24 ግንቦት ኣብ ኣእምሮን ተዘክሮን ኤርትራውያን ፍሉይ ቦታ ዘለዋ ዕለት’ያ። ፍሉይ ዝገብራ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ዝወሰደ፡ ሰብኣውን ነዋታውን ኩሉ-ሸነኻዊ መስዋእቲ ዝሓተተ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ሰንሰለታዊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብሓይልን ብሕግን ሓንሳእን ንሓዋሩን ዝተደብየላ፣ ዋንነታ ናይ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት ክብርቲ ሃገራዊት ፖለቲካዊ በዓል ብምዃና’ዩ። ኤርትራ ካብ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ዝምንጩ ዘተኣማምን ህዝባዊ ሃገራዊ ሰላም፡ ምኽባር መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት፡ ማሕበረ ቁጠባዊ ሕውየት፡ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፡ ዜጋታት ብዘይ ሸለብ ገለብ ብርእሰ ምትእምማን ዝነብሩላ፡ ልኡላውነት ህዝቢ ምሉእ ንምሉእ ዝተረጋገጸላ ሃገር ክትከውን ፍሉይ ተስፋ ዝተነብረላ ዕለተ ‘ውን እያ 24 ግንቦት።ስለዝኾነ 24 ግንቦት 2024 ንመበል 33 ዓመት ከነኽብር እንከለና ከም’ቶም ዝሓለፉ ዓመታት ብኸበሮ ሳዕሳዒት ወደሳ ዝተዓብለለ ክኸውን የብሉን። ምኽንያቱ ብተግባር ንኸበሮ ሳዕሳዒትን ወደሳን ኣብ ዝዕድም ኩነታት የለናን። ከም ሰባት ክብርና ተዋሪዱ፡ ከም ህዝቢ መእሰሪ ዘይብሉ መኣዶ ኮይና ብዘግምታ ንበታተንን ንጠፍእን ስለ ዘለና፡ በቲ በዓል ምኽንያት ንገብሮ ምትእኽኻብ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ንካየድ ዘተ፣ ዝቐርብ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፣ ብመልክዕ ስነ-ጥበብ ነመሓላልፎ መልእኽቲ፣ ነስመዖ ጭርሖ ….ወዘተ፡ ንሕሉፍ ሕልውን መጻእን ፖለቲካዊ ታሪኽናን ምስልናን ጭቡጥ ኣተሃላልውናን ዘንጸባርቕ ክኸውን ኣለዎ። ስለምንታይ’ሲ፡ ታሪኻዊ ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታና ብግቡእ ከይፈለጥና፡ ዘለናዮ ኩነታት ከይገምገምና፡ መጻኢና ከይሰኣልና፡ ናይ ባህርን ኣሰራርሓን ለውጢ ከይገበርናን ካብ ኣጋጢሙና ዘሎ ናይ ህልውና ሓደጋ ክንወጽእ ስለ ዘይንኽእል።

24 ግንቦት መወከሲት ሕሉፍ ታሪኽና’ያ፡

ሀ. ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ፡ ትርጉም ዘለዎ እምቢታ ንመግዛእትን መቓልሕ ነጻነትን ሓርነትን ካብ 40ታት’ዩ ዝጅመር። ካብ 40ታት ክሳብ 1991 ኣብ ዝነበረ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ጉዕዞ ህዝቢ ከም ህዝቢ ብሓፈሻ፡ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ከኣ ብፍላይ፡ ነቲ ዝጥለብ ዘሎ ፍትሓዊ ሕቶ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ዝምጥን ነዊሕ ዝኸይድ ንጹር ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ኣረኣእያ፡ ኣብ ህንካን ሃባን ዝኣምን ምዕቡል ፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ካብ ኣድልዎን ጸቢብ ወገናውነትን ዝደሓነ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ዶ ነይሩ ኣይነበረን? ተዘክሮና ብምሕዳስ፡ ሰነዳትና ብምውካስ ንፍትሸሉ ክኸውን ይግባእ።

24 ግንቦት ሃገር ማለት ሰብ ምዃኑ ህዝቢ ምዃኑ ብንቕሓት ዝተረደአ፡ ማእከሉ ህዝባዊ ልኡላውነትን ውሳንነት ምርግጋጽ ዝገበረ፡ ግዜ ወሲዱ ብዝተጸንዐን ህዝቢ ዘሳተፈ ዘተን ክትዕን ሓሊፉ ዝተቐርጸ፡ ገዛኢ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ስርጸትን ካብኡ ዝብገስ መትከላዊ ጽንዓትን ምንባሩን ዘይምንባሩን ግቡእ ተረድኦ ንሕዘሉ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ሓደ ህዝባዊ ነጻነታውን ሓርነታውን ቃልሲ፡ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ርእይቶታትን ዝንባሌታትን ምህላው ኣወንታዊ ‘ምበር ኣሉታዊ ኣይኮነን። እሞ ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኽና፡ ናይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ፍልልያት ብሓይሊ ሓሳብ፡ ብዘተ፡ ብደሞክራስያዊ ምሕደራ ኣብ ሓደ ዝመጽእሉ ወይ ብልፍንቲ ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ዝሰርሑን ናብ ዓወት ዝበጽሑን ፖለቲካዊ ውድባት ነይሮምዶ? ምኽንያቱ ቀንዲ ዋኒን ፖለቲካዊ ውድባትን ፖለቲካዊ መሪሕነትን ነቲ ዝተበገሰ ህዝባዊ ሕቶ ዝምጥንን ብግቡእ ክምልስ ዝኽእልን ፖለቲካዊ ፕሮግራም፡ ስትራተጂ፡ ስልትን ናይ ተግባር መምርሕን ብምቕራጽ ብኣካል ናብ’ቲ ብዓል ቤት ዝኾነ ህዝቢ ቀሪብካ ምንቃሕ፡ ምውዳብ፡ ብቕኑዕ ኣንፈት ምምራሕ’ዩ።

ቅድሚ 1991 ዝነበሩ ፖለቲካዊ ውድባትን መሪሕነታዊ ኣካላትን ብሓሳብን ብተግባርን ከምኡ’ዶ ነይሮም? ከምኡ’ዶ ገይሮም? ከምኡ እንተዝኸውን ደኣ ውጽኢቱ ኣብ ባይታ ዘይረአ? ንሎሚ ስንቂ ኮይኑ ዘየገልግለና? ስለምንታይ ኣብ’ዚ ወዲቕና? ክሕታት ክትንተን ክግምገም ይግባእ። ፖለቲካዊ ታሪኽና ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ብብስለት ዘይኮነ፡ ብስምዒት፡ ብኩነታታዊ፡ ብወተሃደራዊ ሓርበኝነት ዝተዓብለለን ዝተጸልወን፡ ጠንቂ ንድሕሪት ገዲፉ ኣብ ሳዕቤን፡ ካብ ኣብ መሰረታዊ ኣብ ዘይመሰረታዊ፡ ካብ ኣብ ሕጋዊ ኣብዘይ ሕጋዊ፡ ትኹረት ዝገብር ብኩራት መሪሕ ደሞክራስያዊ ውድብ ከም ዝነበረ ንምርዳእን ንጽዕተሉ በዓል ክኸውን ኣለዎ።

ለ. ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ፡ ኣብ’ዚ ካብ 40ታት ክሳብ 1991 ዝነበረ ነዊሕ ሃገራዊ ቃልሲ፡ ዝተሓላለኸን ፈታንን ጉዕዞ፡ ታሪኽ እምቢታ ንመግዛእቲ፡ ደረጃታቱ ዝፈላለ ከም ህዝቢ ዘነይት፡ ጽንዓት፡ ተወፋይነት፡ ክቡር ኩለ-መዳያዊ ግብራዊ መስዋእትን ሓርበኝነትን ተመዝጊቡ’ዩ። ሰባት ንስለ ብድሕሪኦም ዘሎ ወለዶ ክጥዕሞ መተካእታ ዘይብላ ህይወት ከፊሎም። ገንዘብ፡ ነዋት፡ ፍልጠት፡ ጉልበት ወፍዮም’ዮም። ካብ’ቲ ኣብ ዘመናዊ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ ዝተፈጸመ ብዙሕ ሓርበኛዊ ቅያታት፡ ኣብ ግዜ ግዱድ ፈደረሽን ወለድና ዘካየድዎ ሰላማዊ ቃልስን ዝኸፈለዎ መስዋእትን፣ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓረካ) ኣብ ምሉእ ከተማታት ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ እንኮላይ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኢትዮጵያ ዝፈጸሞ ብዙሕ ዋጋ ዝተኸፍሎ ዕወት ስርሒት፣ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዓውደ ውግኣት ብሓፈሻ፡ ዝረቐቐ ጥበብ ትብዓት ኣብ ዝሓትት ብፍላይ ኣብ ከተማታት ዝተሰረሐ መስተንክታዊ ቅያ ፈዳይን፣ ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተኻየዱ ከበድቲ ውግኣት ዝተሓፍሱ ድሙቓት ዓወታት፣ ብሓፋሽ ውድባት ብፍላይ ኣዴታት “ሃገረይ ስልማተይ” እናተባህለ ብንጹህ ሕልና ዝግበር ዝነበረ ዘይርብርብ ኩሉ-ሸነኻዊ ተሳትፎን ደገፍን ምርዳእ የድሊ። እዚ ብኤርትራዊት፡ ብኤርትራዊ ዝተፈጸመ ጀግንነት ናይ ሓደ ሰብ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ዘይኮነ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ታሪኻዊ ሓድግና ምዃኑ ብግቡእ ንፈልጠሉን ንሕበነሉ ዕለት ክኸውን ይግባእ 24 ግንቦት።

ታሪኻዊ ድሕረ ባይታና ተወኪስና ንረኽቦ ትምህርቲ ‘ምበኣር፡ ኣብ’ቲ 24 ግንቦት 1991 ብሓይሊ፡ 24 ግንቦት 1993 ድማ ብሕጊ ባዕዳውያን ገዛእቲ ተሳዒሮም፡ ሃገራዊ ግዝኣታዊ ልኡላውነት ዝተረጋገጸሉ፡ ባዕላውን ወድዓውን ጎርብታት ዝበዝሖ ነዊሕ መስርሕ፡ ዘነይት ወተሃደራዊ ሓርበኝነት ‘ምበር፡ ዘሕብን ፖለቲካዊ ንቕሓትን ብቕዓት ምሕደራን ዘይምውናና’ዩ። እቲ ኣላሽ ዘይብል ህዝባዊ ደገፍን ግብራዊ ወተሃደራዊ ሓርበኝነት ንዕለተ ነጻነት 24 ግንቦት ኣብ ምምጻእ ተዓዊቱ። ኤርትራዊ ግዝኣታዊ ልኡላውነት ድማ ኣረጋጊጹ። ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ግን፡ ካብ መጀመርያ 40ታት ክሳብ 24 ግንቦት 1991 መሰልን ረብሓን ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳቡ ኣነጺሩ ብስትራተጂን ስልትን እናተመርሐ ዝመርሕ ዘነይት ፖለቲካዊ መሪሕነት ከም ዘይጠርና፡ ምስ ኩሉ ድሑር ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናብ ዘቤታዊ መግዛእቲ ከም ዝተሰጋገርና ትምህርቲ ንሓፍሰሉ በዓል ክኸውን ይግባእ።

24 ግንቦት መገምገሚት ህልዊ ኩነታትና’ያ፡

ሀ. ብፖለቲካዊ ሸነኹ፡ ብእምነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ጠንቂ ናይ ሎሚ ኩለ-መዳያዊ ጸግምና እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ መግዛእቲ’ዩ። ፖለቲካዊ ኣረኣእያና ቅድሚ 1991 ንዝነበረ ብትምክሕትን ጽበትን ዝራጋሕ ድሑርን ኣዕናውን ኣተሓሳስባ ዝወረሰን’ዩ። ደምበ ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ዘቤታዊ መግዛእቲ ውሁድ ፖለቲካዊ ሚዛን የብሉን። ዝበዝሕ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ፡ ናይ ርሑቕ ርሕቀትን ናይ ቀረባ ርሕቀትን ንጹር ውጥን፣ ውግንና ናብ ህዝቢ፡ ሕጋዊ ትካላዊ ተሓታትነት ዝብሉ መሰረታዊ ፖለቲካዊ መትከላት ብኸምቲ ዝድለ ኣይወነነን። ባይታ ደምበ ተቓውሞ ብፖለቲካዊ ፕሮግራም ብፖለቲካዊ መትከላት ብሓይሊ ሓሳብ ዘይኮነ፡ ብነባርን ሓድሽን ውድብ፣ ብባዕላዊ ፍርድን ውሳኔን፣ ብተራ ክስን ጸለመን፣ ብከባብያውን ሃይማኖታውን ምትእኽኻብ፡ ብስነ-መጎት ሓይልን ኣካላዊ ምጥቕቓዕን፣ ብሃገራውን ዘይሃገራውን ድሑር ስምዒታት ኣብ ዝተዘርገ ኣተሓሳስባ ይዋሳእ ከም ዘሎ ንግንዛብ።

ሎሚ 24 ግንቦት ንመበል 33 ዓመት ነኽብር ኣለና። ኣብ ኤርትራ ዝነበረ መንጪ ቁጠባ ነጺፉ። ዘይሕጋዊ ንግዲ፡ ምስግጋር ሰባት ካብ ናብን ንቡር ስራሕ መሲሉ ይርከብ። እንኮ መድሕን ህይወት ስደትን ብተጸባይነት ዝርከብ ሓዋላን ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ስደት ስምና ጽቡቕ ኣይኮነን። ሕድሕዶም ፍቕሪ ዘይብሎም፣ ናይ ሰብ ክብሪ ዘይብሎም፣ ዓቕሞም ዘይፈልጡ፣ ኣሸገርቲ ህዝቢ’ዮም እናተበሃልና ንግለጽ ኣለና። ስሩት ማሕበራዊ ባህላውን ሃይማኖታውን ክብርታትናን ሃጒጉ ይጠፍእ ኣሎ። ካብ መስመር ሰብኣውነት ዝወጽኣ ኣረኣእያ ብዘፍርሕ መልክዑ ይስዕርር ኣሎ።

ብዙሓት ወገናት ዝምርሕሉ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም፡ ናትና ዝብልዎ ብደሞክራስያዊ ምርጫ ዝደየበ መንግስትን መራሒ መንግስትን ዘይብሎም ክንሶም፡ ናይ ምሕሳብ ተኽእሎኦም ቀቲሎም፡ ኣብ ምሕረት ካልኦት ሰባት ወዲቖም መንግስትና ወይ ሞት ይብሉ ኣለው። ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኦም ተበቲኑ፡ መሰረታዊ ነገር ገዲፎም ኣብ ዘይመሰረታዊ ዛዕባ ይራግሑ ኣለው። ተወጺዕና መሰልና ይከበር ንዝብሉ ወገናት ዘይሃገራውያን ብዝብል ዕንደራ ብዕስለ ኣካል የጉድሉ ህይወት ይቐዝፉ ኣለው።

ንሕና እዞም ሎሚ ንኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር ኣቚምናን ኣማዕሪግናን ንርከብ፡ ነናትና ፍሉይ መበቆላዊ፣ ቋንቋዊ፣ ባህላዊ፣ ሃይማኖታዊ መለለይን መግለጽን ዘለና ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን መሰረት ትውልድና፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ምስ ዝርከቡ ህዝብታትን ዓሌታትን ናይ ዘርኢ (ደም) ምትእስሳር ከም ዘለና ዘይከሓድ ሓቂ ክንሱ ምስ እዋናዊ ጸገምና ቅድሚት ኣምጺኣና መዛረቢ ምግባርና ምርኣያ ፖለቲካዊ ድኽነትናን ውድቀትናን’ዩ። ናብ’ዛ ናይ ሎሚ ትውልዲ ዓድና (ቁሸትና) ካበይ፡ ብመን፡ ብኸመይ፡ መዓስ መጺእና ታሪኻዊ ድሕረ ባይታና ምፍላጥ ጽቡቕ ክንዋጠጥ ግን ኣይግባእን። ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ ንተመራመርቲ ታሪኽ ዘርኢ ወዲ-ሰብ ጥራሕ ብዝምልከት ዛዕባ ብኣሉታ ይርበሽ ኣሎ። መሰረት ትውልድና ናይ ሎሚ ቅድመ ኩነትና ዘይኮነ ክንሱ፡ ንሕና ከም’ዚ በዓል ክስቶ ከም’ዚ ዝብል ዘረጊቶ ዕንቅፋት ኮይኑ ይርከብ።

ባህሪ ፖሊስን ተግባርን ደመኛ ዘቤታዊ ጸላኢና ዘየጠራጥር ግልጽ ክንሱ፡ ኣብ ምልላዩን ምእላዩን ምክፍፋልና ቅኑዕ ኣይኮነን። ብውጽኢቱ ብሓርበኝነትና ብተወፋይነትና ተሸፊኑ ዝነበረ ፖለቲካዊ ድኽነትና ተቓሊዑ ብተዓዘብቲ ለካ ኤርትራውያን ከምዚ’ዮም ንበሃል ኣለና። ዝነበረካ ክብሪ ምስኣን መሪር’ዩሞ መዓልቲ ነጻነት 24 ግንቦት ከነኽብር እንከለና ዝተለምደ ከበሮን ሳዕስዒትን ገቲእና፡ ብፖለቲካዊ ገምጋም መድሓኒትና ንደልየሉ መድረኽ ይኹን መልእኽቲ ደግሓኤ’ዩ።

ለ. ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ፡ ኣብ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ንስለ ህዝባዊ ሰላምን ዝሓሸ ህይወትን ኢልካ ካብ ገንዘብ፡ ነዋት፡ ጉልበት፡ ህይወት ንምኽፋል ዝረአ ቅሩቡነት ብቐሊል ዘይርከብ ጸጋ’ዩ። እዚ ጸጋ’ዚ ኣብ ኤርትራ ህያው ’ዩ። በዚ ዕድለኛታት ኢና። ወይ ንፉዓት ኢና። ኣብ ኤርትራ ንስለ ህዝቢ ክጥዕሞ ተባሂሉ ዝኽፈል መስዋእቲ ኣብ ዘመነ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ዘመነ ዘቤታዊ መግዛእቲ’ውን ይኽፈል ኣሎ። ሕቶ ሰላም፣ ሕቶ ደሞክራሲ፣ሕቶ ልዕና ግዝኣተ ሕጊ ዘልዓሉ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይፍለጥ ዜጋታት ኣብ ፍሉጥን ዘይፍሉጥን ኣብያተ ድጓናታት ይበልዩ ኣለው። ኣካሎም ዝጎደሉ ኣለው። ምንጩ ቁጠባዊ ኣታዊኦም ዝተመንዝዑ ውሑዳት ኣይኮኑን። ብቕሉዕን ብስውሩን ዝተቐትሉ ብዙሓት’ዮም። ስለዚ እቲ ተወፋይነት ሓርበኝነት ኣሎ። ፖለቲካዊ ብስለት ግን ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ብምልኣት ዝወነና ኣይኮናን። መርኣያ ናቱ ድማ እዚ ንሓልፎ ዘለና ሕሱም ዝርገተ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ’ዩ።

24 ግንቦት ኣመቲት መጻኢ ፖለቲካዊ ኣንፈትና’ያ፡

ኣብ’ዚ ኣዝዩ ሕሱም ሰብ ዝሰርሖ መድረኽ’ዚ ኮይና መጻኢና እንታይን ከመይ ክኸውን ኣለዎ ክንእምት ናይ ግድን’ዩ። ካብ ታሪኻዊ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ድሕረ ባይታና ዝረኸብናዮ ትምህርቲ መሰረት ጌርና፡ ዘለናሉ ኩነታት ገምጊምና መጻኢ ኣንፈትና ዝሓሸ ክኸውን፡ ኣመልካቲ ስነ ሓሳብ ክንቀርጽ ይግባእ። ደምበ ተቓውሞ ድኽመታቱ ከለሊ፡ ፍልልያቱ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ኣመሓዲሩን ተናቢቡ ብሓሳብን ብተግባርን ኣንጻር ዘቤታዊ ጸላኢ ብሓባር ክወፍር ከም ዘለዎ ብሓላፍነት ክጥመት ኣለዎ። ድሕሪ ውድቀት ፋሽሽታዊ እንኮ-ሰባዊ መግዛእቲ ብግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣቢሉ ከመይ ናብ ሕጋዊ መንግስቲ ከም ዝበጻሕ፡ ውሁድን ውዱእን ሓሳብ ክንሕዝ ኣለና። እዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ዘይንቡር ምሕደራ ናብ ንቡር ክምለስ፡ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ክትከል፡ ልኡላውነትን ህዝቢ ክረጋገጽ፡ ፈጸምቲ ገበን ኣብ ህዝባዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ግቡእ ፍርዲ ክረኽቡ፡ ብመደብ ዝወደቐ ሃገራዊ ቁጠባና ብተሳትፎ ህዝቢ ክሓዊ’ዩ። ጨካን ምሕደራ ዝደፍኦ ሃንቀውታ ስደት ክግታእ፡ ዝተሰደ ክምለስ፡ ዝተበላሸወ ፖለቲካዊ ምስልና ክሕደስ፡ ምስ ጎረባብትና ብሓባርን ብምክብባርን ብሰላም ክነብር፡ ሓባራዊ ርእይና ክኸውን ይግባእ።

                           24 ግንቦት መወከሲት ሕሉፍ፡ መገምገሚት ሎሚ፡ ኣማቲት መጻኢ’ያ

                                        ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                             24 ግንቦት 2024