መጀመሪያ ኣርእስቲ ጽሑፈይ፡ ናብ’ቶም ንጹር መርገጽ ዘይብሎም ተንሳፈፍቲ ፖለቲከኛታትን መሰልቶምን ጥራሕ ዘነጻጸረ ምዃኑ፣ ምስ’ቶም ደረጃ ማሕበረ ቁጠባዊ ምዕባሌና ዝፈጠሮ ሰበኽ-ሳግማዊ (ዘላን) መነባብሮ ዘሕልፉ ወገናትና ዘተኣሳስር ከም ዘይብሉ ኣንበብቲ ብቕንዕና ክትርዱኡለይ ኣዘኻኽር። ቀጺለ ናብቲ ቀንዲ መልእኽተይ ክኣቱ፡-

ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ብመንጽር ፖለቲካዊ ተፈጥሮኡን ተግባሩን ንህዝቢ ኤርትራ ፈታዊ ድዩ ጸላኢ? ብኸመይ ከ ክግጠም ኣለዎ? ብኩለመዳያዊ ቃልስ’ዶ ብሰላማዊ ኣገባብ ጥራሕ? ክመጽእ ዝድለ ለውጢ ኸ መሰረታዊ ለውጥዶ ዶ ጽገናዊ ለውጢ? ጠንቂ ናይ’ቲ ንህዝቢ ኤርትራ ሰለሎ ዘእተዎ ብዶብን ባድመን ተመኽንዩ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ኲናት ከ መን’ዩ? ብእንኮ-ሰባዊ ስርዓት ተገፊዕና ተዋሲና መሰልና ተነፊግና ኢሎም፡ ናቶም ውደባ ፈጢሮም ምስ ዝቃለሱ ዘለው ዝተፈላለዩ ውድባትን ምንቅስቓሳት ክህሉ ዝግባእ ናይ ቃልሲ ዝምድና ‘ኸ ከመይ ይኹን ዝብል ዛዕባ ሓደ ካብ’ቲ መን እንታይ ባህሪኡ ንመንከ ውግንናኡ ዝግለጸሉ መፍትሒ ከይተገብረሉ ዝቐጸለ ኣዛራቢ   ጉዳይ ምንባሩ ይፍለጥ’ዩ።

ኣብ’ዚ ድማ’ዩ እቲ ናይ ባህሪ ፍልልይ ዝያዳ ጎሊሁ ዝንጸባረቕ። ዋላ ብኣካል ኣብ ደምበ ተቓውሞ ይሃልው ብኣረኣእያኦም እንታይ ይመስሉ ንመን ይውክሉ ናብ መን ይቐርቡ ከተለሊ ዕድል ዝህብ። ገሊኦም እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ደመኛ ጸላኢ ምዃኑ፡ መሰረታዊ ለውጢ ድማ ከም ዘድሊ፡ ምስ ኩሎም ሕቶ መሰል ሕቶ ደሞክራሲ ኣልዒሎም ዝቃለሱ ግፉዓት ሓቢርካን ተኸባቢርካን ምቅላስ ክብሉ እንከለው፡ ገሊኦም ከኣ፡ ቃልሲ መሪሑ ነጻነት ዘምጸአ ሓይሊ ስለ ዝኾነ ጸላኢ ኣይንብሎን። መሰረታዊ ለውጢ’ውን ኣየድልን። ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ስልጣን ካብ ዘለው ውሱናት ሰባት ኣልጊስካ ምስ ኩሉ ትካላዊ መሓውሩ ክቕጽል ኣለዎ። እቶም ተገፊዕና ዝብሉ ብብሄር ብሃይማኖት ዝተወደቡ ጸረ-ሓድነት’ዮም፡ መሳርሒ ናይ ግዳም ሓይሊ’ዮም፡ ትሕቲ ሃገራውያን’ዮም ...ወዘተ ይብሉ ነይሮም። ሕጂ’ውን ዝተኣረመ ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ መን ኣበይ ረጊጹ ኣሎ ንምግማቱ ብዙሕ ዘየጸግም ክንሱ፡ ህዝቢ ዘሳተፈ ቅሉዕ መደረኻት ከፊትካ በሊሕ ናይ ሓሳብ ብሓሳብ ፍሕፍሕ ስለ ዘይካየድ ግን እቲ ደምበ ናቱን ዘይናቱን ሓቊፉ ብውሽጡ ጥዕና ስኢኑ ተረሚሱ ይነብር ኣሎ። እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኣብ ንፋስ ብዝበተኖ ኣብ ጽልኢ ሓደ ህዝቢ ዝተመስረተ ኣጉል ናይ ኣነነት ሕሱር ፕሮፖጋንዳ እናተመገቡ ካብን ናብን ዝወናጨፉ ዘላን ፖለቲከኛታት ክሕቆን ጸኒሑን ኣሎን።

ካብ’ዞም ኣብ እዋን ጸሓይ ዓራርቦ ናብ ደምበ ጸላኢ ዝምለሱ ዘለው ወገናት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዕሙት ጽልኢ መታን ከሕድር ዝነዝሕዎ ዝነበሩ ሕሱር ፕሮፖጋንዳ ንኣብነት፡ ምንቅስቓስ ኣግኣዝያን ብብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተበገሰን ኩሉ ሸነኻዊ ደገፍ ዝግበረሉን’ዩ፡፡ እዚ ምንቅስቓስ’ዚ ታሪኽ ኣዛቢዑ፡ ንገለ ሕብረተ-ሰባት ኣግሊሉ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጂኦግራፊካዊ ግዝኣት ናይ ዝርከቡ ህዝብታት ልዕልና ከረጋግጽ ዘንቀደ’ዩ። ቋንቋ ግእዝ ዝጥርንፎም ህዝብታት ኣብ ሓደ ክመጽኡ ብምግባር፡ ነቶም ካብኦም ወጻኢ ዘለው ህዝብታት ንምጥፋእ ዝዓለመ ኣጀንዳ ምፍጣር ዓባይ ትግራይ’ዩ። መራሕቲ ወያነ ውሽጣዊ ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ንምዝራግን ልኡላውነት ኤርትራ ንምድፋር ካብ ዘለዎም ሕዱር ሕማም ሕስድና ተበጊሶም ዘካየድዎ ዘለው ኣዕናዊ ተግባር’ዩ ዝብል ሓደ’ዩ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ከምዚ ዝበለ ኣጀንዳ ከም ዘለዎ ብምሉእ ዓቕሙ ድማ ከም ዝምውሎ ጭቡጥ መርተዖ ኣርእዩና? ኣግኣዝያን ከ ብሓቂ ከም ምንቅስቓስ ዝግለጽ ዓቕሚ ዘለዎ ድዩ? ንዝብል ሕቶ ድማ፡ ካብ ውሽጣዊ ምንጭታትና ዝረኸብናዮ’ዩ። ተስፋጽዮን ዝተባህለ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝቕመጥ ኤርትራዊ ሓደ ካብ’ቶም መራሕቲ ኣግኣዝያን’ዩ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ምስ ሓደ ሓላፊ ናይ ስርዓት ወያነ ሻሂ እናሰተዩ ክዘራርብ ተራእዩ። ተስፋጽዮንን ብጾቱን ኣብ ትግራይ ብዘይስኽፍታ’ዮም ዝንቀሳቐሱ። ብዙሓት ተጋሩ ድማ ነቲ ምንቅስቓስ ብሓሳብን ብገንዘብ ከም ዝሕግዙ ንፈልጥ ኢና ይብሉ።

ቀጺሎም፡ ላዕለዎት መራሕቲ ትግራይ ማለት ከም ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳአ፡ ጀነራል ኣበበ ተ/ሃይማኖት (ጀብዬ) ካልኦት ምሁራትን ኣክቲቪስትን ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ሕጋዊ ዋንነት ኣለዋ ክብሉ ተዛሪቦም ጽሒፎም። ትግረዎት ኣይእመኑን ጠላማት’ዮም ሓሳዳት’ዮም ዝብል ዝንቡዕ መልእኽቲ የቃልሑ ነይሮም። እዞም ዝተጠቕሱ ጀነራላት ኮነ ካልኦት ዝመሰሎም ክዛረቡ ይኽእሉ’ዮም። ተዛሪቦም ድማ’ዮም። እዚኦም ዝብልዎን ዝገብርዎን ግን ናይ ውልቆም ደኣምበር ምስ ህዝቢ ትግራይ፡ መንግስቲ ትግራይ ኮነ ህወሓት ዘተኣሳሰር የብሉን። መንግስቲ ትግራይ ኮነ ውድብ ህወሓት ኣብ ጉዳይ ነጻነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ካብ ዝጸንሖም ፍትሓውን ጽኑዕን መትከላዊ መርገጽ ዘልሓጥ ዝበልሉ ወግዓዊ መግለጺ ወይ ካልእ ጭቡጥ መረዳእታ ኣሎ ድዩ ንዝብል ሕቶ ዘዕግብ መረዳእታ ከቕርቡ ኣይከኣሉን። ንኢሳያስ ከሐጉሱ ህዝቢ ንህዝቢ ዘባእስ ፈጠራዊ ወረ’ዮም ዝነዝሑ ነይሮም። እዚ ከም’ዚ ዝበለ መሰረት ዘይብሉ ወፍሪ ንህዝቢ ኤርትራ ፈታዊ ዘስእን ዝጉድእ ደኣምበር ዝጠቅም ፋይዳ የብሉን። ግን ገይረሞ። ገና’ውን ይገብርዎ ኣለው።

ኣብ 2018 ኣብ መንጎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ተገይሩ ብዝተባህለ ሕቡእ ስምምዕ፡ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈጸመ ኢ-ሰብኣዊ ኢ-ሕጋውን ኢ-ሞራላውን ጨፍጫፍ፡ ነቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ብግቡእ ከይተወገነ ዝጸንሐ፡ ውልቀ መላኺ ስርዓት ንህዝቢ ኤርትራ ፈታዊ ድዩ ጸላኢ ዝብል ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ዝያዳ ደሚቑ ክወጽእ ገይርዎ። እቲ ሓደ ወገን ንኢድ ኣእታውነትን ፋሽሽታዊ ተግባርን እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኣጥቢቑ ብምኹናን ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቢ ትግራይ ከም ዘሎ ክገልጽ እንከሎ፡ እቲ ካልእ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ትግራይ ሰራዊት ምእታው ቅኑዕ’ዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንምጽናት ዝወሰዶን ዝወስዶ ዘሎን ስጉምቲ ድማ ልኡላውነት ናይ ምክልኻል መሰል መሰረት ዝገበረ ስለ ዝኾነ ቅኑዕ’ዩ ብምባል ሓሬት ከም ዝሸተተን ከብቲ ንሕና ምስ መንግስትና ኢሉ ካብ’ቲ ሓደ ናብ’ቲ ካልእ ግዒዙ። ሓደ ፖለቲካዊ ሓይሊ ብዝኾነ ንፋስ ኣምጸኦ ተባራሪ ፕሮፖጋንዳዊ ወረ፡ ካብ ደምበ ፈታዊ ናብ ደምበ ጸላኢ ኣንፈቱ ክቕይር እንከሎ፡ መርገጽ ኣልቦ ኣብ ዝመሰዮ ዝሓድር ናይ ፖለቲካ ዘላን ምዃኑ’ዩ ዘረጋግጽ።

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ “ጌም ኦቨር” “ ድሕሪ’ዚ ዝተርፍ ፖለቲካዊ ሕጽቦ’ዩ” “ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝመጽአ ናይ ለውጢ ሓይሊ ብምሉእ ዓቕምና ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና” “ጉዳይ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ይምልከተና’ዩ” ኢሉ ብወግዒ እናገለጸን ወተሃደራቱ ምስ ጋዕ-ገልጠሙ ኣኻኺቡ ዶብ ኤርትራ ኣስጊሩ ኣስፊርሉ ኣብ ዝነበረን እዋን፡ እናፈለጡ ከም ዘይፈለጡ፡ ስርዓት ወያነ ናብ ኤርትራ ሮኬታት ተኲሱ፣ ልኡላውነት ኤርትራ ተዳፊሩ፣ ንፈደራላዊ መንግስቲ ዓልዩ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣጥፊኡ ኤርትራ ናይ ምቁጽጻር ሕልሚ ከም ዘለዎ ተረጋጊጹ። ጌታቸው ረዳ ዝተባህለ ላዕለዋይ ሓላፊ ስርዓት ወያነ ምስ ኤርትራ ዘይተወራረደ ሕሳብ ኣለና ክንጻባጸብ ኢና ኢሉ፣ ዝብሉን ካልኦትን ገሊኡ ባዕሎም ዝመሃዝዎ፡ ገሊኡ ኸኣ ንውልቀ ሰባት ዝምልከት ዘይወግዓውን ዘይሕጋውን መደረታት ከም ዓቢይ ኣጀንዳ ሒዞም ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምድንጋር ሰሪሖምን ይሰርሑ ኣለውን። ደመና ሰማይ እናማዕደወ ኣንፈቱ እናቀያየረ ከም ዝነብር ዘላን፡ መርገጽ ኣብ ምቕያር ከይተሰከፉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ምውጋኡ ሕጋዊ’ዩ። ገዛእ ርእስኻ ናይ ምክልኻል ተፈጥሮኣዊ መሰል’ዩ። ኲናት ሕጊ የብሉን። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ዝወሰዶ ኩሉ ዓይነታት ስጉምቲ ንድግፍ። ስለዚ መርገጽና ቅድሚ ኩሉ ድሕነት ሃገር ዝብል ስለ ዝኾነ፡ ኣብ’ዛ መድረኽ እዚኣ ምስ መንግስትና ኣብ ጎኒ ሰራዊትና ኣለና ብምባል’ዮም ኣብ ዝወዓልዎ ዘይሓድሩ ናይ ፖለቲካ ዘላን ምዃኖም ብወግዒ ዘረጋገጹ።

ፖለቲካዊ ሓሳብ’ዩ ኣረኣእያ’ዩ ማለት፡ መምዘኒ የብሉን፡ መእሰሪ የብሉን፡ ብንፋስ ኣምጸኦ ተራ ፕሮፖጋንዳ ከም ቃሕታኻ ትገላበጠሉ ሜዳ’ዩ ማለት ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ቃልሲ መበገሲኡ እንታይ? መዕረፊኡ ኣበይ? ፈታዊኡ መን? ጸላኢኡ ኸ ዘለልየሉ ንጹር መምዘኒ ኣለዎ። ልጓም ኣልቦ’ውን ኣይኮነን። ተሓታትነት ኣለዎ። ብገለ ፖለቲከኛታትን ናብ ፖለቲካ ቅርበት ዘለዎም ኤርትራውያንን ንዕዘቦ ዘለና ኣካይዳ ግን ኢደ እግሩ ዘይፍለጥ ጨብረቕረቕ ’ዩ። ፖለቲካ መስፈሪ ከም ዘለዎ ተሓታትነት ከም ዘለዎ ኣገንዝቦ ዘለዎም ኣይመስሉን። ንዝሃረመ ይህረም ዝመስለካ ስለ ዝተዛረብካ፡ ሃገር ሃገር ዝብል ቃል ስለ ዝደጋገምካ፡ ኣብ ደምበ ቀተልቲ ከይድካ ስለ ዝተጻረፍካ ምሉእ ፖለቲከኛ ኣየግልጸካን። ሓቀኛ ፖለቲካኛ ከማልኦም ዘለዎ መምዘኒታት ኣማሊእካ፡ ኣብ ደምበኻ ጸኒዕካ ንህዝቢ ተኣማኒ ኮይንካ ምስ እትዋሳእ ኢኻ ፖለቲከኛ ትበሃል። ጠጠም(ቋርፍ) ኣበይ ይርከብ ቀዳምነት ሰሪዕካ ትኸይድ፡ ምስ መንን ኣበይን ብዘየገድስ ኣብ ዝመሰየካ ትሓድር እንተኾንካ ዘላን ’ምበር ሓቀኛ ፖለቲከኛ ምኳንካ ኣየመልክትን።

እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ኣብ ኤርትራ ፈጢርዎ ዘሎ ኩለንተናዊ ውድቀት፡ ዝርገተ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ካብ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ወጻኢ ኣይዕረን። ህዝባዊ ፖለቲካዊ ብልሒ፡ ጽንዓትን ተወፋይነትን ብዝጎደሎ ብንኺድ ንኺድ ንግበር ንግበር ናይ ሃውሪ ጉዕዞ፡ ነግ ፈረግ እናበልካ ብማሕበራዊ ሽምግልና ዝእረም ኣይኮነን። ካብ መሰረቱ ብህዝባዊ ንቕሓት፡ ህዝባዊ መድረኻት ነገራት ናይ ምግምጋም ምግራሕ ዘነይት ልምዲ ዘይነበሮ ፖለቲካ ኤርትራ፡ ምድንጋርን ጽልእን ከም ስነ-ሓሳባዊ ፖለቲካዊ መርሆኡ ዝጥቀም፡ ኩሉ ሃገራዊ ጸጋታት ዝተቖጻጸረ እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ተወሲኽዎ፡ እቲ ብሃገራውነት ተሸፊኑ ዝነበረ ላህመታዊ ንቕሓት ድሕሪት ተመሊሱ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ይርከብ ኣሎ።

ከም’ቲ “ሓባኢ ቁስሉ ሓባኢ ፈውሱ” ዝበሃል ምስላ፡ ውሽጣዊ ጽሬት ዘየረጋገጸ ውድብ ይኹን ግንባር፡ ጠለብ ህዝቢ ኣብ ምምላስ ኣወንታዊ ተራ ክጻወት ኣይኽእልን። ነቲ ብስነ-መጎት ሓይሊ ጥራሕ ዝዛረብ ሓይሊ ኣሊኻ፡ ካብ ጣሕመሽመሽ ዝደሓነ፡ ንኹሎም ኣረኣእያታትን ዝንባሌታትን ብነጻነት ዘዋስእ፡ ንፍልልያት ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዘመሓድር፡ ንዘይ መሰረታዊ ግርጭታት ብሕጊ ዝዳኒ፡ ጥጡሕ ናይ ለውጢ ባይታ ንምፍጣር ቅድም ቀዳድም ውሽጥኻ ምፍታሽ፡ ጉድለትካ ምርኣይን ብግቡእ ምምሕዳርን የድሊ። ስለዚ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ግንባራት ኮነ ብደረጃ ውልቀታት ዝግለጽ ንጥፈታት ናይ ግድን ናይ ኣረኣእያ ጽሬት፡ መትከላዊ ጽንዓት ስጡም ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣብ ህዝባዊ ቃልሲ ዘለዎ ትርጉም ብግቡእ ተረዲኦም ክቃለሱ ይግባእ፡፡

ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ነተን ከከም ኩነታቱ ኣለና ዝብላ በርገሳውያን ማሕበራት ከይሓወስና፡ ህልዋት ፖለቲካዊ ውድባት ብዙሓት’የን። ንዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባት ዝሓቖፋ ግንባራት’ውን ውሑዳት ኣይኮናን። ብመልክዕ ስነ-ጥበብ፡ ኣክቲቪስት፡ ሃይማኖት ብውልቀን ዝግበር ንጥፈታት’ውን ከምኡ። ኣብ’ዚ ብንቕሓት ትኹረት ክግበረሉ ዘለዎ ግን ብዝሒ ዘይኮነ ዓይነት’ዩ። ብፍላይ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ዝኽተላኦ ፖለቲካዊ መስመርን ፖሊስን ንህዝቢ ዝጠቅም ድዩ ዝጎድእ? ግብራዊ ንጥፈታተን ከ ኣድማዒ ድዩ ኣይኮነን? ኣብ’ቲ ንእምነሉ ዝብላኦ ፖለቲካዊ መስመር ከ ጽኑዓትን ውፍያትን ድየን ኣይኮናን? ኣብ ዝብል መሰረታዊ መምዘኒታት ክምስረት ኣለዎን ይግባእን።

ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ውልቀ ክሳብ ብደረጃ ፖለቲካዊ ውድባትን ግንባራትን ዝግበር ፖለቲካዊ ንጥፈታት ብባህሪ ድዩ ብግብሪ ናይ ብሓቂ ህዝባዊ ምዃኑ፡ ኣብ ጸላኢ ዘለዎ መርገጽ’ዩ ክምዘን ዘለዎ። ምኽንያቱ’ሲ ገሊኦም ብኣካልን ብልሳኖምን ‘ምበር ብባህሪ ካብ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ዝተፋትሑ ኣይኮኑን። ሕቶ ተሓታትነት ዘሰክፎም ኣይመስሉን። ኣካይዳኦም ኩሉ ከከም ኩነታቱ’ዩ። ኣይኮነን እቶም ብደረጃ ውልቀታት ዝነጥፉ፡ ገለ ካብ‘ቶም ብደረጃ ፖለቲካዊ ውድባት ዝፍለጡ ካድራት ድዮም መሪሕነት፡ ብስም ውድብ ከም ቃሕታኦም ክውስኑ፡ ምስ ደስ ዝበሎም ውድብ ክዛመዱ፡ ዝምድናኦም ከፍርሱ ስኽፍ ኣይብሎምን፡፡ ካብ ኩሉ ዘገርም ከኣ ከምኡ ክገብሩ እንከለው ብውድቦም ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰደሎም ኣይረአን። እዚ ኣካይዳ’ዚ ሓደ ካብ’ቲ ንደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንቕድሚት ከይስጉም ሓሊኹ ሒዝዎ ዘሎ ርኡይ ዝርገተ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን’ዩ። መን ሓቀኛ ናይ ለውጢ ተቃላሳይ መን ከ ምስ ደምበ ጸላኢ ቅርበት ወይ ምትእስሳር ኣለዎ ብቀጻሊ ብገምጋም ዘይፍትሽ ህዝባዊ ቃልሲ ወትሩ ኣፍ ደገኡ ንጸላእትን ተጻባእትን ምስተራሕወ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ውልቀ መላኺ ብባህሪኡ ጸረ-ህዝቢ’ዩ። ብተግባሩ ኣዝዩ ጨካን ፋሽሽታዊ’ዩ። ሒዝዎ ዘሎ ስልጣን ዝኾነ ሕጋዊ መመኽነይታ የብሉን። ብእምነት ደረጃ ብኣብዘሓ ህዝቢ ዝተተፍአ’ዩ። ከም ፖለቲካዊ ሓይሊ ኩሉ ናይ ምድንጋር ሜላታቱ ተቐባልነት ስኢኑ ኣሪጉ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ዕድመኻ የሕጽረልና ዳግማይ ከማኻ ዝበለ ገዛኢ ኣየሪአና ኢሉ ሕቖኡ ዝሃበሉ ወድዓውን ባዕላውን ኩነታት ንለውጢ ዝበሰለሉ መድረኽ’ዩ ሎሚ። ከም መግለጺ ጽላእቱ ድማ ካብ ማይ ቤቱ ሃዲሙ ከም ዘርኢ ሽንፋእ ኣብ ምሉእ ዓለም ተበቲኑ ከርፋሕ ህይወት የሕልፍ ኣሎ። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ወሳኒ ናይ ለውጢ መድረኽ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ምጽናት ከም ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ስትራተጂኻ ወሲድካ፡ ካብ ደምበ ፈታዊ ናብ ደምበ ጸላኢ ምግዓዝ ብዝኾነ ይኹን መዕቀኒ ቅቡል ክኸውን ኣይኽእልን። ምስ ምዕቃብ ነጻነትን ምኽባር ልኡላውነት ሃገርን ፈጺሙ ዘተኣሳስር ዘዛምድ ፖለቲካዊ ኮነ ሞራላዊ ቅቡልነት የብሉን። እዚ ብስሰዐ ነገራዊ ረብሓ ዝተገዝኣ ፖለቲካዊ ዘላንነት’ዩ። ህዝቢ ይጥፋእ ኢሳያስ ግን ይንበር፡ ንሕና’ውን ንንበር ዝብል ጸረ-ህዝቢ ሕልና ዝተላበሰ ውዱቕ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ’ዩ። ብህዝቢ ኤርትራ ዝተፈንፈነ እንኮ-ሰባዊ ፋሽሽታዊ ስርዓት ንደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብዕስለ ስለ ዝዓመጸ፡ ገዛ ገዛ እናኣተወ ዓቢይን ንእሽቶን ሕሙምን ጥዑይን ከይፈለየ ስለ ዝጨፍጨፈ፡ ንብረት ስለ ዝዘረፈን ዓድግታት ስለ ዘቃጸለን ዘይጸዓድ ሓይሊ መሲልዎ ተፈታውነት ከሕድር’ሞ ነገራዊ ረብሓ ክምጠወሉ ደምበ ዝቐየረ ብስም ፖለቲካ ዝሽቅጥ ዘላን’ዩ።

ኣብ ደምበ ፈታዊ ኣዕቂሎም ንጸላኢ ከገልግሉ ጸኒሖም ልኡላውነትና ንምኽባር ብዝብል ሽፋን ኣብ ጎኒ መንግስትና ሰራዊትና ኢሎም ዘርጠብጠብ እናበሉ ዝኸዱ፡ ምሁራት፡ ኣክቲቪስት፡ ስነ-ጥበበኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖት ገለ ፖለቲካዊ ውድባት ብሓቂ ናይ ፖለቲካ ዘላን’ዮም። ምስ ቀታሊ ተሰሊፍና ንሕና’ውን ክንቀትል ኢና ይብሉ ምህላዎም ከኣ ርዱእ’ዩ። እዚ ክገርመና ኣይግባእን። ቅድም ኢልኩም ክትወጽኡ ነይርኩም። ብዝኾነ ሕጂ ብወግዒ ካባና ወጺእኩም ባህሪኹምን ደምበ ኹምን ስለ ዝነገርኩምና የቐኒየልና ካብ ምባል ወጻኢ ስለምንታይ ኣየድልዮን። ኣብ ውሽጥና ኮይንኩም ንዝፈጸምክሞ ዕንቅፋትን ምድንጋርን ግን መዓስ ብዘየገድስ ክንጸባጸብ ምዃና ፍለጡ ተባሂሉ ክንገሮም ይግባእ። እዞም ካብ ውልቀ ሰባት ክሳብ ፖለቲካዊ ውድብ ንሕና ምስ መንግስትና ኢሎም ብዘርጠብጠብ ናብ ደምበ ጸላኢ ዝግዕዙ ዘለው ንኸብዶም ዝሓደሩ ዘላን’ምበር ምስ ምኽባር ሃገራዊ ልኡላውነት ኤርትራ ዘራኽብ ባህሪ የብሎምን።

ኣብ’ዚ ባና ህዝባዊ ዓወት ዝረኣየሉ ዘሎ መድረኽ ካብ ደምበ ፈታዊ ናብ ደምበ ጸላኢ ዝጽንበሩ ዘለው ወገናት፡ ግዝያዊ ረብሓ ‘ምበር ሓልዮት ህዝብን ምኽባር ልኡላውነት ሃገርን ከም ዘይኮነ ኣዕሚቑካ ምርዳእ ኣገዳሲ’ዩ። ኣብ ደምበ ፈታዊ ኮይኖም ክዋስኡ ዝጸንሑ ወገናት፡ ናብ ሓደ ፈሽሽታዊ መንግስታዊ ጉጅለ ብምውጋን ንህዝቢ ካብ ምክልባትን ሞትን ከድሕኑ፡ ልኡላውነት ሃገር ከውሕሱ ኣብ ታሪኽ ዓለም ኣይተራእየን። ኣይተሰምዐን። ምኽባር ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ዝብል በዓቲ ተሓቢኦም ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ኣብ ምጽናት ምስ ዝወፈረ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ምውጋኖም፡ ክኒዮ ፖለቲካዊ ዘላንነት ፋሽሽታዊ ባህሪኦም ዘረጋግጽ’ዩ። “መን ምዃንካ ክፈልጥሲ ዓርኪ መን ምዃንካ ንገረኒ” ዝተባህለ’ኮ ከም’ዚ ምስ ኣጋጠመ’ዩ። ካብ ደምበ ፍትሒ ናብ ደምበ ፋሽሽታውያን ዝግዕዝ ከኣ፡ ብውሕዱ ፋሽሽታዊ ባህሪ ዘለዎ ናይ ፖለቲካ ዘላን ንምዃኑ ንምግማት ኣየጸገምን።

ኣብ ደምበ ፋሽሽታውያን ኮይኖም ንደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብሓፈሻ፡ ነቲ ብክቡር መስዋእቱ ኣብ ልዕሊ መሓውር እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኣንጸባራቒ ዓወት ዘመዝግብ ዘሎ ተስፋ ውጹዓት ዝኾነ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ኤርትራውያን ኣይኮኑን ተጋሩ’ዮም። ንኹሉ ኤርትራዊ ዝውክሉ ኣይኮኑን ናይ ሓደ ከባቢዮም ሕሱር ክሲ እንተቕረቡ ኣይገርምን። ካብ ፋሽሽታውያንን ምሩኻት ሕልና ፋሽሽታውያንን ከምኡን ልዕሊኡን ‘ምበር ሓቅን ፍትሕን መሰረት ዝገበረ መግለጺ ኣይንጽበን። “ካብ ዓበቕካስ ተቖናደፍ” ከም ዝበሃል ኣብ’ዚ ምውዳቕና ካብዘይተረፈ ንመንግስትና ዘሐጉስ ንግበር’ዩ እቲ ዕላማ። ኣብ ዝወዓሎ ዘይሓድር፡ ብስም ፖለቲካዊ ውድብ፡ ኣክቲቪስት፡ ስነ-ጥበብ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ተሸፊኖም ኣብ ውሽጢ ደምበ ፈታዊ ኮይኖም ንጸላኢ ከገልግሉ ዝጸንሑን ገና’ውን ክህልው ዝኽእሉ ሕቡኣት ኩሎም፡ ብስም ሃገርን ፖለቲካን ዘደናግሩ ዘላን’ዮም። ካብ’ዞም ዘላን ፖለቲከኛታት ምጥንቃቕ ድማ ናይ ኩሉ ተቓላሳይ ወዲ ህዝቢ ዕለታዊ ዋኒን ክኸውን ይግባእ። ኣብ ዝወዓሎ ዘይሓድር መርገጽ ኣልቦ ተንሳፋፊ ዘላን ፖለቲከኛ ናይ መወዳእታ ዕድሉ ከም’ቲ “ሰብኣይ ክልተ ኒዮው ነጀው ክብል ሞተ” ዝበሃል ምስላ’ዩ።

                                                         ካብ ክብሮም ከሰተ

                                                   ኣባል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                                  16 ሕዳር 2023