ኣብ ህልውናን መስርሕ ቃልሲ ናይ ሕብረተ-ሰባት፡ ሓድነት ምሕዝነት ወዘተ ዝብሉ ቃላዊ አምራት ተዘውቲሮም ዝላዓሉ ቃላት እዮም ጥራሕ ዘይኮኑስ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መዓላ ንክውዕሉ‘ውን ዘየቋርጽ ቃልሲ ዝካየደሎም እዮም፡፡

ሓድነትን ምሕዝነትን ናይ ገዛእ ርእሶም መትከላትን ዕማማትን ስለ ዘለዎም ነዚኦም ኣብ ግምት ብምእታው ብአኦም ተመሪሕካ ክትጥቀመሎም ግድን ስለ ዝኾነ ድማ፡ ብጥንቃቐ ክንሰርሓሎምን ክንምራሓሎምን ኣገዳሲ እዩ ዝኸውን፡፡ ካብዚ ኣገባብ‘ዚ ወጻኢ ብድሌት፡ ባህግን ስምዒትን ክንጥቀመሎም እንተተፈቲኑ ግን ካብ ኣሳላጣይነቶምን ዓወቶምን፡ ክሳረኦም ዝበዝሕን ዝዓብን እዩ ዝኸውን፡፡

ኣብ ሕሉፍን ህልዉን ቃልስና፡ንመትከላት ናይ ሓድነትን ምሕዝነትን ኣብ ምጥቃም ዝምልከት፡ ዝተወሰኑ ፈተናታትን ተሞኩሮን ገዲፍካ መብዛሕቲኦም ብዘይ ቅኑዕን ግሉጽን ኣገባብ ኣብ ተግባር/ኣገልግሎት ክውዕሉ እናተፈተኑ ስለ ዝመጹ፡ ብከምቲ ዝድለ ዓወትን ኣሳልጦ ናይ ቃልስን ዝተረኽበሎም ኣይኮኑን ክበሃል ዝካኣል እዩ፡፡ እዚ ኣሉታዊ ውጽኢት ክኽሰት ጠንቂ እናኾነ ዝመጸን ዝኸውን ዘሎን ድማ፡ መትከላትን ሕግታትን ናይ ስሙር ግንባራት ዘይቅኑዓትን ዘይኣስራሕትን ስለ ዝኾኑ ኣይኮኑን፤ እንታይ ዳኣ ኣብ መምርሒኦምን ኣጠቓቕመኦምን ኣብ ዝምልከት፡ ናይ ተቓለስቲ ሓይልታትና ብሓፈሻ፡ ዝተፈላለየ ምኽንያት ዝመበገሲኡ ጉድለታትን ጌጋታትን ዝፈጠሮ ጸገማት ህልውን ቀጻልን ብምዃኑ እዩ፡፡ ዝተፈላለዩ ስሙር ግንባራት ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለምና ኣብ እናተኻዱ ዝመጹን ገና ዝካየዱ ዘለዉን፡ ናይ ውጹዓት ቃልስታት እናተሰርሓሎም ዝመጸን ዝስራሓሎም ዘሎን፡ ብዙሓት ተቓለስቲ ሓይልታት ናብ ዓወት ክበጽሑ ዝሓገዙ ኣሳለጥቲ መትከላትን ግንባራትን እዮም፡፡

ኣብ ዝሓለፈን ህልዉን ቃልስና ግን ኣብ ክንዲ ኣብ ዘሰማምዑኻ እምነታት ዓሲልካ ሓይልኻን ትሕዝቶኻን ኣዋዲድካ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ምቅላስን ምስዓርን፡ ብኣንጻሩ ምስ ጸላኢ ዝህሉ ቃልሲ ካላኣዊ ቦታ ምሃብ ብዘምስል ኣገባብ፡ ኣብ ሕድሕድ ናይ ምግጫውን ምውሕሓጥን ኣሉታዊ ውጥን ቀዳምነት ብምሃብ፡ ናብ ዘይተደላዪ፡ ውግእ ሕድሕድ እናተኣትወ ብዙሕ ሰብኣዊ ሂወት ኣኽሲሩናን ቃልስና ክኸብድን ዓወትና ክድንጉን ኣሉታዊ ተርእዮ ኣኽፊሉና እዩ፡፡ እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ሃገራዊ ነጻነትና ምስ ተረጋገጸ‘ውን እንተኾነ፡ ተቓወምቲ ሓይልታትና ብሓፈሻ፡ ንመትከላት ናይ ስሙር ግንባራት /ስልታውን ስትራተጂያውን/ ብፍልጠትን ሓላፍነትን ብከምቲ ዝድለ እናተገልገልናሎም መጺእናን ንጥቀመሎም ኣለናን ክበሃል ኣይካኣልን፡፡ ምኽንያቱ ኣብ ደምበ ተቓውሞና፡ ኣብ ስሙር ግንባራትን መትከላቶምን ዝተፈላለዩ ድኽመታትን ጸገማትን ግቡእካ ዘይምፍጻምን ህሉዋት ስለ ዝኾኑ፡፡ ንኣብነት ገለ ነጥብታት ንምጥቃስ ዝኣክል፤

1.ኣብ ተቓወምቲ ሓይልታትና ናይ ስሙር ግንባራት መትከላትን መምርሒኦምን ብልክዕ ፈሊጥካ፡ ተማእዚዝካን  ተደጋጊፍካን ናይ ምቅላስ ብቕዓትን ባህልን ስለ ዘይተወነነን ዝጎድልን፡፡

2.ናይ ክልቲኦም ግንባራት፡ዕማማትን መትከላትን ብምድውዋስ ክትጥቀም ናይ ምድላይ መንፈስ ቀጻሊ ብምህላዉ፡፡

3.ካብቲ ናይቲ ዝምስረት ልፍንታዊ ግንባር ዕማማት፡ ናይ ውልቀን ጉጅላውን ረብሓታት ብምቐዳም፡ ንምዕዋቱ ናይ ምንጥጣፍ ኣሉታዊ ተርእዮ ህሉዋት ስለ ዝዀኑ፡፡

4.ኣብ መሰረታዊ ዕላማ ሓድነት ዘይብሎም ክነሶም፡ ብስም «ዘራኽቡና ነጥብታት ኣለዉ እዮም ሓደ ንኹን» ብዝብል ዘይሓጋዚ ሜላ፡ ስልታዊ ግንባር ብግቡእ ከይስራሓሉ ዕንቅፋት ዝፈጥሩ ተግባራት ህሉዋት ብምዃኖም፡፡

5.ኣብ ቀጽሪ ልፍንታዊ ግንባራት፡ ኣብ ክንዲ ናይቲ ዝተመስረተ ግንባር ዕማማት ንምዕዋት. ቀዳምነት ሂብካ ምውሳእ፡ ብኣንጻሩ እቲ ግንባር መሳለጢ ናይ ውልቃውን ጉጅላውን ፖለቲካዊ ስልጣን ገቢርካ ብምርዳእ፡ ነዚ ፖለቲካዊ ባህጊ‘ዚ ንምስላጥ ክባሃል ኣብ ውሽጢ እቲ ግንባርን ካብኡ ወጻእን እናተጎጃጀልካ ምስራሕን ምዕንቃፍን ዓቢ ስፍራ ዝሓዘ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ልፍንታዊ ግንባራት ርግኣት ረኺቡ ከይስራሓሉ ዝገብር ኩነታት ቀጻሊ ምህላዉ፡፡

6.ካብ መትከላት ስልታውን እስትራተጂካውን ግንባራት ፍልይ ዝበለ «ናይ ውልቀ ውድባት መሰረታዊ እምነታት/መደብ ዕዮ/ ብምድስካል ብናይቲ ስልታዊ ግንባር ዕማማትን መምርሒታትን ጥራሕ ተማእዚዝና እንተተቓሊስና ጸላኢ /መ/ህግደፍ/ ብስሉጥ ኣወጊድና ክንዕወት ንኽእል ኢና» ዝብል መሰረት ዘይብሉ ባዕላዊ ፍልስፍናዊ ርእይቶ ብዝተወሰኑ ኣካላት ግብራዊ ንክኸውን ይውፈረሉ ብምህላዉን ...ወዘተ ተደማሚሮም ኣብ ስሙር ግንባራትና ቀለልቲ ዘይኮኑ ዕንቅፋታት ይፈጥሩ ምህላዎም ምጥቃስ ዝካኣል እዩ፡፡ እዞም ብመጠኑ ዝተጠቕሱ ነጥብታት ኣሉታውያን ስለ ዝኾኑ ድማ ልፍንታዊ ግንባራትና ካብ ምድኻም ሓሊፎም፡ ኣብ ዘለውዎ ጋም-ማን እናበሉ ናብ ምብትታን ክሳጥሑ ዝረኣዩ ዘለዉ፡፡ ውሑዳት ዘይኮኑ ኣካላት ደምበ-ተቓውሞና ግን ነዚ ብመጠኑ ዝጥቀስ ዘሎ ወድዓዊ ሓቂ ጸገማት ናይ ደምበ ተቓውሞና ኣብ ክንዲ ምቕባልን ንምዕራዩ ዝቃለሱን ብኣንጻሩ፡ እቲ ጸገማትን ድኽመታትን ከም ዘይዕረ ገይሮም ብምርኣይ ወይ ንነብሶም ቅኑዓት ክመስሉ እቲ ድኽመታትን ጸገማትን ናብ ካለኦት ብምሕዳግ፡ ካልእ ሓድሽ ግንባርን ምሕዝነትን ንምምስራት ክነጥፉ ዝረኣዩ ውሑዳት ኣይኮኑን፡፡ እዚ ከም ቅኑዕ መማረጺ ገይሮም ዝወስድዎ ዘለዉ ኣገባብ ግን፡ ናይ ቃልሲ ግቡኦም ብምልኣትን ሓላፍነትን ክሳብ ዘይርኣዩን፡ ንመትከላትን መምርሒታትን ናይ ስሙር ግንባራት ዘይተማእዘዙን፡ ንውልቃውን ጉጅላውን ፖለቲካዊ ስልጣን ንምዕዋት ብምሕላን ክሳብ ዝተቓለሱን፡ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ጽላላት ክምስርቱ እንተፈተኑ ዝሰልጦምን ዝዕወቱን ኣይኮኑን፡፡ ምኽንያቱ ንገዛእ ርእሶም ብኣረኣእያን ኣሰራርሓን ከይተዓረዩ፡ ኣካብን ኣስራሕን ግምባር/ጽላል ብምምስራት ክቃለሱን ከቃልሱን ስለ ዘይክእሉ፡ ብተወሳኺ ግንባራት ክስራሓሎምን ብኣሳላጥነት ናይ ቃልሲ ከገልግሉን ዝኽእሉ፡ ብመሰረት ሕግታቶምን መምርሒኦምን ዝሰርሑ ብቑዓት ፖለቲካዊ ሓይልታት ምስ ዝህልዉ ጥራሕ‘ውን ስለ ዝኾነ፡፡

ካብዚ ወጻኢ ነብስኻ ከይተኣረምካ ሓደስቲ ግንባራት/ጽላላት/ ንምምስራት እንተተፈተነ ከም«ማይ ቅዳሕ ማይ መልስ» ዝብሃል ለውጢ ዘይብሉ፡ ናይ ምፍታንን ምፍሻልን፡ ኣብ ናይ ደውታ ኩነታት እናሓምበስካ ከይዱ ከይዱ ምፍልላይን ምድኻምን እዩ ዘስዓብ፡፡ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ምስክር እንተተደልዩ ድማ፡ ሕሉፍን ህልዉን ተሞኩሮ ናይ ተቓወምቲ ሓይልታትና ብግቡእ እንተገምጊምና መልሱ ካብኡ ብምልኣት ክንረከብ ዝካኣል ኢዩ፡፡

ኣብ ደምበ-ተቓውሞና ዝውቱር ኮይኑ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ተርእዮ ግን፡ ኣብ ክንዲ ጉድለታትካን ድኽመታትካን ንምእራምን ንምምሕያሽን ምቅላስ፡ ብኣንጻሩ ካብ ጉድለታትካ ንምህዳም፡ ፍሉይ ባህርን ዓቕምን ኣብ ዘይብልካ ኩነታን ወቕትን፡ ሓድሽ ስሙር ግንባራት/ጽላላት/ ምምስራት ከም ብሕታዊ መፍትሒ ናይ ጸገማት ተገይሩ ብምውሳድ ክትነጥፍ ምምራጽ እዩ ብጭቡጥ ዝረአ ዘሎ፡፡

ኣብ ደምበ-ተቓውሞና ካብ 1999 ዓ/ም ጀሚሩ ክውደባ ዝጀመራ ውድባትን ግንባራትን ውሑዳት ኣይኮናን ጥራሕ ዘይኮነ፡ መብዛሕቲኤን ብሕመቕን ዘይቅንዕናን መሪሕነታተን ብናይ ፖለቲካዊ ሕመቕ ተጠቒዐን ክሳቐያ፡ገሊአን ካኣ ሰንከልከል እናበላ ብዘይግሉጽን እዉጅን ኣገባብ እናፈረሳን እናተበታተናን እየን መጺአን፡፡ ሓፈሻዊ ኩነታት ናይ ተቓወምቲ ውድባትና ጭቡጥ መግለጺኡ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ እዩ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ዝተፈላለየ ድኽመታትን ጸገማትን ዝርከባ ፖለቲካዊ ውድባትን ግንባራትን ናይ ጸገማተንን ድኽመታተንን ጠንቂ ብግቡእ ገምጊምካ ንምድሓነንን ንምብቀዐንን ምቅላስ፡ ብኣንጻሩ ካልእ ልፍንታዊ ግንባር ንምምስራት ንቕሎታት/ተበግሶ ምውሳድ ለውጥን ምዕባለን ዘይብሉ ፖለቲካዊ ሂወት ካብ ምስዓብ ሓሊፉ ዘምጸኦ ኣወንታዊ ቁም-ነገር የብሉን፡፡

እዚ ፖለቲካዊ ሽግር‘ዚ ካብ ናይ ተቓወምቲ ሓይልታትና ድኽመትን ሽግርን ምዃን ሓሊፉ፡ ህዝባዊ ቃልስና በሓፈሻ ሃገራዊ ዓቕምታቱ ወዲቡን ኣዋዲዱን ንከይቃለስ፡ ኣዝዩ ክጽገምን ኣብ ናይ ደውታ ፖለቲካዊ ታኼላ ክጽመድ ዘገድድ ዘሎ ሕሱም ተርእዮ እዩ፡፡ ጭቡጥ ጸገማትን ድኽመታትን ናይ ደምበ-ተቓውሞና ኣብ መድረኽ ፈጢጡ ወጺኡ እናሃለወ፡ ኣብ ክንዲ ብመደባት፡ መምርሕን ሕግን ናይቲ ልፍንታዊ ግንባር/ግንባራት ተማእዚዝካ ንምፍተሖም ምቅላስ፡ ብኣንጻሩ ሓደስቲ ግንባራት ክትምስርት ምጽዓርን ምምስራትን ኣወንታዊ ውጽኢት ዝርከቦን ንቃልሲ ዝሕግዝን ኣይኮነን፡፡ ምኽንያቱ ኣብቲ ግንባር ክካየዱ ዝግበኦም ግቡኣትን ግዴታታትን እንተዘይተሓዲሶምን ተጠናኺሮምን፡ ብሓባር ተኣማሚንካን ተደጋጊፍካን ናይ ምቅላስ ተግባርን ባህልን ክሳብ ዝበኾሩ፡ እቲ ብገለገለ ውድባት ዝምረጽ ሓድሽ ግንባር ናይ ምምስራት መደብ ተመስሪቱ ዕዉት ቃልሲ ክካየደሉ ኣይካኣልን እዩ፡፡ ብኣንጻሩ ንደምበ ተቓውሞና ተወሳኺ ምድኻማት ዘስዕብ እዩ ዝኸውን፡፡ ክሳብ ሕጂ እናተገንዘብናዮ ዝመጻና ተሞኩሮ ናይ ግንባራትና ድማ ነዚ ሓቂ‘ዚ እዩ ብጭቡጥ ዝሕብርን ዘረጋግጽን፡፡

ስለ ዝኾነ ዕማማት ናይ ግንባራትና ንምዕዋት፡ ብሓላፍነት፡ ተወፋይነትን ምእዙዝነትን ክንቃለስ ክሳብ ዘይበቓዕና፡ ድኽመታትን ጻገማትን ናይ ደምበ-ተቓውሞና ምፍታሕ ዘይከኣልናን፡ ሓደስቲ ግንባራት ክንምስርት እንተጸዓርና ካብ ንግዝያዊ ፖለቲካዊ ሃልኪ ምግልጋል ሓሊፉ ዝጭበጥን ቀጻልነት ዘለዎ ፖለቲካዊ ለውጢ ከረጋግጽ ዝኽእል ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ከምቲ ጉልሻ/ቻ ብምቕያር ጸብሒ ዘይምቅር፡ ዕላማታት ልፍንታዊ ግንባራትና ድማ ሓደስቲ ፖለቲካዊ ጽላላት ብምቕያር ጥራሕ ክዕወቱ ኣይክእሉን እዮም እንተተባህለ፡ ቅኑዕን ሓጋዝን ስለ ዝኾነ፤ ግቡእ ፖለቲካዊ ግንዛበ ብምሓዝ፡ ጸገማትን ድኽመታትን ናይ ደመበ-ተቓውሞና ብሓፈሻ ንምፍታሕ እናተቓለስና ካብ ድኽመታታናን ጌጋታትናን እናተኣረምና፤ ተወሃሂድናን ተደጋጊፍናን፡ ናይ ዝመስረትናዮም ግንባራት ሕጊታትን መምርሒታትን ኣኽቢርናን ተማእዚዝናን ክንቃለስ ምስ እንበቅዕ እዩ ናብ ዓወት ዘብጸሓና‘ምበር ሓደስቲ ግንባራት ምምስራት ጥራሕ ኣይኮነን፡፡

ምምስራት ግንባራት ጥራሕ ዘዕውት ነይሩ እንተዝኸውን ብዝሒ ዝመስረትናየን ግንባራት ውሑዳት ኣይኮናን፡ በዚሐን ግን ለውጢ ኣየምጸኣልናን፡፡ እቲ ጭቡጥ ምኽንያት ግን ልፍንታዊ ግንባራት ተመስሪተን ብቅንዕናን ሓላፍነትን ክንስርሕ ብዘይምኽኣልና እዩ እቲ ወድዓውን ታሪኻውን ድኽመታት ናይ ደምበ-ተቓውሞና፡፡

ስለዚ ካብ ድኽመታትናን ጸገማትናን ንምድሓን ብእንገብሮ ዘየቋርጽ ቃልሲ ግንባራትና ንክዕወቱ ዝውስን ስለ ዝኾነ፡ ጉድለታትናን ጸገማትናን ንምውጋድ እነካይዶ ቃልሲ ቀዳምነት ሰሪዕና ብጽንዓት ክንቃለስ ኢዩ ዝህልወና ንብል፡፡

 

 

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                     04 ሰነ 2024