ኣበይ ሃገር ኣሎ ብዘየገድስ፡ ህዝቢ ከም ህዝቢ ኲናት፣ ዓፈና፣ ድኽነት፣ ኣድልዎ፣ ኣነ ይፈልጠልካ ዝተበሃልካዮ ግበር ዝብል ውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ መግዛእቲ ይጸልእ። ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ልምዓት፡ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፡ ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ዝተጓደለሉ ወይ ጠቕሊሉ ኣብ ዝጠፍኣሉ ህዝቢ ከም ህዝቢ ይጉዳእ። ብንቡር ዘይኮነ ብዘይንቡር ምሕደራ ክነባበር ይግደድ። ስለዚ ከኣ ኩሉ ህዝቢ ከም ህዝቢ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ልምዓት፣ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ኣብ ጉዳዩን ጉዳይ ሃገሩን ወሳኒ ኣወንታዊ ተጽዕኖ ዘሕድረሉ ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ክህልዎ ይደሊ። ካብ’ዚ ዘይንቡር ግዱድ ምሕደራ ሓራ ወጺኡ ናብ ንቡር ክምለስ ይምነ።

ህዝቢ ከም ህዝቢ ስለ ዝተወጸዓ ጥራሕ ግን፡ ብሓደ መዓልቲ ሆይ ኢሉ ክለዓል ጸላእቱ ኣባሪሩ ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ክውንን ይኽእል’ዩ ማለት ኣይኮነን። ጠንቂ ጸገሙ ከለሊ፡ መፍትሒ ሓሳባት ክርዳእ፡ ውሽጣዊ ምትእምማን ክፈጥር፡ ናይ ተግባር ውጥን ስኢሎም፡ ክሳብ ናይ ህይወት መስዋእትነት ክኸፍሉ ዝወሰኑ፡ ፈታውን ጸላእን፡ መሰረታውን ዘይመሰረታውን ስትራተጂን ታክቲክን፡ ትርጉም ሕግን ሕጋዊ ልኡላውነት ብግቡእ ዝተረድኡ፡ ተቓሊሶም ዘቃልሱ ውፉያት መራሕቲ ክረክብ ኣለዎ።

 ንጹር ህዝባዊ ዕላማን  ውሁድ ሓባራዊ ስራሕን እንተሃልዩ፡ ህዝቢ ንጸረ-ሰላም፣ ጸረ-ደሞክራሲ፣ ጸረ-ልምዓት፣ ጸረ-ማሕበራዊ ፍትሒ ንዝኾነ ስርዓት ኣምየን ኢሉ ዘገልግለሉ፡ ኣይትንቀፉለይ ኣይትህረሙለይ ኢሉ ዝኸላኸለሉ ምኽንያት የለን። ሓርነት ኣይደልን ኢሉ ባርነት ኣይመርጽን። ድኹም ፖለቲካዊ መሪሕነት ‘ምበር ሕማቕ ህዝቢ የለን ከም ዝበሃል፡ ህዝቢ ሕድሕዱ ተናቢቡ ዓቕሚታቱ ኣላፊኑ ተኸባቢሩ ሓራ ንምውጻእ፡ ብውነ ብውሳኔ  ዝሰርሑ መራሕቲ እንተረኺቡ ምርጫኡን ደገፉን ብዘይ ጥርጥር ንሓቀኛ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ልምዓት ከም ዝኸውን ኣየከራኽርን። ኣብኡ ክበጽሕ ድማ ኣብ’ቲ ናይ ለውጢ ሓልታት እምነት ከሕድር ዝድርኽ ናይ ኣረኣእያን ተግባርን ንጥፈታት ክርኢ ኣለዎ። ብፍላይ ዕሙቕ ዝበለ ፖለቲካዊ ንቕሓት ዘይወነነ ህዝቢ ተጠራጣሪ’ዩ። ካብ ብርሑቕ ብክለሰ ሓሳብ ብዓይኑ ብዝሪኦ ስለ ዝኣምን እቲ ዝተወደበ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ንእምነቱ ንዕላማኡ ብተግባር ብምትርጓም ኣብ ባይታ ከርእዮ ኣለዎ።

ንኣብነት፡- ነባራት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡  ብምኽንያት ፖለቲካውን ሃይማኖታውን እምነቶም ዝተኣስሩ ዜጋታት ይፈትሑ፡  መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ይከበር፡ ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ፡ ዳውን ዳውን ኢሳያስ …ወዘተ ዝብሉ ጭርሖታት ሒዞም ልዕሊ 30 ዓመት ብዘይ ምስልካይ ክቃለሱ ጸኒሖም። እቲ ሓሳብ (ጭርሖ) ጌጋ የብሉን ቅኑዕ’ዩ። ካብ ህዝቢ ዝተኸወለ ድማ ኣይነበረን። ህዝቢ ይሰምዖ ነይሩ’ዩ። ብስነ-መጎት ሓይሊ ‘ምበር ብሓይሊ ሓሳብ ዝረዳዳእ ሓላፍነት ዝስመዖ ኣካል ስለ ዘይኮነ ግን፡ እቲ ጭርሖ ናብ ፍረ ኣይተቐየረን። ስለዚ ከኣ ህዝቢ፡ እቲ ቅኑዕ ጭርሖ ኣብ ተግባር ክትርጎም ስለ ዘይረኣየ ተጠራጢሩ። ኣብ ተቓለስቲ ሓይልታቱ እምነት ስኢኑ። ብውሽጡ ብምረት እናተቐንዘወ እናነብዐ፡ ነቲ ማሕበረ ሰብ ዓለም ዝፈልጦ ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ናይ ራዕዲ ኣገዛዝኣ ክሓብእ ከጸባብቕ ካብኡ ሓሊፉ ኸኣ ሃዲሙ ብምውጻእ ተቓውሞኡ ክገልጽ  ጸኒሑ።

ጠንቂ ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ሕሰም እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ጸላኢ’ዩ ዝብል ናይ ሓባር ጭርሖ ሒዙ፡ ንስለ ድሕነትን ቀጻልነት ህዝብን ዝሕተት መስዋእቲ ክኸፍል ድልዊ ምዃኑ ብተግባር ዝዛረብ ብርጌድ ንሓመዱ ምስ ተላዕለ ግን ተስፋ ገይሩ። ፍርሒ ተቐንጢጡ። ስቕታ ተሰቢሩ። ብውሑዳት ሰባት ዝተበገሰ ብርጌ ንሓመዱ ኣብ ኩሉ ኤርትራውያን ዝርከብዎ ክፍለ ዓለማት ማዕበላዊ ህዝባዊ ደገፍ ረኺቡ። ኣመትና ዘይገብራ ዝነበራ ሃገራትን ማዕከናት ዜናን ኣብ ጉዳይና ኣጀንዳ ሰሪዐን ክዛረባ ጀሚረን። ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ ብ19 መጋቢት 2024 ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ተዛትዩ ዘሕለፎ ውሳኔታት ከኣ፡  ውጽኢት ውሁድ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን ወፍሪ ደምበ ተቓውሞ ነበርቲ ሃገረ ኖርወይ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓቕምን ድልውነትን ናይ ለውጢ ሓይልታቱ ክተኣማመን ክሕበን ደገፉ ዝያዳ ከሐይል ዝገብር ዓወት’ዩ።

ሃገረ ኤርትራ ናይ’ቲ ግዳይ ዘቤታዊ ጸላኢ ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ‘ምበር፡  ናይ’ቲ ብድሌትን ሳንቡእን ሓደ ሰብ ዝምራሕ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ኣይኮነትን። ንፖለቲካዊ ቁጠባዊ ኮነ ወተሃደራዊ ለውጢ ዘድሊ ሰብኣውን ነገራውን ዓቕሚታት’ውን ኣብ’ቲ ግዙእ ህዝቢ ‘ምበር፡ ኣብ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኣይኮነን ዘሎ። ርግጽ’ዩ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ቁጠባዊ ትካላት  ጸጥታዊ መሓር ሒዙ ዘሎ ደምበ ጸላኢ ‘ምበር ደምበ ፈታዊ ኣይኮነን። ደምበ ጸላኢ ነዚ ወሳኒ ትካላት ክቆጻጸር ዝኸኣለ ግን፡ ናይ ሰላም ደሞክራሲ ልምዓት ሓይሊ ስለ ዝኾነ ኣይኮነን። ብዓመጽ ካብ ህዝቢ መንዚዑ ዝተቖጻጸሮ ትካላት’ዩ። ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ሃልዩ፡ ህዝባዊ ሃገራዊ ምርጫ ተኻይዱ ብህዝቢ ዝተወከለ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ረኺቡ ዝወነኖ ኣይኮነን። ህዝቢ ብደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ብሕጋዊ ኣሰራርሓ ብተግባር ተናቢቡ ዓቕሚታቱ ወዲኑ ዝሰርሕ፡ ዘስምዕን ዘድምዕን መሪሕ ውድብ ብዘይምርካቡ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ተጠቒሙ’ዩ ተቖጻጺርዎ። ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ተናቢብካ ተኸባቢርካን ናይ ሓባር ጸላኢ ብሓባር ንምህራም ዘኽእል ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ ውጥን ሒዝካ ዘይምቅላስ ዝጸንሐ ባዕላዊ ድኽመታት መልሲ እንተረኺቡ፡ እቲ ወኒንዎ ዘሎ ትካላት ነዊሕ ዘጽንሕ መሰረት ስለ ዘይብሉ ፈራሲ’ዩ።

ንልዕሊ 30 ዓመት መጻወቲ ሓደ ሰብ ክንከውን ዝገበረና ምኽንያት ናቱ ፍሉይ ፖለቲካዊ ብልሒ፡ ጸጥታውን ወተሃደራውን ዘይንቕነቕ ሓያልነት ኣይኮነን፡፡ ናትና ናይ’ቶም ብዙሓትን ግፉዓትን ዘይምንባብ፡ ዘይምትእምማን፡  መሰረታውን ዘይመሰረታውን ቀዳማይን ካልኣይን ፍልልያት ኣብ ምንጻርን ምምሕዳርን  ዝተፈጥረ ጉድለት’ዩ። ብካልእ ኣዘራርባ ብድኽመትና’ዩ ሓያል መሲሉ። ብመሰረቱ ፖለቲካዊ ሓያልነት ህዝባዊ ሰላም፣ ህዝባዊ ደሞክራሲ፣ ህዝባዊ ልምዓት፣ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፣ ዝነገሶ ጥጡሕ ምምሕደራዊ ባይታ ብምምድማድ’ዩ ዝረጋገጽ፡፡ ብህዝቢ ዝፍራሕ ዘይኮነ ብንቕሓት ብእምነት ተቐባልነት ዘለዎ ስርዓት ምስ ዝኸውን’ዩ። በዚ መንጽር ዘቤታዊ ገዛኢ ኤርትራ፡ ብሕጊ ብፖለቲካዊ ንቕሓትን እምነት ህዝብን ዘይኮነ ብጭካኔ ብራዕዲ’ዩ ዝገዝእ ዘሎ።

 ስለዚ እዚ ዘቤታዊ መግዛእታዊ ኣደራዕ ክስበር ክቕበር፡ ደምበ ተቓውሞ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ኣይሃልዎ ዘይኮነ፡ ፍልልያቱ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዘመሓድረሉ ደሞክራስያዊ ንቕሓት ይወንን።  ዕላማኡ ካብ ጣሕመሽመሽ ይድሓን ይነጸር። ሕጋዊ ትካላዊ ተሓታትነት የተኣታቱ። ባህሊ ስራሕ የማዕብል። ከምኡ እንተገይሩ ናይ ጥፍኣት ራእይ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ክጽልምት’ዩ። እቲ ድልዱል ዝመስል ማይ ቤቱ ሃደሽደሽ ክብል’ዩ። ብተወፋይነቱን ግብራዊ ስራሕን ዝዛረብ ብርጌድ ንሓመዱ ምንጪ ገንዘባዊ እቶት፡ ማእከል ስኽራንን ዕጥራንን ኣዳራሻት ጸላኢ ኣብ ምድራቕን ምፍራስን ዝጻወቶ ዘሎ ተራን ፈጢርዎ ዘሎ ራዕድን ኣብነት’ዩ።  ውሁድ ስራሕ ከም ዘስምዕ ዘድምዕ ኣብ ሃገረ ኖርወይ ዝተሓፍሰ ዓወት  ምስክር’ዩ።

ኣብ ሃገረ ኖርወይ ዝርከቡ ኣባላት ደምበ ተቓውሞ ዘረጋገጽዎ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን ዓወት ንኹልና ትምህርቲ ስንቂ ሓባሪ ኣንፈት ክኾነና ይግባእ። ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ ኣባላት ደምበ ተቓውሞ ናይ ኖርወይ ዜግነት ይሃልዎም ኣይሃልዎም፡ መሰረቶም እምነቶም ኤርትራውያን’ዮም። ብሕግን ብተግባርን ከኣ ስደተኛታት’ዮም።  ስደተኛ ኮይንካ ናይ’ቲ ዘጸገዓካ ሃገር ሓጋጊ ኣካል ( ሃገራዊ ባይቶ) ኣብ ጉዳይ’ቲ ገዲፍካዮ ዝመጻእካ ህዝብን ሃገርን ኣጀንዳ ሒዙ ክዛረብ፡ ንረብሓ ደምበ ተቓውሞ ዘገልግል ውሳኔ ከሕልፍ ምግባር፡ ኩሉ ዝኽእሎ ቀሊል ስራሕ ኣይኮነን። እቲ ስራሕ ከቢድ ዝተረኽበ ዓወት ግን ታሪኻዊ’ዩ። ‘ደምበ ተቓውሞ ነበርቲ ሃገረ ኖርወይ ኣብ ውሽጦም ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ስለ ዘይብሎም፡ እቲ ብዘቤታዊ ጸላእን ናይ ባህሪ መሓዙቱን ዘምበድብድዎ ዘለው ድሑር ማሕበራዊ ሕማማት ስለ ዘይሰምዕዎ ኣይኮኑን ብሓባር ወሲኖም ብሓባር ወፊሮም ነዚ ኣብነታዊ ሓባራዊ ዓወት ዝሓፈሱ።

ነቲ ኣብ መንጎ ሞትን ሕየትን ዝርከብ ህዝቢ ኣብ ምድሓን ቀዳምነት ስለ ዝሰርዑ፡ ንንኡስ ነገራት ሸለል ኢሎም ስምዒቶም ተቖጻጺሮም ንነገራት ብቐደም ሰዓብ መዲቦም ብህዝባዊ ሓላፍነት ክሰርሑ ብሓሳብን ተግባርን  ኣብ ሓደ ስለ ዝመጽኡ’ዮም ተዓዊቶም። እዚ ዝተናበበ ዕውት ወፍሪ’ዚ  ኣብ ኩሉ ኣካላት ደምበ ተቓውሞ ክተኣታቶ ክስረሓሉን ይግባእ። ኣነ ኸ እንታይ ክገብር ኣለኒ? ንሕና ኸ  እንታይ ክንገብር ኣለና? ዝብል ናይ ቃልሲ ሕራነ ክፈጥር ኣለዎ።

ነቲ ድምጽኻ ከተስምዕ ዘፍቅድ ሕግታት ምዕራባዊ ዓለም ብግቡእ ንጠቐመሉ፡፡ መዓጹ ናይ’ታ ጀጋኑና ኣሲራ ትርከብ ሃገረ ሆላንድ ብውህደት ብጥበብ ንዃሕኩሕ፡፡ ሃገራት ጀርመንን ስዊድንን  ካብ ዝምረሓሉ ሕግታትን ዝግለጻሉ ደሞክራስያዊ ባህሪያትን ውጽእ ዝበለ፡ ፓስፖርት ካብ ኤምባሲ ኤርትራ እንተ ዘየምጻእኩም ብዝብል ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፈጥራኦ ዘለዋ ዕንቅፋት፡ ብተዘዋዋሪ ንዘቤታዊ ጸላኢ ዝገብራሉ ዘለዋ ገንዘባውን ሰብኣውን ደገፍ ብመረዳእታ፡ ብዲፕሎማስያዊ ጥበብ ነምክን። ጸገም ኤርትራውያን ብግቡእ ክፈልጡን ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ምድግጋፎም ብዘይ ዝኾነ ተጽዕኖ ከርእዩን ብዕቱብ ተታሒዙ ክውፈረሉ ይግባእ። ውሳኔ ባይቶ ኖርወይ ኣብ ባይታ ክትርጎም ድማ  ኩሉና ብዘይ ምስልካይ ተናቢብና ክንሰርሕ ኣለና።

ንህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ብዘገምታ ክጠፍእ ብምሉእ ዓቕሙ ዝሰርሕ ዘሎ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጸላኢ’ዩ። ነዚ ደመኛ ጸላኢ ኩሉ መዳያዊ  ደገፍ ዝገብርሉ ዘለው ከኣ፡ እቶም ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ኣብ ደሞክራስያውያን ሃገራት ናይ ዕቑባ መሰል ረኺቦም ባርነት ብድሌት ተቐቢሎም ዘገልግሉ ዘለው ኣመለኽቲ’ዮም። ህዝቢ ኤርትራ ደረጃ ብደረጃ ተበታቲኑ ክጠፍእ፡ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ከኣ ክቕጽል ብምሉእ ዓቕሞም ዝረባረቡ ዘለው ሕልና ኣልቦ ወገናት ብሓፈሻ፡ ከይተሰከፉ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝነብሑ ዘለው ዩቱበራት፣ ብገንዘብ፡ ብጸጥታ፡  ብዝተዛበዐ ሓበሬታ፡ ምስሊ ምልኪ ከጸባብቑ ዝዓዩ ዘለው ስማውያን ማሕበረ ኮማት ከኣ ብፍላይ፡ ነቶም ንነብረሎም ዘለና መንግስታት ብመርተዖ ዝተደገፈ ሓበሬታ ብምምጋብ፡ ትርጉም ዘለዎ ዘየዳግም ስጉምቲ ክወስዱሎም፡ ኣብ ዘዘለናዮ ክንሰርሕ ኣለና።

ከምኡ ንገብረሉ ምኽንያት ጨካናት ስለ ዝኾና ኣይኮናን። እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ካብ ኣብራኽና ከም ዝተወልደ፡ እዞም ህዝቢ ይጥፋእ መንግስትና ይቐጽል እናበሉ ብባርነት ዘገልግሉ ዘለው ሰባት ማሕበራዊ መሰረቶም ኣካል ኣምሳልና ምዃኖም ብምዝንጋዕ ኣይኮነን። ንሶምን ንጉስ ባርነት መራሒኦምን ንዓና ከም ህዝቢ ከፋፊሎም ኣድክዮም ኣምበርኪኾም ኣገልገልቶም ክንከውን ወይ ተበታቲና ክንጠፍእ ይሰርሑ ስለ ዘለው፡ ክነብር ኢልና ንህልውናና ክንብል ተገዲድና ክንወስዶ ዘለና ዘይስገር ስጉምቲ ምዃኑ ምእማንን ምትግባርን የድሊ። ከም ህዝቢ ንህልውናን ንቀጻልነትናን ክንብል ዘቤታዊ ጸላኢ ምስ ኩሉ ጸረ-ህዝቢ መሓራቱ ክውገድ ብግዜ የለን መንፈስ ንረባረብ። ነቶም ኣብ ደሞክራስያውያን ሃገራት ዕቑባ ሓቲቶም ዘገልግልዎ ዘለው ኣምለኽቲ፡ ዝብልዎ ዝገብርዎ  ምስ ሰዓቱን ዕለቱን ብምስናድ፡ ዝርዝር ኣስማቶም ብምቕራብ ናብ’ቲ ናትና ዝብልዎ ኣካል ክጥረዙ ናይ ምግባር ዕማም ብዝተወደበ ኣገባብ ክንዋሳእ ኣለና። እዚ ነቲ ኤርትራውያን ኣይኮንኩምን ብህይወት ክትነብሩ’ውን ኣይንፈቅድን ኢሎም ብወግዕን ብዝተወደበ ኣገባብን ዘካይድዎ ዘለው ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክንህቦ ዘለና ምርጫ ዘይብሉ ግብረ መልሲ’ዩ።

                                                          

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)

                                                                  22 መጋቢት 2024