ህዝብታት ኤርትራ ወነንቲ ልኡውነት ናይ መሬት፡ ባሕርን ሰማይን ዳኣ ይኹኑ’ምበር ነዞም ጸጋታት እዚኦም ብከምቲ ዝድለ ገና ክጥቀምሎም ኣይከኣሉን፡፡ ብጭቡጥ ንምዝራብ ንፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን..ወዘተ ከም ልኡላዊ መሰሎም መጠን’ውን ክሳብ ሕጂ ይጥቀሙሎም የለዉን፡፡ ምኽንያቱ ጸረ ህዝብን ጸረ ደሞክራስን ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ንህዝብታትና ፖለቲካዊ ነጻነቶም ጨቢጦም ነብሶምን ሃገሮምን ዝመርሑሉ፡ ዘማዕብልሉን ዘውሕስሉን ቅዋም ተመያይጦም ከጽድቑን ኣብ ሂወቶም ክጥቀምሉን ዘኽእል ዕድል ብመሰረቱ ስለ ዘይረኸቡ፡፡

ኣብ ቁጠባዊ መዳይ’ውን እንተኾነ ጉልበቶም፡ ፍልጠቶምን ሃብቶምን..ኣፍሲሶም ኣብ ዝመረጹዎ ቁጠባዊ መዳይ /ጽላት/ ተዋፊሮም ንነብሶም ተጠቒሞም ሃገሮም ዘልምዕሉን ዘማዕብልሉን ዕድልን ፍቓድን ስለ ዘይረኸቡን ስለ ዝተገደቡን እቲ በሓቲ መንግስቲ ንኩሉ ቁጠባዊ ጽላታት ብሒቱ ስለ ዝጥቀመሉ፡ ውሑዳት ኣውፈርቲ ዜጋታት ገንዘቦም ኣፍሲሶም ምንጣፍ እንተጀመሩ’ውን፡ መ/ህግደፍ «ሸር እንተዘየእተኹምኒ» ብዝብል ተጽዕኖ ክኸስሩን ካብቲ ጽላት ክወጹን ስለ ዝገብሮም ብሓደ ገጽ፡ በቲ ካልእ ገጽ ድማ፡ ከቢድ ግብርን ኣብ ምስምስ ዝተሰረተ መቕጻዕቲ ስለ ዘጋጥሞም ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ህዝብታትና ክሳተፉን ተጠቀምቲ ክዀኑን ስለ ዘይክእሉን እዩ፡፡

ኣብ ማሕበራውን ባህላውን ምምሕዳራውን መዳያት’ውን እንተዀነ ህዝብታትና በቲ ጨቋኒ መንግስቲ ተመሳሳሊ ተጽዕኖን ዕንቅፋትን ብቀጻሊ ስለ ዘጋጥሞም ባህሎም ብግቡእ ክጥቀሙ፡ ከማዕብሉን ክዕቅቡን ኣይከኣሉን፡፡ ኣብ ምምሕዳራዊ መዳይ እውን እንተኾነ ፍትሕን ርትዕን ተሓሪሙዎም ብግቦ፡ ብልሽውናን ኣድልዎን ወገንነትን ኣብ ምስቓይ እዮም ዝርከቡ፡፡ ብሓጺሩ ህዝብታትና ኩሉ መዳያዊ ልኡላውነቶም /መሰሎም/ በዚ ዓምጣሪ መንግስቲ ካብ ዝግፈፍን ዝበኩርን ካብ ምርግጋጽ ተራ ሃገራዊ ነጻነትና ጀሚሩ ዝተጋህሰን ዝተኸልከለን ምዃኑ ንዝኾነ ኤርትራውን ካልእን ዝተሰወረ ኣይኮነን፡፡

ብኣንጻሩ ጉጅለ ህግደፍ ንኩሉ ናይ ህዝብታትና መሰላትን ናይ ሃገርን ልኡላውነትን ብምግባትን ብምርማስን ጭፍርኡ ንብሕቱ እናተጠቕመ መጺኡን ዝቕጽለሉ ዘሎን እዩ፡፡ መ/ህግደፍ ከምቲ ኣብ ልኡላውነት /ኩሉ መዳያዊ መሰል/ ናይ ህዝብታትና እናፈጸሞ ዝመጸ ግህሰትን ጭቆናን፡ ኣብ መሬታውን ባሕራውን ልዑላውነትና’ውን እናገሃሰ ባሕርናን ወደባትናን ንዓሰብቱን መወልቱን ዝኾኑ ሰብ ገንዘብ መንግስታት እናካረየ ካብ ሓፈሻዊ ጠቕሚ ክረኽቡ ምግባር ሓሊፉ፡ ንወታሃደራውን ጸጥታውን መዓላን ኣገልግሎትን ዝህብ ወታሃደራዊ መደበር /መዓስከር/ ብምክራይ ብዝሒ ክራይ ይኹን ናይ ግዜ ገደብ ብዘይገልጽ ምስጢራዊ ኣገባብ ብምኽታል ናይ ባሕርናን ወደባትናን ልዑላውነት ናብ ዋጋ ዕዳጋ እናውረደ ክጥቀም ከም ዝጸንሐን ዘሎን ዝተጨበጠ ሓቂ እዩ፡፡

ንኣብነት ካብ ገለ ሚስጢራዊ ስምምዓቱን ጠቕሙን ንምጥቃስ ዝኣክል፤ ቅድሚ 6-7- ዓመታት ኣቢሉ ምስ መንግስቲ ኢራን ምስጢራዊ ስምምዕ ብምግባር ብዙሕ ገንዘብ እናሓፈሰ ብመንግሰቲ ኢራን ንዝድገፉን ዝምወሉን ተቓወምቲ ሓይልታት የመን /ምንቅስቓስ ሑጢ/ ኣብ በረኻታትና እናተዓለሙ ባሕርና ከም መሰጋገሪ ናብ ሃገሮም እናተጠቐሙ ክቃለሱ ብምፍቃድ ዋጋ ዓስቡን ክራይ መሬትናን ክእምርር ጸኒሑ እዩ፡፡

ይኹን ዳኣምበር ጉጅለ ህግደፍ ከም ጽጋዕተኛን ተዓሳብን ከዳዕ ጉጅለ መጠን፡ ዝያዳ ገንዘብ ክኸፍሉ ዝኽእሉ  ጸረን መናሓንሕትን መንግስቲ ኢራን ዝኾኑ ኣብ የመን ጠቕሚ ዘለዎም ከም በዓል መንግሰቲ ንጉሳዊ ስዑድ ዓረብን ምሓዙቱ ዝኾኑ መንግሰታት ሓውሲ ደሴት ዓረብን፡ ኣብ ዝሓተተዎ ግዜ፡ ካብቲ ብመንግስቲ ኢራን ዝኽፈሎ ዝነበረ ገንዘብ ንላዕሊ ስለ ዝረኸበ፡ ምስ መንግስቲ ኢራን ዝነበሮ ምስጢራዊ ውዕል ብምፍራስ፡ ምስ ሓደስቲ ዓሰብቲ ሓድሽ ምስጢራዊ ውዕል ብምእታው ማያዊ ባሕርናን ወደብናን ከም ድሌቶም ክጥቀምሉ ተሰማሚዑን ኣፍቂዱን እዩ፡፡

በዚ ምስጢራዊ ውዕል’ዚ መሰረት ድማ፡ ምስ መንግስቲ ኢመሬት ኣብ ወደብ ዓሰብ ንዘይተፈለጠ ዓመታት ዝጸንሕ ውዕል ብምእታው መንግስቲ ኢመሬት ዓቢ ወታሃደራዊ መዓስከር ደኲና ከም መበገሲ /መናሃሪ/ ናብ ውግእ የመን ብምጥቃም ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓምታት ኣብ ዕንወት የመንን ስቓይ ህዝባን ክትግልገለሉ ጸኒሓን ገና ትግልገለሉ ኣላን፡፡ ኣረሜናዊ መ/ህግደፍ ናይ ህዝብታትና ኩሉ መዳያዊ መሰልን ጥቕምን /ልኡላውነቶም/ን ገፊፉ ሃገራዊ ልኡላውነትና ናብ ዋጋ-ዕዳጋ እናውረደ ብክረኽቦ ዝጸንሐን ገና ዝረኽቦ ዘሎን ገንዘባዊ እቶት ሸውሃቱ ስለ ዘይዓገበ ሎሚ’ውን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሃገራዊ ልዑላውነትና /መሬትና፡ ባሕርናን ወደባትናን ሰማይናን/ ንተወሳኺ መሸጣ /ሓደገኛ ክራይ/ ንምውራድ ላዕልን ታሕትን ኣብ ምባል እዩ ዝርከብ ዘሎ፡፡

እዚ ካኣ ነዚ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ዓለምና ዝረአ ዘሎ ናይ መንግስታት ኩሉ መዳያዊ መልክዕ ዝሐቖፈ ውድድርን ንሱ ዝፈጥሮ ዘሎ ምትፍናንን ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ብምውሳድ፡ ብቐንዱ ናብ ልዕለ-ሓያል መንግስቲ ኣሜሪካ ዘቕነዐ፡ ብሓፈሻ ንሃገራት ምዕራብ /ኤውሮጳ/ን ጃንዳታተንን ዝሓወሰ ፕሮፖጋንዳዊ ወፍሪ እናኣካየደ ብሓደ ገጽ፡ በቲ ካልእ ገጽ ድማ ንሓያላት እየን ዝብለን ሃገራት ምብራቕ ብሓፈሻ፡  ንሃገራት ቻይናን ሩስያን ካኣ ብፍላይ ብምቕዳም ተዓሳብነቱን ጸጊዕነቱን ንምርግጋጽ ክብል ምስ ሃገራት /ደምበ/ ምብራቕ ከም ዝወገነ ንምርኣይ ንምግላጽ ሕሱርን ንዑቕን ፖሮፖጋንዳ ኣብ ምክያድ ይርከብ ኣሎ፡፡

ጽጋዕተኛ መንግስቲ ህግደፍ ዝኸዶ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣንፈት፡ ፖለቲካዊ፡ ወታሃደራውን ቁጠባውን ዲፕ/ውን ጽልዋን ተሰማዕነትን ስለ ዘለዎ ኣይኮነን ዝነጥፍ ዘሎ፤ እንታይ ዳኣ ንብሉጽነትን ምቹእነትን ናይ ሃገርና መሬትን ባሕርን እስትራተጂካዊ /ክሳዳዊ/ ኣቀማምጣን ተመራጽነትን መበገሲ ዝገበረ፡ ሓይልታት ምብራቕ ቻይናን ሩስያን ካለኦት ሰዓብተንን ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ካኣ ብፍላይ ዝደልየኦ ዝተፈላለየ ጠቕሚ ከረጋግጻ ክብላ፡ ንሃገርና መሬታ፡ ባሕራን ወደባታን ክጥቀማ ኣብ ምዕዳምን ምህውታትን ይርከብ ኣሎ፡፡ በዚ ኣቢሉ ድማ ሎሚ እውን ከም ልማዱ በዚ ኣብ ዓለምና ብሓፈሻ፡ ኣብ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ካኣ ብፍላይ ክፍጠር ዝኽእል ወጥርታት ብምምዝማዝ ሃገርን ህዝብን ኣዋሪዱ ኩሉ መዳያዊ ረብሓ ንምርካብ ስለ ዝዓለመ እዩ፡፡

እዚ ኣብ ሸርሕን ኮንትሮባንዳዊ ንግድን ዝተሰረተ መደብ እዚ፡ ግብራዊ ክኸውን እንተዳኣ ኮይኑ፡ ኣብ ከባቢናን ሃገርናን  ናይ ሓያላት መንግስታት ምስሕሓብን ጎንጽን ግዳይ ናይ ምዃን ኩነታት ከስዕብ ስለ ዝኽእል፡ ንዓና ንኤርትራውያን ከም ህዝቢ ኣብ ርእሲ እቲ ብስእነት ልኡላዊ መሰላትና እንሳቐየሉ ዘለና ጽጉም ሂወት ብተወሳኺ ኣብ ሃገርና፡ ብፍላይ ካኣ ኣብ ባሕርናን ወደባትናን ግዳማውያን ተነሓናሕቲ ሓይልታት ተወሳኺ ወታሃደራዊ መደበራት ብምድኳን ክነጥፉ እንተዳኣ ጀሚሮም፡ እታ ብክንደይ መስዋእትን ሓሳረ-መከራን ዘረጋገጽናያ ስማዊት ኮይና ዘላ ሃገራዊ ነጻነትና መሊኣ ክትዳኸምን ከም ሃገር ናብ ፍሽለት፡ ውድቀትን ምብትታንን ክትሳጣሕ ከም እትኽእል ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን፡፡

ምኽንያቱ እዚ ተርእዮ’ዚ ምሰ ክብደት ናይዚ ብዓለምን ከባብን ዝብገስ ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥርን ምስሕሓብን አዛሚድና ክንርእዮ እንከለና ፍልይ ዝበለን ተኣፋፍን ጉዳይ ስለ ዝኾነ ኣቃሊልና ክንርእዮ ዝግባእ ኣይኮነን፡፡ ስለ ዝኾነ ነዚ ጭፍራ ህግደፍ ናብ ሓያላትን ጠቐምትን ዝብለን ሃገራት ምብራቕ /ቻይናን ሩስያን/ ብፍላይ ክሰብኽን ባይታ ክምድምድን ዝፍትኖ ዘሎ ፖለቲከዊ ወፈርን ጎስጓስን፡ ጽጋዕተኛን ተዓሳብን ዕላምኡ ንምዕዋት ክብል እንተዘይኮይኑ፡ ንህዝብታትናን ሃገርናን ክንዲ ፍረ-ጣፍ’ውን ትኸውን ጠቕሚ /ፋይዳ/ ዘምጽእ ኣይኮነን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብኣንጻሩ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋን ጸገማትን ዘሳጥሕ ተኽእሎ እዩ ዘለዎ፡፡

ግዳማውያን ሓይልታት ምዕራባውያን ብሓፈሻ ብፍላይ መ/ኣሜሪካ ንህዝብታትናን ሃገርናን ዝሕግዙን ዝጠቕሙን እንተዝኾኑ ነይሮም፡ ሃገራዊ ነጻነትና ንምርግጋጽ ክንብል ኣብ እንቃለሱ ዝነበርና መስርሕ ዝነበሮም መርገጽን ደገፍን ንጸላእትና ዝኾኑ መግዛእታዊ ሓይልታት’ምበር ንህዝባዊ ቃልስና ዝገበርዎሓገዝ ኣይነበረን፡፡ ብኣንጻሩ ህዝባዊ ቃልስና ንከይዕወት ብቀጥታውን ዘይቀጥታውን ኣገባብ ከዐንቅፍዎን ከበርዕንዎን እዮም ተቓሊሶም፡፡ ሃገራዊ ናጽነትና ብመሪር ቃልስና ኣብ ዘረጋገጽናሉ ግዜ’ውን እንተኾነ ኩሉ-መዳያዊ ልኡላውነትና በዚ ገባቲ ጉጅለ ዝተጋህሰሉ ልዕሊ 30 ዓመታት ዘቑጸረ መሪር መስርሕ ኣብ ልዕሊ እቲ ገባቲ ጉጅለ ዝገብሮ ዝነበረ ዘይኣድማዒ ተጽዕኖታት ከም ዝነበረ ብዘይምዝንጋዕ፡ ሓገዞምን ምትብበዖምን ንስርዓት ህግደፍ እምበር ንህዝብታትናን ቃልስናን ኣይኮነን ጸኒሑ፡፡

እዞም ኣብዚ ግዜ’ዚ መ/ህግደፍ ከም ሓያላት፡ ተወዳዳርትን ጠቐምትን ካብ ናይ መዕራብ ደምበ /ሃገራት/ ዝሐሹን ምዃኖም እናገለጸ እናማሳመሰ ተለኣኣኺኦም ብምዃን ክጥቀም ዝቀራረቦም ዘሎ ሃገራት ምብራቕ’ውን እንተኾኑ፡ ተመሳሳሊ ዕላማ ከም /ምዕራባውያን/ ብምሓዝ ኣብ ዓለም ብሓፈሻ፡ ኣብ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ካኣ ብፍላይ ጠቕሞም ንምርግጋጽን ንምውሓስን ዓሊሞም ዝብገሱ ዘለዉ’ምበር፡ ኣብ መሰልን ጠቕምን ህዝብታትና ዝግደሱን ዝሕግዙን ኣይኮኑን፡፡ ብኣንጻሩ ንመንግስቲ ህግደፍ እናኣቃባጠሩ ብዝተወነ ጠቕሚ እናዓሰቡ ኣብ ከባቢና ምስ መወዳደርቶም እናተናሓንሑ ጠቕሞም ንምርግጋጽ እዩ ዕላመኦም፡፡         

እዞም ሓይልታት እዚኣቶም ኣብ ሕሉፍ ዕጥቃዊ ቃልስና ዝነበረ ተረኦም እንታይ ይመስል እንተኢልና፡ ሶቭየት-ሕብረት /ሩስያ/ ንሃገራዊ ቃልስና ከም ዘይቅኑዕን ኣድሓርሓርን ምንቅስቓስ ብምርኣይ ኣብ ጎኒ ፋሽስታዊ ደርግ ጠጠው ብምባል ህዝባዊ ቃልስና ንምብርዓን ጽዒራ እያ፡፡ ድሕሪ ስማዊ ነጻነትና ምርግጋጽ ድማ ኩሉ-መዳያዊ መሰልና ምስ ተጋህሰ ንሓርነትና እንገብሮ ዝጸናሕናን ዘለናን ቃልሲ ድማ ምስ ገባቲ ጉጅለ ህግደፍ ወግዊ ዲፖሎማስያዊ ዝምድና ብምምስራት ንክትጥቀመሉ እናጸዓረት ኢያ ጸኒሓን ትጽዕር ዘላን፡፡

መንግስቲ ቻይና’ውን እንተዀነት ኣብ ዕጥቃዊ ቃልስና ኣብ ናይ መጀመርያ ግዝያት ንቃልስና ብምድጋፍ ዝተወሰነ ስልጠናን ምትብባዕን ክትህብ ጀሚራ እኳ እንተነበረት ኣብ ቀጺሉ ዝሰዓበ መስርሕ ቃልስና ግን ናይ ተዓዛብነት መርገጺ ብምሓዝ እያ ዝቐጸለት፡፡ ኣብቲ ድሕሪ ነጻነትና ዝቐጸለ መስርሕ ሓርነታዊ ቃልስና’ውን እንተኾነ፡ ምስ ውልቀ-መላኺ መ/ህግደፍ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ብምግባር ንህዝባዊ ቃልስና ዕሽሽ ምባል እያ ዝመረጸት፡፡

ኣብዚ ግዜ’ዚ ድማ በቲ ኣብ ዓለም ይኹን ኣብ ኣፍሪቃ ኣተኣታትያቶ ዝጸንሐትን ዘላን ሰፊሕ ቁጠባዊ ምትእስሳርን ምጥቕቓምን ካልእን ብሓፈሻ፡ ብዝለዓለ ንምቕጻሉ መደብ ኣለዋ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ምስ ልዕለ-ሓያል ኣሜሪካን ጃንዳኣ ዝኾና ሃገራትን ብሕሱም እናተወዳደረት ንምዕቃቡን ንምስፍሑን እናተዳለወት፡ ናይ ሃገርና መሬት፡ ባሕርን ወደባትን ክትጥቀመሉ ምስ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ምዝርራብን ምውጋይን እያ እትርከብ ዘላ፡፡ ስለ ዝዀነ መንግስቲ ቻይና ኣብዚ ግዜ እዚ ናይ ህብታትናን ሃገርናን ልኡላውነት ንጎኒ ብምግዳፍ ካብ ምጥቃም ድሕር ዘይትብል ምዃና እቲ ዝረአ ዘሎ ጭቡጥ ኣንፈት ጉዕዞኣ ሓባሪ እዩ፡፡

እዚ ጉጅለ ህግደፍ ሰብኣዊ መሰልና ብምግሃስ፡ ልኡላዊ መሬትና ናብ ዋጋ ዕዳጋ እናኣውረደ ዝኸዶ ዘሎ ሓደገኛ ጉዕዞ ብህዝባዊ ቃልስና ክዕገት እንተዘይክኢሉ፡ ንህዝብናን ሃገርናን ናብ ሕሱም ፖለቲካዊ ዓዘቕትን ዝተፈላለዩ ጸገማትን ዘሳጥሕን ከም ጥሙር ህዝብን ልዑላዊ ሃገርን ናብ ሓደጋ ፍሽለትን ምብትታንን ክድርኽ ዝኽእል ስለ ዝዀነ፡ በዚ ዓይኒ እዚ ብምርኣይ፡ ህዝባውን ሃገራውን ልኡላውነትና ንምዕቃብን ንምውሓስን ሓሪንና ክንቃለስ እዩ ዝህልወና፡፡

እዚ ሓላፍነትን ግቡእን እዚ ከነረጋግጽ እንተዘይበቒዕና ግና ንድለዮ ኣይንድለዮ ከም ህዝብን ሃገርን ናብ ፍሽለትን ውድቀትን ክንሳጣሕ ከም እንኽእል ፈሊጥና፡ ነቲ ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋ ብኣጋ ንምዕጻፍን ከም ሃገርን ህዝብን ህልውናናን ቀጻልነትናን ንምውሓስን፡ ሓፋሽ ህዝብና ነዚ ፖለቲካዊ ሓደጋ እዚ ብግቡእ ፈሊጡ ክቃለስ ንምብቃዕ ክንረባረብን፡ ሃገራዊ ዓቕምና ብምውዳድ ንዘይተርፍ ህዝባዊ ዓወትና ስሉጥን ክውንን ንምግባር ብውህደትን ምትእምማንን ኣብ መስመር ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልስና ንመርሽ፡፡

 

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                         26 ታሕሳስ 2023