መጀመሪያ ‘ዚ “ዝተረደኦን ዝተወደኦን’ዩ” ዝብል ብዙሕ ከዛርብ ዝኽእል ክልተ ቃላት፡ ኣምለኽቲ ኢሳያስ ኣብ ጊሰን ሃገረ ጀርመን ንዝወደብዎ ናይ ፕሮፖጋንዳ ፈስቲቫል ንምብርዓን ኣብ ዝተገብረ ተቓውሞ፡ ካብ ገለ ኣባላት “ብርጌድ ንሓመዱ” ዝሰማዕክዎ ምኳነይ ክገልጽ እፈቱ።  ከምእ’ውን ብርጌድ ንሓመዱ ነቲ ብተግባር ዝዛረብ ዝኸፍልዎ ዘለው ክቡር ዋጋ  ዘለኒ ኣኽብሮት ከረጋግጽ እደሊ።  ንፖለቲካዊ መንነት እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኢሳያስ ከቃልዑ፡ መደባቱ ከፍሽሉ፡ ገንዘባዊ እቶት ከይረክብ ክዓጽው፡ ንኣሽበርቲ ኣምለኽቱ በቲ ዝርደኦም ቋንቋ ገጢሞም ብተግባር ከርዕዱ፡ ብዙሕ ገንዘባዊ ወጻኢታት ገይሮም ካብ ርሑቕን ቀረባን ተኣኻኺቦም ዝኸፈልዎን ገና ዝኸፍልዎ ዘለውን ናይ ማህረምቲ፣ መስበርቲ፣ ማእሰርቲ ከቢድ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ዋጋ ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ናይ ክብሪ ቦታ ክሰፍሩ ዘለዎም ፍሩያት ተግባራት ብምዃኑ ሓበን ይሰማዕኩም ክብሎም እደሊ።

ቀጺለ መንእሰይ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣብ ብርጌድ ንሓመዱ ተሓቚፎም ዝንቀሳቐሱ ዘለው ከኣ ብፍላይ፡ ዝተረደኦን ዝተወደኦን’ዩ ክበሃል እንከሎ እንታይ ማለት’ዩ? እንታይ’ዩ ፖለቲካዊ መልእኽቱ? ፖለቲካዊ ተፈጥሮ( ባህሪ) እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኢሳያስ ጸረ-ህዝብን ጸረ- ደሞክራስን ምዃኑ ብዕምቆት ገምጊሙ፡ ምስ ኩሉ ናይ ጭፍጨፋን ራስያን መሓውሩ ብኹሉ መልከዓት ህዝባዊ ቃልሲ ምሉእ ንምሉእ ክውገድ’ሞ ኣብ መቓብር ፖለቲካዊ ስዕረቱ፡ ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ህዝቢ ብሓሳብ፡ ብሕግን ብተግባርን ክረጋገጽ ኣለዎ ኣብ ዝብል ሓባራዊ ደምዳሚ ተረድኦ በጺሖም ኣለው ማለት ድዩ? ዝተወደኦ’ዩ ክበሃል እንከሎ ኸ ካብ ባዕላውን ወድዓውን ፖለቲካዊ ገምጋም ዝተበገሰ፡ ድሕሪ ደጊም ብኣገዛዝኣ ኢሳያስን ኣምለኽቱን ብጉልባብ ልኡላውነት ሃገር ዝደናገር ኮነ ዝደናገጽ ሕልና የብልናን እንኮ መድሕን ህዝብን ሃገርን ብሓይሊ ምውጋዱ ጥራሕ’ዩ ማለቱ ድዩ? ከምኡ እንተኾይኑ ጽቡቕ። ግን ብሕጋዊ ፖለቲካዊ ሰነድ ክድገፍ ኣለዎ።

 ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ብቐጥታ ድዩ ብተዘዋዋሪ ብፋሽሽታዊ ተግባራት እንኮ-ሰባዊ ስርዓት  ዝተገፍዑን ዝተማረሩን ስለዚ ከኣ ንሓይሊ ብሓይሊ ገጢምካ ምስዓር ኣብ ዝብል ውሳኔ ከም ዝበጽሑ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረ ተባዕ ግብራዊ ምንቅስቓሶም የመልክት’ዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይንቡር ፖለቲካዊ ምሕደራ ብኣጋጣሚ ተኣኻኺቡ ዝሰወደ ሓይሊ ዘይኮነ፡ ካብ ጸረ-ህዝቢ ፖለቲካዊ ባህሪ ዝተወልደ ምኳኑ  ክዝንጋዕ የብሉን። ጸረ-ህዝቢ ፖለቲካዊ ባህሪ ከኣ፡ ብወግዒ ፖለቲካዊ ውድብ መስሪትካ፡  ፍጹም ኣንጻሩ ብዝኾነ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ዓጢቕካ፡ ብሓሳብን ተግባርን ገጢምካ’ዩ ዝሰዓር። ኣንጻር ዘይንቡር እንኮ-ሰባዊ ምሕደራ፡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምምጻእ’የ ዝቃለስ ዘለኹ ዝብል ናይ ለውጢ ሓይሊ፡ ኣብ ወግዓዊ ሕጋውን ፖለቲካዊ መድረኽ፡ ብዝጸደቐ ፖለቲካዊ ፕሮግራሙ፡ ስትራተጁ፡ ስልቱን መሪሕነቱን’ዩ መን ምኳኑ ዝፍለጥን መጻኢ ኣንፈቱ ዝምዘንን። በዚ መንጽር ብተግባር ዝዛረብ ዘሎ ብርጌድ ንሓመዱ ብፖለቲካዊ ዓይኒ ውድብ ድዩ? ሰልፊ ድዩ? ምንቅስቓስ ድዩ? ማሕበር ድዩ? ክትመዝን ኣነ ከምዚ’የ ዝብል ዝተነጸረ ሰነድ የብሉን። መን ኮይኑ’ዩ ብተግባር ዝዋሳእን ዋጋ ዝኸፍል ዘሎን ብወግዓዊ ውድብን ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ውጥንን ዘይፍለጥ እንተደኣ ኮይኑ፡ ውጽኢት ግብራዊ ንጥፈታቱ  መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ዝምልስ ድዩ ኣይምልስን ብሩህ ኣይኮነን።  ብቐዳምነት ሓይሊ ሓሳብ ብዝተማለአ መልክዑ እንተዘይ ወኒኑ፡ ብስነ-መጎት ሓይሊ ጥራሕ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታቱ  መዓጹ ክሰምዑ ዘለዎም ኣካላት ኣብ ምኽፋት ክጽገም’ዩ። ስለዚ ብርጌድ ንሓመዱ ነዚ ጉዳይ ብኣንክሮ ክጥምቶ ዘለዎ ዛዕባ ኮይኑ ይረኣየኒ።

ብርግጽ ፖለቲካዊ ውድብ/ሰልፊ ገዛእ ርእሱ ዕላማ ኣይኮነን። ናይ ዝተፈለየ ኣረኣእያ ወይ ዕላማ መተግባሪ ስልቲ’ዩ።  ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ወይ ሕልሚ ድማ ብዘይ ውድብ/ሰልፊ ኣብ ህዝቢ ክበጽሕን ኣወንታዊ ለውጢ ከምጽእን ኣይክእልን።  ክሳብ ሕጂ ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ዓለም ከም ዝተራእየ፡ እቲ ኣረኣእያ ወይ ዕላማ ብኣብዘሓ ህዝቢ ቅቡልነት ዘለዎ ፍትሓዊ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ጉዳይ ካልእ ኮይኑ፡ ከም ፖለቲካዊ ውድብ/ሰልፊ ክጣየስ እንከሎ ግን፡ መበገሲ ኣለዎ። ሸቶ ኣለዎ። እቲ መበገሲ ጸረ-ቀጥታዊ ባዓዳዊ መግዛእቲ ወይ ጸረ-ስውር መግዛእቲ ዝተላዕለ እምቢታ ክኸውን ይኽእል። ጸረ-ዘቤታዊ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ብሄራዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ጾታዊ፣ ኣድልዎ ዓፈናን ምዝመዛን ዘቕነዐ እምቢታ ክኸውን ይኽእል። ናይ መወዳእታ ሸቶኡ ከኣ፡ ነቲ ብጸላእነት ዝመዘኖ ሓይሊ እንተተኻኢሉ ብሰላማውን ደሞክራስያውን ኣገባብ፡ እዚ ተቐባልነት እንተዘይረኺቡ ድማ፡ በቲ ዝርደኦ ቋንቋ ስነ-መጎት ሓይሊ ምስ ኩሉ ናይ ዓፈናን ዝምታን መሓውሩ ክንቀል ብምግባር ኣብ መቓብሩ፡ ናይ ህዝብታት መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ብኣረኣእያ፡ ብሕግን ብተግባርን ምሉእ ንምሉእ ክረጋገጽ ምግባር ክኽውን ይኽእል።

እዚ ግን ብኽመይ ይግለጽ፡ ዋላ ወጽዓ ዝወለዶ ድሌት፡ ቅቡል ተበግሶ ይኹን ነቲ ፖለቲካዊ ውድብ ምሉእ ፖለቲካዊ ውድብ ዘብሎ፡ እቶም ተበግሶ ዝወስዱ ዘለው ወገናት ብቐጥታ ድዩ ብውክልና ዝሳተፍሉ ሕጋዊ ጉባኤ ተኸፊቱ ብምልኣተ ድምጺ ወይ ብኣብዘሓ ድምጺ ጉባኤኛታት ዝጸደቐ ፖለቲካውን ሕጋውን መቃለስን መቆጻጸርን ሰነድ ክህልዎ ኣለዎ። ኣብ’ቲ ፖለቲካዊ ፕሮግራም  ከም ፖለቲካዊ ውድብ/ሰልፊ ምምስራት ዘድለየሉ ጭቡጥ ምኽንያት፣ ቀዳማይ ጸላኢኡ መን’ዩ ( መነ መን’ዮም)፣  ባህሪ ጸላኢ ( ጸላእቲ)፣ ተግባራት ጸላኢ (ጸላእቲ)፣ እቲ ግርጭት ዝፍተሓሉ ሜላ፣ ንሱ መስዋእቲ ከፊሉ ከዐውቶም ዝደልዮም መሰረታዊ መትከላት፣  ማሕበራዊ መሰረቱ፣  ውጹዓትን ግፉዓትን ወገናት ኣብ ዙርያ’ቲ ፕሮግራም ዓሲሎም ናቶም መተካእታ ዘይብሉ ኩለ መዳያዊ ተሳትፎ ዘረጋግጽሉ ኣወዳድባ፣ ፖሊሲ ዝምድናታት ወጻኢ ...ወዘተ ብንጹር ኣቐሚጡ ክብገስ ኣለዎን ይግብእ።

ኣብ’ቲ ንውሽጣዊ ኣሰራርሓኡ ዝምልከት ሕገ-ህንጻ ድማ፡  ነቲ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ስትራተጁን ስልቱን  ብግቡእ ዝተረድኡን  ንስለ ሓቀኛ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ኩለንተናዊ መሰልን ጠቕምን ህዝቢ ንምርግጋጽ፡ እቲ ቃልሲ ዝሓቶ ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ክኸፍሉ፡ ብሓሳብን ብተግባርን ድልዋት ዝኾኑ በቲ ጉባኤኛ ብነጻን ደሞክራስያዊ ኣገባብን ዝተመርጹ ፖለቲካዊ መሪሕነት፣ ስራሕን ሓላፍነትን መሪሕነት፣ ገደብ ግዜ መሪሕነታዊ ኣኼባታት፣  ጉባኤ ዝግበረሉ ንጹር ግዜ፣ ጉባኤ ክሰጋገረሉ ዝኽእል ወይ ህጹጽ ጉባኤ ዝጽወዓሉ ኣገባብ፣ ምምሕያሽ ወይ ምስራዝ ዓንቀጻት ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ሕገ-ህንጻን፣ ፖለቲካዊ መስመር ብግቡእ ይካየድ ኣሎ የለን፣ ገንዘባዊ ባጀትን ኣጠቓቕማኡን፣ ኣተሓሕዛ ንብረት፣ ጥርዓን ዝተፈለየ ርእይቶ ዘቕርቡ ወይ ተበዲልና ዝብሉ ኣባላት ዝሰምዕን ዝዳንን ብጉባኤኛታት ዝተመርጸ ነጻ ኣካል ወይ ኦዲት ኮሚሽን ....ወዘተ ኣጣቓሊሉ ዝሓዘ ንፈታውን ጸላእን ግልጺ ዝኾነን ዝተጠረዘን ሰነድ ክህሉ ምርጫ ዘይኮነ ግዴታ’ዩ።  ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘሎ ኣባል ድማ ብዘይ ዝኾነ ተጎላባነትን ምሽርራፍን ንምዓዋቱ ብጉልበቱ ብገንዘቡ ብፍልጠቱ ክሳብ’ውን ብህይወቱ ክረባረብሉ ግዴታ ኣለዎ።

ነዚ መሰረታዊ ረቛሒታት’ዚ መሊሱ ዝዋሳእ ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ ኣረኣእያኡ ፍትሓዊ ድዩ ኣይኮነን፡ ህዝባዊ ድዩ ኣይኮነን፡ ናይ ምትግባር ዓቕሙ፡ ጽልዋኡ ኣብ ህዝቢ ተጽዕኖ ፈጣሪ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ከም ፖለቲካዊ ውድብ/ሰልፊ ዘግልጾ ረቛሒታት ግን ኣማሊኡ ኣሎ ይበሃል። በዚ ኣገባብ’ዚ ዘይሓለፈ ወይ ነዚ መሰረታዊ ነገራት’ዚ ከይመለሰ ኣነ ክስቶ እበሃል፡ ስምዑኑ ሰዓቡኒ ዝብል ግን፡ ብዓይኒ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ኣረኣእያ ናይ ንጹርነት ጸገም፤ ብዓይኒ ሕጋውነት ሓጋዊ ጉድለት፤ ብዓይኒ እምነት፡ እምነት ከተንብረሉ ዘየተባብዕ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።

ብፖለቲካዊ መስመሩ፡ ፍትሓዊ ህዝባዊ ፕሮግራሙ ዘይኮነ፡ ብተግባር ምስ ኣምለኽቲ እንኮ-ሰብ ብምትሕንናቕ ብዘመዝግቦ ዘሎ ኣወንታዊ ውጽኢት ምስ ህዝቢ ዝላለ ዘሎ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ነዚ ልዕል ክብል ዝተገልጸ መሰረታዊ  ፖለቲካዊ ረቓሒታት ስለዘየማለአ፡ ኣበይ ረጊጹ ብተግባር ይዛረብን የዛርብን ኣሎ ብሩህ ኣይኮነን። ስለዚ ነዚ ኣብ ሓጺር ግዜ ብግብራዊ ስራሕ ረኺብዎ ዘሎ ኣፍልጦ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ከይስእኖን ንድሕሪት ከይምለስን ነቲ ዘይተማለኣ መሰረታዊ ጉድለታት ቀልጢፉ ክመልኦ ኣለዎ። እቲ ብተግባር ዝዛረብ ንጥፈታቱ ብፖለቲካውን ሕጋውን ሰነዳት ተቐሪጹ ኣነ እከለ እበሃል፣ መበገሲየይ እዚ፣  ጸላእየይ እከለ፣ ፈታውየይ እከለ፣ ሸቶይ እዚ ይመስል ኢሉ ብዝተማለ ኣገባብ ክእውጅ  ይግባእ።

  ብርጌድ ንሓመዱ ከም ስም እንታይ’ዩ ፖለቲካዊ መልእኽቱ? ብይኸውን ከም’ዚ ይመስለኒ እንተዘይኮይኑ ብሩህ መግለጺ የብሉን። ብሩህ ዘይኮነ ስም ከኣ ናበይ የምርሕ ኣይፍለጥን። “ዝተረደኦን ዝተወደኦን’ዩ” ዝበሃል ዘሎ ብተመሳሳሊ ፖለቲካዊ መርሆኡ፡ ዘይፍለጥ ክሳብ ዝኾነ እንታይ’ዩ ተረዲኡ፡ እንታይ’ዩ ተወዱእዎ ንምርድኡ ኣጸጋሚ’ዩ። ምኽንያቱ ፖለቲካ ብግብራዊ ወስታ ጥራሕ ኣይምራሕን። ፖለቲካ መሰረቱ ሓሳብ’ዩ። ሓሳብ ስለ ዝኾነ ድማ’ዩ ውጹዓት ንመሰሎም ሓቢሮም ክቃለሱ ዝኣኻኽብ። ስለዚ መጀመሪያ ፖለቲካዊ ፕሮግራም’ዩ ዝቕረጽ። ካብ’ቲ ፕሮግራም ዝተቐድሐ ስትራተጂን ስልትን ይሕንጸጽ። ብድሕሪኡ ብዝተጸንዐ ኣገባብ ናይ ተግባር መምርሒ ኣውጺእካ ምስ ጸላኢኻ ኣብ ጥምጥም ተኣቱ።  እዚ መንገዲ’ዚ እዩ እቲ ኣብ ናይ ዓለም ፖለቲካ ዝፍለጥን ዝሰርሕን ኣገባብ።

 ተባዕ ተቓላሳይ ጆን ብላክ ኣብ ሓደ ማሕበራዊ ሚድያ ከም’ዚ ኢሉ ነይሩ። “ንሕና ወተሃደራት ኢና። ምውጋእ’ዩ ተመክሮና። ናይ ሕጂ ዕጥቅና ድማ እምኒ’ዩ። ንውዳቤታት ህግደፍ ዝሕተት መስዋእቲ ኩሉ ከፊልና ከነፍርሶ ኢና።”  እዚ ርእይቶ’ዚ ንስለ መሰልን ጠቕምን ህዝቢ ክበሃል ንውዳቤታት ኣምለኽቲ እንኮ-ሰብ ንምፍራስ ንመስዋእቲ ቅሩብ ምዃን  ብፍላይ ኣብ’ዚ ዘለናዮ በለጽን ነፍሰ ፍትወትን ዝወረሮ መድርኽ፡ ቅድሚ 1991 ኣንጻር ቀጥታዊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ደማዊ ኲናት ብኤርትራውያን ዝተፈጸመ መስተንክራዊ ጀግንነት ዘዘኻኽር ብኹሉ ግድገፍ ዝግበኦ ህዝባዊ ሓበን’ዩ።

 ብሓቂ ድማ፡ ብርጌድ ንሓመዱ ብወሳኒ መልክዑ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ብኣኽበርቲ ጸጥታን ዝሰልጠኑ ኣኽላባትን እናተሃርመን እናታነኽሰን ብተግባር ምስ ባራዩ ኢሳያስ ዘካይዶ ዘሎ ግጥም ፍልይ ዝበለ መልክዕ ዘለዎ ንኡስ ኲናት’ዩ።  ኲናት ከኣ ናይ ፖለቲካ መቐጸልታ’ዩ። ኲናይ ናይ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ውጽኢት’ዩ። ካብ ጥንቲ ወተሃደርን ኲናትን መተግበሪ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ዝቕይር ስነ-ፍልጠታዊ ፖለቲካዊ ተንታን ዛጊት የለን። ወይ ድማ ኣነ ኣየንበብኩን።

ስለዚ ብርጌድ ንሓመዱ ንመስዋእቲ ዘለዎ ቅሩብነትን ኣብ ሓጺር ግዜ ዝረኽቦ ዘሎ ህዝባዊ ተፈላጥነትን ብግቡእ ዓቂቡ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ብወግዒ ጉባኤ ገይሩ፡ ንጹር ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፕሮግራም ቀሪጹ፡ ዘየሻሙ ስምን ሕጋዊ መሪሕነት ሒዙ ኣለኹ ክብል እላቦ። ኣብ ጽኑዕ መሰረት ዘይዓረፈ ህንጻ ነዊሕ ዕድመ ከምዘይብሉን ዘይተሓስበ ሓደጋ ኣስዒቡ ዓነውነው ከም ዝብል ንኹልና ርዱእ እመስለኒ።  ሰውራ ኤርትራ ብዓይኒ ፖለቲካዊ ንጹርነትን ደሞክራስያውነትን ካብ ኣወንታዊ ተመክሮ ኣሉታዊ ተመክሮ ከም ዝበዝሕ ዘከራኽር ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ ብርጌድ ንሓመዱ ካብ ቅድሚኡ ዝነበሩ ዘይዕውታት ናይ ሃታ ሃታ ፖለቲካዊ ጅማሮታት ክመሃር ይግባእ።

ከም ናይ ቀረባ ኣብነት ንምንቅስቓስ ይኣክል ክንወስድ ንኽእል ኢና። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሓደ መድረኽ “ኣይከሰርናን” ድሕሪ ምባሉ ኣብ ህዝቢ ቁጠዐ ፈጢሩ።  ምንቅስቓስ ይኣክል ከኣ በዚ ምኽንያት “ይኣክል” ብዝብል ቃል ጀሚሩ። ኣብ ዙርያ’ዚ ይኣክል ዝብል ቃል ዓሲሉ ዝነበረ ህዝቢ ብሓፈሻ፡ ሓይሊ መንእሰይ ከኣ ብፍላይ ብማዕበል ደረጃ ዝግለጽ’ዩ ነይሩ። በቲ ኣብ እዋኑ ዝነበረ ስምዒትን ማዕበላዊ ወፍሪ መራኸቢ ብዙሓንን ብዙሓት ደቅና ብኽምዚ እንተተበጊሶም ዘቤታዊ ጸላኢና ኣብ ሓጺር ግዜ ካብ እንግድዓና ክወርድ’ዩ። ከም ህዝቢ እፎይታ ክንረክብ ኢና። ዝተበታተና ስድራ ቤታት ክተኣኻኸባ’የን። ምሉእ ቀልብና ናብ ልምዓት ክንገብር ኢና ዝብል ተስፋ ኣሕዲሮም ምንባሮም ኣይርሳዕን።

 ውዒሉ ምስ ሓደረ ግን እቲ ትጽቢትን ክውንነትን ኣይተጠዓዓመን። ምንቅስቓስ ይኣክል ብግዝያዊ ስምዒታዊ ረስኒ ‘ምበር ብመጽናዕቲ ንጹር ህዝባዊ ዕላማ ሒዙ ዝተበገሰ ብዘይምንባሩ ዝተነብረሉ ተስፋ ኣይፈጸመን። ኣብ ባይታ ኣትሪሩ ክረግጽ ዘኽእሎ ዝተነጸረ ዕላማ ስለ ዘይነበሮ ብወሳኒ መልክዑ፡ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣለኹ ኣለኹ ኢሉ፡ ብማሕበራዊ ሚድያ ድማ ብሃንደበታዊ ፕሮፖጋንዳዊ ንፋስ ክበታተን ኮይኑ።  ኣብ 2018 ብኣዕናዊ ቃል ኢሳያስ ተኣኻኺቡ፡ ኣብ 2020 ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝፈጸሞ ቅሉዕ ወራርን ፋሽሽታዊ ዘርኢ ምጽናትን ድማ፡ ንወራር ዝኹንን ዝድግፍን ብካልእ ኣዘራርባ ንኢሳያስ ዝቃወምን ዘምልኽን ኮይኑ ብዘራጊቶ ንፋስ ክገማማዕ ተራእዩ። ዝያዳ ግልጺ ንምግባር ምንቅስቓስ ይኣክል ብዝኾነ ሃንደበታዊ ንፋስ ተወሊዱ፡ ብዝኾነ ሃንደበታዊ ንፋስ ከኣ ተገማሚዑ። ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ከኣ ናይ ቃልሲ ኒያት ኣብ ምዝሕሓል ናቱ ኣሉታዊ ተራ ተጻዊቱ።

ምንቕስቓስ ይኣክል ብስምዒት’ምበር ብውነ ብመጻናዕቲ ዘይተወልደን ኣብ መሬት ኣትሪሩ ዘይረገጸን ተንሳፋፊ ምንቅስቓስ ምዃኑ ዘርእየና፡ ካብ ቃል ኢሳያስ ‘ምበር፡ ፖለቲካዊ ተፈጥሮ ህ.ግ.ሓ.ኤ./ህ.ግ.ደ.ፍ. መሰረት ገይሩ ዝተበገሰ ዘይምዃኑ’ዩ። ህ.ግ.ሓ.ኤ./ህ.ግ.ደ.ፍ.  ብፈጣሪኡን መራሒኡን ኢሳያስ ድሌትን ውሳኔን ኣንፈት ፍትሓዊ ህዝባዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘዛበዐ፡ ንጸረ-ደሞክራስያዊ ኣረኣእያኡን ፋሽሽታዊ ተግባሩን ካብ ቅድሚ 1991 ብወግዒ ብዝተወደበ መልክዕ ተቓውሞ ከም ዝነበረ ብግቡእ ዝተረደኦ ኣይመስልን። ጃንዳ ኢሳያስ ብዘይእመንን ዝጭበጥን ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተፈጨለሉ፣ ኣሽሓት ተጋደልቲ ዝሃለቕሉ፡ ኣካሎም ዝጎደልሉ፡ ካብ መኣዲ ቃልሲ ዝበኾርሉን ንስደት ክኸዱ ዝተገደድሉን ደማዊ ኲናት ሕድሕድ ክውላዕ ዝገበረሉን ከም ሳዕቤኑ ዝበጽሐ ሰለሎን፣ ኣብ 1994  ውጉኣት ሓርነት (ብቋንቋ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኣካለ ስንኩላን) ዝጨፍጨፈሉ፣ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ክሳብ ዶብ ሰጊሩ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ጭውያን ቅንጸላን፣ ኣብ 1973 ኣብ ልዕሊ ደሞክራስያዊ ምንቃስቓስ ዘበገሱ ኣባላት እቲ ውድብ ብድሑር ኣውራጃዊ ስምዒታት ኣደናጊሩ ዝፈጸሞ ፋሽሽታዊ ቅንጸላ፣ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምና ብስመ ጀሃዳዊ ምንቅስቓስ ምስ ናይ ሕሱር መግለጺታቱ ብተናጸልን ብጃምላን ዝወሰዶ ናይ ምእሳር፣ ምስቓይ፣ ጨዊኻ ምጥፋእ፣ ምርሻን ፋሽሽታዊ ተግባራት፣ ከምኡን’ውን ዓቐኑን ዓይነቱን ይፈላለ እንተዘይኮይኑ ኣብ ልዕሊ ኩለን ሃማኖታዊ ትካላት ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ባርባራዊ ግፍዕታት፣ ብጉልባብ ዶባዊ ሕቶ ኣብ 1998 ብባድመ ዝፈጸሞ ወራር ከም ሳዕቤኑ ዝጠፍአ ህይወትን ንብረትን፣ ኣብ 2001 ብወግዒ ጽገናዊ ለውጢ ኣብ ልዕሊ ዝጠለቡ ላዕለዎት መሳርሕቱን ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን ብኣውራጃውነት ተንበርካኽነት ክድዓት ዝብል ፈጠራዊ ጸለመ ዝወሰዶ ጨካን ስጉምቲ፣ ብ2013 ጅግና ወዲ ዓሊ ብኽብሪ ዝወደቐሉ ዘይዕውት ስርሒት፣ ስደትን ክፉእ ሳዕቤናት ስደትን፣ ኣብ ላምፐዱዛ ዘሎ ናይ ኣማኢት ግዳያት ንቡር ዘይረኸበ ስካሬን ነዚ ኣመልኪቱ ጃንዳ ኢሳያስ ዝሃቦ ናይ ኣቃጫጭ መግለጽን፣ ብዘይ ዝኾነ ቅዋማዊ መወከስን ንቡር መንግስታዊ ምሕደራን ዝሕለፍ ዘሎ መሪር ኣገዛዝኣ፡ ....ክሳብ 2018 ኣይተሰቆሮምን ነይሩ ወይ ድማ ነቲ ንሱ ዝብሎን ዝገብሮን ኩሉ ብጸጋ ይርዕምዎ ነይሮም ማለት ድዩ ዝብል ሕቶ ዝፈጥር ትንግርቲ’ዩ።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 40-50ዓመታት ብውሳኔ ኢሳያስን መጋበርያታቱን ካብ ዝሃለቑ ዜጋታት ኣይከሰርናን ዝብል ቃል ኣቖጢዕዎም፡ ክሳብ ሕጂ ተጸሚምናካ ጸኒሕና ካብ ሎሚ ንደሓር ግን ይኣክል ክብሉ ተሰሚዖም። ምንቅስቓስ ይኣክል ካብ ጸረ-ህዝቢ ባህርን ፋሽሽታዊ ተግባርን ኢሳያስን ኣምለኽቱን ከም ዘይተማህሩ ኮለል ኣቢሉ ዘርኢ’ዩ። ስለዚ ከኣ እቲ ምንቅስቓስ ከም ምንቅስቓስ ብባህሪ ብሕግን ብተግባርን ኣብ ዝሓለፈ 5 ዓመት ካብ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት መሊኦም ከም ዝተፈልዩ፡ ዘረድእ ዝጭበጥ ስራሕ ስለ ዘየርኣዩ፡ እቲ ተነቢርሎም ዝነበረ ተስፋን ረኺበሞ ዝነበሩ ህዝባዊ ደገፍን ኣብ ጥርጠራ ክኣቱን ክጎድልን ኮይኑ ኣሎ። “ይኣክል መዓስ’ዩ ዝኣክል” ክበሃል ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ናይ ርሑቕ ዘይኮነ፡ ናይ ሎሚ ዘይንጹርን ዘይዕውቱን ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ተመክሮ’ዩ። ምንቅስቓስ ይኣክል ብጉልባብ ምኽባር ልኡላውነት ሃገር ደጋፍን ተቓዋምን ኢሳያስ ኮይኑ ክፈላለን ክዳኸምን  ዝገበሮ ምኽንያት ናይ  ዕድል ጉዳይ ኣይኮነን። መርገም ኣይኮነን። ስለ ዝተገደደ’ውን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ብዘይመጽናዕቲ፡ ብህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ከይተጠምረን ከይተገርሐን ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ ተሓታትነት ብግዝያዊ ስምዒታዊ ረስኒ ብንግባር ንግበር ኣካላዊ ምትእኽኻብ ከም ዝተበገሰ’ዩ ዘረደኣና። ዝተረደኦን ዝተወደኦን’ዩ እናተባህለ ብተግባር ዝዛረብ ዘሎ ብርጌድ  ንሓመዱ ከኣ ካብ’ዚ ኣሉታዊ ተመክሮ’ዚ ክመሃር ይግባእ። ተመሳሳሊ ዕጫ ከይገጥሞ ክልጡፍ ምትዕርራይ ገይሩ ነቲ ግብራዊ ትብዓቱን ተወፋይነቱን ሕጋውን ፖለቲካውን ክዳን ክገብረሉ ኣለዎ። እንተዘይኮነ ውጽኢቱ ጽቡቕ ኣይኸውንን።

                                                ካብ ክብሮም ከሰተ

                        ኣባል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                8 ነሓሰ 2023