኣሉን ነይሮም። “ንዝገበረልካ ግበረሉ ወይ ንገረሉ” ከም ዝተባህለ ነቲ ዝገበርዎ ዝምጥን ሞሳ ክንህብ እንተዘይከኣልና፡ ኣወንታዊ ኣበርክቶኦም ከም ዘለዎ ተሰኒዱ ናብ ተካኢ ወለዶ ክሰግር ክንገብር ኣለና። ብሕስድና ኢሳያስን ፖለቲካዊ ሩሕ ዘይብሎም ኣምለኽቱን ፈጠራዊ ፕሮፖጋንዳ ተጸሊና ንሞያኦም ክንድምስስ እንተመሪጽና ግን፡ ታሪኻዊ ውርደትን ክሳራን ንዓና ‘ምበር ንዕኦም ከምዘይኮነ ክንርዳእ ይግባእ። ሕቶ ሃገርነት ሶማሊ ላንድን ዝገጥሞ ዘሎ ብደሆን ከኣ ትምህርቲ ክኾነና ኣለዎ።

ናብ ኣርእስትና ንመለስ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ብሓይሊ ብፖለቲካ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብሕጊ ካብ ዝምለስ ልዕሊ 30 ዓመት ገይሩ እናሃለወ  ኣንጻር ዘቤታዊ ጸላኢ  ብዝተሓተ መሰማምዒ ነጥቢ ተላፊና ክንቃለስ ኣለና። ኣብ’ዚ ግንባር’ዚ ዝኣቱ ግን ኣብ ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራ ዝኣምን ክኸውን ኣለዎ ዝብል መዕቀኒ ንምንታይ ኣድለየ? ነቲ ኣብ 1993 ዝተኸምበተ ዛዕባ፡ ከም ዘየለ ዘስምዕ መርገጽ ክትወስድ ዘገድድ እንታይ ተረኽበ? ብሰንኪ ኢሳያስን ሕልና ኣልቦ ዕሙታት ኣምለኽቱን ከም ህዝቢ ክንረኽቦ ዝነበረና መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ተነፊግና፡ ኣብ ቅድሚ ማሕበረ ሰብ ዓለም ስምናን ክብርናን ወሪዱ፡ መግለጺ ናይ ስደትን ሳዕቤናት ስደትን ኣብ ዝኾናሉ ሕማቕ መድረኽ፡ እንኮ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ዘጸንብርናን ሕጋዊ ውሕስነት ኮይንና ዘሎን  ልኡላዊ ሃገር ምዃና ምዃኑ እናተፈልጠ፡ ኣብ ልኡላውነት ሃገር ዝኣምን ዝብል ካበይ’ዩ ዝብገስ? እንታይ’ዩ ፖለቲካዊ መልእኽቱ?

ዘቤታዊ ጸላኢ ህዝቢ ከም ህዝቢ ተበታቲኑ ክበርስ እናገበረ፡ ኢደ-ወነናዊ ስልጣኑ ንምቕጻል ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ምኽባር ልኡላውነት ሃገር ይብል። ኣብ ደምበ ተቓውሞ ድማ ሓቢርና ክንሰርሕ እንተደኣ ኮይና ናይ ግድን ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ክንኣምን  ኣለና ይብል። ደምበ ተቓውሞ ኣብ ውሽጡ በቲ ጸላኢ ዝጥቀመሉ ኣገባብ መርገጽ ክትወስደሉ ዘገድድ ንልኡላውነት ሃገር ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእተወ ምኽንያት ብሩህ ኣይኮነን። ብውልቀ ሰባት ደረጃ ዝዝረብ ብዙሕ ክህሉ ይኽእል’ዩ። ከም’ዚ ዓይነት ተርእዮታት ኩሉ ግዜ ዘጋጥም’ዩ። ፖለቲካዊ ክብደት ዝወሃቦን ንልኡላውነት ኤርትራ ከየፍርስ ትሰግኣሉን ግን መን ኣሎ? ኣብ’ቶም ኣንጻር ዘቤታዊ ጸላኢ ዝቃለሱ ዘለው ንሓባራዊ ልፍናታዊ ስራሕ ድማ ዝዕደሙ ወግዓውያን ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ  መሰረታዊ ድዩ ዘይመሰረታዊ ናይ ኣረኣእያን ተግባርን ፍልልይ ክህሉ ባህሪያዊ’ዩ፡፡ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዘየኣምን ተጽዕኖ ዝፈጥር ዘሰክፍ ግን መን’ዩ? እቶም ንልፍናታዊ ስራሕ ከም’ዚ ዝበለ መዕቀኒ ዘቕርቡ ዘለዎ ወገናት ንሳቶም ዝሪእዎ ተጽዕኖ ዝፈጥር ሓይሊ እንተሃልዩ ከኣ ተጎልቢቡ ክነብር ዘይኮነ እከለ ተባሂሉ ክቕላዕ ኣለዎ። ካብ ባዕላዊ ፖለቲካዊ ስኽፍታ ተበጊስካ፡ ተላፊኖም ክሰርሑ ዝግበኦም ፖለቲካዊ ውድባት ምትእምማን ክስእኑ ክጠራጠሩ ህዝቢ ድማ ክስከፍ ምግባር ግን ቅኑዕ ኣይኮነን።

 ሎሚ ኣይኮነን ሚዛን ዝወሃቦ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ብዘይካ ዝተወሰኑ ንልኡላውነት ሃገራት ብታሪኽን ብሕግን ዘይኮነ ብብዝሒ ህዝቢ ዝዕቅኑ፡ ኤርትራ ብኽህደት ህወሓት ብፈርማ መለስ ዘናዊ ዝተነጸለት ኣካል ኢትዮጵያ እያ። ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ተፈጥሮኣዊ ዋንነትና’ዩ ዝብሉ ኢትዮጵያውያን፣  ንኢትዮጵያ ከም ሃገር ሓዊስካ ንልኡላውነት ኤርትራ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘይትህብ ሃገር የላን።  ኤርትራ ቅድሚ 1993 ኣብ ዝነበረትሉ ኩነታት ኣይኮነትን ዘላ።  ኣካል ኣምሳል ልኡላውያን ሃገራት ኮይና ኣባል ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን’ያ። ነዚ ሕጋዊ ጭብጢ’ዚ፡ ነዚ ሕጋዊ ጉልበት’ዚ ዘየለ ዘምስል መዕቀኒ ካብ ምቕራብ፡  ነቲ ክህሉ ዝነበሮ ግን ዘየለ። ክኸውን ዝነበሮ ግን ዘይኮነ። ንኽህሉ ድማ ንቃለሰሉ ዘለና መሰረታዊ ፖለቲካዊ ዛዕባ ከም ቅድመ ኲነት ክቐርብ ይምከር።

ኣብ ልኡላውነት ህዝቢ ዝኣምን፡- ካብ 40ታት ዝተበገሰ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ መጀመርታን መወዳእታን ሸቶኡ፡ መሬት ኤርትራ ካብ ባዕዳውያን ሓይልታት ነጻ ብምውጽእ፡ ብዓለም ደረጃ ዝተፈልጠት ልኡላዊት ሃገር ንምግባር ጥራሕ ኣይነበረን። ባዕዳዊ ሓይሊ ካብ ምድሪ ኤርትራ ምስ ወጽአ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ብውሳኔ ህዝቢ (ረፈረንዱም) ምሉእ መልሲ ምስረኸበ፡ ሃገር ማለት ሰብ ስለ ዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምዩቕ ከይበለ ብነጻነት ተኻቲዑ ተዛትዩ ዘጽድቖ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ብሕግን ስርዓትን ወናኒ ነብሱ ክኸውን’ዩ።  ኣብ ጉዳዩን ጉዳይ ሃገሩን ናይ ምውሳን ህዝባዊ ልኡላዊ ስልጣን ክህልዎ’ዩ ዝብል’ዩ ነይሩ።  እዚ መሰረታዊ ሕቶ’ዚ ዛጊት ኣይተመለሰን። ሓሳብን ተግባርን ናይ ደምበ ተቓውሞ ከኣ፡ ነዚ ዝዓንቀጸ ዘቤታዊ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ከም’ቲ ገለ የወሃትን ተበልጽትን ዝብልዎ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ስልጣን ዝርከቡ ውሱናት ሰባት ኣለሊኻን ኣሊኻን ተጸጊኑ ክቕጽል ዘይኮነ፡ ምስ ኩሉ ትካላዊ መሓውሩን ጸረ-ህዝቢ ኣረኣእያኡን ብምፍራስ  ነቲ ተኺልዎ ዘሎ ዘይንቡር ኣካይዳ ናብ ንቡር ክምለስ ምግባር’ዩ።

ብርግጽ ኣብ’ዚ ልኡላውነትን ወሳንነትን ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚት ዝሰርዕ ፖለቲካዊ ንቕሓትን መትከላዊ መርገጽን ንምብጻሕ፡ ባህሪኻ ደሞክራስያዊ ድዩ ኣይኮነን፡ ኣብ ክብሪ ሰብን ህዝባዊ ስልጣንን ዘለካ ርድኢት ፍትሓዊ ድዩ ኣይኮነን፡ ገዛእ ርእስኻ ካብ ምፍታሽ ምግምጋም  ምትዕርራይ’ዩ ዝጅመር።  ኣረኣእያኻ ብግቡእ ፈትሽካ ካብ ትምክሕታዊ ድዩ ጸቢብ ኣረኣእያ ሓራ ገቢርካ ካብ ውልቀ ሰብ ክሳብ ብደረጃ ህዝቢ ዝለዓሉ ናይ መሰል ሕቶታት፡ ብዓይኒ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ቅዋማዊ ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን ክትመዝን፡ ርእይቶታት ብትሕትና ክትሰምዕ ደሞክራስያዊ መፍትሒታት ሃሰስ ክትብል ክትጻወር ዘኽእል ዓቕሚ ምውናን ይሓትት።

 ኣብ ደምበ ተቓውሞ ብልሳኑ ኣነ ደላዩ ፍትሒ’የ ዘይብል የለን።  ገለ ወገናት ሒዘሞ ዘለው ኣረኣእያን ዝጥቀምሉ ቃላትን ግን ሕቶ ዝፈጥር’ዩ። ብሓቂ ንሳቶም ድዮም  ክትብል ዝዕድም’ዩ።  ፍትሓዊ ኣረኣእያ ምስ ዜግነት ወይ ሃገር ዘይኮነ ምስ ሰብኣውነት ዝተኣሳሰረ ኣድማሳዊ ናይ ደቂ ሰባት ባህሪ ዝግለጸሉ ኣምር ምዃኑ ዝተገንዘቡ ኣይመስሉን።  ኣባኻ ክበጽሕ ዘይትጽበዮ ነገር ኣብ ካልእ ሰብ ክፍጸም ዘይምፍቃድ’ዩ ፍትሓውነት።  ብዝተኻኣለ መጠን ኣብ ጎኒ ውጹዕ ግፉዕ ድኻ ምስላፍ’ዩ። መሰረታዊ ይኹን ኣይኹን ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ንዓመጻዊ ኣተሓሳስባን ተግባርን ምኹናን ንምስዓሩ ብንቕሓትን ብትብዓትን ምቅላስ’ዩ ሚዛን ፍትሓውነት ዘረጋግጽ። ንሰብኣዊ መሰላት ብዘይ ጭቡጥ ምኽንያት ንዝድርት፡  ንዓይ፣ ንቤተሰበይ፣  ንኣውራጃይ፣ ብሄረይ፣ ሃይማኖተይ፣ ደቂ ሃገረይ ክሳብ ዘይጎድአ ካልእ ባዕሉ ይፈልጥ ትብለሉ ኣይኮነን። ንሕና ብሰላም ክነብር ካልኦት ይሳቐዩ ይጥፍኡ ኣየብልን።  ኣብ ክንዲ መሰል ሰብ ይከበር፡ ሕቶ  ህዝቢ ይሰማዕ፡ ጸገሙ ሕማሙ ይፈለጥ፡ ልኡላውነት ህዝቢ ይረጋገጽ ዝብል ንጹር መርገጽ  ሒዝካ ምቅላስ፡ ሃገር፡ ሃገራዊ መንነት፡ ሃገራዊ ልኡላውነት ቅድሚት ክትሰርዕ ቅኑዕ ኣይኮነን።  ውሽጣዊ ባሕሪ ናይ ደቂ-ሰባት ካብ ልሳን ብዝወጽእ ቃላት’ዩ ዝግለጽ። ንፍትሒ ንደሞክራሲ ዝቃለሱ ወገናት፡ ዝጥቀመሉ ፖለቲካዊ ቃላትን ሓረጋትን ህዝቢ፣ ህዝባውነት፣ ህዝባዊ ስልጣን፣  ህዝባዊ ሰላም፣ ህዝባዊ ደሞክራሲ፣ ህዝባዊ ልኡላውነት ብምቕዳም’ዮም፡ ብዛዕባ ሃገር፡ ሃገራዊ መንነት፡  ሃገራዊ ልኡላውነት፡ ክዛረቡ ክጉስጉሱ  ከነቓቕሑ ዝግባእ። ምኽንያቱ፡  ነታ ሃገር ከም ሃገር ዘቖማ፡ ዘጸወዓ፡ ልኡላዊት ክትከውን ዋጋ  ዝኸፈለ ሰብ ወይ ህዝቢ’ዩ።  ነዚ ድሕሪት ሰሪዕካ፡ ተወጺዐ፣ ተበዲለ፣ ተጓኒየ፣ መሰለይ ኣይተኸብረለይን ኣብ ሃገርና ንኹልና ብማዕረ ዘተኣናግድ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቅዋም ይሃልወና ንዝብል ናይ መሰል ሕቶን መልክዕ ውደባን፡ ኣብ’ታ ናይ ሓባር ሃገር ሓለፋ ናይ ምውሳንን ምጥቃምን መሰል ከም ዘለካ፡ በታኒ ጸረ-ሃገራዊ ሓድነት፣ ተለኣኣኺ ግዳማውያን ሓይልታት፣  ትሕቲ ሃገራዊ ስምዒታት ዝብል መሰረት ዘይብሉ በጋሚዶኣዊ ኣስማት ብምጥማቕ፡ ንሃገራውያን ሃገር ኣልቦ ንምግባር ዝመጣጠር ኣረኣእያ ግጉይን መሰረት ዘይብሉ ስለ ዝኾነ ብወግዒ ኣይፋል ክበሃል ይግባእ።

ዜጋታት ኤርትራ መሰል ካልኦት ክሳብ ዘይተዳፍኡ ኣንጻር እንኮ-ሰባዊ ስርዓትን ድሕሪ ውድቀቱ ኣብ ኤርትራ ክትከል ዘለዎ ፖለቲካዊ ስርዓተ ምሕደራን ዝምልከት፡  ቅኑዕ መሲሉ ብዝተራእዮም ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብን መልክዕ ውደባን ተጠርኒፎም ክቃለሱ ካብ ማንም ፍቓድ ዘይሓትሉ ደሞክራስያዊ መሰሎም’ዩ። ብፍላይ ኣብ’ዚ ዘለናዮ መድረኽ፡ ከም’ዚ ዓይነት ኣረኣእያን መልክዕ ውደባን  ክንክተል ይፈቐደልና ኢሎም ዝሓትዎ ሕጋዊ ኣካል የለን። ስለዚ እዚኦም ናይ ኣስላም’ዮም፣ እዚኦም ናይ ብሄር’ዮም፣ እዚኦም ናይ ጸጋም’ዮም፣ እዚኦም ናይ የማን’ዮም፣ እዚኦም ናይ ኣውራጃ’ዮም፣ እዚኦም ኣረግቶት’ዮም፣ እዚኦም ትሕቲ ሃገራውያን’ዮም  እናበልካ ወሃብን ከልካልን መሰል ክትከውን ምፍታን ካብ ዘቤታዊ ጸላኢ ጥራሕ ክስማዕ ዘለዎ ድሑር ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ኣረኣእያ እዩ። እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካል ከፋፊልካ ግዛእ ሜላዩ ዝጥቀም፡ ፍጹም መላኺ’ዩ፡ ንፖለቲካ ኤርትራ ካብ ንቡር ናብ ዘይንቡር ዝቐየረ ደመኛ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾነ፡ ብሓይሊ ክውገድ ኣለዎ፡ “ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ኩሉ” እናጨራሕካ ግፉዓት ንዝኽተልዎ ኣረኣእያን መልክዕ ውደባን ብጉልባብ ሃገር፣ ሃገራውነት፣ ሃገራዊ ልኡላውነት፣ ኣራጢጥካ ኢንታ ከተውጸኣሉ ከተጸልሞ ከተተዓናቕፎ ምፍታን ናይ ባህሪ ምሕዝነትካ ምስ መን ምዃኑ’ዩ ዘመልክት።

ስለዚ ኣብ ኤርትራ ዘተኣማመን ህዝባዊ ሰላም፣ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፣ ህዝባዊ ልምዓት፣ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ክፍጠር፡ ኣብ ትሕቲ ዘቤታዊ ጸላኢ ድከቶም ዝሰትዩ ዘለዎ ዜጋታት ወይ ህዝብታት ንዘልዕልዎ ሕቶ መሰል ሕቶ ደሞክራሲ፡ ብዘይ ዝኾነ ኢንታ ብንቕሓት ምቕባል፡ ምኽባር፡ ሓቢርካን ተኸባቢርካን ንምስራሕ ድልዊ ምዃን የድሊ። ነቲ ኩሉ ጸጋታት ሃገር ተቖጻጺሩ ዝርከብ ጸላኢ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንምውጋድ ዝተበታተነ ዓቕሚታት ደምበ ተቓውሞ ተሓታትነት ብዘለዎ ኣብ ዝተሓተ ሓባራዊ ሰነዳዊ ስምምዕ ክጥርነፍ መተካእታ ዘይብሉ ምርጫ ክኸውን ይግባእ። ካብ’ቶም ብሓባር ከስርሑ ዝኽእሉ ነጥብታት ሓደ ከኣ “ኣብ ኤርትራዊ ልኡላውነት ዝኣምን” ዘይኮነ፡ ካብ ህዝቢ ንዝለዓሉ ናይ መሰልና ይከበር ኣረኣእያን መልክዕ ውደባን ኣፍልጦ ምሃብን ምኽባርን ምሉእ ንምሉእ ድማ ኣብ ልኡላውነት ህዝቢ ዝኣምን ዝብል ክኸውን ኣለዎ። ስለምንታይ ኤርትራዊ ልኡላውነት  ብ1993 ብሕጊ ዝተመለሰ ጉዳይ’ዩ። ስለዚ ተላፊንካ ኣብ ምስራሕ ክቐርብ ዘለዎ መዕቀኒ ኣብ ሃገራዊ ልኡላውነት ዝኣምን ዘይኮነ ኣብ ህዝባዊ ልኡላውነት ዝኣምን ክኸውን ይግባእ።

                                                                    ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                                                        14 ለካቲት 2024