ብሕጋዊ ድዩ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝተቖጻጸረ መንግስቲ፡ ባህሪኡ፣ ዕላማኡ ኮነ ተግባሩ፡ ደሞክራስያዊ ድዩ ጸረ-ደሞክራስያዊ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ከም መንግስቲ ስልጣኑ ዓቂቡ ክቕጽልን ዘይክቕጽልን ካብ ዝውስኑ መሰረታዊ ረቓሒታት ሓደን ቀንድን ቀዋሚ ምንጪ ቁጠባዊ ኣታዊ ምህላው’ዩ። ምኽንያቱ ቀዋሚ ምንጪ ኣታዊ እንተዘይብሉ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ መንግስታዊ መሓውር ከጣይስ ኣይክእልን። ሓይልታት ምክልኻል፡ ሃገራዊ ጸጥታ፡ ሃገራዊ ፖሊስ፡ ምምሕዳራት፡ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈታት መስሪቱ ኣብኡ ንዘገልግሉ ሰራሕተኛታት ወርሓዊ ደሞዝ ከፊሉ ከስርሕ ኣይኽእልን። ከምዚኦም ዝበሉ ወሰንቲ ትካላት ዘይብሉ መንግስቲ ድማ መንግስቲ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለዚ ንቀጻልነትን ውድቀትን ሓደ መንግስቲ ዝውስን ቀንዲ ረቛሒ፡ ሓያልታት ምክልኻል፡ ሃገራዊ ጸጥታ፡ ሃገራዊ ፖሊስን መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮን ዘይኮነ፡ ነዚኦም ዘንቀሳቕስ ዘተኣማምን ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ምህላው’ዩ።

ብሕጊ ኣብ ስልጣን ናይ ዝደየቡን ተሓታትነት ድማ ዘለዎምን ደሞክራስያውያን መንግስታት ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊኦም ፍሉጥን ሕጋውን’ዩ። ብወሳኒ መልክዑ ካብ ኣታዊ ዘለዎም ዜጋታት ብግሉጽ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ካብ ግብርን ቀረጽን ዝርከብ ገንዘብ’ዩ። ግብርን ቀረጽን ዝእከበሉ ኣገባብ ብናይ ቁጠባ ሞያተኛታት ተጸኒዑ፡ በብደረጃኡ ዝርከቡ ዝምልከቶም መንግስታዊ መሓውራት ተራእዩ፡ ኣብ ሕጋዊ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ብኣጀንዳ ቀሪቡ ተዘትይሉ ብምሉእ ወይ ብኣብዘሓ ድምጺ ጸዲቑ፡ ንከፈልቲ ግብሪ ግልጺ ብዝኾነ ኣሰራርሓ’ዩ ዝፍጸም። ዜጋታት በዚ መልክዕ ዝተሰለዓሎም ክኸፍሉ ሕጋውን ዜግነታዊ ግዴታ ኣለዎም። መንግስቲ ድማ ነቲ ካብ ከፈልቲ ገብሪ ዝእከብ ገንዘብ መሰረት ገይሩ ዓመታዊ ባጀት የጽድቕ። ኣብ’ቲ ዓመት’ቲ ክሰርሖም ዘለዎ ኣነጺሩ ንህዝቢ ይሕብር። ዓመት መጽአ ካብ ግብርን ቀረጽን ዝኣከቦ ኣታዊ፣ ዝገበሮ ወጻኢ፣ ካብ ዝሓዞ ውጥናት ልምዓት ዝሰርሖን ዘይሰርሖን ንህዝቢ ክሕብር ሰናይ ፍቓዱ ዘይኮነ ሕጋዊ ግዴታ ኣለዎ። ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ተሓታትነት ዘለዎ መንግስቲ ምህላው፡ ካብ ህዝቢ ዝተኣከበ ገንዘብ ተመሊሱ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ከም ዝወዓለ የረጋግጽ። ዝምድና ህዝብን መንግስትን ብኣገባብ ይኸይድ ከም ዘሎ ድማ የመልክት።

ነዚ መዘውር ፖለቲካዊ ስልጣን ኤርትራ ተቖጻጺሩ ዝርከብ ስርዓት ምስ’ቲ ልዕል ክብል ዝተገልጸ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ነነጻጽሮ እንተኢልና ዘይተወልደ ምስ ዝተወልደ ከም ምውድዳር’ዩ ዝኸውን። ስለምንታይ’ሲ ንኤርትራ ዘመሓድር ዘይኮነ ዝገዝእ ዘሎ ኣካል ስማዊ‘ዩ። ህዝባዊ ባህሪ የብሉን። ዝምረሓሉን ዝመርሓሉ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም የብሉን። ብህዝቢ ዝተመርጸ ህዝባዊ መንግስቲ ኣይኮነን። ንጹር ናይ ኢኮኖሚ ፖሊሲ የብሉን። ምንጪ ናይ ገንዘብ ኣታዊኡ ካበይን ክንደይን’ዩ ካብ ግምት ዝሓለፈ ብንጹር ኣይፍለጥን። ዓመታዊ ባጀት መርሚሩ ኣበይ ክውዕል ከም ዘለዎ ኣመቓሪሑ ዘጽድቕ ሃገራዊ ባይቶ የለን። ዓመት መጽአ ኣብ ትሕተቕርጻዊ መደባት ልምዓት እንታይ ክሰርሕ ውጥን ከም ዘለዎ ኣይገልጽን። ብተግባር ከኣ ኣይሰርሕን። ግን ከኣ ንዝተኣዘዞ ብተወፋይነት ዝፍጽም፡ ምስ ብዝሕን ቁጠባዊ ዓቕምን ህዝቢ ኤርትራ ዘይመጣጠን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ዕጡቕ ክፍልታት፣ ምምሕዳራት፣ መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮን ዘለዎ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ሓንቲ ልኡላዊ ሃገር ዝተቖጻጸረ ስማዊ መንግስቲ’ዩ። እዚ ስማዊ መንግስቲ’ዚ ብህዝቢ ዝተመርጸ መንግስቲ ኣይኮነን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ፍጹም መላኺ ኮይኑ’ውን ቅጥዒ ዘለዎ መንግስታዊ ቅርጻን ኣሰራርሓን የብሉን። ኩሉ ኣሰራርሓኡ ኮንትሮባንድ’ዩ።

ምንጪ ዓመታዊ ቁጠባዊ ኣታዊኡ ብወግዒ ኣይፍለጥን። ሕጋዊ ውሕስነት ረኺቦም ካብን ናብን ዝወናጨፉ ነጋዶን ኣውፈርትን ኤርትራውያን የለውን። ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ፡ እዚ ስማዊ መንግስቲ ብዝኽተሎ ዘሎ ኣድኪኻ፡ ኣርዒድካን ከፋፊልካን ግዛእ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ፡ ኣይኮነን ንከም’ዚ ዝበለ ህልውናኡ ኣብ ምሕረት ሽሾ ዕጡቓት ክፍልታት ዝገበረ ሓሻሽን ቀሻሽን ስርዓት ደው ዘብል ግብርን ቀረጽን ክኸፍል፡ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝኾነ ቁጠባዊ ምንጪ እቶት ዘይብሉ ብሓያል ቀዝሒ ድኽነት ዝግረፍ ዘሎ ህዝቢ’ዩ። ትርጉም ዘለዎ ጠለብ ዕደጋ ውሽጢ ሃገር መሊሱ ፍርያቱ ንሰደድ ልኢኹ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዘምጽእ ዘመናዊ መንግስታዊ ሕርሻን ፋብሪካታት’ውን የለን። ጭቡጥ ዘየቋርጽ ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ዝኾነ ባህሪያዊ ሃብቲ ባህርን ወደባትን ድማ ኣብ ሓውሲ ደውታ’ዩ ዝርከብ።

ብኸመይ ደኣሞ ጸረ-ህዝቢ ስልጣኑ ዓቂቡ ይቕጽል ኣሎ፡-? ኩሎም እቶም ደው ኣቢለሞ ዘለው ትካላት ፖለቲካዊ ሩሕ የብሎምን። ናይ ስራሕ ነጻነት የብሎምን። ንኣብነት እዞም ምስ ባህሪኦምን ተግባሮምን ዘይኸይድ ሃገራዊ ዝብል ረዚን ስም ተኸዲኖም፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ሰብኣዊ ክብሪ፡ ደሞክራስያዊ መሰልን ረብሓን ከውሕሱ ዘይኽእሉ፡ ሃገራዊ ሓይልታት ምክልኻል፡ ሃገራዊ ድሕነት፡ ሃገራዊ ፖሊስን ዝበሃሉ፡ ንሓደ ሰብ ብባርነት ዘገልግሉ ዘለው ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን ትካላት ንውሰድ፡ ኣብ’ዚ መሳርዕ’ዚ ክኣትው እንከለው፡ ብሞያተኛታት ናይ’ቲ ዓውዲ ተሰኒዑ ብግልጽን ብሕግን ብዝተቐመጠ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን መምዘኒታት (መስፈሪ) ዝካየድ ኣይኮነን። ኣብ’ቲ ትካል ዝጸንሕሉ ናይ ግዜ ሰሌዳ፣ ግዜ ዕረፍቲ፣ ጥሮታ ዝወጽእሉ ዕድመን ክረኽብዎ ዘለዎም መሰልን፣ ወርሓዊ ደሞዝን ደረጃ ዕቤትን፣ ኣልባሳት፣ መግቢ፣ ጉዳይ ትምህርትን ጥዕናን ናቶምን ናይ ደቆምን ብንጹር ብዝተቐመጠ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝፍጸም ኣይኮነን። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ እቲ ወተሃደራዊ ዕስክርና፡ ኣብ ሰናይ ድሌት ነብስ ወከፍ ሰብ መሰረት ገይርካ ዝካየድ ምዝገባን ምልመላን ዘይኮነ ብግዱድ ሃንደበታዊ ግፋ’ዩ ዝትግበር።

ብግዱድ ሃንደበታዊ ግፋ ተታሒዞም ከም ገበነኛታት ብጥቡቕ ሓለዋ ተዓጂቦም ኣብ ናይ ታዕሊም ቦታ ምስ በጽሑ ኣተሓሕዛኦም፡ ሰብኣዊ መሰል ዘየኽብር፡ ዝነበረ ሞራል ዘድቅቕ’ዩ። ዝወሃቦም ፖለቲካዊ ትምህርቲ፡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ንቕሓት፣ ህዝባዊ ሰላም፣ ህዝባዊ ልምዓት፣ ኣድላይነት ቅዋምን ልዕልና ግዝኣተ ሕግን፣ ተራን ሓላፍነትን መንግስትን ዘይስገር ልኡላዊ ስልጣን ህዝብን ብግቡእ ዘረድእን ዘዕጥቕን ኣይኮነን። ዝተዛበዐ ታሪኽ፡ ናይ ሓደ ውድብ ልዕልናን ናይ ሓደ ሰብ ስብእናን ብዝተጋነነ መልክዑ ዘረድእ’ዩ። ብመን ከማና ከም ኤርትራውያን ብኣጉል ትምክሕቲ ዘስክር፣ ብጽልኢ ጎረቤት ህዝቢ ኣኣምሮ ዝደፍን፣ ንህዝባውን ሃማኖታውን ሕግታትን ክብርታትን ዝንዕቕ፣ ባህላዊ ነውርን ሰብኣውነትን ዘይፈልጥ ንጭካኔ ከም ብሉጽ ሓይሊ ሓሳብ ገይሩ ዝቕበል ግልቡጥ ኣስተምህሮ’ዩ። ጥመ ዕረቕ ተጸሚምካ ምንባር ከም መንፈዓት፡ ኮታ ንልዕለኻ ባሪያ ንትሕተኻ ጎይታ ኮይንካ ሰጥ ለበጥ ኢልካ ኣገልግል ዝብል መምርሒ’ዩ።

ካብ ታዕሊም ምስ ወጽኡ ኩሎም ንምባል’ኳ ሚዛናዊ እንተዘይኮነ እቶም ዝበዝሑ ነቲ ዝተዋህቦም ኣስተምህሮ’ዮም ብተወፋይነት ዝትግብሩ። ንልዕሊኦም ዘሎ ሓላፊ ሰብኣዊ ክብሮም ኣዋሪዶም ከገልግሉ ማለት ክሳብ ናይ ብሕቲ ገዛኡ ክሰርሑ፣ ጥሪቱ ክጓስዩ፣ ዘራእቱ ክጻይሁ ክዓጽዱ፣ ደቂ ኣንስትዮ መርወዪቲ ጾታዊ ስምዒት ክኾና፡ ብዘይ ትርጉም ዘለዎ ደሞዝ፡ ንሳቶም ደቆምን ወለዶምን “ምውሓስ ልኡላውነት ሃገር ቅድሚ ኩሉ” ንዝብል መሰረት ዘይብሉ ፕሮፖጋንዳዊ ስብከት ኣሚኖም ምስ ድኽነት ተሰማሚዖም ዝነብሩ’ዮም። ስለዚ እዞም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ እኩባት ሰብ ብረት፡ በቲ ንቡር ኣብ ሕጋውያን ደሞክራስያውያን መንግስታት ዝግበር ኣተሓሕዛ ወርሓዊ ዓሰርተታት ድዩ ኣማኢት ቢሊዮናት ገንዘባዊ ወጻኢ ከም ዝጠልብ ንሕሰብ። እንኮ-ሰባዊ ስርዓትን ግን ብዘይ ትርጉም ዘለዎ ክፍሊት’ዩ ጉልበቶም፡ ፍልጠቶም ክሳብ ህይወቶም ብኣጉል መን ከማና ፖለቲካዊ ዕንደራ፡ ዘይምኽንያታዊ ጽልኢ ጎረቤት ህዝብን ንመሓለዊ ስልጣኑ ዝግልገለሎም ዘሎ። ብካልእ ኣዘራርባ እዞም ክፍልታት እዚኣቶም ክኽፈልዎ ዝግባእ ገንዘብ ስለ ዘይኽፈሉ፡ ቀዋሚ ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኮይኖም ኣለው ማለት’ዩ።

እቶም ስቪል ሰራሕተኛታት ዝበሃሉ ብተመሳሳሊ ኩሉ መሰላቶም ዝተገፉ’ዮም። ብዝተማህርዎ ሞያ ከገልግሉ ኣይፍቀደሎምን። ርትዓዊ ክፍሊት ኣይረኽቡን። ሕጋዊ ደረጃ ዕቤት የለን። መሰልና ይከበር ኢሎም ክሓቱ ኣይክእሉን። ብራዕድን ድኽነትን ተኣሲሮም ዝነብሩ ዘለዎ ሰባት’ዮም። ኣብ ካልኦት ሃገራት ንስቪል ሰርቫንት (ቢሮክራሲ) ምስ ኣተሓሓዛን ዝስላዕ ርትዓዊ ዓመታዊ ባጀት ኣንጻር እንተርኢናዮ፡ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዋጋ ፍልጠቶምን ጉልበቶምን ከም ዘይኽፈሉ ብብሩህ ይረኣየካ፡፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኢኹም ወይ ብናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተመን’ዩ ዝወሃበኩም ብዝብል ይምዝመዙ ከም ዘለው ይፍለጥ። ስለዚ ከኣ ዓመታዊ ናብ’ዚ ክፍሊ’ዚ ክምደብ ዝነበሮ ገንዘብ ወጻኢ ስለ ዘይግበር፡ እንኮ ሰባዊ ስርዓት ፍጹም ሓላፍነት ብዝጎደሎ ጨካን ፖለቲካዊ ውሳኔ ቀዋሚ ምንጪ ኣታዊ ይረክብ ከም ዘሎ የነጽር።

ብስም ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቁጽጻር ካብ ዝቀዳደሙ ዘለው ናይ ቀረባን ረሑቕን ሓይልታት ዋጋ ዓስቡ ዝረኽቦ መጠኑ ብልክዕ ዘይፍለጥ ናይ ዓይነትን ገንዘብን ኣታዊ፣ ብሓለዋ ድሕነት ስልጣን ኢሳያስ (ሃገራዊ ድሕነት) ላዕለዎት ጀነራላቱን ተሳተፎ ዝግበር ምስግጋር ንግዲ ደቂ-ሰብ፣ ብኮንትሮባንድ ዝካየድ በብዓይነቱ ኣደንዛዚ ሓሽሽ፣ ኣጽዋር ኲናትን ሸቐጣትን ብሕጊ ዘሕትት ከቢድ ገበን ክንሱ፡ ግን ስሩዕ ስራሕን ቀዋሚ ምንጪ ኣታውን እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኮይኑ ኣሎ።

ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተሓቢኡ ብናይ ወጻኢ ኩባኒያታት ካብ ዝጎሕጓሕ ዘሎ ማዕድናዊ ሃብቲ ብብርኪ ብቢሊዮናት ዶላር ዝቑጸር ኣታዊ ይረክብ ኣሎ። በዓል ቤት ልኡላዊ መሬት ባሕርን ሰማይን ኤርትራ ህዝቢ ኤርትራ ‘ምበር ብዝኾነ ኣጋጣሚ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝደየበ ሓይሊ ኣይኮነን። መዓድን ድማ ከም መሸጣ እንስሳ ዘቤት፡ እኽሊ፡ ፍረታት፡ ውጽኢት ፋብሪካ ብቐሊል ዝርከብን ካብን ናብን ሰጋገርን ኣይኮነን። መዓድን ንህዝቢ ግልጺ ብዝኾነ ወግዓዊ ሰነዳዊ ስምምዕ ዝካየድ፡ ረቒቕ ፍልጠት፡ ቴክኖሎጂ፡ ልዑል ገንዘባዊ ወጻኢ ዝጠልብ ዓውዲ’ዩ። ካብኡ ክረከብ ዝኽእል ብዝሕን ዓይነትን ፍርያት፡ ቅድመ ግምታዊ መኸሰን ክሳራን ተጸኒዑ ብሞያተኛታት ብሕጋውያን ትካላት ክትትልን ቁጽጽርን እናተገብረሉ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ክውዕል ዘለዎ ሃገራዊ ሃብቲ’ዩ። ይኹን ደኣምበር ህዝቢ ኤርትራ ምስ ናይ መን ኩባኒያ ኣብ ምንታይ ዓይነት መዓድን ብኸመይን ንኽደይ ዓመት ዝጸንሕ ስምምዕ ከም ዝተገብረ፡ ክንደይ ገንዘብ ከም ዝተረኽበ ከይፈለጠ ብዘይሕጋዊ መንግስቲ ይዝመት ኣሎ።

ኣብ ስደት ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝሕለብ ዘሎ ዘይሕጋዊ ግበሪ 2%፣ ካብ ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ብፍላይ ከኣ መሸጣ ፓስፖርት ንኤርትራውያንን ወጻኢተኛታትን። ከምኡ’ውን ናይ ዕለተ ልደት፡ መርዓ፡ ትምህርቲ፡ መረጋገጺ ሰነዳት ብዝብል ዝረኽቦ ዘይሕጋዊ፡ ዘይርትዓውን ሓውሲ ኮንትሮባንዳዊ ኣታዊ።

ካልእ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብሓፈሻ፡ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ማለት ኤውሮጳ፣ ካናዳ፣ ሰሜን ኣመሪካ፣ ኣውስትራሊያ፣ ማእከላይ ምብራቕ፣ ኣፍሪቃ ከኣ ብፍላይ፡ ዘርጊሕዎ ብዘሎ ናይ ገንዘብ ምምሕልላፍ (ሓዋላ) ካብ ኤርትራውያንን ካልኦት ወጻእተኛታትን ዝረኽቦ ዘይሕጋዊ ሸርፊ ወጻኢ’ዩ ።

ሓዋላ ሓደ ካብ’ቲ ንነዊሕ ዓመታት ብዘይ ምቁራጽ ቀዋሚ ምንጪ ኣታዊ ጸላኢ ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ ጉዳይ’ዩ። ብኤርትራውያን ዝግበር ይውሓድ ይብዛሕ ሓዋላ ምንጩ ካብ ኣመሪካ ይኹን ካብ ካናዳ፡ ካብ እንግሊዝ ይኹን ካብ ኣውስትራሊያ፡ ካብ ኤውሮጳ ይኹን ካብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ተቐበልቱ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ይሃልው ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ዱባይ ናብ ዝርከብ ማእከል ሓዋላ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት’ዩ ዝጥርነፍ። ብካልእ ኣዘራርባ ባንክ ወጻኢ ሸርፊ ናይ ጸላኢ ማእከሉ ዱባይ’ዩ። ናብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝግበር ሓዋላ ብዕዳጋታት ናይ’ተን ሃገራት ስለ ዝውሰን እቲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣብ ካዝና ጸላኢ ምእታው እንተዘይ ኮይኑ፡ ተሰሪቕና ተዘሚትና ኢልካ ተማርረሉ ኣይኮነን። ከም ቃሕታኻ ብሕጋዊ ባንክ ክለኣኸልካ ይኽእል ብዘይ ሕጋዊ (ጸሊም ዕዳጋ) ክለኣኸልካ ይኽእል ኩሉ ጸገም የብሉን።

ናብ ኤርትራ ዝለኣኽ ሓዋላ ግን፡ መንግስታዊ ዝምታ ብኣዋጅ’ዩ። ተመን ሸርፊ ወጻኢ $100 ዶላር ብ1500 ናቕፋ’ዩ ዝብል ፖለቲካዊ ውሳኔ‘ምበር፡ ብሰብ ሞያን ብሕጊ ቁጠባን ዝምራሕ ኣይኮነን። ብመሰረቱ ንኽብሪ ገንዘብ ዝውስን ደረጃ ቁጠባዊ ዕቤት እታ ሃገር’ዩ። ኢኮኖሚያዊ ንጥፈታት ኤርትራ ሎሚ ድማ ብተግባር የለን ማለት ይቐልል። ዜጋታት ተኣማሚኖም ካብን ናብን ክንቀሳቐሱ ብክንዲ ዝዓቕሞም ኣብ ሃገሮም ወፍሪ ክገብሩ ውሕስነት ዝህብ ሕጊ ንግድን ወፍርን የለን። ኮነ ኢልካ ዜጋታት ካብ ስራሕ ወጻኢ ዝገብር ፖሊሲ እናተኸተልካ 100 ዶላር ኣመሪካ ብ1500 ናቕፋ ክሽረፍ ኣለዎ ዝብል ትእዝዝ መንግስታዊ ዝምታ ብቐትሪ ‘ምበር ንህልው ደረጃ ቁጠባ ኤርትራ ኣየርእን።

ገለ ምሁራት ስነ ቁጠባ ብዝህብዎ ዘለው ሞያዊ ትንተና ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ 100 ዶላር ኣመሪካ ካብ 15000 ክሳብ 20000 (ካብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ክሳብ ዕስራ ሽሕ) ናቕፋ’ዩ ክሽረፍ ዝግባእ ነይሩ። 100 ዶላር ብ1500 ናቕፋ ኣሽርፉ ማለት ቅሉዕ ዝምታ’ዩ። እቲ ንስድራ ቤታት ብሓዋላ ዝለኣኽ ገንዘብ ካብ 80% ክሳብ 90% እቲ መንግስቲ’ዩ ዝጥቀመሉ። እቶም ለኣኽቲ ንስድራ ቤቶም ዘይኮነ ነቲ መንግስቲ’ዮም ዝግብሩ ዘለው። ቀዋሚ ምንጪ ኣታዊ ኮይነሞ ስለ ዘለው ድማ እንቋዕ ተሰደዱ በሃል’ዩ ይብሉ። እዚ ተንታን’ዚ ሞያዊ ተንታን’ዩ። ብስመ ሃገረ ኤርትራ ስለ ዝፍለጥ፡ ከም መንግስቲ ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊኡ ዘይሕጋዊ ሓዋላ ምግባሩ ገበን’ዩ ጥራሕ ዘይኮነ ንህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊ ውርደት’ዩ። ብዓመጽ 100 ዶላር ብ1500 ናቕፋ ክሽረፍ ትእዛዝ ምውራዱ እንታይ ከይተምጽኡ ኣበይ ከይትበጽሑ ዓይኑ ዘፍጠጠ ንዕቀት ህዝቢ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት የመልክት። ስለዚ ህልው ዘቤታዊ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ብወሳኒ መልክዑ ብዘይሕጋዊ ገበናዊ ኮትሮባንዳዊ ምንጪ ኣታዊ ደው ኢሉ ከም ዘሎ ክፍለጥ ይግባእ።

ነዚ ዘይሕጋዊ ገበናዊ ዝምታ ንምብታኽ እንታይ ይገበር?

እዚ ዘይሓጋዊ ስማዊ መንግስቲ ዝጥቀመሉ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ’ዚ ናይ ግድን ብመጽናዕትን ውሁድ ቃልስን ደለይቲ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ክቃላዕ፡ ብወግዒ ክኽሰሰን ክደርቕን ኣለዎ። ”ድሕነትን ክብረትን ሃገር ቅድሚ ኩሉ” ተጸመም፡ ሸጥ መዓንጣ፡ ጠምየ ጸሚአ ኤርትራዊ ባህሊ ኣይኮነን እናተባህለ፡ ኣብ ልዕሊ ብዝተፈላለዩ ኣስማት ዝተጠመቑ ዕጡቓት ክፍልታት ከምኡ’ውን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝካየድ ዘሎ ቅሉዕ ናይ ጉልበት፡ ፍልጠት፡ ህይወት ምዝመዛን ኩሉ ኤርትራዊ ብሓፈሻ፡ እቶም ብቐጥታ ሰብኣዊ ክብረቶም ናብ ነገራዊ ኣቕሓ ወሪዱ ምንጪ ኣታዊ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኮይኖም ዘለው ወገናት ከኣ ብፍላይ፡ ብንቕሓት፡ ብውሳኔን ጽንዓትን በቃ ክበሃል ይግባእ። ኣበይ መዓላኡ ዘይፍለጥ 2%፣ ብተለኣኣኽነት፡ ብሓወላን ካልእ ኮንትሮባንዳዊ ስራሓትን ዝረኸቦ ምንጪ ገንዘባዊ እቶት ንምቑራጽ፡ ጭቡጥ መርተዖ ብምሓዝ ሰፊሕን ዝተናበበን ዜናዊ ዲፕሎማስያውን ወፍሪ ምክያድ ይጽነሓለይ ዘይበሃሎ መድረኻዊ ዕማም ደለይቲ መሰረታዊ ለውጢ ክኸውን ኣለዎ።

ምኽንያቱ፡ ህዝቢ ከም ህዝቢ ንልዕሊ 30 ዓመት ብኸም’ዚ ዝበለ ዘይሕጋዊ ስማዊ መንግስትን ዘይሕጋዊ ምንጪ ገንዘባዊ ኣታውን ተመሪሕና ምምጻእና ከሕፍረና ይግባእ። እዚ ኣብ ኤርትራ ዝስራሕ ዘሎ፡ ኣይኮነን ብደረጃ ንሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ይመርሕ ኣለኹ ዝብል መንግስቲ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ክፍጸም ዘይብሉ ገበን’ዩ። ደለይቲ መሰረታዊ ለውጢ ነዚ ገበናዊ ተግባር’ዚ ተናቢብና እንተወፍርናሉ ትኹረት ማሕበረ-ሰብ ዓለም ከም ዝስሕብ ኣየጠራጥርን። ኣብ ዙርያ ብርጌድ ንሓመዱ ዓዂኾም ብተግባር ዝዋስኡ ዘለው ምዑታት ኤርትራውያን ኣብ ማይ ቤት ዘቤታዊ ጸላኢ ፈጢረሞ ዘለው ራዕድን ምንዋጽን ብተግባር ዝረአ ዘሎ’ዩ። ምዑታት ብርጌድ ንሓመዱ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ዓለምን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ኣብ ጭቡጥ ጸገም ኤርትራ ትኹረት ክገብሩ ከይደሞ ዘለው ርሕቀት ተናቢብካ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ምስራሕ ክሳብ ክዳይ ውጽኢታዊ ምዃኑ ትምህርቲ ዝህብ’ዩ።

በዚ ስማዊ መንግስቲ’ዚ ዝተገፍዐ ኤርትራዊ ዝጀመሮ ቃልሲ ዝያዳ ብምሕያል ብሓሳብ፡ ብሕግን ብተግባርን ሓራ ዝገብር መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ከምጽእ ኣለዎ። ኣዕኑድ ስማዊ መንግስቲ ካብ ዝንቕንቑ ኢሎም’ውን ካብ ዝግልብጡ ሓደ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ዝረኽቦ ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ምቑራጽ ምዃኑ ብምርዳእ፡ ስድራ ቤት ንምሕጋዝ ናብ ኤርትራ ዝለኣኽ ገንዘብ እንተሰ ብዓይነት ወይ ብኻእል ኣገባብ ኣብ ረብሓ ተሓገዝቲ ዝውዕለሉ ዝረቐቐ ብልሓት ክፍጠር ይግባእ። ሓዋላ ዘይምልኣኽ ሓደ ዝሓጸረ መንገዲ’ዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ኤርትራ ብዘሎ ሕሱም ድኽነት ሓግዙ ደኣምበር ኣይትሓግዙ ቅኑዕ ምኽሪ ኣይኸውንን። ብንቕሓት ክፍለጥ ዘለዎ ዝለኣኽ ገንዘብ ከብዲ ጥሙያትን ተጸበይትን ዘይኮነ ካዝና ጸላኢ ይመልእ ምህላው’ዩ። ስለዚ ከኣ ንዘይሕጋዊ ስርዓት ዝተሰከመ፡ ዘይሕጋዊ ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ይቃላዕ ይቋረጽ።

                                                 ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                                 29 ታሕሳስ 2023