ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ብስነ-ፍልጠታዊ መምዘኒታት ከም ሰብ ብህይወት ንኽነብር ዝውስኑ መሰረታዊ ነገራት ብፖለቲካዊ ውሳኔ ዝሰኣነ ህዝቢ’ዩ። ንኣብነት ውሕስነት መግቢ የብሉን። መጽለሊ ወይ ገዛ የብሉን። ጥዕናዊ ኣገልግሎት ኣይርከብን። ጽሬቱ ዝሓለወ ማይ የብሉን። መብራህቲ የብሉን። መጎዓዝያ ዳርጋ የብሉን። ካብ ማያዊ ባሕርን ወደባትን ክረኽቦ ዝነበሮ ረብሓ ይረክብ የለን። እዚኦም ኩሎም ክህልው ዝነበሮም ብቐሊል ድማ ክርከቡ ዝኽእሉ ክንሶም፡ ቀጻልነት ስልጣን ሓደ ሰብ ንምርግጋጽ ብዘይ እውጅ ግን ከኣ ብመደብ ብፖለቲካዊ ውሳኔ ከይህልው ዝተኸልከሉ’ዮም። ዝያዳ ብሩህ ንምግባር ሓደ ብሓደ ንርኣዮም፡-

ውሕስነት መግቢ ብዝምልከት፡- መሬት ኤርትራ በብዓይነቱ ኣዝርእቲ፣ ኣሕምልቲ፣ ፍሬታት፣ እንስሳ ዘቤትን ከተፍርየሉ ትኽእል ብልግሲ ተፈጥሮ ዝተዓደለ’ዩ። ካብ ቅርዓቱ ከባቢኡን ሃገሩን ክርሕቕ ዘይደሊ፡ ብሃፈ ጻምኡ ዝነብር ብጻዕራምነቱ ዝፍለጥ ኣብነታዊ ህዝቢ ዝነብረሉ ድማ’ዩ። እንተኾነ ግን እነሆ ድሕሪ ነጻነት 32 ዓመት ኣቑጺሩ ክንሱ፡ ዛጊት መሰረታዊ ሕቶ ውሕስነት መግቢ ኣይመለሰን። ብጉልበቱን ፍልጠቱን ሃብቲ ከጥርን ክውንን ተፈጥሮኣዊ መሰሉ እናሃለወ፡ ጉልበት ሰብን መሬትን ከይራኸቡ ተኸልኪሉ፡፡ ኣእምሮ ዜጋታት ካብ ናይ ልምዓትን ዕቤትን ርሒቑ ብወተሃደርን ወተሃደራዊ ተጽዕኖን ተዘሪዑ፡፡ ስቡሕ መሬት ብስእነት ጉልበትን ፍልጠትን ሰብ፡ ጾሙ ክሓድር ክቓድር ብፖለቲካዊ ውሳኔ ገደብ ስለ ዝተገብረሉ፡ ኣብ ለጋስ መሬት ወትሩ ብስእነት መግቢ ዝሳቐ ህዝቢ ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 32 ዓመት ካብ ዓይነታት መግቢ ኣማሪጽካ ምብላዕ ዝበሃል ከም ሓሳብ’ውን እናጎደለ’ዩ መጺኡ፡፡ መጀመሪያ ክተማርጽ ዘኽእል ቀረብ ፍርያት የለን። ካልኣይ ሳሕቲ እንተተረኽበ’ውን ብኽብሪ ዋጋ ኣብዘሓ ህዝቢ ዝረኽቦ ኣይኮነን። ሎሚ ኩሉ ህዝቢ ብቐረባን ርትዓዊ ዋጋን ክረኽቦ ዝነበሮ ዓይነታት እኽሊ፡ ፍሬታት፡ ውጽኢት እንስሳን ብተግባር ደርቢ ፈልዩ ይርከብ። ገዛኢ ጉጅለ ናይ ቀረባ መሻርኽቱ ዝኾኑ ውሑዳት ነጋዶ፡ ናይ ጸጥታን ፖለቲካን እሙናት መጋበሪያታቱን ዝገዝእዎ፡ ካብ ኣብዘሓ ህዝቢ ግን ከም ሰማይን መሬትን ተፈላሊዩ፡ ናብ ከም’ዚ ነበረ ዛንታን ተዘክሮን ዝተቐየረ’ዩ።

ንነዊሕ ዓመታት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ2018 ምስ ተኸፍተ፡ ካብ’ታ ዝተሓተት ባኒ (ሕብስቲ) ጀሚርካ ኩሉ ዓይነት ኣእካል፣ ፍሬታት፣ ልስሉስን ኣልኮላውን መስተ፣ ሽሮ በርበረ፣ መሳርሒ ህንጻ ... ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ክጓረት ተራእዩ። ከም መቐጸልታኡ ድማ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ወቕቲ፡ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ምስ ዝነብሩ ደቆምን ቤተሰቦምን ክራኸቡን ክሕከሙን ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝመጽኡ፡ ብስእነት መግቢ ከም ዝተጠቕዑ ገጾም ዝምስክረሎም ብኣካልን ብሞራልን ዝተጎድኡ ወለዲ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣስመራ ብነፋሪት፡ ካብ ኣዲስ ኣበባን ዓዲ ኣምሓራን ብጎንደር ኦም-ሓጀር ተሰነየ፡ ብቐጥታ ንቐለብን ንግድን ብዓበይቲ ሳናጡ ዝወስድዎ ዘለው ሃለኽቲ ነገራት ማለት፡ ሽሮ፣ በርበረ፣ ቆሎ፣ ባህላዊ ኣልባሳት፣ ልስሉስን ኣልኮላውን መስተን ደረጃ ቁጠባዊ ውድቀት ኤርትራን ይሕብር። ተፈጢሩ ዘሎ ዓሚቕ ድኽነት ብብሩህ ዝምስክር’ዩ። እዚ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ብወግዕን ብኮንትሮ-ባንዳን ዝጓረት ዘሎ ሃለኽቲ ነገራት፡ ኣብ መሬት ኤርትራ ብኤርትራውያን ሓረስቶትን ኣውፈርትን ክፈሪ ኣይኽእልን ድዩ? ኢልካ ምስ እትሓትት ትረኽቦ መልሲ ይከኣልን ፈረቓን። ንዕዳጋታት ኤርትራ መሊኡ ንሰደድ ዝኸውን ምህርቲ ክሕፈስ ይከኣል’ዩ ዝብል’ዩ። ስለምንታይ ደኣሞ ከምኡ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ኣድኪኻን ኣርዒድካን ስልጣን ሓደ ሰብ ንምጽናዕ ዝተገብረ ፖለቲካዊ ውሳኔ’ዩ ዝብል’ዩ።

መንበሪ ኣባይቲ ብዝምልከት፡- ገዛ ንወዲ-ሰብ ካብ ዘድልዩ መሰረታዊ ነገራት ሓደ’ዩ። ኤርትራውያን ነዚ ሓቂ’ዚ ይፈልጥዎን ይኣምንሉን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ገዛ ክውንኑ ይጽዕሩ’ዮም። ክሳብ ምድረ ባዳን ባሕርን ሰጊሮም ርሑቕ ተሰዲዶም፡ ናብ’ታ መሰረት ህይወቶም ዝኾነት ዓዲ ተመሊሶም ኣብ ግዜ እርጋኖም እፎይ ኢሎም ዘዕርፍሉ፡ ንደቆምን ደቂ ደቆም ከኣ ከም ሓድግን ውርሻን ክኾኖም ብማለት ገዛ ክሰርሑ ዓቕሚ ዝፈቕዶ ኩሉ ይገብሩ’ዮም። እንተኾነ ሃገራዊ ግቡእ ዘይፈጸምካ፡ ብንጹር ንምቕማጥ ኣነ ዘውጻእክዎ መደባት ስለ ዘይተግበርካ፡ ተሰዲድካ ካብ ዝረኽብካዮ እቶት 2% ስለ ዘይከፈልካ፡ ተቓዋሚ ስለ ዝኾንካ ብዝብልን ካልእ ዓይኒ መርፍኡ ዝጠፍኦ ዓመጻዊ ስጉምትን ገዛ ክሰርሑ ኣይፍቀደሎምን። ቀዲሙ ዝተሰርሐ ገዛ ምሕዳስ ‘ውን ተኸልኪሉ ይርከብ። ሎሚ ካብ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝበዝሐ ገዛ ዘስርሕ ቁጠባዊ ዓቕሚ ከይፈጥር ስለ ዝተኸልከለ፡ ኣብ ዝኣረገ ሃዳሙን ኣጓዱን ምስ ኣናጹ ትዃንን ቁንጭን’ዩ ዝነብር ዘሎ። እቲ ክሰርሕ ዘኽእል ተነጻጻሪ ዓቕሚ ኣለዎ ዝበሃል ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝነብር ከኣ፡ በቲ ልዕል ክብል ዝተገልጸ ናይ ድኽነትን ራዕድን ፖለቲካዊ ውሳኔ ገዛ ከይሰርሕ ተኣጊዱ ይርከብ።

ኣብ’ዚ ወቕቲ’ዚ መንበሪ ኣባይቲ ዝሰርሑ እንተደሃልዮም ኣዝዮም ውሑዳት ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ገለ ካብዚኦም ብነጻ ጉልበት (ባርነት) ስማውያን ወተሃደራት፣ ብግቦ፡ ካብ ውሽጢ ዓድን ካብ ጎረቤት ህዝቢ ዝተዘምተን፣ ብስም ሃገረ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበራትን መንግስታትን ብገንዘብን ብዓይነትን ካብ ዝተለገሰ እቶት ብስርቂ ዝተሰርሐ’ዩ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 32 ዓመት ፋሕ ኢለን ዝነብራ ዘለዋ ዓድታት ኤርትራ ብሰናይ ፍቓድ ነበርቲ እናጠርነፍካ፡ ነብስ ወከፍ ሰብ ብናይ ገዛእ ርእሱ ዓቕሚ ድዩ ብናይ ባንክ ልቓሕ መንበሪ ገዛ ወኒኑ ኣንጻራዊ እፎይታ ክረክብ ይግባእ ነይሩ። ብተግባር ግን ኣይኮነን ኣብ ገጠራት፡ ኣብ’ተን ኣቐዲመን ዝተጣየሳ ከተማታት ዝሰርሑ ዜጋታት ስለምንታይ ሰሪሕኩም ተባሂሎም ክሰራጠዩ፡ ኣባይቶም ክፈርስን ‘ምበር ዘተባብዕ ደገፍ ክረክቡ ኣይተራእየን ኣይተሰምዐን።

ኣገልግሎት ጥዕና ብዝምልከት፡- ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዚ ንርከበሉ ስልጡን ዘመን፡ ኣይኮነን ኣብ ዓዱ፡ ወረዳኡን ኣውራጃኡን ካብ ርሑቕ ተጓዒዙ ኣብታ ዝሓሸ ትሕተ ቅርጻዊ ዕድላት ኣለዋ ትበሃል፡ መነሃሪያ መንግስታዊ ቢሮክራስን ንግዳዊ ንጥፈታትን ዝኾነት ርእሰ ከተማና ኣስመራ ከይዱ’ውን ትርጉም ዘለዎ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይርከብ የለን። ናይ’ዚ መረጋገጺ ቅድም ክብል ናብ ሃገረ ሱዳን ድሕሪ 2018 ከኣ ናብ ኢትዮጵያ ከከም ገንዘባዊ ዓቕሙ ገለ ብምድሪ ብመኪና፡ ገለ ከኣ ብነፋሪት ተጓዒዙ፡ ብዙሕ ገንዘባዊ ወጻኢታት ከፊሉ ይሕከም ምህላው’ዩ። ብዓቕሚ ኤርትራውያን ሞያተኛታት ብቐሊል ክፍወስ ዝኽእል ሕማማት ሕጽረት ቀረብ ናይውቲ ሕክምናን መድሓኒትን ብዝብል ምስምስ ብዙሓት ወገናት ይቕዘፉ ኣለው።  

እቶም ኣብ ደገ ቤተሰብ ኣለዎም ዝበሃሉ ከኣ፡ ካብን ናብን ናብ ሱዳን ድዩ ኢትዮጵያን ክኸዱን ክምለሱን ምንጪ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ናይ’ቲ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ብምዃን ይምዝመዙን ኣብ ድኽነት ይኣትው ኣለውን። እዚ ጸገም’ዚ ብቐጥታ ምስ ሕጽረት ሞያዊ ዓቕምን ስነ-ምግባርን ኤርትራውያን ሓካይም ዝተኣሳሰር ኣይኮነን። ኤርትራውያን ሓካይም ንህዝቢ ብቕንዕና ምሒሎም ዝኣተውዎ ኣገልግሎት ክህቡ ድልዋት’ዮም። ናይ ስራሕ ነጻነትን ንኣግልግሎቶም ዝምጥን ክፍሊት ስለ ዘይረኽቡን ግን፡ ገዛእ ርእሶም ከም’ቲ ህዝቢ ኣብ ሽግር’ዮም ዘለው። 32 ዓመት ብዙሕ ክስራሓሉ ዝኽእል ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ’ዩ። ዝነበረ ዘፍርስ ስማዊ መንግስቲ ልዕልነት ስለ ዝሓዘ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተጸበዮ ሓደጋ ወዲቕዎ ኣሎ። ኣብ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ’ኳ ዘይተራእየ ሓሚሙ ክፍወስ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን እናበለ ይከላበት ጸኒሑን ኣሎ።

ስእነት ቀረብ ማይ ብዝምልከት፡- ንህይወታውያን ፍጥረታት ዝሰማምዕ ክሌማን ክልተ ክራማትን ዘለዋ ኤርትራ፡ ልኡላዊት ሃገር ካብ እትኸውን ናብ ማእከላይ ዕድመ ናይ ሰብ ኣብ ትጽገዓሉ ዘላ ወቕቲ፡ ህዝቢ ብስእነት ማይ ይሳቐ ኣሎ ክበሃል የስደምም። ማይ ዘይከምቲ ካልእ ኣብ ህይወት ደቂ-ሰባት ቀጥታዊ ተጽዕኖ’ዩ ዝፈጥር። ስለዚ ከኣ ኣብ ገጠራት ዝነብር ህዝቢ መዓልታዊ ናይ ክልተ ሰለስተ ሰዓታት ብእግሪ እናተጓዕዘ፡ ጽሬቱ ብዘየገድስ ምስ እንስሳ ዘቤት እናተቐዳደመ ብጉልበት ኣዴታትን ኣድገ በቕልን ክመላለስ፡ ኣብ ከተማታት ድማ ካልእ ስራሓት ተወንዚፉ ለይትን ቀትርን መስርዕ ሒዙ ክጽበ፡ ተመጣጣኒ ዘይኮነ ክፍሊት ክኸፍል፡ ግዳይ መሓውር ፋሽሽታዊ ጉጅለ ዝኾኑ ነጋዶ ማይ ብምዃን መሪር ህይወት የሕልፍ ኣሎ።

ማይ የለን ማለት ኩሉ ነገር የለን ማለት’ዩ። ብዘይ ማይ ህይወት የለን። ብዘይ ማይ መግቢ ኣይስራሕን። ብዘይ ማይ ጽሬት ነብሲ፡ ክዳን ኮነ ኣቑሕ ኣይሕሰብን። ብዘይ ማይ ኣብያተ ዕዮን ወሃብቲ ኣገልግሎትን ዝኾና ትካላት ስራሓን ከሳልጣ ኣይኽእላን። ቀረብ ማይ ዘይብሉ ከተማታት ንበጻሕቲ ኣይስሕብን። በጻሕቲ እንተዘይሃልዮም ከኣ ሆቴላት ክሰርሓን ከትርፋን ኣይክእላን። ቅድሚ 1991 ካብ ከተማታት ኢትዮጵያ ብጽሬታ፣ ምዑዝ ኣየራን ምቕሉል ኣቀባብላ ነበርታን ተመራጺትን ሰሓቢት ዝነበረት ከተማ ኣስመራ ሎሚ፡ ኣጋይሽ መግቢ ክበልዑን ድሕሪ ምብላዖምን ኢዶም ብቑጠባን ብኩባያን ክሕጸቡ፣ ጽሬት ዘይብሉ ኣንሶላን ኮቦርታን ክኽደኑ፣ ዓይነ ምድርን ባኞን ብስእነት ማይ ኣይኮነን ክትጥቀመሉ ብርሑቕ፡ ድሕር በል ኣይትቕረበኒ ዝብል ሽታ’ዩ ዝቕበለካ ዝብል እንክትሰምዕ ከም ሰብን ከም ዜጋን ትሓስብ’ሞ ትግረም። ትሓፍር። ንቃልስን ለውጥን ድማ ትሕርን።

ብሃገር ደረጃ ብፍላይ ከኣ ኣብ ርእሰ ከተማ ሃገር ኮነ ኢሉ ሽግር ማይ ክህሉ ዝሰርሕ መንግስቲ፡ መንግስቲ ከምዘይኮነ ባዕሉ ምስክር’ዩ። እዚ ናይ ዓቕሚ ምንኣስ፡ ሕጸረት ባጀት፡ ቴክኖሎጂን ሞያተኛታትን ዝፈጠሮ ኣይኮነን። እቲ ስማዊ መንግስቲ፡ ህዝቢ ክጽገም ክደኪ ብመደብ ይሰርሕ ከም ዘሎ መረጋገጺ’ዩ። ምኽንያቱ’ሲ ኣብ ኤርትራ ንሰፊሕ መስኖኣዊ ሕርሻ ዝውዕል ማይ ንምርካብ ከጸግም ይኽእል፡ ንዝስተ፡ መብሰሊ መግብን ጽሬትን ዝኸውን ማይ የለን ክበሃል ግን ፍጹም ደረቱ ዝሓለፈ ፖለቲካዊ ዕብዳን’ዩ። ሃላሊ ባህሪ ዝወለዶ ጨካን ተግባር’ዩ። ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ተራን ሓላፍነትን መንግስታዊ ስልጣን ብግቡእ ዘይርዳእ፡ ከም እንስሳ ብደመ ነፍስ ዝምራሕ ፖለቲካዊ ማዕበያ ዝበደሎ ናይ በጋሚዶ እኽብካብ’ዩ እንተተባህለ ሓቂ ‘ምበር ጸርፊ ኣየስምዕን። ካብ’ቲ ዘገርም፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ንግዲ ማይ ተዋፊሩ ዘሎ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን እዚ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት’ዩ። ለይትን ቀትርን ተጸቢኻ ብዝተጋነነ ዋጋ ማይ ክትረክብ ሌላን ጉሌላን ኣለዎ። ፈታውን ጸላእን ኣለዎ። ኣቐዲምካ ብላዕል ምኽፋል ኣለዎ ...እንክትሰምዕ ብሓቂ ስልጣን ሓደ ሰብ ንምሕላው ክሳብ ጎሮሮ ህዝቢ ምዕጻው ዝበጽሕ ፋሽሽታዊ ፖለቲካዊ ውሳኔ ከም ዘሎ ይበርሃልካ።

ሓይሊ ኤሌትሪክ (ጸዓት) ብዝምልከት፡- ኣድላይነት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ምዕባለ ሃገር ብሓፈሻ፡ ዕለታዊ ማሕበራዊ ህይወት ደቂ-ሰባት ከኣ ብፍላይ ዘለዎ ግደ ዘተሓትት ኣይኮነን። ብፍላይ ከኣ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ስልጡን ዘመን ኣድላይነቱ ካብ’ቶም ናይ ቀዳምነት ቀዳምነታት ዝወሃቦም ቀረባት ሓደ’ዩ እንተተ ባህለ ምግናን ኣይኮነን። ትርጉም መንግስታዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ብልክዑ ዝርደኦም፡ ተሓታትነት ድማ ዘለዎም ደሞክራስያውያን መንግስታት፡ ማሕበራዊ ጾር ህዝቦም ንምቅላል ዘኽእል ንጹር ፖሊሲ ቀሪጾም፡ ስሩዕ ባጀትን ሞያተኛታት መዲቦም፡ ኣብ ኣጠቓቕማኡ ዝቐለለ ንጥዕና ዘይጎድእ፡ ምንጪ ሓይሊ ጸዓት ብዘይ ምቁራጽ ንምቕራብ ዝረባረብሉ ዘለው ዘመን’ዩ ሎሚ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ፡ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣንፈተ ምዕባለ ካብ ዘተኣታተው ህዝብታት ኣብ ቀዳማይ ቦታ ዝስራዕ’ዩ ተባሂሉ’ዩ ዝግለጽ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዘረጋግጾ ግን ብኣንጻሩ’ዩ። ቅድሚ 1991 ይረኽቦ ካብ ዝነበረ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብዝተዓጻጸፈን ዝቐልጠፈን ክረክብ እናተገበአ፡ ብፖለቲካዊ ውሳኔ ዝነበሮ ስኢኑ ኣብ ከም’ዚ ክወድቕ ምርኣይ መግለጺ ዘይንቡር ምሕደራ’ዩ። እዚ ስጊንጢር ምሕደራ’ዚ፡ ጾር ኣዴታት ኣብ ክንዲ ዝቐልል መሊሱ ክኸብድ፡ ናይ ትምህርትን ዕረፍትን ግዜ ከይረኽባ ንጥዕናዊ ጉድኣት ክሳጠሓን ዝገብር ጸረ-ህዝቢ ኣተሓሳስባ’ዩ፡፡ ሓይሊ ጸዓት ካብ ዕንጸይትን ፈሓምን ንምርካብ ብዝብል ባህሪያዊ ኣግራብና ተቖጥቊጡ መሬትና ናብ ምድረ ባዳነት ይቕየር ብምህላው ቀጻሊ ኣንፋቱ ዘሰክፍ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ።

ካብ ናይ ዕንጸይትን ፈሓምን ዝርከብ ልሙድን ኣድካምን ጸዓት ንምውጻእ ኣማራጺታት ኣይተሳእነን። ካብ ማይ ዝምንጩ ኤሌክትሪካዊ ጸዓት ንምርከብ እንተኸበደ፡ ንጠለብ ህዝቢ ኤርትራ መሊሱ ዝተርፍ ካብ ረስኒ መሬት፡ ንፋስን ጸሓይን ብቐሊሉ ክርከብ ከም ዝከኣል ኣየካትዕን። ኤርትራ ብባህሪያዊ ጸጋታት ዝተዓደለት ሃገር’ያ ከበሃል እንከሎ፡ ንህይወታውያን ፍጡራት ዝሰማማዕ ምዑዝ ክሌማ፣ ዝተፈላለዩ ክቡራት መዓድናት፣ ባሕርን ወደባትን ስለዘለዋን ኣብ ስትራተጂካዊ ዓለማዊ ንግዳዊ መስመር ስለትርከብን ጥራሕ ኣይኮነን። እንኮላይ እኹል ሓይሊ ጸዓት ንምርካብ ዘኽእል ዘተኣማምን ናይ ሃፋ መሬት ንፋስን ጸሓይን ሃብቲ ስለ ዘለዋ’ምበር።

ሓይሊ ጸዓት ግን ልክዕ ከም’ቲ ካልእ ትሕተ ቅርጻዊ መደባት ልምዓት፡ ረብሓ ህዝቡ ዘቐድም ባህሪ ዘለዎ መንግስቲ፡ ብሞያዊ መጽናዕቲ ዝተደገፈ ዝሰርሕን ዘስርሕን ፖሊሲ፡ ባጀትን ፖለቲካዊ ውሳኔን የድልዮ። እዚ መሰረታዊ ነጥብታት’ዚ ኣብ ዘይተመለሰሉ ቀጻልነት ዘለዎ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌትሪክ ክትረክብ ምጽባይ የዋህነት’ዩ፡፡ ብትንዕታ ግዳማውያን ሓይልታትን ምኽባር ልኡላውነት ሃገርን ምስምስ ምፍጣር ምኽንያታዊ ኣይኮነን። ብቃል ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብድጋፍ ማዕከን ልምዓት ኩዌት ኣብ ሕርጊጎ ዝርከብ 120 ሜጋ ዋት ሓይሊ ጸዓት ዘመንጩ፡ ብናፍታ ዝሰርሕ ጀኔረተር ብስእነት ጽገናን መለዋወጢ ኣቑሑትን ደረጃኡ ናብ 70 ሜጋ ዋት ከም ዝወረደ፡ ስለዚ ከኣ ኣብ ኤርትራ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣሎ ክበሃል ከም ዘይከኣል፡ ብዘይ እኹሉ ኤሌክትሪካዊ ጸዓት ድማ፡ ዝኾነ ትሕተ ቅርጻዊ ስራሓት ከተሳልጥ ከም ዘይትኽእል፡ ከይሓፈረ ብናይ ዓሻ ድፍረት ደጋጊሙ ኣረጋጊጽሉና’ዩ። እዚ ስለምንታይ ኮይኑ ንዝብል ከኣ፡ ዘይከኣል ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ ስለዘይተደልየ ክህሉ ኣይከኣለን።

መጎዓዝያ ብዝምልከት፡- ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘሳቕዩን ብዙሕ ዋጋ ዘኽፍሉን ዘለው ሓደ፡ ንመጎዓዝያ ኣየርን ባሕርን ከይሓወስና፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ካብን ናብን ንምንቅስቓስ ጸገም ኮይኑ ዘሎ መጎዓዝያ ምድሪ’ዩ። ህዝቢ ብምኽንያት ሓጎስን ሓዘንን ቤተ ሰብ ምስ ቤተሰብ ንምርኻብ ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ፡ ክሳብ ክንደይ ማሕበራዊ ተጽዕኖ ፈጢሩ ኣሎ ከኣ ዕለታዊ ህይወት ህዝቢ ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ። ነቲ ብመደብ ዝሰርሓሉ ዘሎ ጨካን ፖለቲካዊ ውሳኔ ብግቡእ ዘይተረደአ ኣብ ህዝቢ ብሰፊሕ ዝዝረብ፡ ዋሕዲ ኣውቶቡሳት፣ ሕጽረት ነዳዲ፣ መለዋወጢ ኣቑሕት፣ ዝተጋነነ ክፍሊት፣ ዘይጥጡሕ ጽርጊያ፣ ብዝሒ ናይ ተፍትሽ ኬላታት፣ ስነ-ስርዓት ዘይብሎም ብብላዕል ወገንን ዝሰርሑ ሓለፍቲ ናይ’ቲ ክፍልን ...ወዘተ ገለ ካብ’ቶም ጸገማት ተባሂሎም’ዮም ዝግለጹ።

ብርግጽ እዞም ብህዝቢ ብምረት ዝለዓሉ ዘለው ነጥብታት ኣብ ባይታ ዘለው ሓቅታት’ዮም። እዚኦም ግን ሳዕቤን ‘ምበር ጠንቂ ኣይኮኑን። ህዝቢ ጠንቂ ከይተረደኣ ኣብ ሳዕቤን ክዛረብ ከማርር ዝገብር ዘሎ ከኣ እቲ ልሙድ ባዶ ሰለስተ (03)’ዩ። ነዚ ጸገም’ዚ ዝፈጠረ ፖለቲካዊ ውሳኔ’ዩ። እዚ ጸረ-ህዝቢ ፖለቲካዊ ውሳኔ በዚ ኣቢሉ ከዐውቶ ዝደልዮ ሸቶ ከኣ፡ ህዝቢ ብማሕለኻ ድኽነት ተኣሲሩ ምሉእ ቀልቡ ናብ ዕለታዊ ማሕበራዊ ህይወት ጥራሕ ከምዘተኩር ንምግባር’ዩ።

ንኣብነት ነቲ ዋሕዲ ኣውቶቡሳት ተባሂሉ ኣብ ህዝቢ ዝዝርብ ንርአ፡ ኣብ ኤርትራ ብውልቀ ዜጋታት ዝውነና ብዙሓት ኣውቶቡሳት ኣለዋ። ወነንተን እንተስ ኣጠራቒሞም እንተስ ካብ ውልቀ ሰባትን ባንክን ተለቂሖም ገዛእ ርእሶም እናተጠቕሙ ህዝቦም ከገልግሉ’ዮም ገዚኦመን። ክሰርሓን ትርፊ ከምጸኣን ‘ምበር፡ ኣብ ፈቖዶ ገራጃት ደው ኢለን ክምርታን ንሓለዋን ካልእ ዘይተደላዪ ወጻኢታት ክቃልዑን መሊሶም ክደኽዮን ኣይነበረን። ግን ከይሰርሑ ብውሳኔ ስለ ዝተኸልከሉ ይሰርሑ የለውን። ሕጽረት ነዳድን መለዋወጢ ኣቑሕቱን ዝብል ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን። ኣካል ናይ’ቲ ናይ ብሕቲ ኣውቶቡሳት ክሰርሓ የብለንን። ወነንተን ሃብቲ ከዋህልሉ የብሎምን። እቲ ዓውዲ ብናይ መንግስቲ ኣውቶቡሳት ጥራሕ ክበሓት ኣለዎ ዝብል ጸረ-ህዝቢ ፖለቲካዊ ውሳኔ’ዩ። ምኽንያቱ ሕጽረት ነዳድን መለዋወጢ ኣቑሕትን ንሓጺር ግዜ ከም ተርእዮ ከጋጥም ይኽእል፡ ደረት ግዜ ዘይብሉ ንዓመታት ሽግር ኮይኑ ክቕጽል ግን፡ ዘይድሌት ‘ምበር ሕጽረት ኣየመልክትን። ዝሕተተሉ ከኣ እቲ መንግስትየ ዝብል ዘሎ ኣካል ‘ዩ።

ዝተጋነን ክፍሊት፡ ብዝሒ ተፍትሽ፡ ብብላዕልን ወገንን ዝሰርሑ ሓለፍቲ ዝቐርብ መረረ ከም መረረ ሓቂ’ዩ። ከምኡ ዝኾነሉ ምኽንያት ግን ናይ ውልቀ ሓለፍቲ ድኽመት፡ ዘይቅንዕናን ...ወዘተ ተባሂሉ ጥራሕ ዝግለጽ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ውሳኔ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት’ዩ። ደረጃኡ ዝሓለወ ስሉጥ ጽርጊያ ክህሉ ስለ ዘይተደልየ የለን። እዚ እንኮ-ሰባዊ ስማዊ ስርዓት ኣብ ርኻብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ካብ ዝድይብ እንሆ 32 ዓመት ኣቑጺሩ። ኣብ’ዚ ቦታ’ዚ ወይ ካብን ናብን ዝወስድ ደረጃኡ ዝሓለወ ጽርጊያ ሰሪሑ ንህዝቢ እፎይታ ኣምጺኡ ዝበሃል ኣሎ ድዩ? ኣይመስለንን። ኣሎባ ዝብል እንተሎ ብጭብጢ ዝተደገፈ መረዳእታ ይቕረብ። ኣብ ዝሓለፈ 32 ዓመታት መሬት ኤርትራ ከም ዓይኒ ዓራት ብዘመናዊ ጽርጊያ ንምትእስሳር ይከኣል ነይሩ። ህዝቢ ክደኪ ክደቅቕ ካብ ዘለዎ ኣዕናዊ ፖለቲካዊ ውሳኔ ዝብገስ ስለ ዘይተደልየ ግን ኣይተሰርሐን።

ጉዳይ ባሕርን ወደባትን ብዝምልከት፡- ወናኒ ሰፊሕ ማያዊ ባሕሪ፡ ኣብ ኣገዳስን ሰሓብን ቦታ ዝተደኮና ውደባትን ማርሳታትን ምዃን ማለት ብግቡእ እንተተጠቒምካሉ ፍሉይ ባህሪያዊ ትዕድልቲ’ዩ። ስለምንታይ ፍሉይ ትዕድልቲ ዝኸውን፡ ሰብ ዝሰርሖ ዘይኮነ ናይ ተፈጥሮ ማያዊ ባሕሪ፡ ፍልጠት ጉልበት ኮነ ገንዘብ ዘይፈሶ፣ ክራማት ርቡሕ ይኹን ኣይኹን ብደርቂ ዘይጥቃዕ፣ ብውሕጅ፡ ህቦብላዊ ንፋስ፡ በረድ ኮነ ባልዕ ኣገልግሎቱ ዘይዛባዕ፣ ተቐዲሑ ዘይውዳእ፣ ንመጎዓዝያ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ምህርቲ ዓሳን ካልኦት ጠቐምቲ ነገራትን ዝሓቖፈ፣ ብስፖርታዊ ውድድራት ትዘናጋዓሉ ካብ በጻሕቲ ገንዘባዊ ኣታዊ ዝርከበሉ ባህሪያዊ ህያብ’ዩ፡፡ ምስ ባሕሪ ዝተኣሳሰረ ወደባትን ማርሳታትን ከኣ፡ ዋላ ኣብ ህንጸቱ ብዙሕ ፍልጠት ጉልበት ገንዘብ ዝሓትት ይኹን፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ወጻኢታቱ ሸፊኑ፡ ዳርጋ ብቀዋምነት ዝሕለብ ዘይነጽፍ ሃብቲ ስለ ዝኾነ ጸጋ’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብዋንነት ደረጃ፡ በዓል ቤት ኣብ ዓለማዊ ንግዳዊ መስመር ዝርከብ ነዊሕን ሰፊሕን ባሕርን ኣብ ኣዝዩ ስትራተጂካዊ (ክሳዳዊ) ቦታ ዝተደኮና ወደባት ባጽዕን ዓሰብን ካልኦት ማርሳታት ብምዃኑ ዕድለኛ’ዩ። በቲ ዘተኣማምን ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ዝኾነ፡ ባህሪያዊ ህያብ ባሕርን ውደባትን ማሕበራዊ ሽግራቱ ክፈትሕ፡ ሱር ዝሰደደ ድኽነት ከቃልል፡ እንጀራ በሊዑ እፎይ ክብል ግን ኣይከኣለን። እዚ ብጥሜት ተጠቒዕካ እናሃለኻ ጣጥኡ ወዲኡ ክብላዕ ኣብ ቅድመኻ ኣብ ዝተዳልወ መኣዲ ዝቐረበ መግቢ ኣይትብላዕ ኢሉ ዝኽልክል ጨካን ውሳኔ’ዩ። ከም’ቲ ባዕሉ ቀታሊ ባዕሉ ነጋሪ መርድእ ዝኾነ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ደጋጊሙ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ማያዊ ባሕርና ክነርኽቦ ዝነበረና ሃብቲ ዓሳን ካልእን ኣይረኸብናን። ዝኾነ ይኹን ጽገና ስለ ዘይተገብረሉ ወደባት ኣለና ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን። ካብ ባሕርን ወደባትን ክንረኽቦ ዝነብረና ረብሓታት መኺኑ’ዩ ክብል ከይተሰከፈ ዘረጋገጾ፡ ንሱ ብመደብ ብዝኽተሎ ዘሎ ህዝቢ ምድካይን ምድቓቕን መሰረት ዝገበረ ግብራዊ ፖለቲካዊ ውሳኔ፡ ህዝቢ ካብ’ዚ ባህሪያዊ ጸጋ’ዚ ኣይተጠቕመን።

ነዚ ጭቡጥ ቀዋሚ ሸርፊ ወጻኢ ዘምጽእ ባሕርን ወደባትን ብግቡእ እንተንጥቀመሉ ነይርና፡ ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድላት፡ ፉሕፉሕ ዝብል ንግዳዊ ንጥፈታት ምፈጠረልና ነይሩ። ካብኡ ብዝርከብ ገንዘባዊ ኣታዊ ድማ፡ ትሕተ ቅርጻዊ ልምዓታዊ መደባት ኣብ ምስላጥ ቀሊል ዘይኮነ ድርኺት ምገበረ ነይሩ። እቲ ፖለቲካዊ ውሳኔ ህዝቢ ምድካይ ምድቓቕ ኣብ ትሕተኻ ክንብርከኽ ምግባር ስለ ዝኾነ ግን፡ ኣዝዩ ብዘሕፍርን ዘቖጥዕን ብሰንኪ ወያኔ፡ ምምሕዳር ኣመሪካ፡ ምዕራባውያን ዝብል ዝባኑ ዝቐልዐ ኣሽካዕላል ኣብ ኣገልግሎት ኣይወዓለን።

እቶም ብሰናይ ፍቓዶም ንሕልናዊ ባርነት ዝተቃልዑ ደገፍቱ፡ እቲ ከም ጣኦት ዘምልኽዎ ኢሳያስ ካብ 2009 ክሳብ ሎም ዓመት መጽአ በሽካዕላል ብንዕቀት ክኸውን ነይርዎ ግን ኣይኮነን። ክግበር ነይርዎ ግን ኣይተገብረን። ክስራሕ ነይርዎ ግን ኣይተሰርሐን እናበለ ባዕሉ ሓታቲ ባዕሉ መላሲ ኮይኑ ብምቕራብ ዝኣመነሉ ሓቂታት ድሕሪት ምልስ ኢሎም ፋይላቱ ፈትሾም ሓቂ ክርድኡ ኣዘኻኽሮም። እቲ ውህሉል ማሕበራዊ ጸገማት ከም ዘሎ ዘይኽሕድ ውልቀ መላኺ ቀዳምነት ዝስራዕ ምውሓስ ልኡላውነት ሃገር’ዩ እናበለዩ ዘሽካዕልል። ኣድኪኻን ኣርዒድካን ስልጣንካ ምጽናዕ ንዝብል ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ውሳኔኡ ንምሽፋን ከም ተራ ናይ ጎደና ዕዋላ ብህይወት ዜጋታት ቁማር ይጻወት ኣሎ። እዚ ስልጣን ሓደ ሰብን ንምሕላው ዜጋታት መሰሎም ንምኽባር ናብ ፖለቲካን ፖለቲካዊ ደሞክራስን ከይሓስቡ ንምድንዛዝ ዝዓለመ’ዩ። ሃገር ዘለዋ ኩሉ ጸጋታት ኣልሚስካ ህዝቢ ከም ህዝቢ ብድኽነትን ራዕድን ማሲኑ ብዘገምታ ክጠፍእ ዝተታሕዘ ፋሽሽታዊ መደብ’ዩ። ህዝቢ ካብ ጸጋታት ሃገሩ ብጉልበቱ ብፍልጠቱ ከይጥቀም ምኽልኻል ከኣ፡ ብቐጥታ መሰረታዊ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል’ዩ።

ኤርትራዊ ዜጋ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ከም ሰብኣዊ ፍጡር ክረኽቦ ዝነበሮ ሰብኣዊ ክብሪ የብሉን። ብፖለቲካዊ ውሳኔ ብስእነት መግቢ እናተሳቐየ ሰብኣዊ መሰል ኣለዎ ማለት ተወሳኺ ግፍዒ’ዩ። ሕጽረት ዘይኮነ ብፖለቲካዊ ውሳኔ፡ መንበሪ ኣባይቲ፣ ጥዕናዊ ኣገልግሎት፣ ቀረብ ማይ፣ ኤሌክትሪካዊ ጸዓት፣ መንግዓዝያ ከይረክብ ምኽልካል ማለት ብቐጥታ ከይህሉ ተፈሪዱ ኣሎ ማለት’ዩ። ስለምንታይ’ሲ እዚ መሰረታዊ ነገራት’ዚ እንተዘይረኺቡ ከም ሰብ ብህይወት ክነብር ኣይክእልን። ብግልጺ ንምቕማጥ ኤርትራዊ ብዜግነቱ ክረኽቦ ዝነበሮን ዘለዎን ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ መሰል የብሉን ጥራሕ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። እቲ ኣብ ቅዱሳን መጻሕፍትን ኣድማሳዊ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሰፊሩ ዘሎ ፈጺሙ ዘይጠሓስ ሰብኣዊ መሰል ተገፊፉ ኣሎ’የ ዝብል ዘለኹ።

ብኣብነት ከደግፎ ኤርትራውያን ካብ ኤርትራ ሃዲሞም፡ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ብዘይ ስኽፍታን ሸለብ ገለብን ከም ሰብ ንኽነብሩ ዘኽእሎም ረኺበሞ ዘሎው መሰረታዊ ክብረት ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ’ታ ናትና ዝብልዋን ብዙሕ ዋጋ ድማ ዝኸፈሉላን ኤርትራ ኣየረኸብዎን ወይ ክብሪ የብሎምን። ንምንባር ዘድልዮም ንምርካብ ውጥን ኣውጺኦም ብድድ ኢሎም ካብን ናብን ክንቀሳቀሱ ኣይክእሉን። ተበዲሎም ተበዲልና ክብሉ፡ እቲ ጎዲሉና ዝብልዎ ይማለኣልና ዝብል ሕቶ ክሓቱ መሰል የብሎምን። እዚ ጎዲሉና ይመለሰልና ዝብል ሕቶ እንተሓቲቶም፡ በቲ መንግስቲ’የ ዝብል ግን ከኣ፡ ሕጋዊ መንግስታዊ ቅርጻን ተሓታትነትን ዘይብሉ ኣካል፡ ብሃንደበት ካብ ኣባይቶም፣ ኣብያተ ዕዮኦም፣ ምንቅስቓሶም ይእሰሩ ይጭወዩ። ኣበይ ኣትዮም ብህይወት ኣለውዶ የለውን ኣይፍለጥን። ንምፍላጥ ምሕታት ከኣ ብግልባጡ ብገበን ዘሕትት’ዩ። ካብ ጽባሕ ሃገራዊ ነጻነት ክሳብ ሎሚ በዚ ኣገባብ’ዚ ዝጠፍኡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ኣብነት’ዮም። ስለዚ እዚ ኣብ ኤርትራ ተሳኢኑ ዘሎ ብቐጥታ ምስ ብህይወት ምንባርን ዘይምንባርን ዝተኣሳሰረ መሰረታዊ ማሕበረ ቁጠባዊ ጠለባት፡ ኣብ ኣእምሮ ኩልና ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ከልዕል ይግባእ። ስለምታይ’ሲ ብጸጋታቱ ከይጥቀም ብፖለቲካዊ ውሳኔ ብድኽነት ማሲኑ ብዘገምታ ክጠፍእ ዝተፈርደ ህዝቢ ስለዝኾና።

                                                     ካብ ክብሮም ከሰተ

                                         ኣባል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                        25 ሕዳር 2023