ኣምልኾ ምስ መለኮታዊ እምነት ዝተኣሳሰረ’ዩ። ሚሊዮናት ዘይኮነ ቢሊዮናት ሰባት ዘምልኽዎ ከኣ ሓደ ፈጣሪ ጥራሕ’ዩ። ኣምልኾ ኣብ ሓደ ፈጣሪ ካብ ጥንቲ ዝነበረ፡ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ’ውን ዝህሉ፡ ተገዲድካ ዘይኮነ ብኣስተምህሮን ዕግበትን ትኽተሎ፡ መትከላውነቱ ካብ ውልቀ ረብሓ፡ ነፍሰ ፍትወት፡ ኣድልዎ፡ ጭካኔ፡ ሓሶት፡ ስርቂ፡ ነጻ ሕልና ክህልወካ፡ ርህሩህ ሓቀኛ ተኻፊልካ ትበልዕ ሓቢርካን ተኸባቢርካን ክትነብር ዝምህር’ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ’ዩ ብዘይምስገዳድ ብዘይ ምፍርራሕ ፖሊስን ጸጥታን ሰባት ብሰናይ ድሌቶም ኣበየ እምነቶም ከይዶም ክጽልዩን ክሰግዱን ዝረኣዩ። 

ኣብ ምድራዊ ሕግን መምርሕን ግን ከምኡ ኣይሰርሕን። ምድራዊ ሕጊ ብቐጥታ ምስ ምውናን ምፍራይን ምክፍፋልን ነገራዊ ሃብቲ ዝተኣሳሰረ ሓባራዊ ህይወት ስለ ዝኾነ፡ ብሓባር ብሰላም ዘንብረካ ሕጊ ባዕልኻ ተኣኪብካ ተዛቲኻ ኢኻ ተውጽእ። ንሰባት ህዝብታት ብሓባርን ምክብባርን ዘንብር ከኣ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ምሕደራ’ዩ። ትኽተሎ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ንሰላም፣ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ቁጠባዊ ምዕባለ፣ ምድምማጽ ምክብባር ዝዓሰሎ ውሽጣዊ ስኒት ዘረጋግጽ ክኸውን ኣለዎ። ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋምን ካብኡ ዝምንጩ ሕግታት ኣጣይስካ ትቆጻጸረሉ፡ ጉድለት እንከጋጥም መፍደዪ ሕነ፡ መስበሪ ሞራል መንበርከኪ ዘይኮነ፡ መምሃሪ መእረሚ ክኸውን ይግባእ። ኣብ ሓደ ፈጣሪ ‘ምበር ኣብ ከማኻ ሰባት ዘይተምልኽ፡ ሓንሳእ ተፈጢራ ሓንሳእ ትጠፍእ መተካእታ ዘይብላ ህይወትካ ብዓመጽ ክትሓልፍ ዘይተፍቅድ፡ ንሰብኣዊ ክብርኻ ትከላኸል፡ ንደሞክራስያዊ ዜግነታዊ መሰልካ ከይተሸማቐቕካ ትማጎት ምስ እትኸውን ንቑሕ ሰብ ከም ዝኾንካ የመልክት።

ኣብ ናይ ሓባር ሃገር ምስ ምሉእ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጥዕናኻ እናሃለኻ፡ ኣብ ምሉእ ምሕረት ሓደ ሰብ ምውዳቕ (ምምላኽ) ከይሞትካ ከም ዝሞትካ’ዩ ዘመልክት። ንስለቲ ከማኻ ሰብ ድሕነትን ቀጻልነት ስልጣኑን ብዘይትፈልጦን ዘይተጻሕፈን ሕጊ ተበገስ እንክትበሃል ናበይ ከይበልካ ክትብገስ፡ ኮፍ በል እንክትበሃለካ ኮፍ ክትብል፡ ክሳብ ህይወትካ ዘስእን ፈጽም ኣብ ዝተበሃልካዮ ክትፍጽም እንከለኻ፡ ኣተሓሳስባኻ ትሕቲ እንስሳዊ ኣተሓሳስባ ‘ምበር ናይ ምሉእ ሰብ ምዃኑ ኣየመልክትን። እምነት ኣብ ሓደ መለኮታዊ ሓይሊ ኣብ ሕልናኻ ከምዘየለ፡ ትርጉም ህላወ ሓባራዊ ሕግን ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓን ከምዘይትፈልጥ፡ ናተይ ትብሎ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ከም ዘይብልካ ይሕብር። እዚ ባህሪ’ዚ ናይ ሰብኣዊ ፍጡር ባህሪ ኣይኮነን። ሰብን እንስሳን ዝፈላሊ ዶብ’ኮ ባህርን ኣተሓሳስባን’ዩ። እንስሳ ድሕሪት ተመሊሱ ዝዝክሮ ታሪኽ የብሉን። ስትራተጂካዊ ውጥን የብሉን። ኣነባብራኡ ውሕስነት ዘይብሉ ደመ ነፍሳዊ’ዩ። ሰብ ግን ብኣንጻሩ ልዑል ናይ ምሕሳብ ተኽእሎ ዘለዎ ፍጡር’ዩ። ወለዶኡ ዝፈልጥ፡ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታኡ ተመሊሱ ዘጽንዕ፡ ዘለዎ ኩነታት ብመንጽር ድሕነቱ፡ ጠቕሙን ጉድኣቱን ዝመዝን፡ ክበጽሖ ዘለዎ ሸቶ ዝግንዘብ፡ ብሓባራዊ ሕጊ ተማእኪሉ ክኸይድ ዘኽእል ፍሉይ ኣእምሮ ዝተዓደለ’ዩ።

ሊቃውንቲ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ወዲ-ሰብ ማሕበራዊ መደቡ ምስ እንስሳ ምዃኑ ይሕብሩ። ግን ከኣ ካብ ካልኦት እንስሳ ዘቤት ኮነ ዘገዳም ዝፈልዮ ነገራት ከገናዝብ ዘኽእሎ ፍሉይ ናይ ምሕሳብ ባህሪያዊ ትዕድልቲ ከም ዘለዎ ይገልጹ። ነቲ ተፈጥሮ ዝዓደሎ ፍሉይ ናይ ምሕሳብ ተኽእሎ ብግቡእ ክጥቀመሉ እንተዘይክኢሉ ግን ካብ እንሳሳ ዝፈልዮ ኣይህሉን ድማ ይብሉ። እዚ ምሁራዊ መልእኽቲ’ዚ ነፍስ ወከፍ ሰብ ኣበይ ከም ዘሎ፡ እንታይ ይሓስብ ከም ዘሎ፡ ደረጃ ንቕሓቱ፡ ባህሪኡን ተግባሩን ክፍትሽ ክግምግም፡ ሓቀኛ መንነቱ ክፈልጥ ዝድርኽ ኣስተምህሮ’ዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ወዲ-ሰብ ብኣፈጣጥራኡ ሓደ ይኹን ‘ምበር፡ ኣብ ባህሪኡ፡ ኣረኣእያኡን ተግባሩን ሓደ ኣይኮነን። ገሊኡ ሚዛን ሰብኣዊ ክብረት ብግቡእ ተረዲኡን ዓቂቡን ዝኸይድ መራላዊ ስብእና ዘለዎ’ዩ። ገሊኡ ሰብኣዊ ክብረቱ ንኸምኡ ሰብ ኣሕሊፉ ዝሃበ፡ ሓቂ ተነጊርዎ ዘይሰምዕ፡ ብዓይኑ ዝሪኦ ዘይኣምን ባርነት ብድሌት ዝተቐበለ፡ ሞራላዊ ስብኣና ዝረሓቖ’ዩ። እዚ ዳሕረዋይ ኣተሓሳስባ ኣብ ሓንቲ ናይ ሓባር ልኡላዊት ሃገር ሓቢርካን ተኸባቢርካን ብሰላም ብስኒት ክትነብር ዘየኽእል ዝባኑ ዝቐልዐ መግለጺ ፖለቲካዊ ድንቁርና’ዩ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ጸረ-ፋሽሽታዊ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ብሓባር ብምቅላስ፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውያን መሰላት ዘኽብር፡ ደሞክራስያዊ ቅዋም ዝዋሕሱ ጥጡይ ፖለቲካዊ ባይታ ከይፍጠር ርኡይ ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ፡ እዚ ሞራላዊ ስብእና ዘይብሉ ባርነት ብድሌት ዝተቐበለ ኣምላኺ ሓደ ዝኾነ ኣዝዩ ድሑር ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ’ዩ። እዚ ድሑርን ኣዕናውን ኣረኣእያ’ዚ በትሪ፡ ገንዘብ፡ ጉልበት እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ብምዃን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሞ ዘሎ በደል ኣቃሊልካ ዝረአ ኣይኮነን። ነዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ሓደገኛ ዝገብሮ ከኣ፡ ልዕሊ ሰብኣዊ ክብሩ ብምስልን ክብረትን ኢሳያስ ዝግደስ ምኳኑ’ዩ። ንስለ ክብረ ዝና ኢሳያስ ልዕሊ ኢሳያስ ኮይኑ ክርከብ ዝጽዕት ምዃኑ’ዩ። ንኣብነት፡ ኢሳያስ ብናይ ዓሻ ደፋር ትዕቢታዊ ኣገላልጻ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 32 ዓመታት ኣብ’ዛ ሃገር ክስራሕ ዝነበሮ ኣይተሰርሐን። ክኸውን ዝነበሮ ኣይኮነን። ክህሉ ዝነበሮ የለን። ዋላ ሓንቲ የለን ኢሉ ብወግዒ ንዝኣምነሉ’ውን ሰሚዑ ምስ ሕልናኡ ዘይላዘብ፡ ዳግመ ርእይቶ ዘይገብር ምሉእ ንምሉእ ምስ ሓቅን ፍትሕን ዝተባእሰ፡ ናብ ኣጥፊእካ ምጥፋእ ሽበራዊ ምንቅስቓስ ዝሰጋገር ዘሎ ምትእኽኻብ ምዃኑ’ዩ። ኣብ ሃገረ እስራኤል ካብ ኤምባሲ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ዝተበገሱ ናይ ጥፍኣት ዕስለ ኣብ ህይወትን ንብረትን ዝፈጸምዎ ዕንወት፣ ማሊያን ኣዳራሽን እናቐያየሩ ዘካይድዎ ዳንኬራ፡ ዘመሓላልፍዎ ናይ ክንሓርደኩም፡ ሃብቲ ጥሪትኩም ክንወርሰኩም፡ ከነጥፈኣኩም ኢና መልእኽቲ፣ ንስለ ክብረ ዝናን ቀጻልነትን እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኢሳያስ ኩሉ ዓይነት ሽበራዊ ተግባር ክፍጽም ዝወሰነ ባርነታዊ ስነ-ኣእምሮ ከም ዝኾነ ኣማቲ’ዩ።

እዚ ከም’ዚ ዓይነት ክስተት፡ ዕሙት ኣምልኾ ካብኡ ሓሊፉ ባርነት ብድሌት ‘ምበር፡ ካብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፡ ካብ ፖለቲካዊ ደገፍ ዝብገስ ኣይኮነን። ብፍቕሪ ሃገር፡ ብምኽባር ልኡላውነት ሃገር ዝምኽነየሉ ኣይኮነን። እዚ ኣዕናዊ ሽበራዊ ዕስለ’ዚ፡ ንቑሓት ፍትሓውያን ደሞክራስያውያን ኤርትራውያን ከም ህዝቢ ንምረሓሉ ናትና ዝኾነ፡ ደሞክራስያዊ ሃገራዊ ቅዋም የድሌና ኣሎ። ብመሰረት ደሞክራስያዊ ሃገራዊ ቅዋምና ዘፍቅዶ፡ ዝመረጽናዮ ህዝባዊ ረብሓን መሰልን ማእከል ገይሩ ዝሰርሕ፡ ባዕልና ንቆጻጸሮ ንገርሖ ነደይቦ ነውርዶ ፖለቲካዊ መሪሕነት (መንግስቲ) ክንተክል ኣለና። ከም ህዝቢ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ልምዓት፣ ህዝባዊ ልኡላውነት ዘረጋግጽ ጥጡሕ ፖለቲካዊ ባይታ ክንፈጥር ኣለና። ነዚ መሰረታዊ ህዝባዊ ጠለብ’ዚ ዘይምልስ፡ ብኣንጻሩ ዝድምስስ ኣርዒድካን ኣድኪኻን ግዛእ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ ዝኽተል እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ብከፊል ዘይኮነ፡ ምስ ኩሉ ትካላዊ መሓውሩ ክእለ ኣለዎ ንዝብል ቅኑዕ መትከላዊ ኣረኣእያ ኣይቅበልን።

ብኣንጻሩ፡ ብትሕቲ ሃገርነት ዝኸስስ፡ ንምጥፍኡ ዓቕሙ ጸንቂቑ ዝሰርሕ ውዱቕ ሕልና’ዩ። እቲ ዘምልኾ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ብመንጽር ንቡር መንግስታዊ ፖለቲካዊ ምሕደራ፡ እንታይ ክብል ክገብር ከምዘለዎ ጉዳዩ ኣይኮነን። ንጉስ ባርነት ኢስያስ ኣፈወርቂ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ትሕተ ቅርጻዊ መዳይ ኣይኮነን ሓድሽ ክንሰርሕ ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም መግዛእቲ ጣልያን ዝሃነጾ’ውን ኣይጸገናን። ዝሰራሕናዮ ነገር የለን። ኩሉ ባዶ’ዩ። ዝነበረ ፈሪሱን ዓንዩን ከም ዘይነበረ ኮይኑ ኢሉ እናነገሮ ስለምንታይ ኢሉ ኣይሓትትን። እዚ ሕሉፍ ኣምልኾ ‘ምበር ካብ ፍቕሪ ሃገር ዝብገስ ፖለቲካዊ ደገፍ ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ ርሑቕን ውሑስን ቦታ ምዕራባዊ ዓለም ሰፊርካ ከም’ዚ ዝበለ ውዱቕ ሕልና ምውናን፡ ባርነት ብድሌት’ዩ ዘረጋግጽ።

ሎሚ ዓመተ 2023 ተዛዚሙ ዓመተ 2024 ሓደ ኢልና ንጅምረሉ ዘለና ወርሒ’ዩ። ባህሪኡ ደሞክራስያዊ ድዩ ኣይኮነን። ሕጋዊ ድዩ ኢደ-ወነናዊ ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ንግዜኡ ገዲፍና፡ ንሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ኣብ ምምራሕ ዝርከብ መንግስታዊ ኣካል ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2023 ሒዝዎ ዝነበረ መደባት ብዝተታሕዘሉ ግዜ ዝተፈጸመን ዘይተፈጸመን፣ ዘጋጠመ ሰብ ዝሰርሖን ባህሪያውን ዕንቅፋት፣ ኣብ ማሕበረ ቁጠባዊ ኩነታት ህዝቢ ዝተራእየ ምዕባለ፣ ምስ ናይ ቀረባን ርሑቕን መንግስታትን ህዝብታትን ዝተገብረ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናን ዝተመዝገበ ውጽኢትን፣ ዝተመደበ ዓመታዊ ባጃት ኣብ ምንታይ መዓላ ውዒሉ ኣመልኪቱ ንህዝቢ መግለጺ ክህብ ይግባእ። ነዚ ሓድሽ ዓመት ክንደይ ባጀት ከም ዝተመደበ፡ ምንጪ ገንዘብ ካበይ ከም ዝርከብ፡ ኣብ ምንታይ ከም ዝውዕል ዝተታሕዘ ውጥን ዘርኢ ብጽሑፍ ዝተሰነደ ብሩህ መግለጺ ክህብ ትጽቢት ይግበር። ከም’ዚ ዓይነት ኣካይዳ ንቡር’ዩ። ናይ ግድን ክግበር ስለ ዘለዎ ከኣ’ዮም ብዙሓት ሕጋውያን ተሓታትነት ዘለዎም መራሕቲ ከምኡ ክገብሩ ንሰምዕ።

ኤርትራ ሃገርና ሕቶ ልኡላውነት ህዝቢ ዘይተመለሰላ፡ ብዓለም ዝተፈልጠት ልኡላዊት ሃገር’ያ። ሃገራዊ መንግስቲ’የ ብዝብል ፍጹም ጨካን እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ትምራሕ፡ ህዝባ ኣብ ሃገሩ ብስሙ እንታይ ውሳኔታት ይሓልፍ እንታይ ይግበር? ክንደይ ዓመታዊ ባጀት ተመዲቡ? ዝኾነ ሓበሬታ ዘይረኽበላ ብፖለቲካዊ ውሳኔ ዝተዓጽወት ሃገር ኮይና መጺኣን ትቕጽል ኣላን። ስእነት ሃገራዊ ሰላም፣ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፣ ምብሕጓግ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፣ ዓሚቕ ድኽነት፣ ናህሪ መሰረታዊ ሸቐጣት ናብ ደረጃ መጋየጺ ዝደየበሉ፣ ስእነት ማሕበራዊ ቀረብ፣ ከም እንኮ መድሕን ህይወት ተወሲዱ ዝቕጽል ዘሎ ፍልሰት መንእሰያትን ዝገጥሞ ዘሎ ሓደጋታትን፣ ኣብ ውፍሪ ዘርኢ ምጽናት ህዝቢ ትግራይ ስለምንታይ ተኣትዩ? ኣብኡ ናይ ዝመቱን ዝቖሰሉን ሰባት ዛዕባ፣ ንማያዊ ባሕርናን ውደባትናን ዝምልከት እንተተሰማሚዕኩም ብሰላም፡ እምቢ እንተኢልኩም ብሓይሊ ዝስማዕ ዘሎ ወግዓዊ ታህዲድ ጎስጓስን ካልኦትን ናይ ግድን ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ንህዝቢ መብርሂ ዘድልዮም ዘይስገሩ ዛዕባታት’ዮም ነይሮም። እንኮ-ሰባዊ ስርዓትን ግን ናይ ብሓቂ እንኮ-ሰባዊ ‘ምበር ህዝባውን ሕጋውን ስርዓት ስለ ዘይኮነ፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2024 ብዛዕባ’ዚ ኣገዳሲ ነጥብታት’ዚ ዝሃቦ መግለጺ የለን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት ንማያዊ ባሕርናን ውደባትናን ኣመልኪቱ፡ ካብ ንሳትኩም ውሑዳት ንሕና ብዙሓት ዝብገስ ብደዐ፡ ካብ ክልተ ነገራት ሓደ ምረጹ ዓይነት ጎስጓስ ክካየድ ምጽንሑን ምህላውን ይፍለጥ። ውልቀ መላኺ ስርዓት ብቐጥታዊ ብሩህን ዝርዝርን ዘይኮነ፡ መግለጽን መርገጽን ናይ መንግስቲ ኢልካ ክዛረበሉን ዘይትኽእል ከም’ዚ ዝስዕብ ኢሉ ነይሩ። “ኣብ’ዚ ቀረባ እዋናት፡ ብዛዕባ ማያትን መሳዂቲ ባሕሪን ዝመሳሰሎ ኣርእስትታትን ዝተባህለን፡ ‘ተባሂሉ’ ዝተባህለን፡ እልቢ የብሉን። ዘየስደመሞ ተዓዛቢ ኸኣ የለን። መንግስቲ ኤርትራ፡ ከም ወትሩ፡ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ጐደናታትን መኣዲታትን ከምዘይዕደም ደጋጊሙ እናረጋገጸ፡ ንኹሎም ግዱሳት ከይትንኰዩ ይምሕጸን።” ሚኒስትሪ ዜና፡ ኣስመራ፡ 16 ጥቅምቲ 2023 ።

ንሓድሽ ዓመት 2024 ኣመልኪቱ ድማ፡

መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት፡ “ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2024፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡ ንሓይልታት ምክልኻሉን፡ ዮሃናን ሰናይ ምንዮትን። ዓመተ 2023 – ብደረጃ ዞባን ኣህጉርን፡ ተፈጥሮኣውን ሰብ-ሰርሖን ሓደጋታት፡ ቅልውላዋትን ዕጥቃዊ ግጭትን ዝበዝሓ ዓመት’ያ ነይራ።

ኣብ’ዚ ቅልውላዋት ዝዓብለሎ ሃዋህው፡ ህዝቢ ኤርትራ፥ ስኒቱ፡ ሓድነቱን ርግኣቱን ዓቂቡ፡ ሰላሙን ልኡላውነቱን ኣውሒሱ፣ ኣብ ኩሉ ዓውድታት፡ ከም ወትሩ፡ ሓያል ናይ መኸተን ዓወትን ያታኡ ኣመስኪሩ ኣሎ። ዓመተ 2024 ድማ፡ ንዘላቒ ልምዓትን ገስጋስን እነንቅደሉ፡ ዝሓሸ ዕድል ከተርሕወልና ሰናይ ትምኒተይ እናገለጽኩ፡ ርሑስ ሓድሽ ዓመትን በዓላት ልደትን።” ዓወት ንሓፋሽ ከም ዝበለ ኣብ መርበባቱ ዝተለጠፈ ኣንቢብና ተዓዚብና።

     እዚ መቐጸልታ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 32 ዓመታት እናተባህለ ዝመጽአ ርኡይ ንዕቀት ህዝቢ ‘ምበር ሓድሽ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ እንዶ ንዘለዎም፡ ብሓሳብ ንዝድግፉን ዝቃወሙን ዜጋታት ኣዝዩ ኣዝዩ ዘሕፍርን ዘዛርብን ዛዕባ’ዩ። ደስ ዝበለኒ እንተበልኩ እንተገበርኩ እንታይ ከይተምጽኡ ከይትገብሩ ዝብል ልክዑ ዝሓለፎ በጋሚዶኣዊ ኣበሃህላ ‘ምበር ሓላፍነት ናይ ዝስመዖ ኣካል መግለጺ ኣይኮነን። ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ኣካል ኣብ ኣገደስቲ ተረኽቦታት ወይ ብወግዒ ኣፍልጦ ኣብ ዝረኸቡ ሃገራዊ ባህላውን ሃይማኖታውን በዓላት ንህዝቢ መግለጺ ክህብ ሰናይ ድሌቱ ዘይኮነ ግዴታኡ’ዩ። ኣብ ሕጋውያን ደሞክራስያውያን መንግስታት፡ ክሳብ እቲ መግለጺ ብመን ይዳሎ፣ ክንደይ ገጽ ክኸውን ኣለዎ፣ መግለጺ ብመን ክቐርብ ኣለዎ፣ ኣብ’ቲ በዓል ሰዓት ክንደይ ክቐርብ ከም ዘለዎ ኣብ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ብግልጺ ተሓታትነት ብዘለዎ ሕጋዊ ኣካይዳ ተሰሪዑ ዝተቐመጠ’ዩ። እንተደሊኻ ትገብሮ እንተዘይደሊኻ ትገድፎ ዓይነት ኣካይዳ ዘይኮነ ግድን ክግበር ዘለዎ’ዩ።

ብጻህያይ ኣምልኾ ሓደ ሰብን ባርነት ብድሌትን ኣብ ዝተወረረ ፖለቲካ ኤርትራ ግን፡ ውሳኔ ህዝቢ ክብረት ህዝቢ፡ ሕግን ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓን ቦታ ስለ ዘይብሉ፡ ሓደ ሰብ ማለት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ቃሕታኡ፡ እንተደልዩ ኣብ ድሮ፣ እንተደልዩ ፍርቂ ለይቲ፣ እንተደልዩ ኣብ ጸሓይ ዓራርቦ ናይ’ቲ በዓል፣ እንተ ደልዩ ድሕሪ ሰሙናትን ወርሓትን፣ ወይ ድማ ከም’ዚ ልዕል ክብል ተገሊጹ ዘሎ ክልተ ኣብነት ብክልተ ሰለስተ መስመር ጽሑፍ እንከላግጽ ሓታቲ የብሉን። ምእዙዛት ኣመልኽቲ ‘ምበር ናይ ፖለቲካ ደገፍቲ ስለ ዘይብሉ፡ ስለምንታይ ተባሂሉ ክሕተት ተሰሚዑ ኣይፈልጥን።

ምሁራት ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ናይ ቀደም ሰባት ኣብ ዓቢይ ኦም፣ እምኒ፣ ቃላይ፣ ገበል፣ ሓርማዝ፣ ጎቦ፣ ወርሒ ...ወዘተ የመልኹ ከም ዝነበሩ፡ ብመስርሕ ግን ብመምርሒ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ናብ ኣምልኾ ሓደ ፈጣሪ እናማዕበለ ከም ዝመጽአን ይሕብሩ። ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ድማ እነሆ፡ ነቲ ነይሩ ዝበሃል ዘሎ ጣኦታዊ ኣምልኾ ዘዘኻኽር ኣብ ግዳማዊ ተኽለ-ሰብነት ሓደ ሰብ ዘምልኹ ባርነት ብድሌት ዝተቐበሉ ሰባት ኣብ ኤርትራ ንዕዘብ ኣለና። ባርነት ብድሌት ዝተቐበሉ ኣምለኽቲ ሓደ ሰብን፡ ንምድራውን ሰማያውን ( ፖለቲካውን ሃይማኖታውን) ፍልስፍና፡ ሕግን ስርዓትን ፈልላዮም ዝርድኡን ዘኽብሩን ኣብ ሓይሊ ሓሳብ ድማ ዝኣምኑ ደምበ ደለይቲ ፍትሕን ኣብ ሓያል ጥምጥም ዝኣተናሉ ወሳኔ መድረኽ ንርከብ ኣለና። ንድሌት ውጹዓትን ብዙሓትን ዝውክል ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ከኣ ብዘይጥርጥር ክስዕር’ዩ። እዞም ተበገስ እንክበሃሉ ናበይ ዘይፈልጡ፡ ገንዘብ ክፈል እንክበሃሉ ኣብ ረብሓ መን ዝውዕል ኢሎም ዘይሓቱ፡ ሻዕቢያ ዝብል ማሊያ ተኸዲንካ ሳዕስዕ እምባሕ በል እንክበሃሉ ክሳብ ዝርህጹ ዘኹድዱ እምባሕ እናበሉ ዝግዕሩ፡ ናይ ግድን ክሰዓሩ’ዮም። ከከም ተግባሮም ኣብ ህዝባዊ ቤ/ፍርዲ ቀሪቦም ክሕተቱን ናይ ኢዶም ክረኽቡን’ዮም። ስለምንታይ’ሲ እምነቶም ዘይንቡር፡ ምስ ህላወ ኢሳያስ ዝህሉ ምስ ምውጋድ ኢሳያስ ድማ ዝቕህም መሰረት ዘይብሉ ብሉይ ጣኦታዊ ኣምልኾ ስለ ዝኾነ።

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)   

  10 ጥሪ 2024